![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
መሃረ (ኣምሃረ) | መሃልየ መሃልይ | መሃልይ | መሃናይም | መለክዒ መንደቕ | መለኮት | መለኸት | መሊጠ | መልህቅ | መልሓስ | መልቀስ | መልኣኽ፡ መልኣኽቲ | መልኣኽ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር | መልእኽቲ | መልከጼዴቅ | መልክዕ | መልክዕ እግዚኣብሄር | መሓለ (ተመሓሓለ) | መሓረ | መሓላ | መሓምተሊ | መሕደሪ | መሕጸቢ | መማለዲ | መማረቲ | መምህር | መምሬ | መረጸን | መሪባ | መራሒ፡ መራሕቲ | መራሪ | ሰራሕ መሬት | መርከብ | መርዓ | መርዓት | መርዓት ዓይኒ | መርዓዊ | ዓርኪ መርዓዊ | መርዚ | መርገም | ዓይኒ መርፍእ | መሮዳክ | መሰረት | መሰቓቐሊ | መሰንቆ | መሰዋኢ | መሲህ | መሳቐዪ | መሳዳ | መሳፍንቲ | መጽሓፍ መሳፍንቲ | መስቀል | መስተ | መስትያት | መስኤ | መስኮት | መስዋእቲ | መስዋእቲ መስተ | መስገዲ | መስፈ | መስፈሪ | መሰጶታምያ | መሸፈኒ | መቄዶንያ | መቐነት | መቓብር | መቕደስ | መቑሕ | መበለት | መበላይ | መባእ | መብልዕ ማል | መብጽዓ | መተሓላለፊ | መተዓረቒ | መናገፊ | መናፍሕ | መናፍስቲ ዚጥይቕ | መናፍቕነት | መንሽሮ | መንካዕ | መንኮርኮር | ናይ መንኮርኮር ኣርዑት | መንደልሃጺ | መንደፍ | መንግስቲ ሰማያት | መንጽር | መንፈስ፡ መናፍስቲ | መንፈስ ቅዱስ | መኣዛ | መኣዲ | መካበብያ | መኽሊት | መክብብ | መኸዲ | መኽፈቻ | መውደቒ ዛዕጎል | መዓልቲ | ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን | መዓሙቕ | መዓሙቑ | መዓር | መዓት | መዘምራን (ዘመርቲ ) | መዝሙር | መዝሙር ዳዊት | መዝረቕ | መዝገብ | መደረብታ | መደያይቦ | መዲድ | መድሓኒ | መድፈና | መገዲ | መጋል | መጋረጃ | መግረፍቲ | መግነዝ | መግደላ | መጋሴ | መጉድእ | መጠምጠምያ | መጥሓን | መጸናንዒ | መጺጽ | መጺጽ ነቢት | መጻርርቲ | መጻጉዕ | መጽሓፍ | መጽሓፍ ቅዱስ | ጥቕሉል መጽሓፍ | መጽመቑ | መፈንጠራ | መፊቦሸት | መፍተል
መሃረ፡ (ኣምሃረ)፤
ወለዲ ሓላፍነት ምምሃር ደቆም ከም ዘለዎም ኣብ ሕጊ ሙሴ ተገሊጹ ኣሎ (ዘጸ.12፡25-27)። ኣብ ዘበን ብ.ኪ. ንህዝቢ ዜስተምህሩ ዝነበሩ እቶም ካህናት እዮም (ዘዳ.20፡2-9)። ነብያትውን ቃል እግዚኣብሄር ኪገልጹ ኸለው፡ ደቂ ነብያት እተባህሉ ተምሃሮ ከም ዝነበርዎም ንርኢ (2ነገ.2፡3)። ኣብ ዘበን ሓ.ኪ. ከኣ እቶም ጸሓፍቲ ዚብሃሉ፡ መምህራን ሕጊ ኾይኖም የስተምህሩ ነበሩ (ሉቃ.2፡46)። ኣብ ኩላተን እተን ኣብያተ ጸሎት ድማ እቲ ኣገልጋሊ ቤት ጸሎት ተምሃሮ ይምህር ነበረ። ኣብ ቤ.ክ እቶም ብመጀመርታ ኺምህሩ ዝጀመሩ ሃዋርያት እዮም (ግብ.6፡2-4)። ብድሕሪኡ ኸኣ፡ ዝኾነ ናይ ምምሃር ተውህቦ ዘለዎ ሰብ፡ ወንጌል ኪምህር ከም ዚግብኦ ተጻሒፉ ኣሎ (ሮሜ.12፡7)። እቶም ናይ ምምሃር ህያብ ዝነበሮም ሰባት ኣብ ቤ.ክ. ይሽየሙ ስለ ዝነበሩ፡ ሽማግለታትን ኤጲስቆጶሳትን ተባሂሎም ይስመዩ ነበሩ (1ቆረ.12፡18። ኤፌ.4፡12። 1ጢሞ.3፡2፤ 5፡17። ቲቶ.1፡5-9)። የሱስ ንኹላቶም መምህራን ሓደ ዓቢ ምሳሌ ኸም ዝሃቦም ከነንብብ ንኽእል (ዮሃ.3፡2። ማቴ.7፡28-29፤ 13፡34-35)። "ምምሕዳር ቤተክርስትያን" ተመልከት።
መሃልየ መሃልይ፤
እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ዝለዓለ ናይ ሰለሞን መዝሙር እትገልጽ መጽሓፍ ቅነ እያ። ኣብኣ ናይ ክልተ ፍቑራት ምዝርራብ ብግጥሚ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ትሕዝቶኣ ብግጥሚ ስለ እተጻሕፈ፡ ካብቲ ስሩዕ ኣጸሓሕፋ ፍልይ ዝበለ እዩ፡ ትርጉም እቲ ትሕዝቶኣ ኸኣ ንምርድኡ ብዙሕ ጊዜ ብርትዕ ዝበለ ኾይኑ ንረኽቦ። ብዓይኒ እቲ መርዓዊ እታ መርዓት ኣብ ገጻ ፈጺሙ መንቅብ ዘይብላ ናይ ጽባቔ ምልኣት ኮይና ትግለጽ (መሃ.4፡1-15፤ 6፡6-10)። ከምኡ ኸኣ እታ መርዓት ነቲ መርዓዊ ክትምልከት ከላ፡ ኣዝዩ ዝጸበቐ፡ መንቅብ ዘይብሉ፡ ካብ ዓሰርተ ሽሕ እተመርጸ ኾይኑ ትረኽቦ (መሃ.5፡9-16)። እዚ ምዝርራብ እዚ ብናይ ፍቕሪ ምዝርራብ ኣብ መንጎ ክልተ ፍቑራት ዚዝረብ ስለዝኾነ፡ ገሊኦም ሰባት ነቲ ምስጢር ብዘይ ምስትውዓል ኪነቕፍዎ ይርከቡ። እንተኾነ ግና እቲ ትሕዝቶ ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ብርግጽ ሓደ ቅዱስ ምሳሌ እዩ።
