ሩ
ሩሓማ | ሩት | መጽሓፍ ሩት
ሩሓማ፤
ትርጉም እዚ ስም እዚ ﷽ምሕረት ማለት እዩ (ሆሴ.2፡1)። ﷽ሎሩሓማ ተመልከት።
ሩት፤
ብዘበን መሳፍንቲ ማሕሎን ወዲ ናእሚ ኣእትይዋ ዝነበረ ሞኣባዊት። ናእምን ብዓል ቤታን ብምኽንያት ጥሜት ምስ ደቆም ካብ ሃገር ኤፍሬም ተላዒሎም ናብ ሃገር ሞኣብ ተሰዱ። ወዶም ማሕሎን ከኣ፡ ሩት እተባህለት ሞኣባዊት ኣእተወ። ናእሚ ድማ ሰብኣያን ደቃን ምስ ሞቱ ናብ ሃገራ ንምምላስ ሓሰበት፡ ሩት ግና ብእግዚኣብሄር ስለ ዝኣመነት ምስ ናእሚ ሓማታ ንምኻድ መደበት። ሩት ንናእሚ እናኣገልገለት ከላ፡ ቦኣዝ ብዓል ቤት-ልሄም ንምእታው በቕዔት። ምስ ተኣታተው እዮቤድ ወለዱ፡ እዮቤድ ከኣ ኣቦ እሴይ ኮነ። እቲ ዛንታ ብሰፊሑ ኣብ መጽሓፍ ሩት ተጻሒፉ ኣሎ።
መጽሓፍ ሩት፤
እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ እግዚኣብሄር ነታ ኻብ ወገን ኣህዛብ ዝነበረ ሩት ብምኽንያት እምነታ ኸም እተቐበላን (ሩት.1፡16-17)፡ ዓባዩ ንንጉስ ዳዊት ክትከውን ከኣ ከም ዘብቅዓን ትዝርዝር (ሩት.4፡13-17። ማቴ.1፡5)።
ክፍልታት መጽሓፍ ሩት፤
- ሩት ምስ ናእሚ ናብ ቤት-ልሄም ከም ዝኸደት (ሩት 1)።
- ©…mk …´Vq ´†o†ñ AmkpM sKñ©©ö |ö†L†ð qiXM ð‰M ‰›(Tq 2);
- Tqn›……›(Tq 3);
- n›……› ›‰M s‰†o\: Tq †‰‰… \'85††¨k¨òò©©ö ö‰M ‰››©q: ©‹X]r] ‹‰‰… …Šmk Šíoíë ë‰M †o†©(Tq 4);