![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ይሁዳ | ይሁዳ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ይሁዳ፤
ትርጉም እዚ ስም እዚ፡ ﷽ምስጉን ማለት እዩ። ይሁዳ፡ ልያ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ራብዓይ ወዲ እዩ (ዘፍ.29፡35)። ብዛዕባ ዮሴፍ፤ ንሺጦ እምበር ኣይንቕተሎ፡ ከም ዝበለ ንዝክር (ዘፍ.37፡26-27)። ይሁዳ ኣብ መንጎ ኣሕዋቱ መራሒ ነበረ (ዘፍ.43፡3-10፤ 44፡16-34፤ 46፡28)። ኩነታት ስድራ ቤቱ ዜነውር ከም ዝገበረ ነንብብ (ዘፍ.38)። እንተኾነ ግና እቲ ትእማር ዝወለደትሉ ፋሬስ ወዱ ኣብቲ ሓረግ ወለዶ የሱስ ክርስቶስ ተቖጽረ (ማቴ.1፡3)። ይሁዳ ኣቦ ሓደ ኻብቶም ነገዳት እስራኤል ኮነ፡ ነገድ ይሁዳ ከኣ ብስሙ ተሰምዩ። ያእቆብ ድማ ንይሁዳ ብኣንበሳ ይምስሎ እሞ፡ መራሒ ከም ዚኸውንን ኣህዛብ ከም ዚእዘዝዎን፡ ገዛኢ ካብ ይሁዳ ኸም ዚመጽእን ተነበየ (ዘፍ.49፡8-12። እብ.7፡14። ራእ.5፡5)። ኣብቲ ጉዕዞ ምድረ በዳ፡ ነገድ ይሁዳ ቕድም ይጉዓዝ ነበረ (ዘሁ.10፡14)። ከነኣን ክትምቀል ከላ፡ እቲ ቕድም ኣብ ወገን ምዕራብ ዮርዳኖስ ክፍሊ ርስቲ እተዋህበ ነገድ፡ ናይ ይሁዳ ነገድ እዩ (እያ.15)። ካ 3 በ።
ንጉስ ዳዊት ካብ ነገድ ይሁዳ ተወልደ (ሩት 4፡12፥18-22)። ነገድ ይሁዳ ካብቲ ንዳዊት ዘንገሱሉ ጊዜ ጀሚሮም (2ሳሙ.2፡4) ንዳዊትን ንወዲ ወዱን ተገዝኡ እምበር፡ ምስቶም ካልኦት ነገዳት ሓቢሮም ኣይጠለሙን (1ነገ.12፡17)። ክርስቶስ ካብ ዓሌት ይሁዳ ስጋ ለቢሱ መጸ (ራእ.5፡5)። ﷽ኣይሁድ ﷽ነገድ ተመልከት።
ይሁዳ፤
ኣብ ሓ.ኪ. ይሁዳ ተባሂሎም ዚጽውዑ ብዙሓት ሰባት ኣለው፡ ካብኣቶም ከኣ እቶም ኣዝዮም እተፈልጡ እዞም ዚስዕቡ እዮም፤
ይሁዳ፤
ኣብ ደቡብ ከነኣን ዝነበረት ሃገር። ደቂ እስራኤል ካብ ምርኮ ባቢሎን ተመሊሶም ናብ ሃገሮም ምስ ኣተው፡ መብዛሕትኦም ካብ ዓሌት ይሁዳ ስለ ዝነበሩ፡ እታ ኣብ ከነኣን ዚነብሩላ ዝነበሩ ሃገር፡ ይሁዳ ተባሂላ ተሰምየት (እዝ.5፡8)። በተñ ጊዜ እቲ፡ ይሁዳ ክፍሊ ሃገር መንግስቲ ፋርስ ኮይና ነበረት። ብዘበን መንግስቲ ሮሜ፡ እቲ ኣብ ሶርያ ኪገዝእ ብሮሜ እተሾመ ገዛኢ ይሁዳ፡ ኣብ ከተማ ቂሳርያ ይቕመጥ ነበረ። እቲ ብዘበን ክርስቶስ ዚነበረ ገዛኢ ኸኣ ጲላጦስ ይብሃል ነበረ (ሉቃ.3፡1)። ሃገር ይሁዳ ካብ ዓቢ ባሕሪ ክሳዕ ባሕሪ ጨው፡ ካብ ዮጴ ክሳዕ ጋዛ ተዘርጊሓ ትርከብ። ይሁዳ ሎሚ ሓንቲ ኻብተን ክፍልታት ሃገር ናይ መንግስቲ እስራኤል እያ። ካ 3 በ።
