![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
የሁ | የሆዋ | የማነይቲ ኢድ ምሃብ | የሩሳሌም | የሮብዓም | የሱስ | የትሮ | የኮንያ (ኢኮንያ) | የውጣ | የዲድያ
የሁ፤
መበል 11 ንጉስ እስራኤል ዝኾነ ሓለቓ ሰራዊት ውግእ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ንኤልያስ ዝነገሮ ትንቢት፡ ኤልያስ ብኢድ ሓደ ኻብቶም ደቂ ነብያት ገይሩ ንንግስነት ቀብኦ። እቶም ካልኦት ኣሕሉቕ ሰራዊት ውግእ ንየሁ ይሕግዙ ከም ዝነበሩ ንርኢ። ኣብ ይዝርኤል ንንጉስ ዮራም ወዲ ኣከኣብን ንኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳን ቀተለ፡ ንኢዛቤል ሰበይቲ ኣከኣብ ኣቕተለ። ንሰብዓ ደቂ ኣከኣብን ነቶም ኣብ ቤት ኣከኣብ ዝተረፉ ዓበይትን ካህናትን እሙናትን ቀተለ። ነቶም ጣኦት በዓል ዘምልኹ ዘበሉውን ብጥበብ ኣኪቡ ቐተሎም፡ እንተኾነ ግና ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ኣየግለሰን። ኣብ ልዕሊ ቤት ኣከኣብ ፍርዲ ኣምላኽ ስለ ዝፈጸመ፡ እግዚኣብሄር፤ ﷽ደቅኻ ክሳዕ ኣርባዕተ ወለዶ ኺነግሱ እዮም፡ በሎ። እንተኾነ ግና ንእግዚኣብሄር ብምሉእ ልቡ ስለ ዘይተኣዘዘ ንጉስ ሶርያ መጺኡ ንእስራኤል ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ ወቕዓ (2ነገ.9፤ 10። 1ነገ.19፡15-17)። የሁ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣከኣብ እተባህለ ቓል ፍርዲ ኺፍጽም ከሎ፡ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ደም ከም ዘፍሰሰ ኣብ ሆሴ.1፡4 ክንርኢ ንኽእል። የሁ ካብ 842 ክሳዕ 815 ቅ.ል.ክ. ነገሰ።
ካብ የሁ እተላእኩ እስራኤላውያን ንሰልመናስር እቲ ሳልሳይ ግብሪ ኬቕርቡ ኸለው (ብ 841 ቅ.ል.ክ. እተቐርጸ ሓወልቲ)
የሆዋ፤
እዚ ስም እዚ ﷽ያህዌ ማለት እዩ። ﷽እግዚኣብሄር ተመልከት።
የማነይቲ ኢድ ምሃብ፤
መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ንኣመንቲ ናብ ኣባልነት ቤተ ክርስትያን ኪቕበልዎም ከለውን ከምኡ ኸኣ ናብ ኣገልግሎት ኪልእኽዎም ከለውን የማነይቲ ኢዶም ይህብዎም ከም ዝነበሩ ነንብብ (ገላ.2፡9)።
የሩሳሌም፤
ከተማ ሰላም። ካብቲ ርባ ዮርዳኖስ ናብ ባሕሪ ጨው ዚውሕዘሉ ወገን ምዕራብ 30 ኪ.ሜ.፡ ካብ ዓቢ ባሕሪ ኸኣ 50 ኪ.ሜ. ርሒቓ ኣብ በሪኽ ቦታ እትርከብ ከተማ። የሩሳሌም 750 ሜተር ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ልዒላ ትርከብ፡ ስለዚ ኸኣ ትኽ ዝበለ ናይ ንግድ መራኸቢ ኣይነበራን። ካ 3 ሰ።
ብጊዜ መድሓኒና ኣብ ልዕሊ ከረን ዘይቲ ኴንካ ክትርኤ እትኽእል ዝነበረት ከተማ የሩሳሌም
የሩሳሌም ቀደም ዘበን ሳሌም ትብሃል ነበረት (ዘፍ.14፡18)፡ ድሕሪኡ ኸኣ ይቡድ (እያ.15፡63፤ 18፡16)፡ ዖፌል (2ዜና.27፡3፤ 33፡14)፡ ጽዮን (መዝ.137፡1)፡ ከምኡውን ቅድስቲ ኸተማ (ነህ.11፡1) ተባሂላ ትስመ ነበረት። ዳዊት ንየሩሳሌም ካብ ኢድ ይቡሳውያን ምስ ወሰዳ፡ ንየሩሳሌም ናይ ኩላ እስራኤል ከተማን ብፍላይ ከኣ ናይ ይሁዳ ርእሲ ኸተማን ስፍራ ንግድን ጸሎትን ገበራ (2ሳሙ.5፡6-10)። የሩሳሌም ንኣይሁድን ንክርስትያንን ቀዳመይቲ ኸተማኦም እያ፡ ንኣስላም ከኣ ሳልሰይቲ ቅድስቲ ኸተማኦም እያ።
