![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ትሑት፤
ርእሱ ለጠቕ ዜብል ሰብ (ያእ.4፡6)። ﷽ትሕትና ተመልከት።
ትሕትና፤
ርእስኻ ለጠቕ ምባል፡ ካልእ ሰብ ከም ዚጥቀም ምድላይ፡ ካልእ ሰብ ካብ ርእስኻ ከም ዚበልጽ ምቑጻር። እግዚኣብሄር ትሕትና ይፈቱ (2ዜና.7፡14። ምሳ.15፡33፤ 18፡12፤ 22፡4። ያእ.4፡6)። ሙሴ ኣዝዩ ትሑት (ዓቃል) ሰብ ከም ዝነበረ ነንብብ (ዘሁ.12፡3)። ክርስቶስ ትሑት እዩ (ማቴ.11፡28-30። ዮሃ.13፡1-20። ፊል.2፡1-11። 2ቆረ.8፡9)፡ ትሕትና ኸኣ ይሰብኽ (ማቴ.23፡12)። ኣመንቲ ብትሕትና ኺመላለሱ ተኣዚዞም ኣለው (1ጴጥ.3፡8፤ 5፡5-6። ሮሜ.12፡10። ፊል.2፡3-4)። ሃዋርያ ጳውሎስ ትሕትና ኻብ ዚመስል ተግባር ክንሕሎ የጠንቅቐና (ቆሎ.2፡18፥23)።
ትምህርቲ፤
﷽መሃረ ተመልከት።
ትምኒት፤
ክብ ብዝበለ ስምዒት ንሓደ ነገር ምድላይን ምጽባይን፡ ፍቶት። ትምኒት ክልተ ዓይነት እዩ፤
ትምክሕቲ፤
ናይ ሓይልን ናይ ክፍኣትን ኩርዓት። ኣነውን ከምቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ኽፍኣት ክገብር ምባል፡ ትምክሕቲ እዩ (ምሳ.8፡13)።
ትርፎፍያ፤
ካብ ሞት፡ ካብ ስደት፡ ካብ ካልእ ክፉእ ነገራትን ዝተረፈ ህዝቢ ማለት እዩ (2ነገ.19፡4-31)። ህዝቢ እግዚኣብሄር ሽሕ እኳ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ እግዚኣብሄር ካብ ማእከሉ ንእኡ ዚኸውን ትርፎፍያ የትርፍ እዩ (ሮሜ.11፡3-5)። ቅድሚ ሕጂውን ብምኽንያት ሓጢኣት፡ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ምስ ወረደ ትርፎፍያ ኣትሪፉ እዩ፡ ካብቲ ትርፎፍያ ኸኣ እቲ ህዝቢ ኸም ብሓድሽ ተንስኤ (እዝ.9፡8። ኢሳ.4፡3-4፤ 6፡13። ኤር.23፡፥። ጸፎ.3፡13)።
ትንሓግ፤
ልዕሊ መልሓስ ዚርከብ ናይ ኣፍ ናሕሲ (ደጉ.4፡4። ህዝ.3፡26)።
ትንቢት፤
ትንቢት ዚመጽእ ኩነት ይገልጽ። ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕ ብብዙሕ መገዲ ብነብያት ገይሩ ተዛረበ (እብ.1፡1)። ትንቢት ኪብሃል ከሎ መሰረት ዘለዎ ኩነት ኮይኑ ዚንገር መጻኢ ነገር እዩ። ትንቢት ከምቲ ኣብ ጋዜጣታት ዓለም ዚጸሓፍ ግምት መጻኢ ነገር ዚገልጽ ኩነት ኣይኮነን። ስለዚ ሓደ ትንቢት ቅድሚ ምፍጻሙ ከመይ ከም ዚኸውን ፍሉጥ ኣይኮነን፡ ምስ ተፈጸመ ግና እቶም ናይ ኣምላኽ ሰባት እቲ ተግባሩ ፍጻሜ እቲ ትንቢት ከም ዝኾነ የስተውዕሉሉ። እቶም ጸሓፍቲ ሓ.ኪ.፤ ﷽እዚ ኹሉ፡ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ እተዛረቦ ኺፍጸም ኮነ፡ እናበሉ ብዙሕ ጊዜ ካብ ብ.ኪ. ይጠቕሱ (ማቴ.1፡21-23። 1ጴጥ.1፡10-12)።
ቃል ትንቢት ምትርጓም ከቢድ እዩ፡ እንተኾነ ግና ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት ምግንዛብ ሓገዝ ኪኸውን ይኽእል እዩ፤
ሓደ ነብዪ ከምቲ ህልዊ ኩነታትን ፍልጠት ሰብን ገይሩ እዩ ዚዛረብ። እቲ ፍጻሜ ትንቢት ግና ከምቲ ዚፍጸመሉ ዘበንን ኩነታትን ኣብ ግብሪ ይውዕል። ንኣብነት እቲ ብዛዕባ ድንኳን ዳዊት እተነግረ ትንቢት ኣብታ ኣህዛብ ዘለውዋ ቤተ ክርስትያን ተፈጸመ፡ መሰረቱ ኸኣ በረኸት ህዝቢ እግዚኣብሄር እዩ (ኣሞ.9፡11። ግብ.15፡14-19)።