መልእኽቲ ይሁዳ፤
ይሁዳ፡ ሓደ ኻብቶም ﷽ኣሕዋት ጎይታ ተባሂሎም ዘለው እዩ (ማቴ.13፡55)። እታ መልእኽቲ ናበይ ከም እተላእከት እኳ ዘይንፈልጥ እንተ ኾንና ናብ ኣመንቲ ከም እተላእከትስ ፍሉጥ እዩ (ይሁ.1)። ከምቲ ጴጥሮስ ኣብታ ኻልአይቲ መልእኽቱ ጽሒፍዎ ዘሎ፡ ይሁዳውን ካብቶም ሓሶት ዚምህሩ ሰባት ኬጥንቅቕ መልእኽቱ ጸሓፈ። ኣብታ መልእኽቱ ብዛዕባ ካልእ ነገርውን ኪጽሕፍ ሓሲቡ ኸም ዝነበረ ንርኢ (ይሁ.3)። እንተኾነ ግን ናይቶም ሰባት ጣልቃ ምእታው ስለ እተረድኤ፡ ﷽ኻብኣቶም ተጠንቀቑ ኢሉ ይጽሕፍ (ይሁ.5-23)። ይሁዳ ኺጽሕፍ ከሎ ን 2ጴጥ.2 መሰረት ገይሩ ኸም ዝጸሓፈ ስለ ዚመስል፡ እቲ መልእኽቱ ዝጸሓፈሉ ጊዜ ድሕሪ 64 ዓ.ም. ኣቢሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይሁዳ ንመጽሓፍ ሄኖክ ጠቒሱ ጽሒፉ ኣሎ (ይሁ.14-15)።
መንግስቲ ይሁዳ፤
ድሕሪ ሞት ሰሎሞን፡ የሮብዓም ነቶም ዓሰርተ ነገድ እስራኤል ኣኸቲሉ ኣብ ልዕሊ ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ናይ ዓመጽ ተግባር ፈጸመ። ሮብዓም ከኣ ይሁዳ ጥራይ ሓዘ፡ እታ መንግስቱ ኸኣ መንግስቲ ይሁዳ ተባህለት። ኣብ መንጎ መንግስቲ እስራኤልን መንግስቲ ይሁዳን ብዙሕ ውግእ ተገይሩ እዩ፡ እንተኾነ ግና እታ ሓንቲ መንግስቲ ነታ ሓንቲ ኽትስዕራ ስለ ዘይተኻእለ፡ ክልተ መንግስታት ኮይነን ተረፋ። ነገስታት ይሁዳ ኸኣ ኣምልኾ ባዕዲ ይስዕቡ ነበሩ።
ቀጺሎም ከኣ ኣብ ክንዲ ኣብ እግዚኣብሄር ተስፋ ምግባር፡ ኣብ ግብጽን ኣብ ናይ ወጻኢ ሓገዝን ስለ እተወከሉ ንእግዚኣብሄር ኣጉሃዩ። ሓደ-ኽልተ ካብቶም ነገስታት ይሁዳ፡ ነቲ ኣምልኮ ባዕዲ ንምውጋድን ነቲ ህዝቢ ኸኣ ናብ ሓቂ ንምምላስን ዝፈተኑ ኣለው። ካብኣቶም ከኣ ህዝቅያስን ዮስያስን ንዝክር። እንተኾነ ግና ነገስታት ይሁዳን እቲ ህዝብን ካብ እግዚኣብሄር እናረሓቑ ኸዱ። ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ንብዓል ዳኒኤል ናብ ባቢሎን ምስ ወሰዶም፡ ተመሊሱ ንዮያኪንን ካልኦትን ማለት ንብዓል ህዝቅኤል ማሪኹ ወሰዶም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንየሩሳሌም ኣፍረሰ። ንጼድቅያስን ብጮቱን ከኣ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።