እዛ መጽሓፍ እዚኣ ናይ ምንታይ ምሳሌ እያ? ንዚብል ሕቶ፡ በብዓይነቱ መልሲ ሊቃውንቲ ንረኽበሉ። ኣይሁድ ከም ምሳሌ እግዚኣብሄርን ህዝቢ እስራኤልን ገይሮም ይርድእዎ (ህዝ.16። ሆሴ.1-3)። ካልኦት ሊቃውንቲ መ.ቅ. ከኣ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ማሕበሩን ዘሎ ፍቕሪ፡ ብሩህ ምሳሌ ከም ዝኾነትን፡ እግዚኣብሄር ብሰሎሞን እታ ማሕበሩ ከኣ ብሱላሚት መርዓቱ ተመሲሎም ከም ዘለውን ይገልጹ። ነታ ማሕበር እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ዝሰብኣያ ሰበይቲ ገይሩ ዚዛረበላ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ጥራይ ኣይኮነን፡ ኣብ ካልእ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስውን መብርሂ ኣሎና (ህዝ.16። 2ቆረ.11፡2። ኤፌ.5፡22-32። ራእ.21፡2፤ 22፡17)።
ክፍልታት እዛ መጽሓፍ እዚኣ እተሓላለኸ እዩ። ኣብቲ ትሕዝቶኣ፡ ሰለስተ ሰባት በብተርታ ኺዛረቡ ንሰምዕ። እታ ጽብቕቲ 17 ጊዜ፡ እቲ ፈታዊኣ 11 ጊዜ፡ ከምኡ ኸኣ እተን ኣዋልድ የሩሳሌም ተባሂለን ዘለዋ 4 ጊዜ እናተቐባበሉ ይዛረቡ። ስም እግዚኣብሄር ከኣ ሓደ ጊዜ ጥራይ ተጠቒሱ ንረኽቦ (መሃ.8፡6)።
መሃልይ፤
እዛ ቓል እዚኣ ናይ ግእዝ ቃል እያ። ትርጉማ ኸኣ፡ ቅነ፡ ግጥሚ ወይ መዝሙር እዩ። ስለዚ እታ ብሰሎሞን ከም እተጻሕፈት እትሕሰብ "መሃልየ መሃልይ" ቅነ-ቅነታት፡ ግጥሚ-ግጥምታት ወይ ከኣ መዝሙር-መዛሙር ማለት እያ (1ነገ.4፡32)።
መሃናይም፤
ስም ቦታ። ትርጉም እዚ ስም እዚ፡ "ክልተ ጭፍራ" ማለት እዩ። እቶም መልኣኽቲ እግዚኣብሄር ምስ ያእቆብ ኣብ መሃናይም ተራኸቡ (ዘፍ.32፡2)። መሃናይም ርእሲ ኸተማ ኢሽ-ቦሼት ከም ዝነበረት ነንብብ (2ሳሙ.2፡8)። ዳዊት ካብ ወዱ ኣቤሰሎም ምስ ሃደመ ኣብ መሃናይም ኣዕረፈ (2ሳሙ.17፡24፤ 19፡32)። እዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ጥቓ ገለኣድን ርባ ያቦቅን ተመስሪታ ነበረት።
መለክዒ መንደቕ፤
ሓደ መንደቕ ትኽክል ምህላው ንምልካዕ ዚሕግዝ እምኒ ወይ ሓጺን እተኣስሮ ገመድ። እዚ ቓል እዚ ጠባይ ህዝቢ ንምፍታን ከም ምሳሌ ኾይኑ ይዝውተር (2ነገ.21፡13። ኢሳ.28፡17። ኣሞ.7፡7-9)።
መለክዒ መንደቕ
መለኮት፤
ግዝኣትን መንግስትን። ክብርን ባህርይን ኣምላኽነትን። "ኣብን ወድን መንፈስ ቅዱስን ብመለኮት ሓደ እዮም፡" ክንብል ከሎና፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓይሊ ትርጉም ናይ ﷽መለኮት ነጠቓልል። እዚ ቓል እዚ ንእግዚኣብሄር ጥራይ እምበር ንኻልእ ዚዝውተር ኣይኮነን (2ጴጥ.1፡3-4። ቆሎ.2፡9-10)።
መለኸት፤
ብቐርኒ ኸብቲ ወይ ብብረት ወይ ብብሩር ወይ ከኣ ብኻልእ ዓይነት ዚስራሕ ንመጸውዕን ንመዘመርን ንምንጋር ኣዋጅን ዜገልግል መሳርያ ቓና (ዘፍ.4፡21። እያ.6፡20። s@¥é.10:1-10። 2ዜና.5፡12-13)።
ሊቀ ካህናት መለኸት ኪነፍሕ ከሎ
መሊጠ፤
ኣብ ወገን ደቡብ ኢጣልያ ኣብቲ ዓቢ ባሕሪ እትርከብ ደሴት። ጳውሎስ ተኣሲሩ ናብ ሮሜ ኪኸይድ ከሎ፡ እታ እትወስዶ ዝነበረት መርከብ ብማዕበል ስለ እተሰብረት ንሱን እቶም ኣብታ መርከብ ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ኣብዛ ደሴት እዚ ከረሙ (ግብ.27፡27-28፡10)። እዛ ደሴት እዚኣ ሎሚ ማልታ ተባሂላ ትጽዋዕ ኣላ። ካ 7ሰ።
መልህቅ፤
ብብረት እተሰርሔ ናይ መርከብ ልጓም። "ልጓም" ተመልከት።
ኣብ ጊዜ ሃዋርያት ዝነበረ መልህቅ
መልሓስ፤
ልሳን፡ ዘረባ። ምዝራብ ዜኽእል ክፍሊ ኣካል ሰብ። ሰብ ጠባዩን ስምዒቱን ብመልሓሱ ይገልጾ (መዝ.51፡14፤ 63፡3። ምሳ.6፡17፤ 10፡20። ኤር.9፡3፥ 8። ያእ.3፡6-8)። ልሳኑ ዘይለጉም ናብ ስሕተት የምርሕ፡ ልሳኑ ዚለጉም ግና ፍጹም ሰብ ይብሃል (ያእ.1፡26፤ 3፡2)። መልሓስ ናይ ምዝራብ ኣካልን ናይ ምስትምቓር መፍለዪትን እያ። ንእሽቶ ክፍሊ ኣካላት እኳ እንተኾነት ዕዮኣ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ (ምሳ.18፡21። ያእ.3፡3-5)።