ሓደ ትንቢት ከም መሰረታዊ ዕላማ እምበር ከም ፊደሉ ዚፍጸም ኣይኮነን። ንኣብነት እቲ ብዛዕባ ኤልያስ እተነግረ ትንቢት፡ ኣብ ልዕሊ ዮሃንስ መጥምቕ ኪፍጸም ንርኢ፡ መሰረቱ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ንኣምላኽ ምድላው እዩ (ሚል.4፡5። ማቴ.17፡10-12)።
ሓደ ትንቢት ብኽልተ ጊዜ ወይ ከኣ ብብዙሕ ጊዜ ወይ መገዲ ኺፍጸም ይኽእል። ንኣብነት፡ ንጉስ ካብ ዘርኡ ከም ዘይጠፍእ፡ ተባሂሉ ንዳዊት እተነግረ ናይ ተስፋ ትንቢት፡ ቅድም ብሰሎሞን ደሓር ከኣ ብየሱስ ክርስቶስ ከም እተፈጸመ ንርኢ (2ሳሙ.7፡12-17። ራእ.22፡6)።
ኣብ ሓደ ትንቢት ዚርከብ ነገራት ብእተፈላለየ ጊዜ ኺፍጸም ይኽእል። ንኣብነት ቀዳማይን ካልኣይን ምምጻእ ክርስቶስ (ዮኤ.2፡28-32)፡ ውድቀት የሩሳሌምን መወዳእታ ዓለምን (ማቴ.24፡1-3፥ 15፥ 31)።
ሓደ ብዛዕባ ሰብ እተባህለ ትንቢት፡ ብምኽንያት ተግባር ሰብ ኪተርፍ ይኽእል እዩ (ኤር.1፡7-10) ንኣብነት፡ ሰብ ነነዌ ስለ እተነስሑ ቓል ዮናስ ኣብ ልዕሊኦም ኣይተፈጸመን (ዮና.3፡4)። ﷽ነብዪ ተመልከ ት;
ትንሳኤ፤ትእምርቲ፤
ትኣምራት። ዘደንቕ ተግባር። ትእምርቲ ወይ ተኣምራት ዚበዝሕ ጊዜ፡ ካብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ፡ ዘይከውን ነገር ምግባር ማለት እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ ማይ ናብ ወይኒ ለወጠ፡ ኣብ ልዕሊ ማይ ከይጠሓለ ኸደ። እንሓንሳእ፡ ተኣምራት ንሰብ ኣድላዪ ስለ ዝኾነ፡ ምስ ጠባይ ተፈጥሮ ዓለም ከም ዚሰማማዕ ኮይኑ ይፍጸም። ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ምስራውያን ዝወረደ ትሽዓተ መዓት ሓሓሊፉ ኣብ ዛንታ ዓለም ተራእዩ ኣሎ፡ በቲ ሙሴ እተዛረበሉ ዘበን ስለ ዝኾነ ኸኣ ትእምርቲ ኾይኑ ይቑጸር። ከም ሓሳብ መ.ቅ.፡ ዝኾነ ነገር ኩሉ ዕዮ እግዚኣብሄር እዩ (ንኣብነት መዝ.104 ተመልከት)። ተኣምራት ወይ ዘደንቕ ነገር ኪብሃል ከሎ፡ ሓደ ብዙሕ ጊዜ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ተግባር ማለት እዩ። ስለዚ ተኣምራት ዕዮ እግዚኣብሄር ዜዘኻኽር፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር ዚፍጽም፡ ልኡኻቱ ኻብኡ ሓይሊ ኸም ዚቕበሉ ዜረጋግጽ ነገር እዩ (1ነገ.18፡36-39። ግብ.10፡38)። ዚበዝሕ ጊዜ ኸኣ ሽጋር ሰብ ብተኣምራት ይፋኾስ።
ሰይጣንን ሰዓብቱን ተኣምራት ይገብሩ እዮም (ዘጸ.7፡11-13፥22። ማቴ.24፡24። 1ተሰ.2፡9-10)። ነቲ ኣምላኽን ሰይጣንን ዚገብርዎ ተኣምራት ከመይ ጌርካ ኽትፈላልዮ ይከኣል? ክርስቶስ ጥቕሚ ዘይብሉ ተኣምራት ንምግባር ፍቓደኛ ኣይነበረን (ማቴ.4፡6፤ 12፡39)። እተን ናይ ክርስቶስ ተኣምራት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንደቂ ሰብ ዚህብኦ ጥቕሚ፡ ምልክት ዕቤቱ ኸኣ ይገልጻ። እዚ ድማ የሱስ ካብ ኣምላኽ ከም ዝኾነን ዜመልክታ ስለዝኾና እዩ (ዮሃ.20፡30-31)።