ሰብ ይሁዳ ናብ ላኪሽ ኪማረኹ ኸለው። ኣብ ቤት መንግስቲ ሰናክሬብ ኣብ ከተማ ነነዌ ካብ እተረኽበ ቅርጺ እተቐድሔ። 2ነገ.18፡13-14።
እቲ ህዝቢ ካብ ምርኮ ምስ ተመልሰ፡ እታ ሃገር እንሓንሳእ እስራኤል እንሓንሳእ ድማ ይሁዳ ትብሃል ነበረት። ﷽መንግስቲ እስራኤል ተመልከት። ኣብዚ ዚስዕብ ሰሌዳ፡ ተርታ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ነብያቶምን ጸላእቶምን ተመልኪቱ ኣሎ። ኣብቲ ተርታ፡ ስም ነገስታትን ዝነገሱሉ ዓመታትን ስም ነብያትን እተነበዩሉ ዓመታትን ተጽሒፉ ኣሎ። ﷽ናይ ብሉይ ኪዳን ስፍረ ዘበን ተመልከት። ኣብቲ ተርታ ስም ነብያት ﷽እ ዚብል ፊዴል ኪውሰኽ ከሎ፡ እቲ ነብዪ ኣብ መንግስቲ እስራኤል ይንበ ነበረ ማለት እዩ።
ነገስታት ይሁዳ |
ነብያት |
ነገስታት እስራኤል |
ካልኦት መንግስታት |
ሮብዓም |
ኣሒያ |
የሮብዓም 1 |
መንግስቲ ሶርያ |
(931-913) |
(እ 935-915) |
(931-910) |
|
ኣቢያ |
|
ናዳብ |
ሺሻቅ ኣብ ግብጺ |
(913-911) |
|
(910-909) |
|
ኣሳ |
የሁ |
ባዕሳ |
ቤን-ሃዳድ 1 |
(911-870) |
(እ 900) |
(909-886) |
|
|
|
ኤላ |
|
|
|
(886-885) |
|
|
|
ዚምሪ |
|
|
|
(885) |
|
|
|
ቲብኒ |
|
|
|
(885-880) |
|
|
|
ዖምሪ |
|
|
|
(885-874) |
|
ዮሳፋጥ |
ኤልያስ |
ኣከኣብ |
ቤን-ሃዳድ 2 |
(870-848) |
(እ 865-853) |
(874-853) |
|
|
|
ኣሓዝያ |
|
|
|
(853-852) |
|
ዮራም |
ኤልሳእ |
ዮራም |
|
(848-841) |
(እ 852-798) |
(852-841) |
|
ዓታልያ |
ኦብድያ |
የሁ |
|
(841-835) |
(840) |
(841-814) |
|
ዮኣስ |
ዮኤል |
ዮኣሓዝ |
ሓዛኤል |
(835-796) |
(810) |
(814-798) |
|
ኣማስያ |
|
ዮኣስ |
ቤን-ሃዳድ 3 |
(796-787) |
|
(798-782) |
|
ኣዛርያ |
ዮናስ |
የሮብዓም 2 |
|
(787-740) |
(770) |
(782-753) |
|
|
ኣሞጽ |
|
|
|
(እ 750) |
|
|
|
ሆሴእ |
ዘካርያስ |
|
|
(እ 750) |