መካበብያ የሩሳሌም፤ ከተማ ዳዊት ዖፌል ጥራይ ነበረት፡ ስፍሓታ ኸኣ 600 ብ 100 ሜተር ነበረ። ሰሎሞን ግና ነታ ኸተማ ኣስፊሑ ቤት መቕደስ ሰርሓላ። ኣብቲ ኣደራሽ ሰሎሞን ዝነበሮ ቦታ፡ ሎሚ ኤል-ኣቅሳ እተባህለት መስጊድ ተነዲቓ ኣላ። ዖፌል ከኣ ታሕተወይቲ ኸተማ ተባህለት እሞ ኣብ ወገን ምዕራብ እታ ላዕለወይቲ ኸተማ ተመስረተት። ክልቲአን ከተማታት ከኣ በብርእሰን ተመሓደራ፡ ኣብ መንጎኤን ድማ ሽንጭሮ ታይሮፕዮን ነበረ። እቲ ኣብ ሰሜን ዝነበረ መካበብያ ናይታ ላዕለወይቲ ኸተማ፡ ቀዳማይ መካበብያ ተባህለ። ነህምያ ንኽልቲኤን ከተማታት ኣብ ውሽጢ ሓደ መካበብያ ገበረን። ሄሮድስ ከኣ ነታ ኸተማ ኣብ ወገን ሰሜና ኣስፊሑ መካበብያ ነደቐላ፡ እዚ ኸኣ ካልኣይ መካበብያ ተባህለ። ሄሮድስ ኣግሪጳ ቀዳማውን ዳግማውን ድማ ኣብ ወገን ሰሜና ሳልሳይ መካበብያ ነደቑ። እቲ ክርስቶስ እተሰቕለሉ ቀራንዮ ዚብሃል ቦታ፡ ኣብ ወጻኢ እቲ ሄሮድስ ዘንደቖ ኻልኣይ መካበብያ፡ ማለት ኣብ ውሽጢ እቲ ደሓር እተነድቀ ሳልሳይ መካበብያ ይርከብ።
እዛ ሎሚ ጥንታዊት ከተማ ተባሂላ እትጽዋዕ ዘላ ኽፍሊ የሩሳሌም፡ ስፍሓታ 800 ብ 800 ሜተር ኣቢሉ እዩ። እቲ ኣብ ዙርያኣ ዚርኤ መካበብያ ኸኣ ብ 1540 ዓ.ም. ኣቢሉ እተነድቀ እዩ። እዛ ሎሚ ጥንታዊት እትብሃል ዘላ ኸተማ፡ ወገን ሰሜን ናይታ ብጊዜ ክርስቶስ ዝነበረት ከተማ እያ። የሩሳሌም ብምኽንያት ውግእ ሾብዓተ ጊዜ ስለ ዝፈረሰትን ከም ብሓድሽ ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፈረሰ ዑናኣ ትስራሕ ስለ ዝነበረትን፡ ካብ ልደት ክርስቶስ ንነጀው እቲ መሬታ ሽዱሽተ ሜተር ዚኣክል ክብ ኢሉ ይርከብ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቲ ናይ ቀደም ዘበን ተግባራት እተፈጸመሉ ቦታታት ስለ እተደፍነ፡ ንምርኣዩን ብትኽክል ንምውሳኑን ኣሸጋሪ እዩ።
ዛንታ የሩሳሌም፤ ድሕሪ ሰሎሞን ብጊዜ መንግስቲ ይሁዳ የሩሳሌም ብጸላኢ ተታሕዘት። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብ 587 ቅ.ል.ክ. ነቡካድነጻር ኣፍረሳ (2ነገ.25)። ድሕሪ 70 ዓመት ከኣ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ንኣይሁድ ተመሊሶም ኪሰርሕዋ ፈቐደሎም። ዘሩባቤልን ብጾቱን ከኣ ተመሊሶም ቤት መቕደስ ነደቑ፡ ብ 445 ቅ.ል.ክ. ነህምያ ነቲ መካበብያኣ ነደቐ። ካብ 619 ክሳዕ 167 ቅ.ል.ክ. ኣንጥያኮስ ንጉስ ሶርያ ገፊሕ ክፍሊ ናይታ ኸተማን መካበብያኣን ኣፍረሰ፡ መቃባውያን ግና መሊሶም ነደቕዋ። ወተሃደራት ፋርስን ሮሜን ንየሩሳሌም ሓዝዋ፡ ድሕሪኡ እቲ ብፍቓድ ሮሜ ዝነገሰ ንጉስ ሄሮድስ፡ የሩሳሌም ሓዘ እሞ ከተማኣ ኣስፍሔ፡ መካበብያኣ ኸኣ ኣደልደለ። ሄሮድስ ነታ ቤት መቕደስ ምስ ኣሐደሰ፡ ነታ ኸተማ ንምሕላው ኣብ ወገን ሰሜን ክብ ዝበለ ግምቢ ሰርሔ። ኣብዚ ግምቢ እዚ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ተኸሲሱ ቀረበ። ካብዚ ግምቢ እዚ ዝወጹ ወተሃደራት ሮሜ ንጳውሎስ ካብቶም ኪዘብጥዎ ዝጀመሩ ሰባት ኣድሓንዎ (ግብ21፡21-36)። ገለ ክፍልታት ናይቲ ጸፍጸፍን (ዮሃ.19፡13)፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ኣብቲ ግምቢ ዝነበረ ዔላ ማይን ቤት ማእሰርትን ክሳዕ ሎሚ ይርኤ ኣሎ። እቲ ኣደባባይ ቤት መቕደስ ብጊዜ ክርስቶስ 500 ብ 300 ሜተር ዝምስፍሑ ነበረ። እዚ ሎሚ ዚርኤ ኣደባባይ ግና ካብኡ ቑሩብ ዝሰፍሔ እዩ። ከምቲ የሱስ እተነበዮ፡ ካብቲ ኣእማን ቤት መቕደስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይተረፈን (ማር.13፡1-2)። እዚ ሎሚ ኣይሁድ ብምኽንያት ምፍራስ ቤት መቕደስ ዜልቅሱሉ ምዕራባዊ መካበብያ የሩሳሌም (መንደቕ ልቕሶ)፡ ክፍሊ እቲ መንደቕ የሩሳሌም ዘይኮነስ፡ ንጉስ ሄሮድስ ነታ ቤት መቕደስ ንምስፋሕ ኣብ ወገን ምዕራብ ዝተኸሎ ናይ መሰረት ኣእማን እዩ። ሮማውያን ብ 70 ዓ.