
መገዲ ድሕነት
ሰብ በቲ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ዝኾነ ጎይታ የሱስ ብምእማን ጥራይ እዩ ናይ ዘልኣለም ህይወት ዝረክብ። ኩሉ ሰብ ሓጢኣተኛ ስለ ዝኾነ ንእግዚኣብሄር ኪፈልጦን ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኪለማመድን ኣይክእልን እዩ። ኣብ ሮሜ 3፡23-24 “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ’ውን ስኢኖም። በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ” ይብለና።
እምበኣር ንኣምላኽን ሰብን ዘራኽብ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። ብእኡ ጥራይ ኢና ንእግዚኣብሄር ክንፈልጦን ፍቕሩ ከኣ ክንለማመዶን እንኽእል። የሱስ ኣብ ክንዳና ሞተ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና። “ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ።” ሮሜ 5፡8።
የሱስውን ካብ ሞት ተንስኤ፡
“… ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ። ተቐብረ … ብሳልሰይቲ መዓልቲ’ውን ተንስኤ … ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእየ ድሕሪኡ … ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳብ ተራእየ።” 1ቆረ.15፡3-6።
እምበኣርከስ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንየሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ብሕቲ መድሓኒኡን ጐይትኡን ኪቕበሎ ይግባእ። ሽዑ ጥራይ እዩ ንፍቕሪ ኣምላኽ ኪለማመዶን ናይ ዘልኣለም ህይወት ኪህልዎን ዚኽእል።
“ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ኵሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።” ወንጌል ዮሃንስ 1፡12።
ንየሱስ ኣብ ልብና እንቕበሎ ድማ ብእምነት እዩ።
“ሓደ እኳ ከይምካሕሲ ካብ ግብሪ ኣይኮነን እሞ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም እዚ ከኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር ካባኻትኩም ኣይኰነን።” ኤፌሶን 2፡8-9።
ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልብና ብእምነት ምስ ተቐበልናዮ፡ ካልኣይ ንውለድ።
“ብወዲ (ብየሱስ) ዚኣምን ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣላቶ፡ እቲ ብወዲ ዘይኣምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።” ወንጌል ዮሃንስ 3፡36
ንጎይታ የሱስ ሕጂ ክትቅበሎ ይከኣል እዩ። ንሱ ስለኻ ኢሉ ደሙ ኣፍሲሱ፡ ተሰቒሉ፡ ሞይቱ እዩ። ብሂወት ምእንቲ ክትነብር ድማ ሞት ስዒሩ ተንሲኡ። ብልብኻ ኣሚንካ እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጸሎት እንተጸሊኻ፡ ዳግም ክትውለድ ኢኻ፡ ውሉድ ኣምላኽ ድማ ክትከውን ኢኻ።
" ጎይታ የሱስ፡ ኣነ ሓጥያተኛ ምካነይ ነብሰይ ድማ ከድሕን ከምዘይክእል እፈልጥ ኣለኹ። ንስኻ ግና፡ ንዓይ ኢልካ ኩሉ ግብሪ ፈጺምካለይ። በዚ ሰዓት እዚ፡ ከም ናይ ግሊ መድሓኒየይን፡ ጎይታየይን ጌረ እቕበለካ ኣለኹ። ንስኻ ካብዛ ሰዓት እዚኣ፡ መራሕየይን መንገደይን ኢኻ። ንዓለምን ንሰይጣንን በዚ ሰዓት እዚ ይኽሕዶም ኣለኹ። ኣሜን"
እዛ ጸሎት እንተድኣ ኣሚንካ ጸሊኻ፡ ዳግም ተወሊድካ ኢኻ! መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ፡ ጸሊ፡ ከምኡ ድማ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሰረቱ ቤተክርስትያን ሕብረት ግበር።
እምበኣርከስ ኩሉ ኣገልግሎት ናይዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ፡ ነዚ ጽቡቕ ወረ የሱስ ክርስቶስ ንምውራይ እሞ ኩሎም እቶም ዘይኣምኑ ኣሚኖም ክብቲ ዝመጽእ ቁጥዓ ኣምላኽ ንኽድሕኑ እዩ።
ጸጋን ሰላምን በረኸትን ናይቲ ፈጣሪናን፡ ኣምላኽናን፡ መድሓኒናን፡ መጀመርያን መወዳእታን፡ ንጉስ ነገስታት ዝኾነ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ኣይፈለኹም።