![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ዝሙት፡ ዘማዊ፤
ዝኾነ ይኹን ወጻኢ ኻብ መርዓ ዚግበር ናይ ስጋ ርክብ ዝሙት ይብሃል። ዝሙት ክልኩል እዩ (1ቆረ.6፡9፥18)። ዝሙት ነቲ ሓቀኛ ዘይኮነ ኩነታት ኣምልኮ ይገልጽ (ማር.8፡38)። ﷽ምንዝርና ተመልከት።
ዝማረ፤
ዝማረ ዚበዝሕ ጊዜ ከም መዝሙር እዩ። እዚ ﷽ዝማረ ዚብል ቃል እዚ ኣብ መ.ቅ. ትግርኛ ﷽መዝሙር ተባሂሉ ተተርጕሙ ኣሎ (ዘጸ.15፡2። መዝ.33፡3፤ 40፡3። ኤፌ.5፡19። ቆሎ.3፡16። ማቴ.26፡30)። ደቂ እስራኤል ኣብ ባቢሎን ከለው፡ ዝማረ ኺዝምሩ ምስ ሓተትዎም ምዝማር ኣበዩ (መዝ.137፡3-4)።
ዝበ፤
ድልዱል ዕንጨይቲ ዚህብ ዓይነት ኦም (ህዝ.27፡15)።
ዝባድ፤
ኣብ መ.ቅ. ጥዑም ሽታ ዘለዎ ቅብኣት ኮይኑ ተጠቒሱ ኣሎ (መዝ.45፡8)።
ዝናብ፤
ምድሪ ምስ ወዓየ፡ ካብ ዋዒ እተላዕለ፡ ማይ ውቅያኖስ ይሃፍፍ እሞ ናብ ደበና ይልወጥ፡ ከም ብሓድሽ ከኣ ዝናብ ኮይኑ ናብ ምድሪ ይዘንብ (እዮ.26፡8። መዝ.135፡7። መክ.11፡3)። ኣብ እስራኤል ካብ ጥቅምቲ ክሳዕ ግንቦት ወርሓት ዝናብ እዩ። እቲ ቐዳማይ ዝናብ ኣብ ወርሒ ጥቅምትን ሕዳርን ይሃርም፡ እቲ ዳሕረዋይ ዝናብ ከኣ ክሳዕ ወርሒ ግንቦት ይጸንሕ (ኤር.5፡24። ያእ.5፡7)። ﷽ወርሒ ﷽ማሕረስ ተመልከት።
ብዝሒ ዝናብ በረኸት እግዚኣብሄር ይገልጽ፡ ጉድለት ዝናብ ከኣ ቁጥዓ እግዚኣብሄር የርኢ (ዘዳ.28፡9-12፥ 15-24)። ከነኣናውያን ነቲ በዓል እተባህለ ጣኦቶም፡ ኣምላኽ ዝናብ እዩ፡ እናበሉ የምልኽዎ ነበሩ።
ዝኽሪ፤
መዘከርታ ማለት እዩ (መዝ.135፡13)።
ዝዖታ፤
﷽እንስሳ ተመልከት።
ጥንታዊ ናይ ግብጺ ዝፋን
ዝፋን፤
ናይ ንጉስ መንበር (ዘፍ.41፡40። 1ነገ.2፡19)። ዝፋን ክብርን ስልጣንን መንግስትን የርኢ (2ሳሙ.3፡9-10፤ 7፡13-16)። ንጉስ እስራኤል ብእግዚኣብሄር ዚሽየም ስለ ዝነበረ፡ እቲ ዝፋኑ ዝፋን እግዚኣብሄር ተባሂሉ ኣሎ (1ዜና.28፡5)። ኣብ ምድሪ ዚርከብ ዝፋን ንጉስ፡ ምሳሌ ዝፋን እግዚኣብሄር እዩ (1ነገ.22፡10፥19)። ስለዚ ሓደ ንጉስ ብጽድቂ ኺነግስ ይግብኦ (ምሳ.16፡12። ኢሳ.9፡7)። ዝፋን እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ እዩ። ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ከም ዚነብር ከኣ ጽሑፍ ኣሎ (1ሳሙ.4፡4)። እግዚኣብሄር ንነብያት ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ኮይኑ ይግለጸሎም ነበረ (ኢሳ.6፡1። ዳን.7፡9)። ዝፋን ዳዊት ምሳሌ ዝፋን ክርስቶስ ኮይኑ ተገሊጹ ኣሎ (መዝ.13211-12። ግብ.2፡29-31)። ዳዊት ከኣ ዝፋን ክርስቶስ ዘልኣለማዊ ኸም ዝኾነ ዘሚሩ ኣሎ (መዝ.45፡6-7። እብ.1፡8)። ክርስቶስ ብመዓልቲ ፍርዲ ኣብ ዝፋን ክብሪ ኾይኑ ኺፈርድ እዩ (ማቴ.25፡31። ራእ.20፡11-12)። ዝፋን ክብሪ ክርስቶስ ነቶም ብኡ ኣሚኖም ዚኽተልዎ፡ ምሳሌ ምድሓኖም እዩ (ማቴ.19፡28። ራእ.3፡21)።