![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ውሉድ፤
ውሉድ ህያብ እግዚኣብሄር እዩ (መዝ.127፡3)። እስራኤላውያን ውሉድ ምርካብ ኣዝዮም ይፈትው ኸም ዝነበሩ ንርኢ (ዘፍ.15፡2። 2ሳሙ.18፡33)። ውሉድ ወለዶም ኬኽብሩን ምስ ኣረጉ ኸኣ ኪሕዝዎም ትጽቢት ይግበሮም እዩ። በዚ ተግባር እዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ከም ዝባርኾም ንምልከት (ዘጸ.20፡12። ምሳ.23፡22-25። ማቴ.15፡4-6)። ህልኸኛ ውሉድ ይቕጻዕ፡ እንተ ዘይተመልሰ ኸኣ ይቕተል ነበረ (ዘዳ.21፡18-21)። የሱስ ቆልዑ ኸም ዚፈቱ ኣብ ወንጌል ተጻሒፉ ኣሎ (ማቴ.9፡23-26። ማር.9፡36፤ 10፡13-16)። ሃዋርያት ኣብ ጹሑፎም ውሉድ ንወለዶም ብጎይታ ኺእዘዙ ገሊጾም ኣለው (ኤፌ.፡1-3። 1ጢሞ.5፡4። 2ጢሞ.3፡2)። እንተኾነ ግና ንክርስቶስ ካብ ወለዶም ኣብሊጾም ኪስዕብዎ ኸም ዚግባእ ከኣ ተጻሒፉ ኣሎ (ማቴ.10፡21፥ 37)። ብዛዕባ ኣተዓባብያ ውሉድ፡ ኣብቲ ኣተዓባብያ ሙሴን (ዘጸ.2፡1-10)፡ ኣተዓባብያ ሳሙኤልን (1ሳሙ.1፡20-3፡19)፡ ኣተዓባብያ የሱስን (ሉቃ.2፡7-52) ግሩም ዝኾነ ኣብነት ክንርኢ ንኽእል። ﷽ወለዲ ﷽ምእዛዝ ተመልከት።
ውልድነት፤
ኣብ ዘበን ብሉይ ኪዳን፡ ሓደ ሰብ ውሉድ ካልእ ሰብ ወሲዱ፡ ብሕጊ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሉድ ኪገብሮ ይኽእል ከም ዝነበረ ንርኢ (ዘጸ.2፡10። 1ነገ.11፡20። ኣስ.2፡7)። ኣብ መንጎ እስራኤላውያን፡ ኣቦ ማለት፡ ወላዲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሓላዊ ወይ ከኣ መዕበዪ ኸም ዝነበረውን ንዕዘብ። በዚ መሰረት እዚ ኸኣ ኩሎም እቶም ኣብ ቤት ኣብርሃም እተወልዱ ኸም ደቁ ተቖጺሮም ከም እተገዝሩ ነንብብ (ዘፍ.17፡9-14፥ 25-26)። እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል ውልድነት ሃቦም (ሆሴ.11፡1። ሮሜ.9፡4)። ክርስቶስ ብባህርዩ ወዲ ኣምላኽ እዩ (ዮሃ.1፡14)። ውልድነት ኣመንቲ ግና ብጸጋ እዩ ዚርከብ፡ ዓለም ከይተፈጥረት እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ከም