መልቀስ፤
ናይ ሓዘን ግጥሚ። ሰብ ኪመውት ከሎ እስራኤላውያን ሓደ ፍሉይ ናይ ሓዘን ግጥሚ እናገጠሙ የልቅሱ ነበሩ (2ሳሙ.1፡17) ከምኡ ኸኣ ሃገር ክትዐኑ ኸላ ልቕሶ የልቅሱ ነበሩ። ደጉዓ ኤርምያስ ናይ ልቕሶ ግጥሚ እዩ (2ዜና.35፡25። ኤር.7፡29። ህዝ.19፡1)።
መልኣኽ፡ መልኣኽቲ፤
ትርጉም እዚ ቓል እዚ ልኡኽ ወይ መልእኽተኛ ማለት እዩ።
መልኣኽ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር፤
ኣብ ጊዜ ብ.ኪ. እንሓንሳእ ሰባት ምስ መልኣኽቲ እግዚኣብሄር ኪራኸቡ ኸለው ምስ ኣምላኾም ከም እተራኸቡ ይቖጽርዎ ከም ዝነብሩ ንርኢ (ዘፍ.16፡13፥ 31፡11-13። ዘጸ.3፡2-6)። እንተኾነ ግን እግዚኣብሄርን መልኣኽ እግዚኣብሄርን ፈጺሞም ሓደ ከም ዘይኮኑ ኣብ ገሊኡ ጥቕስታት ክንርዳእ ንኽእል (2ሳሙ.24፡26። ዘካ.1፡12-13)። ኣብቲ ኣገላልጻ ሓ.ኪ. ምስ እንዕዘብ ከኣ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኪብሃል ከሎ ካብ እግዚኣብሄር እተላእከ መልኣኽ እምበር ንእግዚኣብሄር ከም ዘየመልክት ግሉጽ እዩ (ሉቃ.1፡19)።
መልእኽቲ፤
ጉዳይካ ንምፍጻም ኣብ ወረቐት ኮነ ኣብ ካልእ ዚጸሓፍ፡ ወይ ከኣ ብቓል ዚንገር መረድኢ። እቶም ሃዋርያት ነታ ቤ.ክ. ትኹን ወይስ ነቶም ዚደልይዎም ሰባት፡ ንምብጽሖም ኣብ ዘይክእሉሉ ጊዜ፡ መልእኽቲ ብምጽሓፍ ትምህርቲ ክርስቶስ የመሓላልፉሎም ከም ዝነበሩ ንርኢ። ኣብቲ መልእኽቶም ከኣ ንጌጋ ይቃወሙ፡ ምምልላስ ደቂ ሰብ ይእርሙ፡ ንሰባት ድማ የጸናንዑ ነበሩ። ኣብ ሓ.ኪ. 14 ናይ ጳውሎስ 7 ከኣ ናይ ካልኦት፡ ድምረን 21 መልእኽታት ይርከባ። እቶም ሃዋርያት ብጀካ እዘን ኣብ ሓ.ኪ. ዘለዋ መልእኽታት፡ ካልኦት መልእኽታትውን ከም ዝጸሓፉ ይመስል፡ እዘን መልእኽታት እዚኣተን ግና ኪርከባ ኣይተኻእላን (1ቆረ.5፡9)።
ካብቲ ብዘበን ኤርምያስ ኣብ ጡብ ብእብራይስጢ ተጻሒፉ እተረኽበ ጽሑፍ እተቐድሔ መልእኽቲ
መልከጼዴቅ፤
እዚ ቓል እዚ ﷽ንጉስ ጽድቂ ማለት እዩ። እዚ ንጉስ እዚ ንጉስ የሩሳሌም ከም ዝነበረ ንፈልጥ፡ ትርጉሙ ኸኣ፡ ንጉስ ሰላም ማለት እዩ። ﷽ሳሌም ምናልባሽ የሩሳሌም ማለት እዩ። መልከጼዴቅ ካህን እግዚኣብሄር ከም ዝነበረ ነንብብ (እብ.7፡1-3)። ኣብርሃም ካብ ውግእ ምስ ተመልሰ፡ መልከጼዴቅ ከም ዝባረኾ፡ ኣብርሃም ከኣ ካብ ኩሉ እቲ ካብ ጸላኢ ዘምለሶ ሃብቱ ዕሽር ከም ዝሃቦ ጽሑፍ ኣሎ (ዘፍ.14፡18-20)። እቲ ናይ ክርስቶስ ክህነት ከም ስርዓት መልከጼዴቅ ኮይኑ ተገሊጹ ኣሎ (መዝ.110፡4)። ክህነት መልከጼዴቅ ካብ ክህነት ኣሮን ከም ዚበልጽ ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ፤ እዚ ኸኣ ቀዳማይ ብትውልዲ ስጋ ዘይኮነ፡ ብማሕላ እግዚኣብሄር ስለ እተሾመን (እብ.5፡5-6፤ 7፡13-17)፡ ካልኣይ ከኣ፡ ብሞት ከይተወሰነ ንዘልኣለም ኬገልግል ስለ እተመደበን ምዃኑ ንርኢ (እብ.6፡19-20፤ 7፡3፥ 23-25)። ክርስቶስ ከም መልከጼዴቅ ብእግዚኣብሄር ሊቀ ካህናት ስለ እተባህለ ነቲ ናይ ኣሮን ክህነት ኣትረፎ (እብ.5፡7-10፤ 7፡11-19)።
መልክዕ፤
እዛ ቓል እዚኣ ብዙሕ ትርጉም ዝሓቖፈት እኳ ክነሳ፡ እቲ መሰረታዊ ትርጉማ ነቲ ካብ ርእሲ ክሳዕ እግሪ ዘሎ መስርዕ ኣካላት እትገልጽ ቃል ኮይና ንረኽባ። ብፍላይ ከኣ ኣብ መ.ቅ. ብሰለስተ መገዲ ትዝርዘር፤
መልክዕ እግዚኣብሄር፤
ሰብ ብምስሊ እግዚኣብሄርን መልክዑን ተፈጥረ (ዘፍ.1፡26-28)። እግዚኣብሄር መንፈስ ስለ ዝኾነ እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ ምስሉ ኣብ ነፍሲ ሰብ ጥራይ እምበር ኣብ ስጋ ሰብ ኣይኮነን ዚግለጽ። ርግጽ እዩ ኣብ መ.ቅ. እግዚኣብሄር ዓይኒ፡ እዝኒ፡ ኢድ ወዘተ. ከም ዘለዎ ነንብብ ኢና። እንተኾነ ግና እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ከም ኣገላልጻ ሰብ፡ ተግባር እግዚኣብሄር እምበር ባህርይ እግዚኣብሄር ዚገልጻ ቓላት ኣይኮናን።
እዚ ዚስዕብ ክልተ ነገራት መልክዕ እግዚኣብሄር ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰብ ከም ዚግለጽ ይሕብረና፤
መሓለ፡ (ተመሓሓለ)፤
ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ክፉእ ምምካር (1ሳሙ.22፡13)።
መሓላ፤
ሰብ ዘረባኡ ሓቂ ምዃኑ ንምርግጋጽ ስም እግዚኣብሄር ወይ ካልእ ነገር ይጽውዕ። እዚ ኸኣ ምስክር ምእንቲ ኪኾኖ እዩ ዚገብሮ። ስለዚ ሓቂ እንተ ዘይተዛረበ ወይ ከኣ መብጽዓኡ እንተ ዘይሓለወ ነቲ ዚምሕሎ መሓላ ናብኡ ኺምለስ ይጥይቕ ኣሎ ማለት እዩ (ዘፍ.21፡23። ዘጸ.22፡11። 1ነገ.8፡31-32። ነህ.10፡29-30። ዘካ.5፡3-4)። መሓላ ብበብዓይነቱ መገድን ኣገባብን እዩ ዚውሃብ (ዘፍ.14፡22፤ 24፡2-3። 1ሳሙ.20፡23። ኤር.34፡18-19)። ሓደ ክርስትያን ኩሉ ጊዜ ሓቂ ኺዛረብ ይግብኦ፡ ኪምሕል ከሎ ኸኣ ማሕልኡ ንእግዚኣብሄር ኪህብ እምበር፡ በቲ እተፈጥረ ዘበለ ከይምሕል ጽሑፍ ኣሎ። ብዛዕባ ከቢድ ነገራት፡ ዘረባኡ ንምርግጋጽ መሓላ ይፍቀደሉ እዩ (ማቴ.5፡33-37። 2ቆረ.11፡31። ገላ.1፡20። እብ.6፡16-18)። ﷽መርገም ተመልከት።
መሓምተሊ፤
ፍረ ወይኒ ዚሕምተለሉ ጉድጓድ። ኣብ እስራኤል ወይኒ ዚሕምተለሉ ጉድጓድ ይኹዕቱ ነበሩ (ኢሳ.63፡2-4። ማር.12፡!)። መሓምተሊ ምሳሌ ፍርዲ እግዚኣብሄር ኮይኑ ይጥቀስ (ራእ.14፡17-20)።
ካብቲ ብ 1400 ቅ.ል.ክ. እተቐርጸ ቅርጺ ግብጻውያን ፍረ ወይኒ ኪኣርዩ ኸለውን፡ ነቲ ወይኒ ኣብ መሓምተሊ ኺሕምትልዎ ኸለውን እቲ እተጸምቆ ነቢት ኣብ ዓታሩ መሊኦም ኺሓትምዎ ኸለው ዜርኢ ስእሊ።
መሕደሪ፤
ቀደም ዘበን ምቕባል ጋሻ ልሙድ ስለ ዝነበረ፡ ሰባት ኣብ ቤቶም ገየሽቲ ተቐቢሎም የሕድሩ ነበሩ (ዘጸ.2፡20። ግብ.28፡7)። ኣብ ልዕሊ እዚ ኸኣ ኣብቲ ነጋዶ ዚመላለሱሉ ዝነበሩ መገድታት፡ ሰብን እንስሳን ዜሕድር መሕደሪ ኣጋይሽ ይርከብ ነበረ (ኤር.14፡8። ሉቃ.10፡34-35)።
መሕጸቢ፤
በስራዚ እተሰርሔ ማይ ዚሕዝ ኣቕሓ። ኣብ መ.ቅ. ኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብን መሰውኢ ማሕደር እግዚኣብሄርን ሓደ መሕጸቢ ከም ዝነበረ ነንብብ። እቶም ካህናት ከኣ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ቅድሚ ምእታዎም ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ብእኡ ይሕጸቡ ነበሩ (ዘጸ.30፡18-20)። ሰሎሞን ነቲ ቤት መቕደስ ዓሰርተ ናይ ኣስራዚ መሕጸቢ ኣስርሔ (1ነገ.7፡27-43)።
መማለዲ፤
ዳኛ ፍርዲ፡ ምእንቲ ኬቕንን፡ ቆጸራ ምእንቲ ኼናውሕ ዚውሃብ ጉቦ። ጉቦ ሓቂ ይሽፍን፡ ሰባት የበላሹ፡ ቅንዕና የትርፍ፡ ደያኑ የዕውር (ዘዳ.16፡19። 1ሳሙ.8፡3፤ 12፡3። መዝ.26፡9-10። ኢሳ.33፡15። ኣሞ.5፡12)።
መማረቲ፤
ኣብ ዚመጽእ እዋን ዚኸውን ነገራት ንምፍላጥ ናይ እንስሳታት ንዋያት ከብዲ መርሚሩ ዚጥንቁል ሰብ መማረቲ ይብሃል (ዘዳ.18፡10። ዘሌ.19፡26። 2ነገ.21፡6። ህዝ.21፡21)። ﷽ጥንቆላ ተመልከት።
መምሬ፤
ኣብ ጥቓ ኬብሮን ዚርከብ ቦታ። ኣብ መምሬ ድዋታት ይበቁል ነበረ። እቲ ቦታ እቲ ብስም እቲ ዓርኪ ኣብርሃም ዝነበረ መምሬ ስለስተ ኣጋይሽ ተቐበለ (ዘፍ.18፡1)፡ ኣብ መምሬ ኸኣ ስፍራ መቓብር ዐደገ (ዘፍ.23፡17)። ኣብርሃምን ይስሃቕን ንነዊሕ ጊዜ ኣብ መምሬ ይነብሩ ነበሩ (ዘፍ.35፡27)።
መረጸን፤
ግብጻውያን ካብ ጥንቲ ጀሚሮም (ካmበ 2500 ቅ.ል.ክ.) ብሑጻ ገይሮም መረጸን ይሰርሑ ከም ዝነበሩ ኣብ ታሪኽ ነንብብ። ነዚ ኸኣ ንስልማት ይጥቀሙሉ ነበሩ (እዮ.28፡17። ራእ.21፡18፥ 21)።
መራሒ፡ መራሕቲ፤
ብትምህርቲ ወይ ከኣ ብስልጣን ክብ ዝበለ መዓርግ ዘለዎ ምሁር ሰብ። ክርስቶስ ንደቂ መዛሙርቱ መራሕቲ ኸይብሃሉ ኸም ዘጠንቀቖም ነንብብ (ማቴ.23፡10)።
መራሪ፤
ደቂ እስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ኪጎዓዙ ኸለው፡ ደቂ መራሪ ኣልዋሕን ኣዕኑድን ናይቲ ድንኳን ምርኻብ ይስከሙ ነበሩ (s@éé.3:33-37& 7፡8)። ዳዊት ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ጽዮን ኬድይቦ ከሎ ከኣ፡ የገልግሉ ኸም ዝነበሩ ንርኢ (1ዜና.15፡6)።
ሰራሕ መሬት፤
