![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ስሉብ | ስላሴ | ስልዋኖስ | ስልጣን | ስሚርና | ስም | ናይ ቅብጥሮት ስም | ስምኦን | ስምኦን | ስምዕዛ | ስረ ኣስራዚ | ስራኽ | ስርቂ | ስርዓት | ስስዔ | ስቓይ | ስቕለት | ስብሓት | ስነ ጥበብ | ስኒ | ምሕርቃም ስኒ | ስእነት | ስኪት | ስካን | ስኽራን | ስያፍ | ስደተኛ | ስደት (መስጎግቲ) | ስዲ | ስድሪ | ስድራ ቤት | ስጋ | ስግደት
ስሉብ
እዚ ቓል እዚ ኽልተ ትርጉም ኣለዎ።
1. ክብ ዝበለ መዓርግ ዘለዎ ሓላዊ (ዘፍ.39፡1፥8። ኣስ.1፡10)።
2. እተሰልበ ሰብ (ኢሳ.56፡3)። እቶም ስሉባት እሙናት ኮይኖም ይቑጸሩ ስለ ዝነበሩ፡ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ይርከቡ ከም ዝነበሩ ነንብብ (ግብ.8፡27)። ኣብ እስራኤል ግና ሓደ ስሉብ ከም ነውራም ሰብ ይቑጸር ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ እተቐደሰ ነገር ከይቐርብ፡ ኣብ ማሕበር እግዚኣብሄር ከኣ ከይኣቱ ክልኩል ነበረ (ዘሌ.21፡20። ዘዳ.23፡1)። እግዚኣብሄር ግና ነቶም ኪዳኑ ዘጽንዑ ስሉባት፡ ኣብ ቤቱን ደምቢኡን ስፍራ ኸም ዚህቦም ኣተስፍዩ ኣሎ (ኢሳ.56፡1-8)። ንሰብ ስሉብ ምግባሩ ክልኩል ከም ዝነበረ ነንብብ (ዘዳ.25፡11)። እንተኾነ ግና ካብ ማህጸን ጀሚሮም ስሉባት ዝኾኑ ሰባትውን ኣለው። ከም ምስላ መጠን ከኣ፡ ምእንቲ ወንጌል ኢሉ ሰበይቲ ዘየእተወ ኸምኡውን ካብ ካልእ ትምኒት እተቖጠበ ሰብ፡ ስሉብ ተባሂሉ ኣሎ (ማቴ.19፡11-12)።
ስላሴ
ሕብረት ናይ ሰለስተ ኣካል ኣብ ሓደ ማለት እዩ። እዚ ቓል እዚ ኣብ መ.ቅ. ኣይንረኽቦን ኢና። እንተኾነ ግና ብዛዕባ ትምህርቲ እቲ ስሉስ ኣካል እግዚኣብሄር ኣብኡ ነንብብ። ኣብ ብ.ኪ. መሰረት ስላሴ ዚገልጽ ብዙሕ ጥቕስታት ንረክብ (ዘፍ.1፡2፥26። መዝ.33፡6። ኢሳ.6፡8)። እንተኾነ ግና እቶም ናይ ብ.ኪ. ሰባት፡ እዘን ጥቕስታት እዚኣተንን ካልኦት ጥቕስታትን ብዛዕባ ሰለስተ ኣካላት ኣምላኽ ከም ዚገልጻ ኣየስተውዓሉን። ሓ.ከï. ግና ኣብ እግዚኣብሄር ሰለስተ ኣካላት ከም ዘሎ፡ ስም እቲ ሰለስተ ኣካላት ከኣ፡ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ምዃኑ ይገልጸልና። ነፍስ ወከፍ ኣካል ፍጹም ኣካል እዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ብሰለስተ መልክዕ እናተለዋወጠ ርእሱ ይገልጽ ማለት ዘይኮነስ፡ ብባህርይን ብመለኮትን ሓደ ዝኾኑ ፍጹማት ኣካላት ኣለዎ ማለት እዩ። ﷽ኣካል ኪብሃል ከሎ ካልእ ትርጉም እኳ እንተለዎ ኣብዚ ናይ ስላሴ ኣገላልጻ ግና ፍጹምን ምሉእን ቀዋምን ኣነ በሃልን ኣካል ማለት እዩ። የሱስ፡ ﷽ኣቦይ ብምባል ንርእሱ ምስ ኣቦ ኣመዓራረያ፡ ካልእ ኣካል ናይ ኣቦ ከም ዝኾነውን ገለጸ (ዮሃ.5፡17-18)። ከምኡውን የሱስ፡ ﷽ካልእ መጸናንዒ ኪወሃበኩም እዩ፡ ኪብል ከሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ከምኡ ዝበለ ኣካል ከም ዝኾነን ካልእ ኣካሉ ከም ዝኾነን የረጋግጽ (ዮሃ.14፡15-16)። ኣብ ጥምቀትን ኣብ ቡራኬን ኣብ ካልእ ጊዜ ጸሎትን ስም ሰለስቲኦም ስላሴ ንሰሚ (ማቴ.28፡19-20። 1ቆረ.12፡4-6። 2ቆረ.13፡13። ኤፌ.2፡19-22። 1ጴጥ.1፡1-2)። ﷽እግዚኣብሄር ﷽የሱስ ﷽መንፈስ ቅዱስ ተመልከት።
ስልዋኖስ
﷽ሲላስ ተመልከት።
ስልጣን
ኣብ ልዕሊ ኹሉ ነገር ናይ ምምራሕን ናይ ምፍራድን ናይ ምግዛእን ናይ ዝኾነ ይኹን ነገር ምግባርን መሰል ምህላው።
ስሚርና
ቀደም ዘበን ኣብ ወገን ምዕራብ ንእሽቶ እስያ ዝነበረት ወደብን ከተማን። ሓንቲ ፍልጥቲ ቤ.ክ. ኣብ ስሚርና ተመስሪታ ኸም ዝነበረትውን ነንብብ። እዛ ቤ.ክ. እዚኣ በቲ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረሉ ጊዜ እተመስረተት ትመስል (ግብ.19፡10። ራእ.1፡10-11፤ 2፡8-11)። ሎሚ ኣብቲ ስሚርና ዝነበረትሉ ቦታ ﷽ኣዝሚር እትብሃል ናይ ኣስላም ከተማ ተሃኒጻ ኣላ።
ስም
ኣብ መንጎ እስራኤላውያን፡ ሓደ ስም ጠባይን ተግባርን ኩነታትን ከም ዚገልጽ ኮይኑ እዩ ዚስመ ዝነበረ። ስለዚ ኹሉ እቲ ኣብ ብ.ኪ. ዘሎ ስማት፡ መጸውዒ ወይ ከኣ መስመዪ ጥራይ ዘይኮነስ ብዙሕ ነገራት ዜመልክት እዩ። ንኣብነት ﷽ምናሴ ዚብል ስም፡ ትርጉሙ ﷽መረስዕ ስለ ዝኾነ፡ ኩነታት እቲ ስም ዘውጽኤ ሰብ ይገልጽ (ዘፍ.41፡51)። ﷽ኢካቦድ ዚብል ስም፡ ትርጉሙ ﷽ክብረት ረሓቐ ማለት ስለ ዝኾነ፡ ተግባር የመልክት (1ሳሙ.4፡21-22)። ﷽ያእቆብ ማለት ﷽መደናገሪ ስለ ዝኾነ፡ ጠባይ የመልክት (ዘፍ. 25፡26)። ﷽ዮሴፍ ዚብል ስም ከኣ ﷽ይወስኽ ማለት ስለ ዝኾነ፡ ተስፋ ናይ ወሃቢ ይገልጽ (ዘፍ.30፥24)። እግዚኣብሄር ስም ሓደ ሰብ ኪልውጥ ከሎ ኸኣ፡ ንኣብርሃም ኩነታቱ ብምግላጽ፡ ንእስራኤል ከኣ ጠባዩ ብምልዋጥ ከም ዝሰመዮም ንርኢ። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ስማትውን፡ ባህርይ ኣምላኽ ዚገልጽ ስማት እዩ። እግዚኣብሄር ከምቲ ስሙ ከም ዚገብር ዚገልጽ ስማት እዩ (ዘጸ.15፡3። ኣሞ.4፡13)። ነቲ ናይ ስም ምስጢር ከኣ ካብ ኩሉ ብዝበለጸ መገዲ ኣብ መድሓኒና ንርእዮ። ﷽የሱስ ዚብል ስም (መድሓኒ) ተግባሩ፡ ﷽ኣማኑኤል ዚብል ስም ከኣ (ኣምላኽ ምሳና እዩ) ኣምላኽነቱ የርእየና። እቶም ኣመንቲ ብስም ክርስቶስ ካብ ፍርዲ ይድሕኑ (ዮሃ.3፡18)፡ ኣጋንንቲ የውጽኡ (ማር.16፡17)፡ ምከራ ይቕበሉ (ግብ.5፡41)፡ ልማኖኦም ከኣ የቕርቡ (ዮሃ.16፡24)። ስም የሱስ ልዕሊ ኹሉ እዩ (ፊል.3፡9-11)።
ናይ ቅብጥሮት ስም
ናይ ፍቕሪ ወይ ናይ ዕርክነት ስም። ሓደ ሰብ ንሓደ ፈታዊኡ ካልኦት ብዘይ ሰምይዎ ስም ምስ ዚጽውዖ፡ እቲ ስም እቲ ናይ ቅብጥሮት ስም ይብሃል። ስም ወዲ ይስሃቅ ﷽ያእቆብ እዩ። እግዚኣብሄር ግና ﷽እስራኤል ዚብል ናይ ቅብጥሮት ስም ኣውጽኣሉ (ኢሳ.45፡4)።
ስምኦን
እዚ ቓል እዚ ﷽ሰምዔ ካብ ዚብሃል ግሲ ዝወጸ ቓል እዩ። ልያ ንያእቆብ ዝወለደቶ ኻልኣይ ወዲ፡ ስምኦን ይብሃል (ዘፍ.29፡33)። ብምኽንያት ሓብቱ ዲና ምስ ሓው ሌዊ ኾይኑ ኣብ ሴኬም ከም ዝቐተለ ነንብብ (ዘፍ.34፡25፥ 30-31፤ 49፡5-7)። ዮሴፍ ኣብ ግብጺ ኸም ዘእሰሮ ንዝክር (ዘፍ.42፡24)። ስምኦን ኣቦ ሓደ ኻብቶም ነገዳት እስራኤል ኮነ፡ ነገድ ስምኦን ዚብል ስም ከኣ ሓደገ (ዘፍ.46፡10። ዘሁ.1፡4-6)። ኣቲ ኣብ ከነኣን እተቐበሎ ኽፍሊ ርስቱ ኸኣ ኣብ ወገን ደቡብ እቶም ካልኦት ነገዳት፡ ማለት ኣብ ማእከል ርስቲ ይሁዳ ነበረ (እያ.19፡9)። ﷽ነገድ ተመልከት።። ካ 3 በ።
ስምኦን
እቶም ኣብ ሓ.ኪ. በዚ ስም እዚ ዚስመዩ ቐንዲ ሰባት እዞም ዚስዕቡ እዮም።
ስምዕዛ
ኣብ ብ.ኪ. እዚ ተኽሊ እዚ ንሓያሎ ነገራት ተዘውቲሩ ንረኽቦ፡ ካብኡ ኸኣ ነዚ ዚስዕብ ንጠቅስ፡
ዓይነት ተኽሊ ስምዕዛ
ስረ ኣስራዚ
ካብ ኩርኹረ ኽሳዕ ብርኪ ዚበጽሕ ናይ መከላኸሊ ኣጽዋር ውግእ። ከም ነዊሕ ሳእኒ ዚመስል ናይ ኣስራዚ ስርሓት (1ሳሙ.17፡6)። ﷽ኣጽዋር ውግእ ተመልከት።
ስራኽ
ሳእኒ ዚእሰረሉ ቀጢን ምራን ወይ ገመድ (ኢሳ.5፡27። ሉቃ.3፡16)።
ስርቂ
ገንዘብ ብጻይካ ብዘይ ኣገባብ ምውሳድ። ስርቂ ብሕጊ ክልኩል እዩ (ዘጸ.20፡15። ዘሌ.19፡13። ኢሳ.61፡8። ህዝ.22፡9)። ቀደም ዘበን በብዓይነቶም ከተርቲ ኸም ዝነበሩ ነንብብ (መሳ.5፡6። ሉቃ.10፡30። 2ቆረ.11፡26)። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዚብሃሉ እኳ ብበበይኑ መገዲ ይኸትሩ ከም ዝነበሩ ነንብብ (ሆሴ.6፡9። ሉቃ.20፡46። ዮሃ.12፡6)። ዕሽርካ ንእግዚኣብሄር ዘይምሃብውን ስርቂ እዩ (ሚል.3፡8)። ስለዚ ሰብ ብስርቂ ዘይኮነስ በቲ እግዚኣብሄር ዚህቦ እናተሓጎሰ ሰሪሑ ኺነብርን፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ንኻልኦትውን ኬካፍል ይግብኦ (ኤፌ.4፡28። እብ.13፡5)።
ስርዓት
ኣብ ሓድሽ ኪዳን እቶም ሃዋርያት ብዛዕባ ምምሕዳር ቤ.ክ. ዚትንክፍ በብዓይነቱ ትእዛዛት ከም ዝሃቡ ንዝክር። ነቶም ኣመንቲ ኸኣ ነዚ ስርዓት እዚ ኺሕልውዎ ኣጠንቀቕዎም (1ቆረ.11፡2። 2ተሰ.2፡15፤ 3፡6)።
ስስዔ
ይኣኽለኒ ዘይምባል (ማር.7፡22)።
ስቓይ
እግዚኣብሄር ንኹሉ ፍጥረቱ ብዙሕ ጽቡቕ ገይሩ ፈጠሮ፡ እንተኾነ ግና ብሰሪ ሓጢኣቱ ኣብ ዓለም ስቓይ ወረደ (ዘፍ.1፡21፤ 3፡15-19)። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ስቓይ ብብዙሕ መገዲ ይወርድ። እቲ ስቓይ ዓለም ግና ምስቲ ዚመጽእ ክብሪ ዚመዓራረ ኣይኮነን (ሮሜ.8፡18-19)። እቶም ብክርስቶስ ዘይኣምኑ፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ንዘልኣለም ይሳቐዩ (ማር.9፡42-48። ራእ.14፡9-11)። እቶም በቲ ምእንቲ ሓጢኣቶም ዝሞተ ክርስቶስ ዚኣምኑ ግና ኣብታ እትመጽእ ዓለም ስቓይ ኣይኪርእዩን እዮም (ኢሳ.53፡5። ራእ.21፡4)። ﷽ጸበባ (መከራ) ተመልከት።
ስቕለት
ኣብ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ፍርዲ ሞት ምስ ተፈጸመ፡ ሬሳ እቲ እተፈርደ ሰብ ንመጠንቀቒ ተባሂሉ ኣብ ዕንጨይቲ ይስቀል ነበረ። እንተኾነ እስራኤላውያን፡ ንሰብ ብምስቃል ኣይቀትሉን ነበሩ (ዘዳ.21፡21-23። እያ.1-፡26)። ሮማውያን ግና ነቲ ብብርቱዕ ስቓይ ኪመውት እተፈርዶ ሰብ፡ ብፍላይ ከኣ ንኸትርቲ፡ ብስቕለት ይቐትሉ ነበሩ። ንኣብነት፡ ኣርባዕተ ዓመት ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ኣብ ይሁዳ ክልተ ሽሕ ሰባት ከም እተሰቕሉ ንዝክር። ብ66 ዓ.ም. ከኣ 3600 ኣይሁድ ብስቕለት ተቐትሉ። በቲ ክርስቶስ ዝነበረሉ ጊዜ ኣርባዕተ ዓይነት መስቀል ከም ዝነበረ ንምልከት። እቲ ዓይነት መስቀል ከኣ ከምዚ ዚስዕብ ቅርጺ ነበሮ፤ + T X I እቲ ክርስቶስ እተሰቕለሉ መስቀል ከኣ + ይመስል ነበረ።
