![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ሜራብ፤
እታ ዝዓበየት ጓል ሳኦል (1ሳሙ.14፡49)። ሳኦል ንዳዊት ኪህባ ኣተስፍዩ እኳ እንተነበረ፡ ደሓር ንኻልእ ሰብኣይ ሃባ (1ሳሙ.18፡17-19)።
ሜሮም፤
ኣብ ጥቓ ኣሶር ዝነበረ ቐላይ። እያሱ ንኸንኣናውያን ኣብ ማይ ሚሮም ሰዐሮም (እያ.11፡5-7)።
ሜሴክ፤
ሜዳቍ፤
﷽እንስሳ ተመልከት።
ሜዶን፡ ሜዶናውያን፤
ኣብ ምብራቕ ነነዌ ዝነበረ ሃገርን ህዝብን። ሜዶን ኣብ መ.ቅ. ብመጀመርታ ኪጥቀስ ከሎ፡ ግዝኣት መንግስቲ ኣሶር እዩ ዝነበረ። ኣሶር ኪደክም ምስ ጀመረ ግና፡ ሜዶን ንሓጺር ግዜ ሓርነት ረኸበ፡ ብርቱዕ ህዝቢ ኸኣ ኮነ (ኢሳ.13፡17)። ድሕሪኡ ብቂሮስ ንጉስ ፋርስ ተሳዕረ እሞ፡ ሕጉን ባህሉን ምስ መንግስቲ ፋርስ ሓደ ክሳዕ ዚኸውን ምስ ፋርስ ሓበረ (ዳን.6፡8፥15)። እቲ ሜዶናዊ ዝነበረ ዳርዮስውን ንጉስ ባቢሎን ኮነ (ዳን.5፡30-6፡28)።
ብ 500 ቅ.ል.ክ. ኣቢሉ እተቐርጸ ቕርጺ ሓደ ሜዶናዊ
ሜጊዶ፤
ስፍራ ሰራዊት ውግእ ማለት እዩ። ኣብ ኣኽራን ቀርሜሎስ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ንጋዛን ደማስቆስን ዜራኽብ መገዲ ንምሕላው እተዐረደት ከተማ። እስራኤል ክሳዕ ጊዜ ሰሎሞን ኣብ ሜጊዶ ኣይተቐመጡን። ኣብ ጊዜ ሰሎሞን እቲ ዕርዲ 200 ብ 300 ሜተር ኣቢሉ ነበረ (1ነገ.9፡15)። ኣብ ሜጊዶ ብዙሕ ውግእ ተፈጺሙ እዩ። ኣብ ጥቓ ሜጊዶ ዴቦራ ንሲሰራ ሰዓረቶ (መሳ.5፡19)። ፈርኦን ኔኮ ኸኣ ንዮስያስ ቀተሎ (2ነገ.23፡29-30)። እቲ ዓቢ ናይ መወዳእታ ዓለም ውግእ ኣብ ኣርማጌዶን ኪግበር እዩ፡ ኣርማጌዶን ማለት ከኣ ናይ ሜጊዶ እምባ ማለት እዩ (ራእ.16፡16)። ካ 4 ሀ።