ሰራሕቲ መሬት ክሳዕ ሰለስተ ሽሕ ዓመት ቅ.ል.ክ. ብኢዶም ጥራይ ቅርጺ እናሃቡ ኣቕሓ መሬት ይሰርሑ ኸም ዝነበሩ ንዝክር። ካብኡ ንነጀው ግና ብመዘወር እናዘወሩ ምስራሕ ጀመሩ። እቲ ሰራሕ መሬት በእጋሩ ነቲ መዘወር እናኣዞረ ብኢዱ ዝደለዮ ኣቕሓ መሬት ይሰርሕ ነበረ (ኤር.18፡3-4)። ጽሩይ ኣቕሓ መሬት ንምስራሕ፡ እቲ ሰራሕ መሬት ነቲ መሬት ምስ ማይ ሓዊሱ ይረግጾ ነበረ (ኢሳ.41፡25)። ከምቲ ሰራሕ መሬት ዝደለዮ ኺሰርሕ ዚኽእል፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰብ ከምኡ እዩ (ኤር.18፡5-10። ሮሜ.9፡20-21)። ﷽ተግባረ ኢድ ተመልከት።
መርከብ፤
ህዝቢ እስራኤል ብዕዮ ማሕረስ ዚናበሩ ስለ ዝነበሩ ብመራኽብ ብዙሕ ኣይተጠቕሙን። እንተኾነ ግና እቶም ኣብ ገማግም፡ ማለት ኣብ ጢሮስን ሲዶንን ዝነበሩ ህዝቢ፡ ፍሉጣት ሰብ መራኽብ ነበሩ። ንጉስ ሰሎሞን ነዞም ሰብ ጢሮስ ኣብ ስራሕ ኣእትዩ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ይነግድ ከም ዝነበረ ነንብብ (1ነገ.9፡26-28)። ዮሳፋጥውን ነዚ ዕዮ እዚ ምስ ፈተኖ፡ እተን መራኽቡ ተሰቢረን ከም ዝተረፋ ንርኢ (2ዜና.20፡35-37)። ሰብ ጢሮስ ብመራኽቦም ክሳዕ ናብ ሃገር እንግሊዝ እናኸዱ ይነግዱ ነበሩ። ግብጻውያን መራኽቦም ብሰልሰላ ይሰርሑ ነበሩ (ኢሳ.18፡2)። ሮማውያን ብመቕዘፍ ዚሰፋ መራኽብ ነበራኦም። እተን ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መራኽብ ግና ጋንጽላኤን ዘርጊሐን ብንፋስ ተደፊኤን ይሰፋ ነበራ። እታ ጳውሎስ ናብ ሮሜ ዝኸደላ መርከብ ኣብ ልዕሊ ጽዕነታ 276 ሰባት ሒዛ ስለ ዝነበረት ተሰብረት (ግብ.27)። ኣብቲ ዓቢ ባሕሪ ካብ ወርሒ መስከረም ክሳዕ የካቲት ብመርከብ ምስፋፍ ድንገታዊ ነበረ። ጳውሎስ ከኣ ናብ ሮሜ ከይበጽሔ ኸሎ እተን ዝነበረን መራኽብ ስለስተ ጊዜ ተሰብራ (2ቆረ.11፡25)። እቲ መራሒ መርከብ ነታ መርከብ ኪመርሕ ከሎ ብሓደ ኣብ ድሕሪኣ ዚርከብ ስካን የቕንዓ ነበረ (ያእ.3፡4-5)። መልሓስ ሰብ ብመርከብን በቲ ኣብታ መርከብ ንዚርከቡ ሰባት ኩሎም ኪመርሕ ዚኽእል ስካንን ይምሰል። ሓንቲ መርከብ ክልተ ወይ ሰለስተ ብማዕድን እተሰርሔ መልህቕ ኣለዋ። መርከብ ንየው-ነጀው እናተደፍኤት ከይትስበር፡ እቲ መልህቃት ብረጕድ ገመድ ተኣሲሩ ናብቲ ዓሚቕ ባሕሪ ይድርበ እሞ፡ እዚ ነታ መርከብ ኣብ ባሕሪ ደው ንምባል የኽእላ ነበረ። ተስፋ ክርስትያናት ከኣ ዘይናወጽ ስለ ዝኾነ ብመልህቕ ይምሰል (እብ.6፡19-20)። ﷽ጃልባ ﷽መልህቕ ﷽ስካን ተመልከት።
ብጋንጽላን መቅዝፍን እትሰፍፍ መርከብ
መርዓ፤
ኣብ መ.ቅ. ብዛዕባ መርዓ ብዙሓት ሰባት ነንብብ ኢና። እቲ ስነ ስርዓት መርዓ ኸእ ከከም ባህሊ ሃገሩን ከከም ዘበኑን እተፈላለየ ኸም ዝነበረ ንርኢ (ዘፍ.29፡21-26። መሳ.14። መዝ.45። ማቴ.21፡1-14፤ 25፡1-13። ዮሃ.2፡1-11)። ኣብ መ.ቅ. ምስ እንምልከት፡ መርዓ ናይ ዓቢ ደስታ ዕለት ስለ ዝኾነ፡ መርዓዊ ንመርዓቱ ናብ ቤቱ ኺወስዳ ከሎ እቶም ወራድ መርዓን ዕዱማቱን በብዓይነቱ ኽዳን ተኸዲኖም ነቲ ብዓል ብዓቢ ሓጎስን ሳዕስዒትን ጸወታን ወግዕን የብዕልዎ ነበሩ። በዚ መሰረት እዚ ኸኣ፡ ክርስቶስ ካልኣይ ጊዜ ኺመጽእ ከሎ ዚኸውን ባህታን ክብርን ብመርዓ ይምሰል (ራእ.19፡6-9)። ﷽ምትእትታው ተመልከት።
መርዓት፤
ንመጀመርታ ጊዜኣ እትምርዖ ጓል ኣንስተይቲ (ዮሃ.3፡29-30)። መርዓት ኣብ መዓልቲ መርዓኣ ፍሉይ ክዳን ትኽደን (ኤር.2፡32። ራእ.21፡2)። መርዓት ምሳሌ ቤ.ክ. እያ (ራእ.21፡9፤ 22፡17)።
መርዓት ዓይኒ፤
ኣብ ውሽጢ ዓይኒ ዘላ ብርሃን እትቕበል ጸላም ክፍሊ ዓይኒ። ሰብ ንመርዓት ዓይኒ ብዓቢ ጥንቃቐ ዚሕልዋ ስለ ዝኾነ፡ ምሳሌ ሓለዋ እግዚኣብሄር ንደቁ ኾይና ትጥቀስ (ዘዳ.32፡10። መዝ.17፡8-9። ምሳ.7፡2። ዘካ.2፡8)።
መርዓዊ፤
ንመጀመርታ ጊዜኡ ዚምርዖ፡ ፍሉይ ክዳን ዚኸደን፡ ብኣዕሩኽ መርዓዊ ዚዕጀብ ወዲ ተብዓታይ (ማቴ.25፡1-6። ዮሃ.2፡9)። መርዓዊ ናይ ጸሓይ ምሳሌን (መዝ.19፡4-5)፡ ናይ እግዚኣብሄር ኣቦን ናይ ክርስቶስን ምሳሌን (ኢሳ.62፡5። ማቴ.19፡5። ዮሃ.3፡29)፡ ናይ ኣመንቲ ምሳሌን እዩ )ኢሳ.61፡10)። ﷽ምትእትታው መርዓ ተመልከት።
ዓርኪ መርዓዊ፤
ኣብ እዋን መርዓ ንመርዓውን መርዓትን ዚሕግዝን ዜገልግልን ዓርኪ (ዮሃ.3፡29)።
መርዚ፤