ሓደ ሰብ ብስቕለት ኪመውት ምስ ዚፍረድ፡ ዚበዝሕ ጊዜ እዚ ዚስዕብ ነገራት ኣብ ልዕሊኡ ይፍጸም ነበረ፤ 1. ቅድሚ ስቕለቱ ይግረፍ (ማቴ.27፡26)። 2. ነቲ መስቀሉ ወይ ከኣ ነቲ ዚስቀለሉ ጉንዲ ተሰኪሙ ናብቲ ኻብ ከተማ ወጻኢ ዚርከብ ስፍራ ስቕለት የብጽሕ (ዮሃ.19፡17-20)። 3. ነቲ ኣብ ምሳ.31፡6 እተጻሕፈ መሰረት ብምግባር፡ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ማሕበር ደቀንስትዮ፡ ስቓይ ዜደንዝዝ መስተ ነቶም ዚስቀሉ ትህብ ነበረት (ማቴ.27፡34)። 4. ኣብ መስቀል ብሽንካር ይሽንከር ወይ ከኣ ብገመድ ይእሰር (ዮሃ.20፡25)። 5. ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ስቑል፡ ገበን እቲ ዚመውት ሰብ ተጻሒፉ ይስቀል (ዮሃ.19፡19። ቆሎ.2፡14-15)። 6. ክዳውንቲ እቲ እተሰቕለ ሰብ፡ እቶም ወተሃደራት ይማቐልዎ (ዮሃ.19፡23)። 7. እቲ እተሰቕለ ሰብ ብምፍሳስ ደሙ ዘይኮነስ ብድኻም ልቡ እዩ ዚመውት ዝነበረ፡ ስለዚ እቲ ዚስቀል ሰብ ዚበዝሕ ጊዜ ኣብ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ መዓልቱ ይመውት ነበረ (ማር.15፡44)። ፈተውቱ ከየውርድዎ እቲ መስቀሉ ብወተሃደራት ይሕሎ ነበረ። ቀልጢፉ ኺመውት ምስ ዚድለ ግና መሓዅልቱ ይሰብሩ ነበሩ። ንየሱስ ግና ኣብ ጎድኑ ወግእዎ (ዮሃ.19፡31-34)።
እቶም ጸሓፍቲ ሓ.ኪ. ብዛዕባ መስቀል ክርስቶስ ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት የምህሩ፤ (ሀ) መስቀል ናይ ምድሓን ቃል እዩ፤ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣት ስለ ዝሞተ፡ እቲ ቓል መስቀል ቃል ወንጌል ማለት እዩ (1ቆረ.1፡17-25። ቆሎ.1፡19-20)። (ለ) መስቀል ናይ ዕርቂ ቓል እዩ፤ ኣብ መንጎ ሰባት ዝነበረ ናይ ጽልኢ ቀጽሪ ኣፍረሰ (ኤፌ.2፡14-16)። (ሐ) መስቀል ናይ ውርደት ቃል እዩ (ፊል.2፡8። እብ.12፡1-12)። ብኣተሓሳስባ ኣይሁድ፡ እቲ ዚስቀል ሰብ ርጉም ነበረ (ገላ.3፡10፥ 13-14)። መስቀል ምጻር ማለት፡ ውርደትን መከራን ብእምነት ምቕባል ማለት እዩ (ማቴ.10፡38። ማር.8፡34። ሉቃ.14፡27)። (መ) መስቀል ናይ ቅድስና ቓል እዩ፤ እቶም ኣመንቲ ምስ ክርስቶስ ብመስቀሉ ስለ ዝሓበሩ፡ ኣብቲ መስቀሉ ሓጢኣቶም ይስንድው። ካብ ዓለም ተፈልዮም ከኣ ነቲ መስቀሉ ትምክሕቶም ገይሮም ኣብ ሓድሽ ህይወት ይነብሩ (ሮሜ.6፡4-6። ገላ.2፡20፤ 5፡24፤ 6፡14)።
ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ኸሎ ዝበለን ሸውዓተ ቓላት ኣብዘን ዚስዕባ ጥቕስታት ተጻሒፈን ኣለዋ፤ (ሉቃ.23፡34። ዮሃ.19፡25-27። ሉቃ.23፡43። ዮሃ.19፡28። ማቴ.27፡46። ዮሃ.19፡30። ሉቃ.23፡46)። ብዛዕባ ትርጉም ሞት ክርስቶስ ﷽መስዋእቲ ﷽መተዓረቒ ﷽በጃ ተመልከት።
ስብሓት
ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዚውሃብ ምስጋና (ራእ.4፡9)። ﷽ኣምልኾ ተመልከት።
ስነ ጥበብ
ናይ በብዓይነቱ ተግባረ-ኢድ፤ ማለት ናይ ዜማን ናይ ድርሰትን ናይ ሳዕስዒትን ሞያን ስራሕን። እስራኤላውያን ምስልታት ከይቀርጹ ክልኩላት ስለ ዝነበሩ፡ ብጀካ ሒደት ካብኣቶም ናይ ስእልን ቅርጽን ልምዲ ስራሕ ኣይነበሮምን (ዘጸ.20፡4፤ 35፡30-35)። ንጉስ ሰሎሞን ቤት መቕደስ ኪሰርሕን ኬጸብቕን ከሎ፡ ሰራሕተኛታት ካብ ፊንቄ ኣምጽኤ (1ነገ.5፡6-18። 2ዜና.2፡13-14)። እብራውያን በብዓይነቱ ናይ ዜማን ሳዕስዒትን ክእለት ስለ ዝነበሮም እቲ ዚገጥምዎን ዚደርስዎን ዝነበሩ ምስቲ ድርሰት ጥንታዊ ዓለም ዚወዳደር እዩ።
ስኒ
ኣብ ውሽጢ ኣፍ ዚርከብ መሕየኺ መግቢ። ኣብ መ.ቅ. ስኒ ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት የመልክት፤ ስኒ ግፍዒ የመልክት (ምሳ.30፡14)፡ ጽሩይ ስኒ ጥሜት ይገልጽ (ኣሞ.4፡6)፡ ምሕርቃም ስኒ ኸኣ ቑጥዓን ፍርድን ይሕብር (ማቴ.8፡12)።
ምሕርቃም ስኒ
እዚ ተግባር እዚ፤ ቁጥዓ (እዮ.16፡9)፡ ጽልኢ (መዝ.37፡!2)፡ ሕርቃን (መዝ.112፡10)፡ ብኽያት (ማቴ.8፡12፤ 13፡42፤ 25፡30)፡ የመልክት።
ስእነት
ጥሜት፡ ሽጋር (እዮ.30፡3)።
ስኪት
ኣብ ሰሜን ሃገር ኣሶር ዝነበረ፡ ዘይሰልጠነ ድሑር ህዝቢ (ቆሎ.3፡11)።
ስካን
መርከብ ንምዝዋርን ንምምራሕን ንምቕናዕን ዚጠቅም ብዕንጨይቲ እተሰርሔ መምርሒ መርከብ (ያእ.3፡4)። ﷽መርከብ ተመልከት።
ሰባት ጃልባ ብመጀለቢ ኪመርሑ ኸለው
ስኽራን
ሰብ መስተ ከየብዝሕን ከይሰክርን ክልኩል እዩ (ዘዳ.21፡20። ምሳ.23፡20-21። 1ቆረ.5፡11፤ 6፡10። ገላ.5፡21። ኤፌ.5፡18-19)። ኣብ መ.ቅ. ምስ እነንብብ፡ ኖህ ከም ዝሰኸረ (ዘፍ.9፡21)፡ ንሎጥ ክልቲኤን ደቁ ከም ዘስከርኦ (ዘፍ.19፡33-35)፡ ናባል ኣብ ቤቱ ዓቢ ምሳሕ ምስ ገበረ ከም ዝሰኸረ (1ሳሙ.25፡36)፡ ዳዊት ከኣ ንኡርያ ከም ዘስከሮ ንርኢ (2ሳሙ.11፡13)። ﷽ወይኒ ተመልከት።
ስያፍ
ንውሕ ዝበለ ቐጢን ኵናት (1ነገ.18፡28)። ﷽ኣጽዋር ውግእ ተመልከት።
ስደተኛ
