ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16 17 18 19 20 21 22 23 24 25 26 27 28
ሉቃስ ዝጸሓፎ ካልኣይ መጽሓፍ። ሉቃስ ኣብቲ ዝጸሓፎ ወንጌሉ፡ ካብ ልደት የሱስ ጀሚሩ ክሳዕ ዕርገቱ ነቲ የሱስ ዝነበሮን ዘስተምሃሮን ዛንታ ይዝርዝር። ኣብዚ ﷽ግብሪ ሃዋርያት ተባሂሉ ዘሎ ካልኣይ መጽሓፍ ከኣ፡ ነቲ ዛንታ ብምቕጻል፡ ሃዋርያት ዝገበርዎ ግብሪ ይጽሕፍ። ብመሰረቱ ግና፡ እቲ ብሃዋርያት እተፈጸመ ግብሪ ብሓቂ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ከም እተገብረ ይገልጽ። ግብሪ ሃዋርያት፡ እምነት ክርስትና ካብ ይሁዳ ናብ ሰማርያ፡ ካብ ሰማርያ ናብ ሶርያ፡ ካብኡ ኸኣ ናብ እስያን ግሪኽን ሮሜን ከመይ ኢሉ ከም እተዘርግሔን ከም ዝኣተወን ዜረድእ መጽሓፍ እዩ።
ኣብ ግብሪ ሃዋርያት እተን ቀዳሞት ምዕራፋት (1-8) መብዛሕትኤን ብዛዕባ ጴጥሮስ የዘንትዋ፡ እተን ዳሕረዎት ምዕራፋት ከኣ (9-28) ብዛዕባ ጳውሎስ የዘንትዋ። እቲ ቐንዲ ዕላማ ናይ ሉቃስ፡ እቶም ሃዋርያት ትእዛዝ ጎይታ ንምፍጻም ወንጌል ክሳዕ ወሰን ምድሪ ከም ዝዘርግሑ ንምርዳእ እዩ። ኣብታ መዓልቲ በዓል ሓምሳ (ጰንጠቆስተ) መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ እቶም ሃዋርያት ወሪዱ ኣብ የሩሳሌም ቤ.ክ. ምስ መስረተ፡ እምነት ክርስትና ናብ ይሁዳን ናብ ሰማርያን ከም እተዘርግሔን (ግብ.8፡1)፡ ካብኡ ኸኣ ናብ ቆጵሮስን ናብ ኣንጾክያን (ግብ.11፡19)፡ ድሕሪኡ ድማ ጳውሎስ ሰለስተ ግዜ ኺገይሽ ከሎ ናብ እስያን (ግብ.13፡4፤ 13፡13) ናብ ሃገር ግሪኽን (ግብ.16፡9-10)፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናብታ ርእሲ ኸተማ ዓለም ዝነበረት ናብ ሮሜ (ግብ.27-28) ከም ዝበጽሔን ጽሑፍ ኣሎ። ሉቃስ ንግብሪ ሃዋርያት ብጥንቃቔ ስለ ዝጸሓፎን (ሉቃ.1፡1-4) ምስ ጳውሎስ ከኣ ብዙሕ ግዜ ሓቢሩ ይገይሽ ስለ ዝነበረን (ግብ.16፡1-18)፡ እቲ ዝጸሓፎ ዛንታ ሓቂ ከም ዝኾነ የረጋገጽ። ግብሪ ሃዋርያት ብ 64ዓ.ም. ኣቢሉ ከም እተጻሕፈ ይግመት።