ኣብ ብ.ኪ. ምስ እነንብብ፡ ብዘበን ሙሴን እያሱን ኤልያስን ኤልሳእን በብዓይነቱ ተኣምራት ከም እተገብረ ንርኢ። ኣብ ሓ.ኪ. ከኣ ክርስቶስ በብዓይነቱ ተኣምራት ከም ዝገበረ ተገሊጹልና ኣሎ። ﷽የሱስ ተመልከት። ከምቲ የሱስ ዝሃቦ ተስፋ፡ እቶም ሃዋርያት ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ብዙሕ ተኣምራት ገበሩ፡ በዚ ትእምርቲ እዚ ኸኣ ሃዋርያነቶም ተረጋገጸ (ዮሃ.14፡12-14። ማር.16፡16-20። ግብ.4፡30-31። 2ቆረ.12፡12። እብ.2፡3-4)። እቶም ሃዋርያት ሰብ ከም ዝቐዘፉን (ግብ.5፡1-11፤ 3፡8-12)፡ ምውታን ከም ዘተንስኡን፡ ንሰባት ከኣ ካብ ሕማም ጋኔን ከም ዘሕወዩን ነንብብ። ﷽ፈውሲ ተመልከት።
ሃዋርያት ብዙሕ ተኣምራት ይገብሩ ስለ ዝነበሩ፡ ብዙሓት ሰባት ቃሎም ይሰምዑ ነበሩ (ግብ.3፡9-12፤ 14፡11-15)። ተኣምራት ምግባር ሓደ ኻብቲ ህያባት መንፈስ ቅዱስ እዩ (1ቆረ.12፡10፥28። ገላ.3፡%)። ሎሚ ተኣምራት ብብዝሒ ዘይርኣየሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ጉድለት እምነትን ጸሎትን እዩ (ማቴ.17፡14-21)። ኣብ ዘበን ብ.ኪ. ይኹን ወይስ ኣብ ዘበን ሓ.ኪ. ተኣምራት ብብዝሒ እተገብረሉ ፍሉይ ግዝያት ከም ዝነበረ ግሉጽ እዩ፡ ሎሚውን ከምኡ ወንጌል ንመጀመርታ ጊዜኡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ኪስበኽ ከሎ፡ ነቲ ቓል ወንጌል ንምርግጋጽ ተኣምራት ዚርኣየሉ ግዝያት ኣሎ (ማር.16፡20። እብ.2፡3-4)።
ትኪቆስ፤
እተፈትወ እሙን ብጻይ ጳውሎስ (ግብ.20፡4። ኤፌ.6፡21-22። ቆሎ.4፡7-9። 2ጢሞ.4፡12። ቲቶ.3፡12)።
ትኽስታ፤
ኮፍ ኢልካ ከሎኻ፡ ድቃስ ከይወሰደካ ዚስምዓካ ንእሽቶ ድቃስ። ትኽስታ ምሳሌ ስንፍና እዩ (ምሳ.6፡4)።
ትዕቢት (ናይ ዮርዳኖስ)፤
ርባ ዮርዳኖስ ብጊዜ ኽረምቲ ክሳዕ ኣፉ ማይ ምስ ዚመልእ በዚ ቓል እዚ ይግለጽ። እቲ ርባ ማይ መሊኡ ብየማነ-ጸጋሙ ምስ ዚኩዖ፡ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ዱር ይምዕብል፡ ኣብ ዙርያኡ ኸኣ እንስሳታት ይመጹ (ኤር.12፡5፤ 49፡19)።
ትዕግስቲ፤
ምኽኣል። ትዕግስቲ ዘለዎ ሰብ ንነዊሕ ጊዜ መከራ ይጸውር፡ ተስፋ ይገብር፡ ለውሃት የርኢ። ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብርቱዕ ትዕግስቲ ኣርእዩ እዩ (ሮሜ.2፡4፤ 15፡5-6። 1ጴጥ.3፡20)። እግዚኣብሄር ነቶም ዚዕገሱ ይኽሕስ (ያእ.5፡11)። ትዕግስቲ (ዓቕሊ) ፍረ መንፈስ እዩ (ገላ.5፡22)። እቲ ትዕግስተኛ ሰብ ኣብ ፈተና ጽኑዕ ይኸውን (ሮሜ.፡3-4። ያእ.1፡2-4)።
ትያቲራ፤
ኣብታ እስያ እትብሃል ናይ ሮሜ ክፍሊ ሃገር እትርከብ ከተማ። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዚስራሕ ዚነበረ ቀይሕ ሃርን ጽቡቕ ሕብርታት ዘለዎ ኽዳውንትን ኣብ ካልእ ሃገራት እተፈልጠ ኾነ (ግብ.16፡14)። ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ከሎ፡ ኣብ ትያቲራ ማሕበር ከም እተመስረተ ይመስል (ግብ.19፡10። ራእ.1፡10-11፤ 2፡18-29)። ሎሚ ኣብቲ ትያቲራ ዝነበረቶ ቦታ፡ ኣኪሳር እተባህለት ዓባይ ከተማ ኣላ። ካ 7 ሰ።