ጼ
ጼድቅያስ
ጼድቅያስ፤
ትርጉም እዚ ስም እዚ፡ ﷽ጽድቂ እግዚኣብሄር፡ ማለት እዩ። ጼድቅያስ ካብቶም ኣብ ይሁዳ ዝነገሱ ደቂ ዮስያስ እቲ ሳልሳይ፡ ካብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነገሱ ዘረኢ ዳዊት ከኣ እቲ ናይ መወዳእታ ንጉስ እዩ። ክካm 587 ቅ.ል.ክ. ነጊሱ ነበረ፡ ክፉእ ጥራይ ገበረ። ዮያኪን ወዲ ሓው ምስ ተማረኸ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣብ ይሁዳ ኣንገሶ፡ ግብሪ ኪኸፍል ከኣ ኣምሓሎ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ግና ናብ ባቢሎን ተወስደ (ኤር.51፡59)። ድሕርዚ ኸኣ እምነቱ ናብ ግብጹ ገይሩ ንንጉስ ባቢሎን ኪዕምጾ ጀመረ። ሰራዊት ባቢሎን ድማ ንየሩሳሌም ከበብዋ፡ ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን ከኣ ሓዝዋ። ጼድቅያስ ተታሒዙ ተማረኸ፡ ዕውር ኮይኑ ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞተ (2ነገ.24፡18-25፡7። 2ዜና.36፡10-21። ኤር.39፡1-10፤ 52፡1-12)።
ኣብ ትንቢት ኤርምያስ፡ ጼድቅያስን እቶም ምስ ዮያኪን ዘይተማረኹ ህዝብን ብእተበላሸወ ፍረ በለስ ተመሲሎም ንረኽቦም (ኤር.24፤ 29፡15-20። ህዝ.17፡13-14)። ኤርምያስ ንጼድቅያስ ይመኽሮን የጠንቅቖን ነበረ፡ ጼድቅያስ ግና ኣይሰምዖን (ኤር.21፤ 32፡1-5፤ 37፤ 38)። ህዝቅኤልውን፡ ጼድቅያስ ማሕላኡ ብምጥላም ኣብ ርእሱን ኣብ ከተማኡን ፍርዲ ኸም ዜምጽእ ተነበየ (ህዝ.17፡11-21፤ 21፡24-27)።