![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ንስሓ፤
ቀንዲ ትርጉም እዚ ቓል እዚ ብምሉእ ሓሳብካ ምልዋጥን ምምላስን ማለት እዩ። ሓሳብ ምስ ተለወጠ ልቢ ኸኣ ይልወጥ እዩ። እቶም ነብያት በዚ ቓል እዚ ገይሮም ነቲ ህዝቢ የጠንቅቕዎ ኸም ዝነበሩ ንዝክር (ኢሳ.46፡9። ህዝ.18፡30)።
ቀዳማይ ትምህርቲ መድሓኒናን ዮሃንስ መጥምቕን፡ ﷽ተነስሑ ዚብል ቃል ነበረ (ማቴ.3፡1-2፤ 4፡17)። እቲ ዚንሳሕ ሰብ ኩሉ እቲ ብዛዕባ ሓጢኣቱ ዘለዎ ሓሳብ ይልወጥ። ቅድሚ ኹሉ መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ሓጢኣቱ ይወቕሶ (ዮሃ.16፡8)፡ ካብ ሓጢኣቱ ይምለስ፡ ይቕሬታ ድማ ይልምን (ምሳ.28፡13። ሉቃ.15፡11-24)።
ሓቀኛ ንስሓ ካብ ዓለማዊ ጣዕሳ እተፈልየ እዩ (1ቆረ.7፡10)፡ ኣብ ነፍስኻ ኸኣ ለውጢ የርኢ (ማቴ.3፡8። ግብ.26፡20)። እቲ ዚንሳሕ፡ ሓጢኣቱ ይሕደገሉ፡ ይድምሰሰሉ ኸኣ (ግብ.2፡38፤ 3፡19)። ምንሳሕ ቀዳማይ ስጉምቲ ምድሓን እዩ፡ ምስ እምነት ተኣሳሲሩ ኸኣ ይርከብ (ማር.1፡14። ግብ.2፡38፤ 20፡20)። ኩሉ ሰብ ኪንሳሕ ትእዛዝ ከም እተቐበለን፡ ንንስሓ ዚኸውን ጊዜ ኸኣ ከም እተዋህበን ነንብብ (ግብ.11፡18፤ 17፡30። 2ጴጥ.3፡9)። ሓደ ኣማኒ ሓጢኣት ምስ ዚገብር ተቐላጢፉ ኺንሳሕ ይግብኦ (ራእ.2፡5፥16፥21፤ 3፡19) ንስሓ ናይ እግዚኣብሄር ህያብ ስለ ዝኾነ፡ ሰብ ንቓል እግዚኣብሄር ሸለል እናበለ ተመሊሱ ኺንሳሕ ኣይከኣልን እዩ (2ጢሞ.2፡25። እብ.6፡4-6፤ 12፡17)። ﷽ምንዛዝ ﷽ምምላስ ተመልከት።
ንስሪ፤
ገዚፍ መንጣሊ ዑፍ። ንስሪ ምሳሌ ሓይልን ቅልጣፈን ከምኡ ከኣ ምሳሌ ገለ መንግስታት ኮይኑ ይጥቀስ (ዘጸ.19፡4። 2ሳሙ.1፡23። ኢሳ.40፡31። ህዝ.17፡3-7)።
ንስሪ
ንቑጽ፤
ደረቕ መሬት። ኣብ መጀመርታ ፍጥረት፡ ዓለም ብማይ ተሸፊና ነበረት። እግዚኣብሄር ነቲ ማይ ናብ ሓንቲ ቦታ ኸም ዚእከብ ምስ ገበረ ኸኣ፡ ነቲ እኩብ ማያት ባሕሪ፡ ነቲ ማይ ዘይነበሮ ኸኣ ንቑጽ ኣውጽኣሉ፡ ነቲ ንቑጽ ድማ ምድሪ ኢሉ ሰመዮ (ዘፍ.1፡9-10)።
ንቕሓት፤
ምብርባር፡ ሓለዋ፡ ብዘይ ድቃስ ምሕላው። ኣይሁድ ንለይቲ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ፡ ሮማውያን ከኣ ኣብ ኣርባዕተ ክፍሊ ከፊሎም ሓለውቲ ይገብሩ ነበሩ። እዚ ኽፍልታት እዚ ኣብ መ.ቅ. ሓለዋ፡ ንቕሓት፡ ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ (መሳ.7፡19። ማር.6፡48)። ኣመንቲ ምእንቲ ኸይወድቁ ኺነቕሑን ኪጽልዩን ተኣዚዞም ኣለው (ማር.12፡33። ሉቃ.21፡36። ኤፌ.6፡18። ቆሎ.4፡2)።