ዝሓረዮም ንርኢ (ኤፌ.1፡4-6)። ኣምላኽ ንኣመንቱ ኻብ ባርነት ናብ ውልድነት ኣብጽሖም። ደቂ ሰብ ምስ ዚኣምኑ ደቂ ኣምላኽ ይኾኑ (ገላ.3፡23-29)። መንፈስ ቅዱስውን ነቲ ውልድነት እዚ ዜረጋገጸ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ መወዳእታ ዓለም ንኹሉ ፍጥረት ኺግለጽ እዩ (ሮሜ.8፡14-17፥ 20-23። ገላ.4፡1-6)። ﷽እግዚኣብሄር 7ይ ኣርእስቲ ተመልከት።
ውሒዝ፤
ማይ ዘይሓልፎ ርባ (ዘዳ.8፡7)።
ውርጪ፤
(በረድ)። ፈኵስን ኣዝዩ ዝጻዕደወን ኣብ ቆራሪ ሃገራትን ኣብ ልዕሊ ነዋሕቲ ኣኽራንን ዚወርድ በረድ ዚመስል ነገር (1ዜና/11፡22። እዮ.38፡29)። ማይ ዝሒሉ ምስ ረግኤ፡ ውርጪ ተባሂሉ ተጠቒሱ ኣሎ (እዮ.6፡15-16)።
ውሻጠ፤
ኣብ ውሽጢ ሓደ ቤት ንመቐመጢ ኣቕሑ ተባሂሉ ዚስራሕ ክፍሊ፡ ውሻጠ ይብሃል (ዘፍ.6፡14)። ከምኡ ኸኣ እቲ ምግቢ ኣብ ውሽጢ ኸብዲ ዝጸንሓሉ ኽፍሊ ኣካላት፡ ውሻጠ መዓንጣ ተባሂሉ ኣሎ (ምሳ.18፡8፤ 20፡27)።
ውሻጠ ሞት፤
እዚ ቓል እዚ ኸም ምሳሌ መቓብር ኮይኑ ተዘውቲሩ ኣሎ (ምሳ.7፡25-27)።
ውቃጦ፤
ብመርፍእ ወይ ብእሾኽ እናወጋእካ ኣብ ቆርበት ዚግበር ምልክት ወይ ቅርጺ ውቃጦ ይብሃል። ኣብ ሕጊ ሙሴ ውቃጦ ክልኩል እዩ (ዘል.19፡28)።
ውዕለት፤
ደመወዝ፡ ዋጋ ዕዮ። ውዕለት ብበበይኑ ኣገባብ ይኽፈል ነበረ (ዘፍ.29፡15፥ 20፤ 30፡28-34። ማቴ.20፡2)። ውዕለት ሓደ ዓይዪ ከይሓደረ ኪኽፈል ዚእዝዝ ሕጊ ኣሎ (ዘሌ.19፡13። ዘዳ.24፡14-15)። ንሓደ ዓያዪ ኸምቲ ዝዓየዮ ጌርካ ደመወዙ ኽትህቦ ይግባእ (ሉቃ.10፡7። ሮሜ.4፡4)። ደመወዝ ዘይምኽፋል ግፍዒ እዩ (ኤር.22፡13-14። ሚል.3፡5። ያእ.5፡4)።
ብዓል ውዕለት፤
ብውሱን ደመወዝ እተቖጽረ ሰራሕተኛ (ዘዳ.24፡14-15። እዮ.7፡1። ሚል.፡5)።
ውድቀት፤
ውድቀት ወዲ ሰብ ኣብ ዘፍ.3፤ ተገሊጹ ኣሎ። ሰይጣንን ካልኦት መልኣኽትን ግና ቅድሚ ሰብ ከም ዝወደቑ ነንብብ (2ጴጥ.2፡4። ይሁ.6)። ኣዳም ብመልክዕ እግዚኣብሄር፡ ተፈጥረ። ኪፍጠር ከሎ ኸኣ ብዙሕ ጽቡቕን ብዘይ ሓጢኣትን ነበረ (ዘፍ.1፡26፥ 31)። ሰብ ግና ብገዛእ ፍቓዱ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣፍረሰ፡ እዚ ብምግባሩ ኸኣ ኩሎም ሰባት ሓጢኣተኛታት ኮኑ፡ ሞት ከኣ ተፈርዶም። ክርስቶስ ግና ዳግማይ ኣዳም ኮይኑ ነቶም ኣብኡ ዝጸንዑ ሰባት ካብ ሓጢኣትን ሞትን ኣድሓኖም (ሮሜ.5፡12-19። 1ቆረ.15፡21-22፥ 45-49)። ﷽ሓጢኣት ተመልከት።