(753-752) |
|
|
ኢሳይያስ |
ሻሉም |
|
|
(740-688) |
(752) |
|
|
ሚክያስ |
ምናሔም |
ረጺን |
|
(735-688) |
(752-742) |
|
|
|
|
|
ዮታም |
|
ጴቃሕያ |
|
(740-735) |
|
(742-740) |
|
ኣሃዝ |
|
ጴቃሕ |
|
(732-716) |
|
(740-732) |
ውድቀት ደማስቆ |
|
|
|
(732) |
|
|
ሆሴእ |
መንግስቲ ኣሶር |
|
|
(732-722) |
|
|
|
ምርኮ እስርኤል |
ሰልመናስር፡ ሶእ |
|
|
(722) |
|
|
|
|
ሰናክሬብ |
ህዝቅያስ |
|
|
|
(716-687) |
|
|
|
ምናሴ |
|
|
ቲርሃቃህ ንጉስ |
(687-642) |
|
|
ኢትዮጵያ |
ኣሞን |
|
|
|
(642-640) |
|
|
|
ዮስያስ |
ኤርምያስ |
|
|
(640-609) |
(626-585) |
|
|
|
ጸፎንያስ |
|
|
|
(620) |
|
ውድቀት ነነዌ |
|
ናሆም |
|
(612) |
|
(612) |
|
ኔኮ ብዓል ግብጺ |
ዮኣሓዝ |
|
|
|
(609) |
|
|
ነቡካድነጻር |
ዮያቂም |
ኣንባቆም |
|
ብዓል |
(609-595) |
(600) |
|
ባቢሎን |
|
|
|
ቤልሻጽር |
ጼድቅያስ |
ህዝቅኤል |
|
|
(597-587) |
(592-570) |
|
ውድቀት ባቢሎን |
ምርኮ ይሁዳ |
ዳንኤል |
|
(539) |
(587) |
(556-538) |
|
|
ኣዋጅ ቂሮስ |
|
|
|
(538) |
|
|
መንግስቲ ፋርስ |
|
ሃጌ፡ ዘካርያስ |
|
|
|
(520) |
|
|
|
ሚልክያስ |
|
ዳርዮስ፡ |
|
(400) |
|
ቂሮስ |
ይሁድነት፤
ኣይሁዳውነት፡ ሃይማኖት ሰብ እስራኤል። እቶም ካብ ወገን ኣህዛብ ተገዚሮም ናብ ኣይሁድነት ዚኣትው ዝነበሩ ሰባት፡ ሕጊ ሙሴ ምስ ተቐበሉ ከም ኣይሁድ ይቑጸሩ ነበሩ (ግብ.2፡10፤ 13፡43)።
ይስሃቅ፤
ትርጉም እዚ ስም እዚ፡ ﷽ይስሕቕ ማለት እዩ። ወዲ ኣብርሃምን ሳራን፡ ኣቦ ያእቆብ። ሳራ ንይስሃቅ ኣብ እርጋና ወለደቶ (ዘፍ.17፡15-21፤ 18፡9-15፤ 21፡1-7)። እቲ 25 ዓመት ንኣብርሃም እተዋህበ ተስፋ ብይስሃቅ ኪፍጸም ጀመረ (ዘፍ.12፡1-3። ማቴ.1፡2። ገላ.3፡16)። ኣብርሃም ንይስሃቅ ወዱ ወዲ ሸሞንተ መዓልቲ ምስ ኮነ ገዘሮ (ዘፍ.21፡4)። ﷽ብይስሃቅ እዩ ዘርኢ ዚጽውዓልካ ስለ እተባህለ፡ እስማኤል ተሰደ (ዘፍ.21፡8-14)። ኣብርሃም ንይስሃቅ ኣብ መስዋእትነት ኣቕረቦ (ዘፍ.22)። ይስሃቅ ንርብቃ ሰበይቱ ኽትከውን ኣእተዋ (ዘፍ.24)። ምስ ጸለየ ኸኣ ኤሳውን ያእቆብን ወለደትሉ (ዘፍ.25፡19-26)። ብዘበኑ ጥሜት ምስ ወረደ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤም ተሰደ፡ እግዚኣብሄር ከኣ፤ ﷽ናብ ግብጺ ኣይትውረድ፡ በሎ (ዘፍ.26፡1-2)። እግዚኣብሄር ነቲ ንኣብርሃም ዝሃቦ ተስፋ ኣብ ይስሃቅ ፈጸሞ (ዘፍ.26፡3-5፥24)። ባረኾ ኸኣ (ዘፍ.26፡12-14፥282-29)። ንደቁ ባረኸ (ዘፍ.26፡34-28፡5)። ይስሃቅ ወዲ 180 ዓመት ምስ ኮነ ሞተ (ዘፍ.35፡28-29)። ጳውሎስ ነቶም ብመንፈሳዊ ውልድነት ዚውለዱ ደቂ ኣምላኽ ﷽ደቂ ተስፋ እናበለ ብይስሃቅ ይምስሎም (ሮሜ.9፡6-9። ገላ.4፡21-31)። ይስሃቅ ናይ እምነት ሰብ ስለ ዝኾነ ኣብ እብ.11፡9፥20 ብዛዕብኡ ተጻሒፉ ኣሎ።
ይሳኮር፤
ትርጉም እዚ ስም እዚ፡ ﷽ዓስበይ፡ ደመወዘይ ማለት እዩ። ልያ ንራሄል ምልዖ ሂባ፡ ያእቆብ ምስኣ ኺሓድር ተሰማምዔት ካብ ያእቆብ ከኣ ጠነሰት፡ ንያእቆብ ከኣ ሓምሳይ ወዲ ወለደትሉ። ስለዚ ይሳኮር ታስዓይ ወዲ ያእቆብ ኮነ(ዘፍ.30፡16-18፤ 25፡23)። ይሳኮር ኣቦ ሓደ ኻብቶም ነገዳት እስራኤል ኮነ፡ ነገድ ይሳኮር ከኣ ብስሙ ተሰምዩ። ያእቆብ ኣቦኡ፡ ናይ ይሳኮር ጻዕርን ትግሃት ዕዮን ብምምልካት ከም ሓያል ኣድጊ ገይሩ ይምስሎ (ዘፍ.49፡14-15)። እቲ ኣብ ከነኣን ዝበጽሖ ኽፍሊ ርስቲ ኣብ ወገን ደቡብ ንፍታሌም ነበረ። ካ 3 ሰ። ሹማምቲ ይሳኮር ንዴቦራ ኸም ዝደግፉ ንዝክር (መሳ.5፡15)። ﷽ነገድ ተመልከት።
ይቕሬታ፤
ሰብ ብምኽንያት ሃብቱን ክብረቱን ስሙን መሰሉን እንተ ተበደለ፡ ወይ ከኣ ብሕጊ እንተ ተበደለ እሞ፡ በደሉ ኺፍደ እንተ ዘይሓተተ፡ ቂም እንተ ዘይሓዘ፡ እቲ ጉዳይ ተሪፉ፡ ይቕሬታ ኸኣ ሂቡ ማለት እዩ። እግዚኣብሄር ናይ ይቕሬታ ኣምላኽ እዩ (ነህ.9፡17። ኢሳ.55፡7። ዳን.9፡9-10)፡ ሰብ ግና ካብ ሓጢኣቱ እንተ ዘይተመልሰ፡ እግዚኣብሄር ይቕረ ኣይብለሉን እዩ (ዘዳ.29፡19-20። ኤር.5፡7)። እግዚኣብሄር ንሞት ክርስቶስ መሰረት ገይሩ እዩ ይቕሬታ ዚገብር (ማቴ.26፡28። ኤፌ.4፡32)። ﷽መተዓረቒ ተመልከት። ይቕሬታ ንምርካብ ሓጢኣትካ ምንዛዝ የድሊ (1ዮሃ.1፡9)። ከምኡ ኸኣ ከምቲ ኣምላኽ ይቕሬ ዝበለልና፡ ይቕሬ በሃልቲ ኽንከውን ይግባእ (ኤፌ.4፡32። ቆሎ.3፡13)። ንኻልኦት በደሎም እንተ ዘይሓደግናለ÷ም፡ ዕዮ እግዚኣብሄር ኣይተረድኣናን በደልናውን ኣይኪሕደገልናን እዩ ማለት እዩ (ማቴ.6፡12፥14፥15፤ 18፡23-35)። ﷽ምንዛዝ ተመልከት።