እቶም ኣብ ጊዜ ብ.ኪ. ዜነብሩ ዚነበሩ ሰባት፡ መርዚ ኣብ ገሊኡ ዓይነት ብቑሊ ኸም ዚርከብ (ሆሴ.10፡4)፡ ወይኒ-መሮር መርዚ ኸም ዘለዎ (2ነገ.4፡39-40)፡ መልሓስ ተመንን (ዘዳ.32፡24፥ 33)፡ መልሓስ ኣፍዑትን (መዝ.140፡3) ሓደገኛ ከም ዝኾነን ይፈልጡ ነበሩ። ናይ ሓጥኣን ኩራን ዘረባን ብመርዚ ተመሲሉ ኣሎ (መዝ.58፡4-5፤ 140፡3። ያእ.3፡8)። ተግሳጽ እግዚኣብሄርውን ከም መርዚ እዩ (እዮ.6፡4)። እግዚኣብሄር ንልኡኻት ወንጌሉ ካብ ሰንኪ መርዚ ኼድሕኖም ከም ዚኽእል ጽሑፍ ኣሎ (ማር.16፡18)።
መርገም፤
ኣብ ልዕሊ ኻልእ ሰብ ክፉእ ነገር ኪወርድ ምትምናይን ምዝራብን። ኣብ ብ.ኪ. እቲ ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዝ ኪርገም ከሎ፡ ህዝቢ እስራኤል ﷽ኣሜን እናበሉ ነቲ መርገም የረጋግጹ ኸም ዝነበሩ ንርኢ (ዘዳ.27፡11-26)። እቲ ንሰብ ምኽንያት መርገም ኪኾኖ ዚኽእል ነገራት ኣብ ዘዳ.28፡15-68 ተዘርዚሩ ኣሎ። ኣንስቲ ብናይ መርገም መሓላ ይምርመራ ከም ዝነበራ ነንብብ (s@›é.5:11-28)። እዮብ ሰብ ብምርጋም ሓጢኣት ኣይገበረን (እዮ.31፡30)።
ዓይኒ መርፍእ፤
የሱስ፤ ﷽...... ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል፡ ኪብል ከሎ፡ ምሳሌ ናይ ሓደ ኸቢድ ጉዳይን ኪኸውን ዘይክእል ነገርን ይገልጸልና (ማቴ.19፡24)።
መሮዳክ፤
መሮዳክ ከም ንጉስ ኣማልኽቲ ዚፍለጥ ቀንዲ ኣምላኽ ባቢሎን እዩ (ኤር.50፡2)።
ብ 950 ቅ.ል.ክ. ኣቢሉ ብእምኒ እተሰርሔ ምስሊ መሮዳክ
መሰረት፤
መንደቕ ቤት ደው ዚብለሉ ጉድጓድ። ክርስቶስ ምሳሌ ናይ መሰረት ህይወት ኣመንቱ ከም ዝኾነ ንምሃር (1ቆረ.3፡10-15)። ከምኡ ኸኣ እቲ ናይ ነብያትን ሃዋርያትን ትምህርትን ተግባርን መሰረት ቤ.ክ. ይብሃል (ኤፌ.2፡19-22። ራእ.21፡14-20)።
መሰቓቐሊ፤
ኣብ መንደቕ ወይ ዓንዲ እተሸኽለ ናይ ኣቕሑት ወይ ክዳን መንጠልጠሊ ወይ መስቀሊ (ዘጸ.27፡10። ህዝ.15፡3)።
መሰንቆ፤
ሓያሎ ኣውታር ዘለዎ ናይ ቃና መሳርያ። ኣብ መ.ቅ. ምእንቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ብመሰንቆ ይዝምሩ ኸም ዝነበሩ ብዙሕ ጊዜ ተጠቒሱ ኣሎ (1ዜና.15፡16። እዮ.30፡31። መዝ.92፡1-3፤ 150፡3)።
መሰውኢ፤
ሰባት መስዋእቲ ዜዕርጉሉ ብዕንጨይቲ ወይ ብእምኒ ወይ ከኣ ብኻልእ ነገር ዚስራሕ ዓይነት እቶን መሰውኢ ይብሃል። ቃየልን ኣቤልን ካብታ ኩሩቤል ተቐሚጥዋ ዝነበረ ገነት ኣብ ወገን ምብራቓ ኮይኖም መስዋእቲ ኣቕረቡ (ዘፍ.3፡24-4፡4)። እቶም ቀዳሞት ኣቦታት ኣብቲ እግዚኣብሄር ብፍላይ ዚግለጸሎም ዝነበረ በበይኑ ቦታታት መሰውኢታቶም ይሰርሑ ከም ዝነበሩ ንዝክር። ኖህ (ዘፍ.8፡20)፡ ኣብርሃም (ዘፍ.12፡6-8፡ 13፡18፤ 22፡9)፡ ይስሃቅ (ዘፍ.26፡26)፡ ያእቆብ (ዘፍ.33፡20፤ 35፡1-7)፡ ሙሴ (ዘጸ.17፡15) መሰውኢታት ከም ዝሰርሑ ነንብብ። ደቂ እስራኤል መሰውኢ መሬትን፡ ሓጺን ብዘይተንከዮ እምኒ እተሰርሔ መሰውእን ይነድቁ ነበሩ (ዘጸ.20፡24-26፤ 24፡4። እያ.8፡30-31። መሳ.6፡24-26)። እቲ ንድንኳን ምርኻብ ኪኸውን እተባህለ በስራዚ እተለበጠ መሰውኢ መስዋእቲ ምሕራርን፡ ብወርቂ እተለበጠ መሰውኢ ዕጣንን ብዕንጨይቲ ተሰሪሑ ኸም ዝነበረ ንምልከት (ዘጸ.30፡1-10፤ 38፡1-7)። ደቂ እስራኤል ናብ ከነኣን ቅድሚ ምእታዎም እቶም ከነኣናውያን በብዓይነቱ መሰውኢ ሰሪሖም ስለ ዝነበሩ፡ ደቂ እስራኤል ካብ እግዚኣብሄር ኪርሕቑ ኸለው ከምኣታቶም በብዓይነቱ መሰውኢ ይሰርሑ ኸም ዝነበሩ ንዝክር። ﷽በረኽቲ ተመልከት።
መሰውኢ
ሮማውያን ብ 70 ዓ.ም. ነቲ መቕደስ ምስ ኣፍረስዎ እቲ ናይ ኣይሁድ መስዋእቲ ተረፈ። ንክርስትያን ግና መስዋእቲ ይኹን ወይስ መሰውኢ ወይ ከኣ ሰዋኢ ክርስቶስ ባዕሉ ስለ ዝኾነ፡ ካልእ ኣየድልን እዩ (እብ.13፡10)። እግዚኣብሄር ሕጂ መስዋእትናን ጸሎትናን ከም ዚቕበል እቲ ዮሃንስ ብራእዩ ኣብ ቤት መቕደስ ዝረኣዮ መሰውኢታት ከም ምሳሌ ይኾነና (ራእ.6፡9-11፤ 8፡3-5)።
መሲህ፤
