1 ፡ 2 - ንስኻትኩም ቀደም ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ከምቲ መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብሮ ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር እተመላለስኩም፡ ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምዉታት ዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም። 3 - ንሕና ዂላትና ኸኣ ነቲ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና፡ ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም ንነብር ነበርና፡ ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቚጥዓ ነበርና። 4 - ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ 5 - ንኣና፡ ብበደልና ምዉታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡ -ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ - 6 ፡ 7 - ምስኡውን ኣተንስኣና፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ የሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ የሱስ ምስኡ ኣቐመጠና። 8 ፡ 9 - ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኸêም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን። 10 - ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና።
11 - ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ኣህዛብ ብስጋ፡ በታ ኢድ ኣብ ስጋ እትገብራ ግዝረት እትብሀል ቀደም ዘይግዝረት ከም እተብሀልኩም፡ ዘክሩ። 12 - በቲ ዘመን እቲ ብዘይ ክርስቶስ ከም ዝነበርኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ ኺዳን ተስፋውን ኣጋይሽ፡ ትጽቢት ዜብሎም፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ከም ዝነበርኩም፡ ዘክሩ። 13 - ሕጂ ግና፡ ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ የሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም። 14 - ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ እሞ፡ 15 - ብርእሱ ዕርቂ እናገበረ፡ ካብዞም ክልተ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺፈጥር፡ ነቲ ጽልኢ፡ ንሱ ኸኣ ሕጊ ትእዛዝ ብስርዓት፡ ብስጋኡ ስዒሩ፡ 16 - ብመስቀሉውን ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ፡ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዐረቖም። 17 ፡ 18 - ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለ ዘሎና ኸኣ፡ ንኣኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፡ ነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም።
19 ፡ 20 - እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩም።
21 - ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዐቢ እዩ።
22 - ንስኻትኩምውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ ሐቢርኩም ትህነጹ ኣሎኹም።