ካብ ሃገሩ ወጺኡ ኣብ ካልእ ሃገር ዚነብር ሰብ። እስራኤል ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ስለ ዝነበሩ፡ ንስደተኛታት ኪሕግዙ እምበር ከይጸቕጥዎምን ከይዕምጽዎምን ከም እተኣዘዙ ነንብብ (ዘጸ.22፡21። ዘዳ.10፡19)።
ስደት፡ (መስጎግቲ)
መከራን ስቓይን ምቕባል። እቶም ንክርስቶስ ዚስዕቡ ከም ዚስደዱ (ዚስጎጉ) ተነጊሩና ኣሎ (ማቴ.10፡23። ማር.13፡7፥13)። ኣይሁድ፡ ብፍላይ ከኣ ፈሪሳውያን፡ ንሃዋርያት ከም ዝሰጎጉዎም ንርኢ (ግብ.4፡1-6፥17፤ 5፡17-18፥ 40)። ንእስጢፋኖስ ድማ ከም ዝቐተልዎ ነንብብ (ግብ.7፡54-60)። ያእቆብ ብሄሮድስ ተቐትለ (ግብ.12፡2)። ጳውሎስ ነቶም ኣመንቲ ይሰጉግ ነበረ (ግብ.8፡1-3፤ 22፡4)። ኣይሁድ ከኣ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኣብ ልዕሊ ጳውሎስ ስደት ኣልዓሉ (ግብ.13፡50፤ 14፡19፤ 21፡27)። እቶም ኣህዛብ ንጳውሎስ ይሰጉዎ ኸም ዝነበሩ ንርኢ (ግብ.16፡19-24፤ 19፡29)። እቶም ኣመሓደርቲ ሃገር ግና ሓያሎ ጊዜ መሰሉ ኸም ዝሓለውሉ ነስተብህል (ግብ.19፡37-39፤ 18፡14-17)። ደሓር ግና መንግስቲ ሮሜን እቶም ሰብ ስልጣንን ነቶም ኣመንቲ ከም ድሌቶም ገይሮም ሰጎጉዎም፡ ስለዚ እቶም ክርስትያን ክሳዕ 323 ዓ.ም. ሓርነት ኣይነበሮምን። እቶም ሓቀኛታት ኣመንቲ ኩሉ ጊዜ መስጎግቲ ኣለዎም (2ጢሞ.3፡12)። ነዚ ስደት እዚ ኸኣ ብሓጎስ ኪቕበልዎ ይግባእ (ማቴ.5፡10-12)። ﷽ጸበባ (መከራ) ተመልከት።
ስዲ
ብዘይ ስርዓት ዚነብር ሰብ። ካብ እግዚኣብሄር እተገልጸ ነገር እንተ ዘይህሉስ፡ ዓለም ስዲ ምኸደት ነይራ (ምሳ.29፡18)።
ስድሪ
ካብ ዓብዓበይቶ ክሳዕ ሕንጥሕንጥሊቶ ወይ ከኣ ክሳዕ ማእከለይቶ ዘሎ ርሕቐት። ከም መለክዒ መጠን ክሳዕ 22 ሰንቲሜተር ኣቢሉ ኪኸውን ይኽእል (ዘጸ.28፡16)። ﷽ዓቐን ተመልከት።
ስድራ ቤት
ኣብ ሓንቲ ቤት ዚነብሩ ኣዝዮም ቀረባ ኣዝማድ። ሰብ በይኑ ኺነብር ፍቓድ እግዚኣብሄር ስለ ዘይኮነ፡ ኣብ እስራኤል ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ኮይኑ ይነብር ነበረ። ስድራ ቤት ማለት ኩሎም እቶም ኣብ ሓንቲ ቤት ዚነብሩ ቐረባ ኣዝማድ ዝሓቖፈ ቃል እዩ (ዘጸ.12፡4)። ከምኡ ኸኣ፡ ከም ስድራ ቤት ኣብርሃም፡ ኩሎም እቶም ብሓደ ኣቦ ዚምርሑ ሽሕ ዚኣኽሉ ሰባት፡ ኣብ ሓንቲ ስድራ ቤት ተጠሚሮም ይርከቡ (ዘፍ.14፡14)። እቶም ኣገልገልቲውን ምስኦም ይቑጸሩ ነበሩ። ምድራዊ ኣቦነት ኣብ ኣቦ እተጸግዔ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ኣቦ ናይ ስድራቤቱ መራሒ እዩ፡ ደቁውን ኪእዘዝዎ ይግባእ (ኤፌ.3፡14፤ 6፡1-4)። እግዚኣብሄር ንሓደ ፍላይ ሰብ ዘይኮነስ፡ ንስድራ ቤትውን መገዲ ምድሓን ምእንቲ ኺገልጽ ኢሉ፡ ንኣብርሃምን ዘርኡን ቃል ኪዳን፡ ንቤት እስራኤል ሕጊ፡ ንኣመንትን ንደቆምን ከኣ ወንጌል ሃበ (ዘፍ.17፡9። ኤር.31፡31። ግብ.2፡38-39። ኤፌ.2፡19-20)። ሽሕኳ ኩላቶም እቶም ኣብ ሓንቲ ስድራ ቤት ዚነብሩ፡ ናይ እግዚኣብሄር ወገን እንተ ዘይኮኑ፡ እግዚኣብሄር በታ ስድራ ቤት እቲኣ ገይሩ ፍቓዱ ይፍጽም እዩ (ሮሜ.9፡6-13)። ﷽ኣቦ ﷽ኣደ ﷽ወለዲ ﷽ውሉድ ﷽በኹሪ ተመልከት።
ስጋ
እዚ ቓል እዚ በበይኑ ዝኾነ ሓሳብ ይግለጽ።
እቶም ኣመንቲ ክርስቶስ ዘበሉ ነቲ ስጋኦም ምስ ትምኒቱ ስለ ዝሰቐልዎ፡ ንስጋ ኣይግዙኡን እዮም (ገላ.5፡24። ሮሜ.6፡6፤ 8፡12-13፤ 13፡14)።
ስግደት
ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ወይ ከኣ ኣብ ቅድሚ ሓደ ዓቢ ሰብ ኣኽብሮቱ ኺገልጽ ድንን ምስ ዚብል (ኢሳ.46፡2)፡ ወይ ከኣ ብብርኩ ምስ ዚምብርከኽ (2ዜና.6፡13)፡ ወይ ድማ ብግምባሩ ምስ ዚድፋእ (ዳን.2፡46)፡ ኩሉ እዚ ተግባር እዚ ስግደት ይብሃል። እዚ እተጠቕሰ ሰለስተ ነገራት፡ ኣገባብ ስግደት የመልክት።
ከም ሕጊ ሙሴ ግና ስግደት ንእግዚኣብሄር ጥራይ ዚውሃብ ኣኽብሮት እዩ፤ ስግደት ናይ ኣምልኾ መግለጺ እዩ (ዘጸ.20፡4-6)፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ማርዶካይ ንሃማን ኣይሰገደሉን (ኣስ.3፡2-4)። ጴጥሮስን እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄርውን ስግደት ኣይተቐበሉን (ግብ.10፡26። ራእ.22፡8-9)። ክርስቶስ ግና ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ናይ ሰብ ስግደት ከም እተቐበለ ንርኢ (ማቴ.28፡9)። ክርስቶስ ብገጹ ተደፊኡ ነቦ ኸም ዝሰገደ ድማ ነንብብ (ማቴ.26፡39። ሉቃ.22፡41)። እቲ ኣድላዪ ስግደት ብመንፈስን ብሓቅን ኪኸውን ይግብኦ (ዮሃ.4፡24)።
ኣብ መ.ቅ. ኣብ ገሊኡ ቦታታት ንሰባትን ንመልኣኽትን እተገብረ ስግደት ምስ እንረክብ፡ ናይ ስምባድን ፍርሃትን ምልክት እምበር ናይ ኣምልኾ መግለጺ ኸም ዘይኮነ ኸነስተውዕል ይግባእ (ያእ.5፡14። ዳን.2፡46። 2ነገ.4፡37። ግብ.16፡29)።