![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ቲርጻ፤
ካብ ሰማርያ ኣብ ወገን ምብራቕ 10 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ከተማ። ቲርጻ ንገለ ዓመታት ርእሲ ኸተማ እታ መንግስቲ ሰሜን ነበረት (1ነገ.15፡21፤ 16፡9-24)።
ቲቶስ፤
ቲቶስ፡ ከም ጢሞቴዎስ፡ ንሃዋርያ ጳውሎስ ናይ መንፈስ ቅዱስ ወዱ እዩ። ስሙ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ኣይተጠቕሰን፡ እንተኾነ ግና ግሪኻዊ ኸም ዝነበረን፡ ከምኡ ኸኣ ጳውሎስን በርናባስን ብምኽንያት እቲ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ኣይሁድን እተላዕለ ምፍልላይን ክትዕን ኣብ የሩሳሌም ምስ ደየቡ ምስኦም ከም ዝኸደን ተገሊጹ ኣሎ (ግብ.15፡1-2። ገላ.2፡1-3)። ድሕሪዚ ኸኣ ቲቶስ ነቶም ድኻታት ዝነበሩ ቅዱሳን ገንዘብ ኪዋጻእ ናብ ቆረንቶስ ተላኢኹ ከም ዝነበረ ንዝክር። ደሓርውን ኣብ ማሕበር ቆረንቶስ ዘጸግም ጉዳይ ስለ እተላዕለ፡ እሞ ጢሞቴዎስ ኣብኣ ምስ ተላእከ ስለ ዘይቀንዖ፡ ቲቶስ ናብ ቆረንቶስ ከም እተላእከ ነንብብ (2ቆረ.7፡5-7፥ 13፥ 16። 1ቆረ.16፡1። 2ቆረ.8፡6፥ 16-24)።
እቲ ብዛዕባ ቲቶስ እንፈልጦ ናይ መወዳእታ ዛንታ፡ ነታ ማሕበር ምእንቲ ኺሰርዕ ጳውሎስ ኣብ ቅሬጥስ ከም ዝሓደጎ እዩ (ቲቶ.1፡5-6)። ጳውሎስ ንቲቶስ ናብ ኒቆጶሊስ ኪኸይድ ነጊርዎ ነበረ፡ ምኻዱ ግና ኣይተፈልጠን። ኣብታ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፋ ናይ መወዳእታ መልእኽቱ፡ ﷽ናብ ዳልማትያ ኸደ፡ ይብል (ቲቶ.3፡12። 2ጢሞ.4፡10)።
መልእኽቲ ናብ ቲቶስ፤
ብ 63ዓ.ም. ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ቐዳመይቲ መልእኽቲ ናብ ጢሞቴዎስ ኪጽሕፍ ከሎ፡ ናብ ቲቶስውን መልእኽቲ ጸሓፈ። ሽዑ ቲቶስ ናብ ቅሬጥስ ስለ ዝነበረ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ጉዳይ ምምሕዳር ማሕበር ይመኽሮ።
ክፍልታት እታ መልእኽቲ፤
ቲግላት-ጴሊስር፤
ካብ 745-727 ቅ.ል.ክ. ነጊሱ ዝነበረ ንጉስ ኣሶር። ፉል ብዚብል ስምውን ይስመ እዩ። ካብ ምናሔም ንጉስ እስራኤል ገንዘብ ከም እተቐበለ ነንብብ። ብዘበን ጴቃሕ ንጉስ እስራኤል ካብ እስራኤል ብዙሕ ሰብ ናብ ኣሶር ማረኸ (2ነገ.15፡19-20፥ 29)። ይሁዳ ንምሕጋዝ ንእስራኤልን ሶርያን ኪዋጋእ ካብ ኣሃዝ ህያብ ተቐበለ፡ እንተኾነ ግና ኣይደገፎን (2ነገ.16፡5-10። 2ዜና.28፡16-21)።
ካብ ውቑር እምኒ እተቐድሔ ስእሊ ቲግላት-ጲሊስር