![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ጺቅላግ፤
ካብ ብኤር-ሸባዕ 15 ኪ.ሜ. ኣብ ወገን ሰሜን ርሒቓ እትርከብ ከተማ። ኣኪሽ ንጉስ ጋት ንዳዊት ጺቅላግ ሃቦ (1ሳሙ.27፡1-7)። ዳዊት ከኣ ኣባኣ ልዕሊ ሓደ ዓመት ተቐመጠ (2ሳሙ.1፡1)፡ ደሓር ግና ከም ሓንቲ ኻብተን ከተማታት ይሁዳ ተቖጽረት።
ጺባ፤
ኣገልጋሊ ሳኦል። ንዳዊት፡ ሜፊቦሼት ወዲ ዮናታን ንምምጻእ ሓገዞ። ጺባ መሬት ሜፊቦሼት ይሓርስ ነበረ (2ሳሙ.9፡2-11)። ጺባ ብጊዜ ኣቤሰሎም ንሜፊቦሼት ከሰሶ፡ መሬት ሜፊቦሼት ከኣ ተዋህቦ (2ሳሙ.16፡1-4)። ተንኮሉ ምስ ተገልጸ ግና፡ ንሱን ሜፊቦሼትን ነቲ መሬት ኪማቐልዎ ተኣዘዙ (2ሳሙ.19፡24-30)።
ጺን፤
ኣብ ወገን ደቡብ ብኤር-ሸባዕ ዚርከብ ምድረ በዳ። ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ንነዊሕ ጊዜ ኣብ ጺን ሰፊሮም ነበሩ (ዘሁ.13፡21፤ 33፡36)።
ጺጶራ፤
ሰበይቲ ሙሴ። ጓል የትሮ ኻህን ምድያን። ጺጶራ ንሙሴ፡ ጌርሾምን ኣልኣዛርን ወለደትሉ (ዘጸ.2፡16-22፤ 18፡3-4)። ናብ ምስሪ ኺምለሱ ኸለው፡ ወዳ ብምግዛር ንሙሴ ኻብ ቁጥዓ እግዚኣብሄር ኣድሓነቶ (ዘጸ.4፡20፥ 24-26)። የትሮ ኣቦኣ ንጺጶራ ምስ ደቃ ሒዙ ናብ ምድረ በዳ ሲና ናብ ሙሴ ኸም ዘምጽኣ ነንብብ (ዘጸ.18፡1-5)።