![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ሲሆን | ሲላስ | ሲራኩላ | ሲሰራ | ሲሳይ | ሲቃል | ሲና | ሲንኣር | ሲኦል | ሲካር | ሲዶን
ሲሆን
ኣንጻር እስራኤል ዝነበረ ንጉስ ኣሞራውያን። ሃገሩ ኣብ ሰሜን ሃገር ሞኣብ ነበረ፡ እስራኤል ከኣ ተዋጊኦም ሰዐርዎ (ዘሁ.21፡21-31)።
ሲላስ
ኣብ የሩሳሌም ዚነብር ዝነበረ ኣማንን ነብዪን፡ ምስ ጳውሎስ ኮይኑ ነታ ኻብ ኣኼባ የሩሳሌም እተላእከት መልእኽቲ ወሲዱ ናብ ኣብያተ ክርስትያን ዘብጽሔ ልኡኽ (ግብ.15፡22-25)። ኣብታ ኻልአይቲ መገሻ ጳውሎስ፡ ምስ ጳውሎስ ከም ዝኸደ ነንብብ (ግብ.15፡40-18፡22)። እቲ ስልዋኖስ ተባሂሉ ተሰምዩ ዘሎ፡ ሲላስ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ (2ቆረ.1፡18-10። 1ጴጥ.5፡12)።
ሲራኩላ
ኣብ ደቡብ ሃገር ኢጣልያ ኣብታ ኣብ ዓቢ ባሕሪ እትርከብ ደሴት ሲሲሊ ዘላ ኸተማ። ጳውሎስ እሱር ኮይኑ ናብ ሮሜ ኪኸይድ ከሎ፡ እታ ዝነበራ መርከብ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ሲራኩላ ኸም ዝጸንሔት ነንብብ (ግብ.28፡12)። ካ 7 ሰ።
ሲሰራ
ሓለቓ ሰራዊት ናይ ያቢን ንጉስ ከነኣን። ንእስራኤል ዕስራ ዓመት ዚኣክል ምስ ኣጨነቖም፡ ዴቦራን ባራቅን ሰዓርዎ (መሳ.4፡1-16። 1ሳሙ.12፡9። መዝ.83፡9)።
ሲሳይ
ምግቢ። ሲሳይ ካብ እንስሳታትን ካብ ሓይሊ እንስሳታትን ይርከብ (ምሳ.13፡23፤ 14፡4፤ 27፡27)።
ሲቃል፤
ጥንታዊ ናይ ክብደት መምዘኒ። ናይ ንጉስ ሲቃል (2ሳሙ.14፡26)፡ ናይ ህዝቢ ሲቃል (1ሳሙ.17፡5)፡ ናይ መቕደስ ሲቃል (ዘጸ.30፡13) ከም ዝነበረ ንምልከት። ﷽ክብደት ተመልከት።
ሲቃልን ፍርቂ ሲቃልን
ሲና፤
ብ 1500 ቅ.ል.ክ. ኣብ ሲና እተሰርሑ ናይ ኣስራዚ ኣቕሑ
ሲንኣር፤
ኣብ ወሰን ባቢሎን ዚርከብ ገፊሕ ጎልጎልን ሃገርን (ዘፍ.10፡10። ዳን.1፡2)። ﷽ግምቢ ባቢሎን ተመልከት።
ሲኦል፤
ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዚርከብ ዕምቆት (ዘሁ.16፡33። ዮና.2፡3)። እዚ ቓል እዚ፡ መቓብር (ግብ.2፡26-31)፡ ኩነታት ምውታን (ኢሳ.5፡14)፡ ሓጢኣተኛታት ዚሳቐዩሉ ቦታን (ሉቃ.16፡23)፡ ኬመልክት ይኽእል። ኣብ ብ.ኪ. ኩሎም ሰባት ኣብ ሲኦል ይወርዱ ኸም ዝነበሩ ነንብብ (መዝ.89፡48)። ክርስቶስውን ከይተረፈ ቅድሚ ትንሳኤኡ ናብ ሲኦል ከም ዝወረደ ንርኢ፡ ግናኸ ከምቲ ቅድም ኣብ ትንቢት እተባህለ፡ ነፍሱ ኣብ ሲኦል ኣይተረፈትን (መዝ.16፡9-10። ግብ.2፡26-31)። ስለዚ ኣብ ሓ.