ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21
ሃዋርያ ዮሃንስ ወንጌሉ ኺጽሕፍ ከሎ፡ እቲ ቐንዲ ሓሳቡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ምምስካር ነበረ (ዮሃ.20፡31)። ንየሱስ ደጋጊሙ፤ ﷽ህይወት ዘልኣለም ዚህብ ወዲ ኣምላኽ ይብሎ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገበሮ ብዙሕ ተኣምራት ከኣ፡ ኣምላኽነቱ ዚገልጸሉ ምልክት ከም ዝነበረ ይጽሕፍ (ዮሃ.2፡11)። የሱስ ኪጽሊ ኸሎ፡ ወዲ እግዚኣብሄር ኣቦ ምዃኑ ይገልጽ ስለ ዝነበረ (ዮሃ.17፡1፥5)፡ በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ህዝቢ እምኒ ኺድርብየሉ ኸም ዝሃቀነን ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንሞት ከም ዝፈረዶን ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ተገሊጹ ንረኽቦ (ዮሃ.8፡58፤ 19፡17)። ቀጺሉ ኸኣ፡ የሱስ፤ ﷽ኣነ እየ እናበለ ሓያሎ ጊዜ ኣምላኽነቱ ከም ዝሓበረን (ዮሃ.6፡35)፡ ቶማስ ከኣ፡ ﷽ጎይታይን ኣምላኸይን ከም ዝበለ እናጠቐሰን፡ ኣምላኽነት የሱስ የረጋግጸልና (ዮሃ.20፡28)።
ወንጌል ዮሃንስ ኣብ ክልተ ኽፍሊ ይኽፈል። ካብ ዮሃ.1 ክሳዕ ዮሃ.12 የሱስ ኣብ ደገ ኾይኑ ዝገበሮን ዝመሃሮን ተዘርዚሩ ንረክብ። ካብ ዮሃ.13 ክሳዕ ዮሃ.21 ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት (ደርቢ) ኮፍ ኢሉ ዝመሃሮ ትምህርትን ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ብዛዕባ ምትሓዙን ስቕለቱን ትንሳኤኡን ነንብብ። ካብ ዮሃ.14 ክሳዕ ዮሃ.16 ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ዓቢን ፍሉይን ትምህርቲ ተጻሒፉ ኣሎ። ወንጌል ዮሃንስ ካብቲ ማቴዎስን ማርቆስን ሉቃስን ዝጸሓፍዎ ወንጌላት ፍልይ ዝበለ እዩ። ምኽንያቱ ኸኣ፡ ዮሃንስ ንወንጌሉ ደንጉዩ ስለ ዝጸሓፎን (ማለት ብ 90 ዓ.ም.)፡ ነቲ እቶም ካልኦት ወንጌላውያን ዝጸሓፍዎ ወንጌላት ከኣ ርእይዎ ስለ ዝነበረን፡ ነቲ ኻብኣቶም ዝጎደለ ኪስውኽ እምበር ነቲ ድሮ እተጻሕፈ ኺደግም ብዘይ ምድላዩ እዩ። እቲ ቐንዲ ሓሳብ ዮሃንስ ከኣ ብዛዕባ የሱስ ዝዓሞቐ ትምህርቲ ንምምሃር ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ ምስላታትን ካልእ ነገራትን ኪጽሕፍ ኣይደለየን (ዮሃ.1፡1-14)።