ይቡሳውያን፤
ካብ ከነኣን እተወልዱ ዓሌት (ዘፍ.10፡16)። ይቡሳውያን ኣብ ኣኽራን የሩሳሌም ይነብሩ ነበሩ። እያሱ ነቲ ንጉሶም ቀተሎ። ዳዊት ክሳዕ ዚሕዛ ኸኣ እታ ጽዮን እተባህለት ከረኖም ኣብ ኢዶም ከም ዝነበረት ነንብብ (እያ.10፡23-2፤ 15፡63። 2ሳሙ.5፡7-8)።
ይቡስ፤
ይቡሳውያን ዚቕመጥዋ ዝነበሩ ኸተማ። ስም የሩሳሌም፡ ስም እቲ ኣብ ጽዮን ዝነበረ ኸረን (እያ.15፡63። መሳ.19፡10)።
ይዝርኤል፤
ይግባኝ፤
ነገረይ ኣብ ላዕለዋይ ዳኛ ይቕረበለይ፡ ይሰምዓለይ፡ ማለት እዩ። ከም ሕጊ ኦሪት ሓደ እብራዊ ብዛዕባ ዝኾነ ይኹን ጉዳዩ ቅድም ንሹመኛኡ እንተ ኸበደ ኸኣ ንሙሴ ኼመልክት ይኽእል ከም ዝነበረ ንርኢ (ዘጸ.18፡21-27)። ከምኡ ኸኣ ካብ ሙሴ ንልዕሊውን ካልእ ላዕለዋይ ዳኛ ከም ዝነበረውን ነንብብ (ዘዳ.17፡8-13)። ኣብ መንግስቲ ሮሜውን ሓደ ሮማዊ ዜጋ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ ኪብል መሰል ከም ዝነበሮ ንዝክር (ግብ.25፡9-12)።
ይፍታሕ፡ ይፍታሄ፤
ሓደ ኻብ መሳፍንቲ እስራኤል። ይፍታሕ ወዲ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ ነበረ፡ ኣቦኡ ኸኣ ጊልዓድ ይብሃል። እቶም ብኣቡኡ ኣሕዋቱ ዝነበሩ ኸኣ ንይፍታሕ ወዲ ኻልእ ሰበይቲ ስለ ዝነበረ፤ ﷽ኣብ ቤት ኣቦና ኣይትወርስን ኢኻ፡ ኢሎም ሰጎጉዎ። ንሱ ኸኣ ካብኣቶም ሃዲሙ ሰዓብቲ ኣከበ። ደቂ ዓሞን ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ምስ ተላዕሉ ኸኣ፡ ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ፤ ﷽ሓለቓና ኹን፡ በልዎ። ይፍታሕ ድማ ናብ ንጉስ ደቂ ዓሞን ልኢኹ፡ ንሃገሩ ኸይወግኣ መኸሮ። ምስምማዕ ስለ ዝኣበዮ ግና ንደቂ ዓሞን ብመንፈስ እግዚኣብሄር እናተመርሔ ወቒዑ ሰዓሮም፡ ነዚ ተግባር እዚ ኸኣ ብእምነት ገበሮ (እብ.11፡32)። ሕጊ እግዚኣብሄር ካብ ዘይምፍላጡ እተላዕለ (ዘዳ.12፡29-31)፡ ነቲ እተመባጽዖ መብጽዓ ምእንቲ ኺፍጽም ኢሉ ነታ ዚፈትዋ ጓሉ ሰውኤ። ደቂ ኤፍሬም ኣንጻሩ ምስ ተላዕሉ ሰዓሮም። ይፍታሕ ኣብ እስራኤል ንሽዱሽተ ዓመት ፈራዲ ነበረ (መሳ.10፡17-12፡7)።