ውግእ፤
ኣብ ዓውዲ ውግእ ምግጣም፡ ምስላፍ። እቶም ናይ ቀደም ሰባት ናብ ውግእ ኪኸዱ ኸለው ብፍቓድ ኣምላኾም ከም ዚዋግኡ ይኣምኑ ነበሩ (2ነገ.18፡32-35)። ነገስታት እስራኤል ናብ ውግእ ቅድሚ ምንቃሎም መስዋእቲ ይስውኡ ኸም ዝነበሩን (1ሳሙ.7፡8-10 13፡9)፡ ንእግዚኣብሄርውን ይሓቱ ኸም ዝነበሩን ንርኢ። ነቲ ውግኦም ﷽ውግእ እግዚኣብሄር ይብልዎ ነበሩ (1ሳሙ.18፡17። 1ነገ.22፡5-28። 2ነገ.3፡11)። እቶም ወተሃደራት መለኸት ብምንፋሕ መልእኽቲ ውግእ የመሓላልፉ ነበሩ (መሳ.3፡27። 1ሳሙ.13፡3)፡ እቶም ካህናት ከኣ መለኸት እናወቕዑ (2ዜና.13፡12) ነቲ ታቦት ጸይሮም ናብ ውግእ ይኸዱ ነበሩ (ዘዳ.20፡1-4። እያ.6፡1-21። 1ሳሙ.4)።
መካበብያ ኸተማ ዜፍርስ መንኮርኮር ዘለዎ ናይ ውግእ ዓረብያ። በቲ ኻብ ጎድኑ ዚውርወር ጉንዲ ገይሩ መንደቕ ኸተማ የፍርስ። ሰብ መንትግ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ተሰቒሎም ቀስቶም ናብ ከተማ ገጾም ይውርውሩ። ህዝ.4፡2፤ 21፡22። (ካብ ናይ ኣሶር ቅርጺ እተቐድሔ)
ናይ ውግእ ኣገባብን ጥበብን ብዙሕ ዓይነት እዩ ዝነበረ። ውግእ ብምሩጻት ጀጋኑ ይጅመር ነበረ (1ሳሙ.17። 2ሳሙ.2፡14-16)። ብዙሕ ጊዜ እቶም ወተሃደራት ብድንገት ምስ ጸላእቶም ገጢሞም ከም ዚስዕሩ ንርኢ (ዘፍ.14፡16። እያ.11፡1-9። መሳ.7፡19-23)። እያስé ከምኡውን ካልኦት ተዋጋእቲ ኸም እተሳዕሩ ብምምሳል፡ በቲ ተደቢቕካ ዚካየድ ዓይነት ውግእ ከም እተጠቕሙ ንርኢ (እያ.8፡3-23። መሳ.20፡20-48)። ሓደ ሰራዊት ውግእ፡ ጸላኢ ኣብ ዓውዲ ውግእ ምስ በርትዖ፡ ናብ ሓደ ግምቢ ወይ እተዓረደት ከተማ ዚኣቱ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ጸላኢ ነቲ ዕርዲ ከቢቡ ንምሓዙ ይህቅን ከም ዝነበረ ነንብብ (2ሳሙ.20፡15። 2ነገ.6፡24-25። ህዝ.4፡2)። እቶም ስዑራት ከኣ ወይ ይቕተሉ ወይ ከኣ ባሮት ኮይኖም የገልግሉ ነበሩ (ዘዳ.20፡16-18። ኣሞ.1፡6፥9፥13)። እቲ ኣብ ውግእ ዚርከብ ዝነበረ ድማ እንተ ድኣ ንእግዚኣብሄር ዘይተሓረመ፡ እቶም ናይ ውግእ ሰራዊት ይማቐልዎ ነበሩ (ዘሁ.31፡27። እያ.22፡8። 1ሳሙ.30፡24-25)።