ም. ንየሩሳሌም ፈጺሞም ኣፍረስዋ። ካብቲ ብጊዜ ክርስቶስ ዝነበረ ህንጻታት እቲ ነታ ኸተማ ዘፍረሱ ወተሃደራት ዚቕመጡሉ ዝነበሩ ግምቢ-ሄሮድስ ጥራይ ተሪፉ ኣሎ። ካብኡ ንነጀው ከኣ እታ ከተማ ብዝፈረስቶ እናተሰርሔት ቀጸለት።
ሰማያዊት የሩሳሌም፤ የሩሳሌም ከተማ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ዝበለጸ ኸኣ ከተማ እግዚኣብሄር እቲ ዓቢ ንጉስ ስለ ዝኾነት፡ እቶም ሃዋርያት ንኩነታት መንግስቲ ኣምላኽ ብናይ የሩሳሌም ምሳሌ ይገልጽዎ። ሕጂውን እቶም ኣመንቲ ናብታ ላዕለወይቲ የሩሳሌም ኪበጽሑ ብእምነት ይጽበዩ (ማቴ.5፡35። ገላ.፡25-26። እብ.12፡22። ራእ.3፡12፤ 21፡1-14)።
የሮብዓም፤
ትርጉም እዚ ስም እዚ፡ ﷽እቲ ህዝቢ ይበዝሕ ማለት እዩ።
የሱስ፤
የሱስ ናይ ቛንቋ ግሪኽ ቃል እዩ፡ ትርጉሙ ኸኣ መድሓኒ ማለት እዩ። (ማቴ.1፡21)።
1. ናይ የሱስ ስማት።
ክርስቶስ፤ እዚ ስም እዚ ብቛንቋ ግሪኽ ﷽ቅቡእ ማለት እዩ፡ ብቛንቋ እብራይስጢ ኸኣ ﷽መሲህ ማለት እዩ። በቲ ገïዜ እቲ እቶም ህዝቢ ምድራዊ መራሒ ይደልዩ ስለ ዝነበሩን፡ መንግስቲ የሱስ ከኣ ካብዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዘይነበረትን፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ንደቂ-መዛሙርቱ ንሱ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ከም ዝኸልከሎም ነንብብ (ማቴ.16፡20)። ﷽መሲህ ተመልከት።
ጎይታ፤ ልዕሊ ኹሉ፡ ኣዛዚ፡ ገዛኢ ምዃኑ ዜርኢ ስም።
ወዲ ሰብ፤ የሱስ ንገዛእ ርእሱ ﷽ወዲ ሰብ እናበለ ይሰምያ፡ እዚ ስም እዚ፡ የሱስ ሰብ ከም ዝኾነ ይሕብር። ከምኡ ኸኣ ነቶም ብ.ኪ. ዚፈልጡ ሰባት፡ የሱስ ንፍሉይ ኣገልግሎት ብእግዚኣብሄር ከም እተላእከ የመልክት (ዳን.7፡13-14። ሉቃ.9፡26-27፤ 21፡27)።
ወዲ ዳዊት፤ እዚ ስም እዚ እቲ ንዳዊት እተዋህበ ተስፋ ብየሱስ ከም እተፈጸመ ይሕብር (ማቴ.21፡9)። ﷽ዳዊት ተመልከት።
ወዲ ኣምላኽ፤ የሱስ ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ምስ ኣምላኽ ዝነበረ ምዃኑን ከምኡ ኸኣ ብዛዕባ ኣምላኽነቱ ዜርኢ ስም (ማቴ.11፡27፤ 24፡36፤ 27፡43)።
ቃል፤ ዮሃንስ ﷽ቃል ኢሉ ይሰምዮ። እዚ ስም እዚ፡ የሱስ ኣካላዊ፡ እግዚኣብሄር፡ ፈጣሪ፡ ወሃቢ ህይወት፡ ገላጽ ሓቂ፡ ቅድም ስጋ ዘይነበረ ደሓር ግና ስጋ ዝኾነ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ይገልጽ (ዮሃ.1፡1-4፥14። ራእ.19፡13)። ﷽ቃል ተመልከት።
ኣማኑኤል፤ እዚ ስም እዚ፡ ﷽ኣምላኽ ምሳና እዩ፡ ማለት እዩ (ኢሳ.7፡14፤ 8፡8። ማቴ.1፡23)።
2. ናይ የሱስ ኣካልን ባህርይን።