ኪ. እቶም ኣመንቲ ናብ ክርስቶስ ከም ዝኸዱ ተገሊጹ ኣሎ (ሉቃ.23፡43። ፊል.1፡20-23)። እግዚኣብሄር ናብ ሲኦል ኬውርድን ካብ ሲኦል ኬውጽእን ክእለት ኣለዎ። መፍትሕ ሲኦል ምስ ክርስቶስ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ስልጣን ፍርዱ የርእየና (1ሳሙ.2፡6። ራእ.1፡17-18)። ሲኦል ነቶም ብኽፉእ መገዲ ዚመላለሱ ሰባት ዜፍርህ እዩ (ምሳ.5፡5፤ 7፡15-27፤ 9፡18፤ 15፡24)። ኣብኡ ስቓይ ኣለዎም (ዘዳ.32፡22። ሉቃ.16፡23፥ 27-28)። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንፍርዲ ኻብ ሲኦል ኪትንስኡ እዮም (ራእ.20፡13-14)። ﷽ገሃነም ተመልከት።
ሲካር፤
ኣብ ወገን ደቡብ ሴኬም ሓደ ኪ.ሜ. ርሒቑ ዚርከብ ቦታ፡ ያእቆብ ኣብ ሲካር መሰውኢ ኸም ዝሰርሔን ዔላ ኸም ዝኾዓተን ንዝክር። የሱስ ኣብ ጥቓ ዔላ ሲካር ምስ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ኸም እተዘራረበ ነንብብ (ዘፍ.33፡18-20። ዮሃ.4፡5-7)። ሎሚ እቲ ዔላ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ቤተክርስትያን እዩ ዚርከብ። እቲ ዔላ ኻብቲ ሎሚ ዘሎ ኣቀማምጣ መሬት ሽዱሽተ ሚተር ትሒቱ ኣሎ፡ ዕምቆት እቲ ዔላ ኸኣ 32 ሚተር እዩ።
ሲዶን፤
ኣብ ገምገም ዓቢ ባሕሪ እትርከብ ጥንታዊት ወደብ ፍንቄ (ዘፍ.10፡15፥ 19)። ሲዶን ንሓደ ኻብቶም ደቂ እስራኤል ማለት ንወገን ኣሴር እኳ ተመዲባ እንተ ነበረት፡ ብኡ ኣይተወርሰትን (መሳ.1፡31)። ንጉስ ሰሎሞን ቤተ መቕደስ ኪሰርሕ ከሎ፡ ሰብ ሲዶን መስርሒ ቤት መቕደስ ዚኸውን ዕንጨይቲ ኸም ዝጸረቡሉ ነንብብ (1ነገ.5፡6። 1ዜና.22፡4)። ሰብ ሲዶን ንበዓልን ንኣስታርቴን ይሰግዱ ስለ ዝነበሩ፡ በዚ ንእስራኤል ኣርከሱ (1ነገ.11፡5)። ሲዶን፡ ኢዛቤል ሰበይቲ ኣከኣብ እተወልደትላ ኸተማ እያ (1ነገ.16፡31-33)። ነብያት ኣብ ልዕሊ ሲዶን ተነበዩ (ኤር.27፡2-6። ዮኤ.3፡4-6)። ኣብ ሓ.ኪ. ብዙሓት ሰብ ሲዶን ትምህርቲ ክርስቶስ ሰምዑ፡ ክርስቶስ ከኣ ንሲዶን በጽሓ (ማር.3፡8፤ 7፡24፥ 31)። ጳውሎስ ካብቶም ኣብ ሲዶን ዝነበሩ ፈተውቲ፡ ረድኤት ተቐበለ (ግብ.27፡3)። ሎሚ ሲዶን ኣብ ሊባኖስ እያ እትርከብ። ካ 7 ቸ።