ንኢ፤
ብዕንጨይቲ ወይ ብሓጺን ዚስራሕ መጉዲ (መሳ.27፡22)።
ንእማን፤
ለምጻም ዝነበረ ሓለቓ ሰራዊት ሶርያ። ሓንቲ እተማረኸት ንእሽቶ እስራኤላዊት ምስ መኸረቶ ካብ ለምጹ ኺሓዊ ናብ ሰማርያ ኸደ። ከምቲ ኤልሳእ ዝኣዘዞ ኸኣ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ተሓጺቡ ነጽሄ፡ ሽዑ ኸኣ እግዚኣብሄር ናይ ኩሉ ምድሪ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ኣመነ (2ነገ.5። ሉቃ.4፡27)።
ንጉስ፤
ኣብ ልዕሊ ሓደ ህዝቢ ምሉእ ስልጣን ዘለዎ መራሒ። ብዘበን ኣብርሃም ሓደ ንጉስ ዚበዝሕ ጊዜ ሓንቲ ኸተማን ከባቢኣን ይገዝእ ነበረ (ዘፍ.14፡1-2)። ኣብ ብሉይ ኪዳን ዛንታ ብዙሓት ነገስታት ነንብብ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ሄሮድስ ንጉስ ተባሂሉ ኣሎ፡ እቲ ንግስነቱ ግና ካብ ቄሳር እተቐበሎ እዩ (ማቴ.2፡3)። ቄሳር ከኣ ንጉስ ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ (ግብ.17፡7)።
እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነጊሱ ነበረ፡ እንተኾነ ግና ደቂ እስራኤል ከም ኩላቶም ኣህዛብ ንጉስ ደለዩ፡ ሳኦል ከኣ ተቐብኤ እሞ ኣብ ልዕሊኦም ነገሰ (1ሳሙ.8፡5-7)። ሳኦል ምስ ወደቐ ብዳዊት ተተክኤ። ዳዊት ከኣ ንእግዚኣብሄር ﷽ንጉሰይ እናበለ ይውድሶ (መዝ.5፡2 18፡50)። መንግስቲ ዳዊት ኣዝያ ዓበየት፡ ድሕሪኡ ኸኣ ክሳዕ ዘበን ጼድቅያስ ብዙሓት ነገስታት ነገሱ። ካብኣቶም ግና እቶም ንእግዚኣብሄር ዚስዕቡ ዚነበሩ ውሑዳት እዮም። ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ሓደ ብጽድቂ ዚነግስ ንጉስ ከም ዜተንስእ ብነብያቱ ተዛረበ (ኢሳ.32፡1፤ 33፡17። ኤር.23፡5)። እቲ ህዝቢ ከኣ ነቲ ﷽ወዲ ዳዊት እተባህለ ተጸበየ (ማቴ.21፡8-9። ዮሃ.6፡15)፡ የሱስ ከኣ ነቲ ቓል ትንቢት ፈጸመ። መንግስቱ ግና ምድራዊትን ጊዜያዊትን ኣይኮነትን፡ መንግስቱ እታ እትመጽእን ንዘልኣለም እትነብርን እያ (ዮሃ.18፡36። 1ቆረ.15፡24-28። 2ጴጥ.1፡11)።
ንጉስ ነገስታት፤