እግዚኣብሄር ስሉስ እዩ፡ እዚ ስላሴ እዚ ኣምላኽ ከኣ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ሰለስተ ኣካላት ከም ዘሎን፡ ስም እቲ ሰለስተ ኣካላት ከኣ፡ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ከም ዝኾነን ይገልጸልና። (﷽ስላሴ ተመልከት)። እቲ ካብ ዘልኣለም ዝነበረ ወዲ፡ ማለት እዚ ሓደ ካብዞም ሰለስተ ኣካላት፡ ስጋን ነፍስን ኮይኑ ሰብ ኮነ። ሰብ ምስ ኮነ ኸኣ እቲ ኣምላኽነቱ (መለኮቱን ሰብኣውነቱን) ኣብ ሓደ ኣካል ጸኒዑ ይነብር። ብዛዕባ እዚ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ብዙሕ ትምህርቲ ኣሎ፡ እቲ ቐንዲ ኸኣ እዚ ዚስዕብ እዩ
ሀ) ናይ የሱስ ኣምላኽነት፤ የሱስ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት እዩ፡ ምስ እግዚኣብሄር ማዕረ ኾይኑ ኸኣ ህይው ኣምላኽ እዩ። የሱስ ኩሉ እቲ ንእግዚኣብሄር ዚግባእ መለኮታዊ ክብሪ ኣለዎ፡ ዚጎድሎ ነገር የብሉን። እዚ ነገራት እዚ በዚ ዚስዕብ መገዲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተረጋጊጹ ንረኽቦ፤
ለ) ናይ የሱስ ሰብኣውነት።
የሱስ ተወልደ፡ ዓበየ፡ በልዔ፡ ሰተየ፡ ተዛረበ፡ ደኸመ፡ ትኽስ በለ፡ ተሓጎሰ (ሉቃ.10፡21)፡ ጎሃየ፡ ኮረየ (ማር.3፡5)፡ ሞተ ተቐብረ ኸኣ። ዛንታ የሱስ ናይ ሰብኣውነት ዛንታ እዩ። ስለዚ ብጀካ ሓጢኣት ከም ካልኦት ሰባት ይነብር ነበረ። የሱስ ባዕሉ ሰብ ከም ዝኾነ ተዛረበ፡ ነዚ ኸኣ ድሕሪ ትንሳኤኡ ምግቢ ብምብላዕ ኣረጋገጾ (ሉቃ.24፡38-43። እቶም ሃዋርያት መድሓኒና የሱስ ከም ኣዳም፡ ሰብ ምዃኑን (ሮሜ.5፡15። 1ቆረ.15፡45)፡ ኣብ ስጋን ደምን ከኣ ሕብረት ከም ዘለዎም መሃሩ (እብ.2፡14)። ሰብ ኮይኑ ሓጢኣተኛ ጾረ (1ጴጥ.2፡24)፡ ምእንታና ርእሱ ኣሕሰረ (ፊል.2፡5-8)፡ ደንገጸልና ኸኣ (እብ.4፡15)።
ሐ) ናይ የሱስ ሓድነት።
የሱስ ፍጹም ኣምላኽ፡ ፍጹም ሰብ እኳ እንተኾነ፡ ሓደ ክርስቶስ እምበር ክልተ ኣይኮነን። እቲ ካብ ዘልኣለም ዝነበረ ወዲ (ቃል) ስጋን ነፍስን ለቢሱ ሰብ ኮነ። ዮሃንስ ﷽ኮነ ይብሎ እምበር ﷽ተለወጠ ኣይብሎን (ዮሃ.1፡14)። ኣምላኽነቱ ኸም ቀደሙ እዩ። ኣብ ምድሪ ግና ኸምቲ ሰብኣውነቱ ብትሕትና ነበረ (ዮሃ.17፡5። ፊል.2፡7)። ዮሃንስ ﷽ስጋ ኾነ ኪብል ከሎ፡ ብጃምላ ባህርይ ሰብ ለበሰ ማለቱ እዩ እምበር፡ ኣብ ሓደ ቕድም ዝነበረ ኻልእ ሰብ ሓደረ ማለት ኣይኮነን። እቲ ስጋ ዝኾነሉ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ማሕጸን እዩ (ሉቃ.፡35። ማቴ.፡11። ግላ.4፡4-5)።
3. ዛንታ ህይወት የሱስ።
ሀ) ቀዳምነቱን ወለዶኡን፤ የሱስ ቅድሚ ኣብርሃም ከም ዝነበረ ባዕሉ ገሊጽዎ ኣሎ (ዮሃ.8፡58)። ብጅካ እዚ ኸኣ ኣብ ሚክ.5፡2 ከምኡውን ኣብ ዮሃ.1፡1-4 ቀዳምነት የሱስ ተገሊጹ ንረክብ። እቲ ጊዜ ምስ ኣኸለ፡ ሄሮድስ ኣብ ይሁዳ ነጊሱ ከሎ (﷽ዓመት ተመልከት)፡ ከምቲ ገብርኤል መልኣኽ ዝበሎ ቓል፡ የሱስ ካብ ማርያም ድንግል ኣብ ቤተ-ልሄም ተወልደ። ምስ ተወልደ ጓሶት በጽሕዎ (ማቴ.118-25። ሉቃ.1፡263-8 2፡1-20)።
ለ) ሕጊ ምፍጻሙን ምዕባዩን፤ የሱስ ኣብ ሳምነይቲ መዓልቱ ተገዝረ፡ ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ ናብ ቤት መቕደስ ተወስደ፡ ኣብኡ ኸኣ ስምኦን ሓቖፎ ሃና ኸኣ ረኣየቶ (ሉቃ.2፡21-38)። ሰብ ጥበብ በጽሕዎ፡ ብምኽንያት ሄሮድስ ቅድም ናብ ግብጺ ተወስደ ብድሕሪኡ ኸኣ ናብ ናዝሬት መለስዎ (ማቴ.2፡1-23)። ኣብ ናዝሬት ከኣ ሕጊ እናፈጸመ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቑመትን ዓበየ። ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ምስ ኮነ፡ በዓል ፋስጋ ኼብዕል ናብ የሩሳሌም ደየበ (ሉቃ.2፡39-52። ገላ.4፡4)።
