ምዕራፍ 1
ሃዋርያ ጳውሎስ ተኣሲሩ ኸሎ፡ ኦነሲሞስ እተባህለ ባርያ ካብ ጎይታኡ ኣምሊጡ ናብ ሮሜ ምስ ሃደመ ምስ ጳውሎስ ተራኸበ እሞ፡ ቃል ወንጌል ሰሚዑ ብክርስቶስ ኣመነ። ኦነሲሞስ ብኣገልግሎቱ ንጳውሎስ ጠቒምዎ ነበረ፡ እቲ ሃዋርያ ግና ናብ ጎይታኡ ኪምለስ ይግባእ ብማለት ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ናብ ፊልሞን ጽሒፉ ምስ ኦነሲሞስ ለኣኻ። ፊልሞን ብጸዓት ጳውሎስ ናብ ክርስትና ዝኣተወ ይመስል፡ እቲ ሃዋርያ ኸኣ ነዚ ነገር እዚ እናኣዘኻኸረ ብዛዕባ ኦነሲሞስ ኣጸቢቑ ይልምኖ። ኦነሲሞስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ፡ በቲ እታ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቆሎሴ እተላእከት ጊዜ ሒዝዋ ስለ እተመልሶ (ቆሎ.4፡8-9)፡ መልእኽቲ ፊልሞን ብ 62 ዓ.ም. ኣቢላ እተጻሕፈት ትመስል።