ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24
እዚ ኻብ ወገን ኣህዛብ ዝነበረ ሉቃስ እቲ ሓኪም፡ ነቲ ኻብ ወገን ኣህዛብ ዝነበረ ፈታዊኡ ቴዎፍሎስ፡ ነቲ ብዛዕባ ክርስቶስ እተማህሮ ቓል ኣረጋጊጹ ምእንቲ ኺፈልጥ ኢሉ "ወንጌል" ኢሉ ጸሓፈሉ። ሉቃስ ነቲ ወንጌሉ ኺጽሕፍ ከሎ፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ወዲ ሰብ ከኣ ስለ ዝኾነ፡ ናይ ኩላቶም ደቂ-ሰብ መድሓኒ ከም ዝኾነ የረጋግጽ።
ወንጌል ሉቃስ ብ 60 ዓ.ም. ኣቢሉ ኸም እተጻሕፈ ይመስል። ሉቃስ ኣብቲ ወንጌሉ፡ ብዛዕባ ጸሎት፡ የሱስ ባዕሉ ይጽሊ ኸም ዝነበረን ንሃዋርያቱ ኸኣ ምጽላይ ከም ዝምሃሮምን (ሉቃ.11፡1-13) ይነግር። ብዛዕባ ደቀንስትዮ ኣስፊሑ ይገልጽ (ሉቃ.1-2)፡ ብፍላይ ከኣ ሓያሎ ምስላታት ክርስቶስ ይዝርዝር (ሉቃ.15-18)። ሉቃስ ነቲ ጽሑፉ እናሓተተን ብጥንቃቔ እናመርመረን ኣረጋጊጹ ስለ ዝጸሓፎ፡ ልክዕ ከምቶም በዒንቶም ርእዮም ዝነገሩ ኣገልገልቲ ጎይታ ይቑጸር (ሉቃ.1፡1-4)። ኣብቲ ቐዳማይ መጽሓፉ ማለት ኣብ ወንጌል ሉቃስ፡ ነቲ የሱስ ኣብ መጀመርታ ዝገበሮን ዘስተምሃሮን ነገር ኩሉ ጽሒፉ ምስ ኣብቅዔ፡ ኣብቲ ኻልኣይ መጽሓፉ ማለት ኣብ ግብሪ ሃዋርያት፡ ቅጽል እቲ ዛንታ ጸሓፈ (ግብ.1፡1-2)።
ክፍልታት ወንጌል ሉቃስ፡