ሐ) ጥምቀቱን ፈተናኡን፤ ዮሃንስ መጥምቕ ንብዙሓት ሰባት ብዛዕባ የሱስ እናገለጸ ምስ ኣዳለዎም ድሕሪኡ የሱስ ተጠመቐ። እዚ ኸኣ ንምድሓን ደቂ ሰብ ርእሱ ኸም ዝፈለየን መራሒ ህዝቢ ኸም ዝኾነን ንምግላጽ እምበር፡ ርእሱ ኻብ ሓጢኣት ንምንጻህ ስለ ዘድለዮ ኣይተገብረን። ኣብ ጊዜ ጥምቀቱ ኣቦ መስከረሉ፡ መንፈስ ቅዱስውን ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ዓለበ (ማቴ.3፡13-17። ሉቃ.3፡21-23)። ﷽ጥምቀት ተመልከት። ካብኡ ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ናብ በረኻ ኸደ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣርብዓ መዓልቲ ጾመ፡ ብሰይጣን ከኣ ተፈተነ። ንሰይጣን ብምስዓሩ ድማ፡ ንሰባት ካብ ስልጣን ሞት ኣውጽኤ (ማቴ.4፡11፤ 12፡29። እብ.4፡15)። ﷽ፈተና ተመልከት።
መ) ትምህርቱን ተኣምራቱን፤ የሱስ ሰለስተ ዓመት ዚኣክል ሰበኸ። ﷽ናይ ሓድሽ ኪዳን ስፍረ ዘበን ﷽ወንጌል ተመልከት። የሱስ ብፍላይ ኣብ ገሊላ ዓየየ። ከምኡ ኸኣ፡ ከምቲ ሕጊ ኣይሁድ፡ ኣብቲ በዓላት ዓመት ንምክፋል ናብ የሩሳሌም ኪይድብ ከሎ ዕዮኡ ይቕጽል ነበረ። እቲ ቐዳማይ ተኣምራቱ፡ ማይ ናብ ወይኒ ምልዋጥ ነበረ። ድሕሪኡ ኸኣ ኣሽሓት ሰባት ብምጽጋብን ኣብ ልዕሊ ማይ ብምኻድን ንፋስ ብምህዳእን ስልጣኑ ኣርእየ። ካብ ብዙሓት ሰባት ኣጋንንቲ ኣውጽኤ። ንሰባት ካብ በብዓይነቱ ሕማም ኣሕወየ፡ ካብ ሞት ኣተንስኤ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ካብተን የሱስ ዝገበረን ተኣምራት ልዕሊ ሰላሳ ዝኾና ተገሊጸን ኣለዋ፡ ዘይተዘንተዋ ኻልኦት ብዙሓት ተኣምራት ውን ኣለዋ (ማር.1፡34። ዮሃ.20፡30፤ 21፡25)። ﷽ትእምርቲ ﷽ተኣምራት ﷽ፈውሲ ተመልከት።
የሱስ ኣብ ከረን ደዪቡ፡ ኣብ መገዲ ኾይኑ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ፡ ኣብ እንዳ ሰብ፡ ኣብ ቤት መቕደስ፡ ኣብ ቤት ጸሎትን ይምህር ነበረ። ብስልጣን ይምህር ስለ ዝነበረ፡ ኩሉ ሰብ ንነዊሕ ጊዜ ጽን ኢሉ ይሰምዖ ነበረ። ትምህርቲ የሱስ ከኣ ብበብዓይነቱ ምሳሌታት ዝበርሄን ብበብዓይነቱ ኣቀራርባ ዝቐረበን ነበረ። ﷽ምሳሌ ﷽መንግስቲ እግዚኣብሄር ተመልከት።
ኪምህር ከሎ ደቂ መዛሙርቲ ነበርዎ፡ ካብኣቶም ከኣ ዓሰርተው ክልተ ሓረየ። ነቶም ደቂ መዛሙርቱ ስልጣን ሃቦም፡ ሕሙማት ኬሕውዩን ቃሉ ኪሰብኩን ከኣ ለኣኾም። ﷽ሃዋርያ ተመልከት። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሰብዓ ልኡኻት ለኣኸ (ሉቃ.10፡1-20)፡ ካልኦትውን ሰዓብዎ። ኣብ መንጎ እቶም ዝሰዓብዎ ኸኣ ብገንዘበን ዜገልግልኦ ኣንስቲ ነበራ (ሉቃ.8፡1-3)።
እቶም ሰዓብቲ የሱስ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ እናበዝሑ ኸዱ። ብሓደ ጊዜ 5.000 ሰባት ሰዓብዎ፡ ኬንግስዎ ኸኣ ደለዩ። የሱስ ግና ነቲ መደቦም ኣይተቐበሎን። ካብኡ ጀሚሮም ከኣ እቶም ሰዓብቱ እናወሓዱ ኸዱ። ብዙሓት ከኣ ትምህርቱ ስለ ዘይተቐበሉ ሓደግዎ (ዮሃ.6፡10-14፥66)። የሱስ ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ባህልን ስርዓትን ፈሪሳውያን ስለ ዘይሓለወ፡ እቶም ፈሪሳውያን ኣንጻሩ ኸዱ (ማር.3፡6)። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ፈሪሳውያንን ሰዱቓውያንን፡ ኩሉ ሰብ ብየሱስ እንተ ኣመነ ሮማውያን መጺኦም ሃገሮም ከይወስዱሎም ስለ ዝፈርሁ ንየሱስ ኬጥፍእዎ መደቡ (ዮሃ.11፡48-50)።