ኣብ ትሕቲኡ ነገስታት ዘለውዎ ንጉስ፡ ንጉስ ነገስታት ይብሃል። እግዚኣብሄር ጎይታ ነገስታትን ንጉስ ነገስታትን እዩ (ዳን.2፡47። 1ጢሞ.6፡15)። ክርስቶስ ጎይታ ዓለም ስለ ዝኾነ ንጉስ ነገስታት ተባሂሉ ይጽዋዕ (ራእ.17፡14፤ 19፡16)።
ጎደና ንጉስ፤
ካብ ዔጽዮን-ጋበር ተላዒሉ ብኤዶምን ሞኣብን ዓሞንን ኣቢሉ ናብ ሰማርያ ዚበጽሕ ፍሉጥ ጎደና (ዘሁ.20፡17፤ 21፡22)። ሎሚ እቲ ቐንዲ ጎደና ሓሓሊፉ ምስ እዚ ጥንታዊ ጎደና ይራኸብ እዩ።
ንጉዓት ሰባት (ኔፊሊም)፤
ነዋሕትን ሓያልትን ሰባት (ዘፍ.6፡4። ዘሁ.13፡32-33)። እዞም ሓያላት ፍጥረት ዝወደቑ መልኣኽቲ ከም ዝኾኑ ዚብሉ ሊቃውንቲ ኣለው።
ንግስቲ፤
ንግስቲ፡ ኣደ ንጉስ፤
ወላዲት ንጉስ። ነገስታት እስራኤል ብዙሓት ኣንስቲ የእትው ነበሩ፡ እታ ኣደ ንጉስ ከኣ ካብ ኩላተን ኣንስቲ ዝዓበየት ትቑጸር ነበረት (1ነገ.2፡19፤ 15፡13። ኤር.13፡18)።
ንግድ፤
ኣብ ብ.ኪ. እታ ኣብርሃም ዚቕመጠላ ዝነበረት ኡር ናይ ከለዳውያን እተባህለት ከተማ፡ ብንግድ ውርይቲ ከም ዝነበረት ንዝክር። ግብጺውን ካብ ጥንቲ ጀሚራ ዓባይ ናይ ንግድ ሃገር ነበረት (ዘፍ.37፡25)። ጢሮስውን ዓባይ ከተማ ንግድ ስለ ዝነበረት፡ ብዘበን ንጉስ ሰሎሞን፡ እስራኤል ምስ ጢሮስን ሲዶንን ትነግድ ከም ዝነበረት ነንብብ (1ነገ.5፡6፤ 9፡27-28፤ 10፡11-22። ህዝ.27፡12-25)። እስራኤል ግና ብፍላይ ናይ ሕርሻ ሃገር እያ ዝነበረት።
ሸያጥን ገዛእን
ብዘበን ሓ.ኪ. እቲ ኣብ እስራኤል ዚካየድ ዝነበረ ዕዮ ንግድ መብዛሕትኡ ኣብ ኢድ ሮሜ እዩ ዝነበረ፡ ስለዚ ኸኣ ሰብ ሮሜ ብዙሕ መገድታት ስለ ዝሰርሑ፡ ገለ ኻብቲ ሽዑ እተሰርሔ መገዲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ኣገልግሎት ይርከብ ኣሎ።
ቀደም ዘበን ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ሓንቲ ሃገር ምጉዓዝ ኣዝዩ ኣሸጋርን ድንገታውን ከም ዝነበረ ንዝክር (1ቆረ.11፡25-27። ግብ.27-28)። ﷽ገንዘብ ተመልከት።
ንጹህ፤
ጽሩይ። ህዝቢ እስራኤል ቅዱሳት ኪኾኑ ኸም እተጸውዑ ንርኢ (ዘሌ.11፡44-45)። ሰብ ካብ ርኽሰቱ ምእንቲ ኺነጽህ ዚፍጽሞ በብዓይነቱ ናይ ምንጻህ ስርዓት ተሰርዔ። እቲ ስርዓት ከኣ፡ ክዳውንትኻን ሰብነትካን ብምሕጻብን (ዘሌ.15፡8-11)፡ ነቲ ዝረኸሰ ነገር ብምንዳድን (ዘሌ.13፡52-57)፡ መስዋእቲ ብምቕራብን (ዘሌ.12፡6-8) ይፍጸም ነበረ። ብመሰረት እዚ ስርዓት ከኣ ሰብ ካብ ሓጢኣቱ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ከም ዚነጽህ ተነጊሩ ኣሎ (መዝ.51፡7። ህዝ.36፡25)። ኣብ ሓ.ኪ. ግና ካብ ሓጢኣት ምንጻህ ብደም ክርስቶስ ጥራይ ከም ዚርከብ ንምሃር (1ዮሃ.1፡7-9)። ﷽ርኹስ ተመልከት።
