![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ያህዌ፤
ስም እግዚኣብሄር። ﷽እግዚኣብሄር ተመልከት።
ብ 1600 ቅ.ል.ክ. ኣብ ያሪኮ ዝነበረ ኣቕሑ ቤት
ያሪኮ፤
ካብ ባሕሪ ጨው 15 ኪ.ሜ ኣብ ወገን ሰሜን ካብ የሩሳሌም ከኣ 25 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ከተማ። ያሪኮ ዚብሃላ ሰለስተ ከተማታት ኣለዋ። ንሳተን ከኣ፤ ብዘበን ብሉይ ኪዳን ዝነበረት ከተማን፡ ብጊዜ ክርስቶስ ዝነበረት ከተማን፡ ሎሚ ዘላ ኸተማን እየን። ናይ ሰለስቲኤን ቦታ እተቐራረበ እዩ። እዚ ኸኣ፡ እታ ሓንቲ ኸተማ ክትፈርስ ከላ ካልእ ኣብ ልዕሊኣ ትምስረት ነይራ ማለት እዩ፡ ስለዚ ስም እታ ኸተማ እናተወራረሰ ዝጸንሔ ስም እዩ። ዝኾነ ኾይኑ ያሪኮ ማለት፡ ﷽ከተማ ወርሒ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ እቶም ናይ ቀደም ዘበን ተቐመጥቲ ያሪኮ ንወርሒ የምልኹ ከም ዝነበሩ የረድኣና። ያሪኮ 250 ሜተር ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ዝተሓተት ከተማ ስለ ዝኾነት፡ ካብ ኩለን ከተማታት ዓለም ዝተሓተት ኮይና ንረኽባ። ኣብ ዙርይኣ ብዙሕ ፈልፋሊ ስለ ዝነበራ፡ ካብ 7.000 ቅ.ል.ክ. ጀሚሮም ሰባት ክነብርዋ ከም ዝጀመሩ ንርኢ (ዘዳ.34፡3)። እታ ቐዳመይቲ ያሪኮ ብእያሱ ፈረሰት (እያ.6)። ሒኤል ከኣ መሊሱ ሰርሓ (1ነገ.16፡34)። ሄሮድስ ኣብ ያሪኮ ሞተ። ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ኣብ ያሪኮ ብዙሓት ካህናት ነበሩ (ሉቃ.10፡31)። የሱስ ኣብ ያሪኮ ንኣዒንቲ በርጢሜዎስ እቲ ዕውር ኣሕወየ (ማር.10፡46-52)፡ ኣብ ቤት ዘኬዎስ ከኣ ወዓለ (ሉቃ.19፡1-10)። ሮማውያን ንያሪኮ ብ 67 ዓ.ም. ኣፍረስዋ። ካ 2 ለ።
ያስጲስ፤
ቀይሕ ወይ ቀጠልያ ዝሕብሩ ክቡር እምኒ (ዘጸ.39፡13። ራእ.4፡3፤ 21፡10-11)።
መጽሓፍ ያሺር፤
ኣብዚ መጽሓፍ እዚ በብዓይነቱ ዛንታ እስራኤልን መዝሙርን ቅነን እተጻሕፈ ይመስል (እያ.10፡13። 2ሳሙ.1፡18)። እዚ መጽሓፍ እዝን እቲ መጽሓፍ ውግእ እተባህለን፡ ሓደ መጽሓፍ ይኸውን (ዘሁ.21፡14)። መጽሓፍ ያሺር ብዘበን ሰሎሞን ከም እተጻሕፈ ይመስል፡ ደሓር ግና ኣይተራእየን።
ያቦቅ፤
ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ዮርዳኖስ ዚፈስስ ርባ። ያእቆብ ርባ ያቦቅ ተሳገረ። ርባ ያቦቅ ብዘበን ሙሴ ዶብ መንግስቲ ሲሆንን መንግስቲ ኣሞንን ነበረ (ዘፍ.32፡22። ዘሁ.21፡21-24። እያ.12፡2)። ካ 3 ሸ።
ያእቆብ፤
ትርጉም እዚ ስም እዚ፡ ﷽ኩርኹረ ሓዘ ማለት እዩ።
ያእቆብ ሓው ጎይታና ክሳዕ ትንሳኤ የሱስ ብጎይታ ኣይኣመነን (ዮሃ.7፡3-5)፡ እንተኾነ ግና ድሕሪ ትንሳኤ፡ ንጎይታ ርእዩ ኣመነ (1ቆረ.15፡7)። ድሕሪ ጴጥሮስ ናይታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ማሕበር ዋና መራሒ ኾነ፡ ኣብታ ጉባኤ (ሲኖዶስ) የሩሳሌም ከኣ ሊቀ መንበር ነበረ (ግብ.12፡17፤ 15፡13-21፤ 21፡18። ገላ.1፡19፤ 2፡9-12)። ያእቆብ ሓው ጎይታና ብ 62 ዓ.ም. ኣብ የሩሳሌም ብሰማእትነት ከም ዝሞተ ይዝንቶ።
መልእኽቲ ያእቆብ፤
እዛ መልእኽቲ እዚኣ ሓደ ኻብቶም ኣሕዋት ጎይታ እተባህሉ ጸሓፋ። ያእቆብ ነዛ መልእኽትñ እዚኣ፡ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ሕጂ ግና ክርስትና እተቐበሉ ኣይሁድ ጸሓፋ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ መከራ ወደቑ፡ ኣብታ ማሕበሮም ከኣ ፍሉይ ጌጋ ኣተወ። ስለዚ ያእቆብ ካብ መከራኦም ኬጸናንዖም፡ ከምኡ ኸኣ ካብ ጌጋኦም ኪእርሞም ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ይጽሕፈሎም። እቲ ቐንዲ ጌጋ፡ ገለ ኻብቶም እምነት ኣላትና እናበሉ ነታ እምነቶም ብግብሪ ዘይገልጹ ስለ ዝነበሩ እዩ። ያእቆብ ግና ሓደ ሰብ ክርስትያን ምስ ኮነ ነታ እምነቱ ብግብሪ ኺገልጻ ከም ዚግብኦ ይምህር፡ ብዝተረፈ እታ እምነት ከንቱ ከም ዝኾነት ይገልጽ። ሰብ እምነት ምስ ግብሪ ምስ እትህልዎ ከም ዚጸድቕ ደጋጊሙ ይጽሕፍ።
ያዔል፤
ሰበይቲ ሔቤር እቲ ቄናዊ። ብሽኻል ድንኳን ገይራ ሲሴራ ዝቐተለት ሰበይቲ (መሳ.4፡17-24፤ 5፡24-27)።
ያፌት፤
ሓደ ካብ ደቂ ኖህ (ዘፍ.5፡32፤ 6፡10)። ያፌት ካብ ማይ ኣይሂ ደሓነ (ዘፍ.7፡13፤ 9፡18)፡ ሕፍረት ኣቦኡ ኸደነ (ዘፍ.9፡20-24)፡ ኖህ ኣቦኡ ኸኣ ብዛዕባ ያፌት ተነበየ (ዘፍ.9፡27)። ያፌት ብዙሓት ደቂ ስለ ዝወለደ ኣቦ ብዙሕ ህዝቢ ኾነ (ዘፍ.10፡2-5)።