ረ) ሕማማቱን ምትሓዙን፤ የሱስ በዓል ፋስጋ ንምብዓል ኪድይብ ከሎ፡ ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ብብዙሕ ህዝቢ ተዓጂቡ ናብ የሩሳሌም ኣተወ። ነቶም ኣብ ቤት መቕደስ ኮይኖም ዚሰግዱ ዝነበሩ ነጋዶን ሸረፍትን ሰጎገ (ማቴ.21፡1-13)፡ በብመዓልቱ ኣብ ቤት መቕደስ መሃረ፡ ንሃዋርያቱውን በይኖም ገይሩ መሃሮም (ማቴ.21፡14-15፥46)። ምሸት ሓሙስ ምስ ሃዋርያቱ ድራር ፋስጋ በልዔ፡ ቅድሚ ድራር ኣእጋሮም ሓጸበ (ዮሃ.13) ድሕሪ ድራር ከኣ ቅዱስ ቁርባን ሰርዔ (ማቴ.26፡26-29)። ﷽ቅዱስ ቁርባን ተመልከት። ቀጺሉ ኸኣ ብዛዕባ ናብ ኣቦ ምኻዱን መንፈስ ቅዱስ ምስዳዱን መሃረን ጸለየን (ዮሃ.14-17)። ካብ ድራር ተላዒሉ ምስቶም ሃዋርያት ናብ ጌተሰማኔ ኸደ፡ ኣብኣ ኸኣ ጸለየ (ማቴ.26፡36-46)። ይሁዳ ኣስቆረታዊ ሰብ መሪሑ ኣትሓዞ፡ የሱስ ከኣ ናብ ቤት ሊቀ ካህናት ተወስደ። ኣብኡ ኸኣ እቲ ሊቀ ካህናትን ዋዕላ የሩሳሌምን ፍርዲ ሞት ፈርድዎ (ማቴ.26፡47-68)።
ዓርቢ ንጉሆ እቶም ካህናት ንየሱስ ናብ ጲላጦስ ኣሕለፍዎ። ጲላጦስ ንየሱስ ኪፈትሖ ደለየ፡ እንተኾነ ግና ህዝቢ ከይነዓብ ስለ ዝፈርሄ ንሞት ኣሕሊፉ ሃቦ (ማቴ.2715-26። ሉቃ.23፡1-25። ዮሃ.18፡28-19፡16)።
ሰ) ሞቱ፤ የሱስ ከም ስርዓት ሮማውያን ተገርፈ፡ መስቀሉ ጾይሩ ኸኣ ናብ ቀራንዮ ኸደ። ስምኦን ምስቀል የሱስ ኪጸውር ተገደደ። የሱስ ኣብ መንጎ ኽልተ ከተርቲ ተሰቕለ። ነቲ ናይ ስቓይ መደንዘዚ ኪኾኖ ዝሃብዎ መጺጽ ነቢት ኣይሰተዮን። ኣብ ልዕሊ መስቀሉ፤ ﷽የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ ንጉስ ኣይሁድ፡ ዚብል ጽሑፍ ኣጥበቑ።
ወተሃደራት ክዳውንቱ ተማቐሉ፡ ንቀሚሽ የሱስ ከኣ ዕጭ ኣውደቑሉ። ሓለፍቲ መገድን ካህናትን እቲ ምስኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ኸታርን ጸረፍዎ። ኣዲኡን ካልኦት ሰባትን ከኣ ኣብ ጥቓ መስቀሉ ኾይኖም ረኣይዎ። የሱስ ኣብ መስቀሉ ኸሎ ሾብዓተ ቃላት ተዛረበ። የሱስ ሰዓት ትሽዓተ ቅድሚ ቐትሪ (ሰዓት ሰለስተ ናይ ኣይሁድ) ተሰቕለ። ካብ ፍርቂ መዓልቲ ክሳዕ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቐትሪ (ካብ ሰዓት ሽዱሽተ ክሳዕ ሰዓት ትሽዓት ናይ ኣይሁድ) ነፍሱ ወጸት። መጋረጃ ቤት መቕደስ ተቐደ (ማቴ.27፡27-50። ማር.15፡21-39። ሉቃ.23፡26-43። ዮሃ.19፡17-30)።
ሸ) ቀብሩ፤ ንየሱስ ዮሴፍ በዓል ኣርማትያስን ኒቆዲሞስን ቀበርዎ፡ ድሕሪ ሞቱ፡ ቅድሚ ትንሳኤኡ፡ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ነፍሳት ብዛዕባ ዓወቱ ከም ዝሰበኸሎም ዚብሉ ሊቃውንቲ ኣለው (1ጴጥ.3፡19)። ኣብቲ ጥቕሲ ግና እዚ ተግባር እዚ መኣስ ከም እተገበረን፡ እቶም ነፍሳት ተባሂሎም ዘለው ኸኣ፡ ሰባት ወይ መልኣኽቲ ምንባሮምን ካብ ማእሰርቲውን ከም ዘውጽኦምን ግሉጽ ኣይኮነን።