ሰዓቢ ክርስቶስ ዘበለ ኸኣ፡ ከም ሓደ ወተሃደር እዩ። ብሓይሊ መንፈስ ምስ ሰይጣንን ሓጢኣትን ይዋጋእ (2ቆር.10፡3-5። 1ጢሞ.1፡18። 2ጢሞ.2፡3-4። ያእ.4፡1። 1ጴጥ.2፡11)። ኣጽዋር ውግኡ መንፈሳዊ እዩ (ሮሜ.13፡12። 2ቆረ.6፡7። ኤፌ.6፡11-18። 1ተሰ.5፡8)።
ውግእ ብምኽንያት ሓጢኣት ደቂ ሰብ ናብ ዓለም ከም ዝኣተወ ግሉጽ እዩ። እወ! ﷽ኣይትቕተል ዚብል ትእዛዝ ኣሎ፡ እንተኾነ ግና ፈራዶ ናይ ሞት ፍርዲ ኺፈርዱ ኸም እተፍቕደሎም ከኣ ንርኢ። እስራኤልውን ንጸላእቶም ኪድምስሱ ብዙሕ ጊዜ ትእዛዝ ከም እተዋህቦም ነንብብ (ዘሌ.27፡29። ዘሁ.21፡2-3። 1ሳሙ.15፡3)። ኣብ ሓ.ኪ. ግና ቤ.ክ. ብመንፈሳዊ መገዲ እምበር ብስጋዊ ሓይሊ ኸም ዘይትዝርጋሕ ይግለጸልና (ማቴ.26፡52። 2ቆረ.10፡3-5። ኤፌ.6፡12)። ዝኾነ ኾይኑ ግና ኣብዛ ዓለም ውግእ ዘይተርፍ ከም ዝኾነ ብመድሓኒና ተገሊጹልና ኣሎ (ማቴ.24፡6)። የሱስ ብምሳሌ ውግእ ገይሩውን ምሂሩ እዩ (ሉቃ.14፡31-32)። እሞኸ፡ ሓደ ክርስትያን ወተሃደር ኪኸውንዶ ይኽእል እዩ? ገለ ሰባት ማቴ.5፡43-45 ከምኡውን ማቴ.10፡23 እናጠቐሱ፡ ሓደ ክርስትያን ወተሃደር ኪኸውን ኣይግብኦን እዩ ይብሉ። ብዙሓት ሰባት ግና፡ ክርስቶስ ባዕሉ ብሓይሊ ከም እተጠቕመን (ዮሃ.2፡14-16) ጳውሎስውን፡ ዚከኣል እንተ ኾይኑስ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ምንባር እናሓበረ (ሮሜ.12፡18)፡ ነፍስ ወከፍ ነታ ኣብ ልዕሊኡ ዘላ መንግስቲ ኺእዘዛን ንመንግስቱ ኪከላኸለላን ከም ዚምህር እናጠቐሱ፡ ሓደ ክርስትያን ወተሃደርውን ኪኸውን ከም ዚግብኦ የረጋግጹ። ዝኾነ ኾይኑ ግና ሓደ ክርስትያን፡ ኣብ ውግእ ሰብ ምቕታል ዜሕዝን ነገር ከም ዚኾነ ኺዝክር ይግብኦ። ﷽ሰራዊት ውግእ ተመልከት።
መጽሓፍ ውግእ፤
﷽መጽሓፍ ያሻር ተመልከት።
ሰራዊት ውግእ፤