እዚ ቓል እዚ ብቛንቋ እብራይስጢ ﷽ቅቡእ ማለት እዩ። ኣብ ብ.ኪ. እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኪብሃል ከሎ፡ ነቶም ብእተቐደሰ ዘይቲ እተቐብኡ ነገስታትን ካህናትን ዜመልክት ቃላት ከም ዝኾነ ንርኢ (1ሳሙ.26፡9። 1ዜና.16፡22)። እግዚኣብሄር ኣብኣቶም ሓዲሩ ንእስራኤል የድሕን ነበረ፡ እስራኤል ከኣ ኣብ ዚመጽእ ጊዜ እግዚኣብሄር ሓደ ዓቢ መሲህ ከም ዚሰደሎም ተስፋ ገበሩ። ህዝቢ እስራኤል እቲ ምድሓኖም ብናይ እግዚኣብሄር ሓይልን ፍቓድን እምበር ብናታቶም ሓይሊ ኸም ዘይከውን ተረድኡ። ስለዚ እቲ ምድሓን ካብ ጸላእን ካብ ሽጋርን ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ሓጢኣትውን ከም ዝኾነ እናስተውዐሉ ኸዱ።
መድሓኒና የሱስ ኣብ ምድሪ ኾይኑ ኺምህር ከሎ፡ እቶም እስራኤላውያን ንሮማውያን ካብ እስራኤል ኣውጺኡ ሓርነት ኪእውጀሎም ተስፋ ይገብሩ ነበሩ። ስለዚ ነቶም ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ምስ ኣጽገበ፡ ኬንግስዎ ደልዮም ከም ዝነበሩ ነንብብ። ከምኡ ኸኣ፡ ﷽ሆሳእና ወዲ ዳዊት እናበሉ ኪቕበልዎ ኸለው ምድራዊ ንጉስ ኪኾነሎም ከም ዝደለዩ ንርኢ (ማቴ.21፡9)። እንተኾነ ግና ኣብ ኣድጊ ምውጣሕ ምዃኑ ኣይተረድኡን። ከምቲ ኢሳይያስ ዝበሎ፡ ውርደትን ስቓይን ከም ዚወርዶ ኣየስተውዓሉን (ኢሳ.52፡13-53፡12)። ስለዚ እዚ ተስፋ እዚ ስለ ዝነበሮም፡ የሱስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ፡ ﷽ኣነ መሲህ እየ ከይበለ፡ ﷽ወዲ ሰብ ብዚብል ስም ብዛዕባ መንግስቱ መሃረ። እታ መንግስቱ ምድራዊት ዘይኮነት ሰማያዊት እያ።
እዚ ﷽መሲህ ዚብል ቃል እብራይስጢ፡ ብቛንቋ ግሪኽ ﷽ክርስቶስ ተባሂሉ ተተርጕሙ ኣሎ። እቶም ሃዋርያት ከኣ ካብ ኩሉ ስማት፡ ብዝበለጸ በዛ ﷽ክርስቶስ እትብል ስም ይጥቀሙ ኸም ዝነበሩ ነስተውዕል። ﷽ቀብኤ ተመልከት።
መሳቐዪ፤
መቃንዒ ጫፍ ቀንዴል። ፈትሊ ቐንዴል ኪነድድ ከሎ ኣብ ሓደ ወገን ምስ ዚዝንብል ዜቃንዕ መሳርያ (ዘጸ.25፡38። 1ነገ.7፡49)።
መሳዳ፤
እዚ ቓል እዚ፡ ዕርዲ፡ እምባ፡ ማለት እዩ። እዚ መሳዳ እተባህለ እምባ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጨው ዘሎ መሬት 300 ሜተር ልዒሉ ይርከብ። እዚ እምባ እዚ ኣብ መ.ቅ. ኣይተጠቕሰን፡ ምናልባሽ ግና እቲ ዳዊት ካብ ሳኦል ዝሃደመሉ እምባ ኸይኮነ ኣይተርፍን ዚብል ሓሳብ ኣሎ (1ሳሙ.23፡14)። ካ 5ሸ።
ኣብ ታሪኽ እንተተመልከትና፡ ነዚ መሳዳ እተባህለ እምባ፡ ዕርዲ ዝገበሮ፡ ሓደ ዮናታን እተባህለ ሊቀ ካህናት ከም ዝነበረ ንርኢ። ድሕሪኡ ኸኣ እቲ እምባ ኣብቲ ናይ ሄሮድስ ዝነበረ ግዝኣት ኤዶም ስለ ዝነበረ፡ ሄሮድስ ከም ዘስፋሕፍሖ ንምልከት። ስለዚ ኸም ሓደ ዘይድፈር ዕርዲ ይቑጸር ነበረ። እንተኾነ ግና ሮማውያን ብ 72ዓ.ም. ኣብቲ ዕርዲ ንምድያብ ምስ መደቡ ካብ እስራኤል ኣሽሓት ባሮት ኣገዲዶም ኣብቲ ኣብ እግሪ መሳዳ ዚርከብ እግሪ እምባ ሰብዓ ሜተር ዝቑመቱ ኩምራ ኮሚሮም ኣተውዎ። ሮማውያን ኣብቲ ዕርዲ ቕድሚ ምእታዎም ከኣ እቶም ኣብ መሳዳ ዝነበሩ 967 ኣይሁድ ባዕሎም ህይወቶም ኣጥፍኡ።
መሳፍንቲ፤
ኣብ ዘበን ብ.ኪ. ኣብ እስራኤል ነገስታት ከይነገሱ ኸለው፡ ሓደ ኻብ ዘርኢ ነገስታት ዘይኮነ፡ ነታ ሃገር ካብ ወራር ዜድሕን ጅግና፡ ﷽መስፍን ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። ደቂ እስራኤል ኣብ ሃገር ርስቶም ምስ ኣተው፡ ድሕሪ ሞት እያሱ፡ ንእግዚኣብሄር ሓዲጎም ኣማልኽቲ ካልኦት ህዝብታት ብምምላኽ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ተቖጥዖም። ስለዚ ናብኡ ምእንቲ ኺመልሶም፡ ናብ ዚማርኽዎም ጸላእቲ ኣሕሊፉ ይህቦም ነበረ። ደቂ እስራኤል ከኣ ጸላኢ ብዝመጾም መጠን፡ እናተጨነቑን እናተጣዕሱን ናብ እግዚኣብሄር ይምህለሉን ይልምኑን ነበሩ። በዚ እዋን እዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺምሕሮም ሓደ መስፍን ኣተንሲኡ ካብ ኢድ እቶም ዚማርኽዎም የድሕኖም ነበረ (ምሳ.2፡11-19፤ 3፡9፥ 15)።
እቶም ኣብ እስራኤል ዝተንስኡ መሳፍንቲ 13 እዮም። ንሳቶም ከኣ ካብ ሞት እያሱ ጀሚሮም ክሳዕ ንግስነት ሳኦል ን300 ዓመት ዚኸውን ነታ ሃገር ሓለው። እቶም መሳፍንቲ እዞም ዚስዕቡ እዮም፤ ዖትኒኤል (መሳ.3፡7-11)፡ ኤሁድ ወዲ ጌራ እቲ ዓኼላይ (መሳ.3፡12-30)፡ ሻምጋር ወዲ ዓናት (መሳ.3፡31)፡ ዴቦራ እታ ነብዪትን ባራቕን (መሳ.4፡1-5፡31)፡ ጊደዎን (መሳ.6፡1-8፡35)፡ ኣቢሜሌክ (መሳ.9፡1-57)፡ ቶላ (መሳ.10፡1-2)፡ ያኢር (መሳ.10፡3-5)፡ ይፍታሕ (መሳ.10፡6-12፡7)፡ ኢብጻን (መሳ.12፡8-10)፡ ኤሎን (መሳ.12፡11-12)፡ ዓብዶን (መሳ.12፡13-15)፡ ሳምሶን (መሳ.13፡1-16፡31)።