ተ) ትንሳኤኡን ዕርገቱን፤ የሱስ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝበሎ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተንስኤ። ኣርብዓ መዓልቲ ኸኣ ንደቂ መዛሙርቱ እናተራእየ መሃረ። ﷽ትንሳኤ ተመልከት። በቲ ጊዜ እቲ ንደቂ መዛሙርቱ መጽሓፍቲ ብሉይ ኪዳን እናተርጎመሎም ብስጋ ኸም ዝተንስኤ ኣረጋገጸሎም። ከምኡ ኸኣ ኩሉ ስልጣን ከም እተቐበለን መንፈስ ቅዱስ ከም ዚሰደሎምን ነገሮም። በዚ መሰረት እዚ ኸኣ ወንጌል ኣብ ኩላ ምድሪ ኺሰብኩ ኣዘዞም። እዚ ምስ በለ ድማ፡ ኣእዳው ዘርጊሑ ባረኾም እሞ፡ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ካብ ኣዒንቶም ከኣ ደበና ተቐበለቶ (ማቴ.28፡18-20። ሉቃ.24፡25-53። ግብ.1፡1-11)። ﷽ዕርገት ተመልከት።
በ) ኣብ የማን እግዚኣብሄር ምቕማጡ፤ የሱስ ፍጹም ኣምላኽ፡ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ናብ ሰማይ ዓረገ። ብኽብርን ብስልጣንን ከኣ ኣብ የማን ኣቦኡ ተቐመጠ። ካብኡ ኸኣ ብበዓል ሓምሳ ነቶም ተስፋኡ ዚጽበዩ ዝነበሩ፡ ቃል ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦ ተቐቢሉ ሰደደሎም (ግብ.2፡32-33)። ሕጂ ኸኣ ዓለም ይገዝእ ኣሎ። ርእሲ ቤተ ክርስትያን ስለ ዝኾነ ኸኣ ነቶም ኣመንቲ ዜድልዮም ዘበለ ኹሉ ይገብረሎም፡ ክሳዕ መወዳእታ ኸኣ የድሕኖም (ኤፌ.1፡19-23። እብ.7፡23-25። 1ዮሃ.2፡1)።
ቀ) ምጽኣቱ። ኣብ መወዳእታ ዓለም የሱስ ብኽብሪ ካልኣይ ሳዕ ኪመጽእ እዩ። ምውታን ኬተንስእን፡ ንሰባት ከኣ ከከም ግብሮም ኪፈርድን ይመጽእ። ንሰይጣንን ሰዓብቱን ኣብ ቀላይ ሓዊ ኺድርብዮምን ንኣመንቱ ኺቕበልን ይመጽእ (1ቆረ.15፡23-28)። ﷽ሽሕ ዓመት ﷽ፍርዲ ﷽ካልኣይ ምጽኣት ተመልከት።
4. ግብሪ የሱስ።
የሱስ ኩሎም ሰባት ምእንቲ ኺድሕኑ፡ ኩሉ እቲ ኣድላዪ ዝኾነ ግብሪ ፈጺሙ እዩ። እግዚኣብሄር ብዘበን ብሉይ ኪዳን ንእስራኤል ብሰለስተ ዓይነት ሰባት የመሓድሮም ከም ዝነበረ ንርኢ። ንሳቶም ከኣ ነብያትን ካህናትን ነገስታትን እዮም። የሱስ ከኣ ነቲ ዕዮ ናይዞም ሰለስተ ጋንታ ኣብ ሓደ ጠሚሩ ናይ ሓድሽ ኪዳን ማእከላይ ኮነ። ﷽ማእከላይ ተመልከት። ግብሪ የሱስ ብብዙሕ መገዲ ተገሊጹ ንረኽቦ (ንኣብነት ብጓሳ)፡ እዚ ሰለስተ ዓይነት መዝነት ግና ነቲ ግብሪ የሱስ ዚጠምር ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ግብሪ የሱስ ብመሰረት እቲ ግብርታቱ ኢና እንመሃሮ።
ሀ) የሱስ ነብዪ እዩ፤ ነቲ ሙሴ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ነብዪ እተዛረቦ ትንቢት፡ የሱስ ከም ዝፈጸሞ ንርኢ (ዘዳ.18፡15-19። ግብ.3፡22)። የሱስ ነብዪ ኾይኑ ካብ ኣቦ እተላእከ መልእኽቲ ኣቕረበ (ዮሃ.8፡26-28)። ብዛዕባ ዚመጽእ ነገራት ገለጸ (ሉቃ.19፡41-44)፡ ሕጊ እግዚኣብሄር ተርጎመ (ማቴ.5፡21-48)፡ ንሰባት ብምኽንያት ሓጢኣቶም ወቐሰ (ሉቃ.11፡42-44)፡ ምእንቲ እምነቶም ከኣ ኣበራትዔ (ማቴ.8፡10-13)፡ ሕጂውን በቲ ኣብ ክንዳኡ ዝለኣኾ ﷽ካልእ መጸናንዒ ማለት ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ፡ ግብሩ የስልጥ ኣሎ (ዮሃ.14፡26፤ 15፡26፤ 16፡7-13)።
