![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ዜማ፤
መዝሙር፡ ቃና፡ ድምጺ መዝሙር፡ ሙዚቃ። ዚበዝሕ ጊዜ ዜማ ብበብዓነቱ መሳርያ ዜማ ተሰንዩ ይዝመር። ዳዊትን ካልኦት ነገስታትን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዚዝምሩ ሌዋውያን ሰርዑ (1ዜና.6፡31-32። 2ዜና.29፡25-26። ነህ.12፡46)። ካብ ሰብኡትን ካብ ኣንስትን መዘምራን ከም ዝነበሩ ነንብብ (እዝ.2፡65)። ኣብ ሓድሽ ኪዳንውን እቶም ኣመንቲ በብዓይነቱ መዝሙር ኪዝምሩ ተኣዚዞም ኣለው (1ቆረ.14፡26። ኤፌ.5፡18-19። ቆሎ.3፡16)።
መሳርያ ዜማ፤
ዜማ ዚህብ በብዓይነቱ መሳርያ። መዝሙር ዚዝመረሉ መሳርያ። መሳርያ ቃና ካብ ጊዜ ዩባል ሒዙ ኸም ዝጀመረ ነንብብ (ዘፍ.4፡21)። ቀዳሞት ሰባት ንመሳርያ ዜማ፡ ኣብ በዓል ዓወትን (ዘጸ.15፡20። 2ዜና.20፡28)፡ ኣብ በዓል ምፍናውን (ዘፍ.31፡27። ኢሳ.5፡12) የዘውትርዎ ኸም ዝነበሩ ንርኢ። ጓሶትን መንእሰያትን በገና ይወቕዑ ነበሩ (1ሳሙ.16፡18። ደጉ.5፡14)። ኣብ እዋን ሓዘን ከኣ ነፋሕቲ እምብልታ ይመጹ ነበሩ (ማቴ.9፡23)። ዳዊትውን ብበብዓይነቱ መሳርያ ዜማ ገይሮም ንእግዚኣብሄር ኬመስግኑ መዘምራን ሰርዔ (1ዜና.15፡16)። ነቡካድነጻር ብበብዓይነቱ መሳርያ ዜማ ኸም እተጠቕመ ንርኢ (ዳን.3፡15)። ቀደም ዘበን ሰለስተ ዓይነት መሳርያ ዜማ ኸም ዝነበረ ክንዝክር ንደሊ፤
መሳርያ ዜማ
ዜና መዋእል፤
ናይ ዕለታት ዘòና ማለት እዩ። እተን ክልተ ናይ ዜና መዋእል መጽሓፍቲ ከምተን ክልተ መጽሓፍ ነገስት፡ ቀደም ዘበን ሓንቲ መጽሓፍ ነበራ። ብ 150 ቅ.ል.ክ. ግና እቶም 70 ሊቃውንቲ ነታ መጽሓፍ ኪትርጉምዋ ኸለው፡ ኣብ ክልተ ኽፍሊ ኸፈልዋ። እዘን ክልተ ናይ ዜና መዋእል መጽሓፍቲ ብብዙሕ መገዲ ነተን ክልተ መጽሓፍቲ ነገስት ይመስላ እየን። ኣብ ዜና መዋእል ዕለታዊ ታሪኽ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ይዝንቶ። እቲ ንዜና መዋእል ዝጸሓፈ ሰብ፡ መጽሓፉ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ብመንፈሳዊ መገዲ፡ በቲ ሃይማኖት ዚትንኪ ኣረኣእያ እዩ ዝጸሓፋ። ኣብቲ ጽሑፉ ብዛዕባ ቤት መቕደስን ብዛዕባ ኻህናትን ገሊጹ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ነቲ ንይሁዳ ዘይትንክï ጉዳያት እስራኤል ብዙሕ ኺጠቕሶ ኣይንርእን። እቲ ጸሓፋይ ብተርታ ወለዶ ጀሚሩ (1ዜና.1-9) ብዛዕባ ሞት ሳኦል ኣዘንትዩ ናብ ዳዊት ይበጽሕ (1ዜና.10)። ካብኡ ጀሚሩ ኽሳዕ መወዳእታ ኣብ 1ዜና መዋእል ዛንታ ዳዊት ይዝርዝር። ካብኡ ኸኣ ዳዊት ነቲ ታቦት ናብ ከተማኡ ኸም ዘምጽኦን (1ዜና.13-16)፡ ቤት ኣምላኽ ንምስራሕ ከም ዝሓሰበን ዜድሊ ኸም ዘዳለወን (1ዜና.22)፡ ሌዋውያን ቆጺሩ ናብ ዕይኦም ከም ዝመደቦምን (1ዜና.23-26)፡ ምስ ኣረገ ኸኣ ንወዱ ሰሎምን ምስሊ እታ እትህነጽ ቤት መቕደስ ሕድሪ ኸም ዝሃቦን ተር ኣቢሉ የዘንቱ (1ዜና.28-29)።
ኣብታ ኻልአይቲ መጽሓፍ ከኣ ብዛዕባ ሰሎሞን ነንብብ። ሰሎሞን ቤት ኣምላኽ ከም ዝሰርሔን፡ ብጸሎት ከም ዝቐደሳን፡ ከምኡ ኸኣ ብዛዕባ ግርማ ሰሎሞንን ምብጻሕ ንግስቲ ሳባን ነንብብ (2ዜና.1-9)። ኣብተን ዚስዕባ ምዕራፋት ክሳዕ መወዳእታ ድማ፡ ካብ ሮብዓም ክሳዕ ምርኮ ህዝቢ ይሁዳ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ሃገሮም ምእንቲ ኺምለሱ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣዋጅ ክሳዕ ዚእውጅ ንዝነበሩ ነገስታት ይሁዳ፡ ተር ኣቢሉ ዛንታ ነፍስ ወከፎም የዘንቱ (2ዜና.10-36)።
ብዙሓት መምህራን መ.ቅ.፡ እቲ መጽሓፍቲ ዜና መዋእል ዝጸሓፈ እዝራ እዩ ይብሉ። እዚ ኸኣ ሓቂ ኸይኮነ ኣይተርፍን እዩ። እዚ ኪኸውን ከሎ ግና፡ ኣብተን መጽሓፍቲ፡ ድሕሪ እዝራ ዝነበረ ወለዶውን ይዝርዝር ስለ ዝኾነ ካልእ ሰብውን ወሲኹለን ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዜና መዋእል እተጻሕፈሉ ዘበን 400 ቅ.ል.ክ. ኣቢሉ እዩ። ጸሓፊ ዜና መዋእል ብኻልእ ዛንታ ነገስታት ዝሓዘ ጽሑፍ ከም እተጠቕመ ፍሉጥ እዩ (2ዜና.9፡29፤ 12፡15፤ 20፡34፤ 32፡32)።