ህዝቢ ዓለም ካብ መጀመርታኦም ጀሚሮም ስለ ዘይተሰማምዑ ናብ ዓውዲ ውግእ ምውጻእ እናተለምደ ኸደ። እተን ዓበይቲ መንግስታት ብዙሓት ሰራዊት ውግእ የዳልዋ ነበራ። እቶም መዃንንቲ ኸኣ ኣብ ቅድሚ መንግስቲ ዕቤት ረኸቡ። ስለዚ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ኩሎም እቶም ዕድሚኦም ካብ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ውግእ ኪካፈሉ ይምደቡ ነበሩ (ዘሁ.1፡3)። እቶም ወተሃደራት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ኮይኖም ኪስለፉ ጀመሩ (ዘሁ.31፡14)። ገሊኦም ግና ኻብ ዓውዲ ውግእ ኪተርፉ ይፍቀደሎም ከም ዝነበረ ንዝክር (ዘዳ.20፡1-9)።
እስራኤላውያን ንከነኣን ምስ ሓዙ፡ ጸላኢ እንተ ተላዕሎም ምእንቲ ኺገጥሙሉ ሓደ መራሒ ተላዒሉ ናብ ውግእ ይመርሖም ከም ዝነበረ ንርኢ (መሳ.6፡33-35። 1ሳሙ.11፡5-7)። ሳኦል ምስ ነገሰ ግና ሓደ ቐዋሚ ሰራዊት ውግእ ኣዳለወ (1ሳሙ.13፡2)። ዳዊትውን ንክረታውያንን ጵሌታውያንን ናይ ክብሪ ሰራዊቱ ኪኾኑ መደቦም (2ሳሙ.8፡18)። ወተሃደራት እስራኤል ክሳዕ ዘበን ነገስታት፡ ኣጋር እዮም ዝነበሩ (1ሳሙ.4፡10)፡ ሰሎሞን ግና ብዙሓት ፈረሰኛታትን ሰረገላታትን ወሰኸሎም (1ነገ.10፡26-29)። እቶም ወተሃደራት በቲ ኻብ ምርኮ ዝረኸብዎ ይመሓደሩ ነበሩ (1ሳሙ.30፡24)። እቲ ቐዋሚ ሰራዊት ውግእ ከኣ፡ ካብ መኣዲ ንጉስ ይቕለብ ነበረ (1ነገ.4፡27)። ወተሃደራት ናብ ውግእ ኪወጹ ኸለው ኣብ ሓደ ሰፈር ይሓድሩ ስለ ዝነበሩ፡ እቲ ሰፈር ሰራዊት ኩሉ ጊዜ ይሕሎ ነበረ (መሳ.7፡19። 1ሳሙ.17፡20፤ 25፡13፤ 26፡5)።
ሰራዊት ሮሜ ኣብ ለጌዎንን ጭፍራን ይኽፈል ነበረ። ኣብ ሓንቲ ጭፍራ ኸኣ 10 ሓላቑ ሚእቲ ይርከቡ ነበሩ (ማር.5፡9። ግብ.10፡1፤ 27፡1)። ﷽ውግእ ﷽ኣጽዋር ውግእ ተመልከት።
ወተሃደራት ሮሜ
ኣጽዋር ውግእ፤
ቀደም ዘበን ሓደ ሰብ ናብ ውግእ ኪኸይድ ከሎ፡ ኣብ ቤቱ ዚርከብ ኣጽዋር ኣልዒሉ ናብ ውግእ ይኸይድ ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ሓደ ወተሃደር ግና ፍሉይ ክዳን ወተሃደርን ኣጽዋር ውግእን ነበሮ። እቲ ንጉስን እቶም መዃንንቲ ሰራዊትን ከኣ፡ ኣጽዋር ውግእ ዚስከመሎም ጋሻ ዛግሬ ነበሮም። ኣጽዋር ውግእ ኣብ ክልተ ኽፍሊ ይኽፈል።
ውጽኣት፤
ተቕማጥ፡ ከብድኻ ምስ ሓመምካ ካብ መዓንጣኻ ደም ክሳዕ ዚወጽእ ዜሕምም ሕማም (ግብ.28፡8)። ﷽ሕማማት ተመልከት።