ለ) የሱስ ካህን እዩ። የሱስ ካብ ወገን ኣሮን ዘይኮነስ፡ ነቲ ከም መዓርግ መልኬጼዴቅ ንዘልኣለም ካህን ከም ዚኸውን እተባህለሉ ትንቢት ተፈጸመ (መዝ.110፡4። እብ.5፡5-6)። ﷽መልኬጼዴቅ ተመልከት። ተግባር ካህን ክልተ ነገራት እዩ። 1. መስዋእቲ ምቕራብ፤ የሱስ ንርእሱ ባህ ዜብል መስዋእቲ ገይሩ ኣቕረባ። እዚ ብምግባሩ ኸኣ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዚግበር ዝነበረ ስርዓት ብሉይ ኪዳን ፈጸመ። ነቶም ብኡ ዚኣምኑ መገዲ ምድሓን ከፈተሎም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ﷽ገንሸል ኣምላኽ ተባህለ (ዮሃ.1፡29)። ሞት የሱስ፡ በጃ ምሕላፍ፡ መተዓረቒ፡ መስዋእቲ ዝጠመረ እዩ። ﷽በጃ ﷽መተዓረቒ ﷽መስዋእቲ ተመልከት። ብሞት የሱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ተገልጸልና (ሮሜ.3፡26፤ 58)። ከም መጠርነፍታ ሓሳብ ክኣ፡ የሱስ ምእንቲ ሓጢኣተኛታት ከም ዝሞተን ሓጢኣቶም ከም እተደምሰሰን ንርኢ (ኢስ.53፡5-6። ማር.10፡45። ሮሜ.5፡15። 1ጴጥ.2፡23፤ 3፡18። ራእ.1፡4-5)። 2. ካህን ምእንቲ ህዝቡ ይጽሊ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ የቕርቦም። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ምእንቲ ሰዓብቱ ለመነ (ሉቃ.22፡32። ዮሃ.17፡6-26)። ሕጂ ኸኣ መድሓኒ ኮይኑ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጡ ይልምነሎም ኣሎ (ሮሜ.8፡34። እብ.7፡23-25። 1ዮሃ.2፡1-2)። ﷽ካህን ﷽ሊቀ ካህናት ተመልከት።
ሐ) የሱስ ንጉስ እዩ፤ የሱስ፡ ﷽ካብ ዘርኢ ዳዊት ዚመጽእ ንጉስ ንዘልኣለም ኪነግስ እዩ፡ ንዚብል ትንቢት ፈጸመ (2ሳሙ.7፡12-16። ራእ.22፡16)። የሱስ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ስልጣን ኣለዎ፡ ርእሲ ቤተ ክርስትያን ከኣ እዩ። መንግስቱ ኸኣ ምድራዊት ዘይኮነትስ ሰማያዊት እያ። ኣብ መወዳእታ ዓለም መንግስቱ ኽትግለጽ እያ፡ ንደቂ ሰብ ከኣ ኺፈርዶም እዩ። መንግስቱ መወዳእታ የብላን (ማቴ.28፡18። ሉቃ.1፡33። ዮሃ.18፡36። ራእ.20፡11-15)።
የትሮ፤
ካህን ሚድያን፡ ሓሙ ሙሴ። የትሮ፡ ራጉኤል ብዚብል ካልእ ስምውን ይፍለጥ እዩ። ሙሴ ካብ ግብጺ ምስ ሃደመ፡ የትሮ ኣብ ቤቱ ተቐበሎ፡ ጼጶራ ጓሉ ኸኣ ሰበይቱ ኽትከውን ሃቦ (ዘጸ.2፡16፥21፤ 3፡1፤ 4፡18)። ኣምላኽ ንሙሴን ንህዝቢ እስራኤልን ዝገብሮ ኹሉ ምስ ሰምዔ፡ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ከም ዝሃበ ነንብብ (ዘጸ.18፡1-12)። ንሙሴ ግሩም ዝኾነ ምዕዶ ሃቦ (ዘጸ.18፡13-24)። የትሮ፡ ዮባብ እተባህለ ወዲ ነበሮ (ዘሁ.10፡29-32። መሳ.4፡11)።
የኮንያ (ኢኮንያ)፤
ብ 597 ቅ.ል.ክ. ነጊሱ ዝነበረ ንጉስ ይሁዳ። ማቴዎስ፡ ኢኮንያ ወዲ እዮስያስ ኢሉ ይጠቕሶ። እዮስያስ ግና ኣቦሓጎኡ እምበር ኣቦኡ ኣይኮነን። ኣቦኡ ኤልያቂም እዩ (2ነገ.24፡8-17። ህዝ.1፡2። ኣስ.2፡6። 1ዜና.3፡16-17። ኤር.22፡24-30። ማቴ.1፡11)። ﷽ዮያኪን ተመልከት።
የውጣ፤
ኣብ ጥንታዊ ቛንቋ ግሪኽ እቲ ዓስራይ፡ ኣብ ዘበናዊ ግሪኽ ከኣ እቲ ታስዓይ ፊዴል ﷽የውጣ ይብሃል። እቲ ﷽ዮድ እተባህለ ዓስራይ ፊዴል እብራይስጢውን ከም የውጣ እዩ። ኣጸሓሕፋኡ ቀጢን ቅርጹ ኸኣ ደቂቕ እዩ፡ ስለዚ የሱስ፤ ﷽ካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሓልፍ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ይብል (ማቴ.5፡17-18)። ﷽ግሪኽ ተመልከት።
የዲድያ፤
እዚ ስም እዚ፡ ﷽እግዚኣብሄር ፈተዎ ማለት እዩ። ናታን ንሰሎሞን የዲድያ ኢሉ ሰመዮ (2ሳሙ.12፡24-25)።