ንፋስ፤
ምንቅስቓስ ኣየር። ንፋስ ካበይ ከም ዚመጽእን ናበይ ከም ዚኸይድን ዚፈልጥ የልቦን (ዮሃ.3፡8)። እግዚኣብሄር ንናይ ዓለም ኩነታት ኣየር ኣብ ኣርባዕተ ንፋሳት ከም ዝመደቦ ተጻሒፉ ኣሎ (ኤር.49፡36። ዳን.7፡2። ራእ.7፡1)። ንፋስ ክም ኣመጻጽኣኡ ንበረኸት ወይ ከኣ ንጉድኣት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሃገር ከነኣን ንፋስ-ምብራቕ ኪነፍስ ከሎ መሬት ይደርቕ፡ እዚ ንፋስ እዚ ብርቱዕ እዩ (ዘፍ.41፡6። መዝ.48፡7)። ንፋስ-ምዕራብ ዝናብ የምጽእ (1ነገ.18፡44)፡ ንፋስ-ሰሜን ዛሕሊ የምጽእ (እዮ.37፡9። ምሳ.25፡23)፡ ንፋስ-ደቡብ ከኣ ሃሩር የምጽእ (ኤር.4፡11። ሉቃ.12፡55)። ንፋስ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይለዓል (መዝ.107፡25)፡ ትንፋስ እግዚኣብሄር ከኣ ይብሃል (ኢሳ.40፡7)። ኣብ መ.ቅ. ንፋስ ምሳሌ ናይ ብዙሕ ነገራት ኮይኑ ተጠቒሱ ኣሎ (ኢሳ.41፡29። ዮሃ.3፡8። ኤፌ.4፡14። ይሁ.12)። ﷽ኤውሮክሊዶን ﷽ህቦብላ ተመልከት።
ንፋስ-ምብራቕ፤
ኣብ ግብጺ ከምኡውን ኣብ እስራኤል ዚነፍስ ውዑይ ንፋስ። ካብ ምድረ በዳ ዚለዓል ንፋስ ስለ ዝኾነ ኩሉ የድርቕ (ዘፍ.41፡6። ህዝ.17፡10)። እዚ ቓል እዚ ምሳሌ ፍርዲ እግዚኣብሄር ኮይኑ ይጥቀስ (ኢሳ.27፡8። ኤር.18፡17)።
ንፍታሌም፤
እዚ ስም እዚ ﷽ተጋዳላይ ማለት እዩ። ቢልሃ ግዝእቲ ራሄል ንያእቆብ ዝወለደትሉ ሳድሳይ ወዲ ያእቆብ (ዘፍ.30፡7-8)። ሓደ ኻብቶም ኣቦታት እስራኤል ኮይኑ ነገድ ንፍታሌም ተባህለ። ያእቆብ ንንፍታሌም፡ ﷽እተፈነወ እራብ ኢሉ ይሰምዮ (ዘፍ.49፡21)፡ ሙሴ ኸኣ፡ ﷽በረኸት እግዚኣብሄር ዝመልኦ ጽጉብ ጸጋ እዩ ይብሎ (ዘዳ.33፡23)። እቲ ኣብ ከነኣን ዝበጽሖ ግደ ርስቲ ኣብ ወገን ምዕራብ ባሕሪ ገሊላ ነበረ (እያ.19፡32-39። ኢሳ.9፡1-2። ማቴ.4፡13-17)። የሱስ ኣብ ሃገር ንፍታሌም ማለት ቅፍርናሆም ብዙሕ ከም እተቐመጠን ከም ዝመሃረን ነንብብ (ኢሳ.9፡1። ማቴ.4፡13-17)። ባራቕ ካብ ነገድ ንፍታሌም ተወልደ (መሳ.4፡6-7፤ 5፡18)። ﷽ነገድ ተመልከት። ካ 3 ሀ።