መጽሓፍ መሳፍንቲ፤
መሳፍንቲ ወይ ከኣ መጽሓፍ መሳፍንቲ እተባህለ መጽሓፍ፡ ዛንታ መሳፍንቲ ይዝርዝር።
እቲ መጽሓፍ ከኣ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ ይኽፈል፤
እዚ መጽሓፍ እዚ፡ መን ከም ዝጸሓፎን መኣስ ከም እተጻሕፈን ብርግጽ እኳ ኪፍለጥ እንተዘይተኻእለ፡ ሳሙኤል ወይ ከኣ ሓደ ካብቶም ብጊዜ ሳሙኤል ዝነበሩ ነብያት ከም ዝጸሓፎ ይግመት (1ሳሙ.10፡10-12፥ 25)።
መስተ፤
ማይ፡ ማይ ህዝቢ እስራኤል (ዘፍ.24፡11-18)። ደቂ እስራኤል ጽሟቕ ወይንን (ዘፍ.14፡18። ዮሃ.2፡3)፡ ጸባን ይሰትዩ ነበሩ (መሳ.4፡19)። ﷽ስኽራን ተመልከት።
መስትያት፤
ቀደም ዘበን መስትያት ካብ ጽሩይን ንጹርን ኣስራዚ ይስራሕ ከም ዝነበረ ንዝክር። እንተኾን ግና ከምዚ ሎሚ ብመረጸን ተሰሪሑ ልክዕ ቅርጽን መልክዕን ዜርኢ መስትያት ኣይነበረን (ዘጸ.38፡8። 1ቆረ.13፡12። ያእ.1፡23)።
ብጊዜ ሙሴ እቶም ግብጻውያን በዚ ናይ ኣስራዚ መስትያት ይጥቀሙ ነበሩ።
መስኤ፤
ክልተ ወይ ካብ ክልተ ዚበዝሕ ኣጻብዕ ዘለዎ መበተኒ እኽሊ (ኢሳ.30፡24)። መስኤ ምሳሌ ስልጣን እግዚኣብሄር እዩ (ማቴ.3፡12)።
ሓረስታይ ብመስኤ ገይሩ እኽሊ ኼጽሪ ኸል÷
መስዋእቲ፤
ሰብ ንኣምላኹ ሓደ ነገር ምስ ዚህብ ወይ ምስ ዜሕርር፡ እቲ ነገር እቲ መስዋእቲ ወይ ቁርባን ይብሃል። እቲ ዚቐርብ መስዋእቲ ከከም ስርዓቱ ምስ ዚስዋእ፡ በብዓይነቱ ሓሳብ ኪገልጽ ይኽእል። ንኣብነት፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐባልነት ንምርካብ ወይ ከኣ ንምድልዳል ርክብ ምስ ኣምላኽ ተባሂሉ ይቐርብ። መስዋእቲ በቶም ﷽ሓደ ኣምላኽ ዜምልኹ ዝነበሩ እስራኤላውያን ጥራይ ዘይኮነስ፡ በቶም ጣኦታት ዜምልኹ ዝነበሩ ኣረማውያንውን ይቐርብ ከም ዝነበረ ንርኢ።
መስዋእቲ መስተ፤
ምስቲ በብዓይነቱ መስዋእትን ቁርባንን ጽማቝ ወይኒ ይቐርብ ከም ዝነበረ ነንብብ (ዘጸ.29፡40-41)።
መስገዲ፤
ሰብ ስርዓት ኣምልኾኡ ዚፍጽመሉ፡ ንኣምላኹ ዚሰግደሉ ፍሉይ ቦታ፡ ወይ ከኣ ኣብ ሓደ ፍሉይ ቦታ ዚርከብ ስፍራ ስግደት። ﷽መሰውኢ ተመልከት።
መስፈ፤
ጫፉ በሊሕ ዝኾነ ንበብዓይነቱ ነገራት ንምውጋእ ዚጠቅም ንብረት። ኣብ ሕጊ ሙሴ፡ ሓደ እብራዊ ባርያ ድሕሪ ሾብዓተ ዓመት ሓራ ኺወጽእ እንተዘይደለየ፡ እቲ ጎይታኡ እዝኑ ብመስፈ እንኵሉ ምስኡ ኼንብሮ ኸም ዚኽእል ተጻሒፉ ኣሎ (ዘጸ.21፡6። ዘዳ.15፡17)።
መስፈሪ፤
ከምዚ ሎሚ ዘሎ፡ ቀደም ዘበንውን በብዓይነቱ መስፈሪ ኸም ዝነበረ ንፈልጥ። ነቲ ናይ ቀደም መስፈሪ ምስዚ ናይ ሎሚ መስፈሪ ንምምዛኑ ግና ኣሸጋሪ እዩ።
ናይ ድሩቕ ነገራት መስፈሪ
ናይ ፈሳሲ ነገራት ምስፈሪ
መሶጶታምያ፤
ትርጉም እዛ ቓል እዚኣ፡ ﷽ኣብ መንጎ ኽልተ ርባታት ማለት እዩ። መሶጶታምያ ኣብ መንጎ ርባ ሄዴቄልን ርባ ኤፍራጥስን ዚርከብ ካብ ካራን ክሳዕ ኡር ዚዝርጋሕ ሃገር እዩ (ዘፍ.24፡10። ግብ.2፡9፤ 7፡2)። ሎሚ መሶጶታምያ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ይርከብ ኣሎ። ካ 1 ለ።
መሸፈኒ፤
ናይ ርእስን ናይ ገጽን መጎልበቢ (1ነገ.20፡38፥ 41)።
መቄዶንያ፤
ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ወገን ሰሜን ሃገር ግሪኽ እትርከብ ሃገር። ብ 359 ቅ.ል.ክ. ሓደ ፊልጶስ እተባህለ ንጉስ ኣብ መቄዶንያ ነጊሱ ነበረ። ድሕሪኡ ወዱ እስክንድር ነገሰ። ብ 168 ቅ.ል.ክ. ከኣ ግዝኣት ሮሜ ኾነት። ኣብ ኤውሮጳ ብመጀመርያ ወንጌል እተሰብከላ፡ መቄዶንያ እያ (ፊል.4፡15። ግብ.16፡9-12)። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዙሕ ጊዜ ናብ መቄዶንያ ይበጽሕ ነበረ። ካ 6 ሰ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ፊልጲ፡ ኣብ ተሰንሎንቄ፡ ኣብ ቤርያ፡ ማሕበራት መስረተ (ግብ.16፡16-17፡14፤ 19፡21፤ 20፡1-3። 1ቆረ.16፡5። 2ቆረ.1፡16)። ሶጳጥሮስ፡ ኣርስጠርኮስ፡ ሴኮንዶስ፡ ኤጳፍሮዲጦስ ከኣ ንሃዋርያ ጳውሎስ ዝሓገዙ ናይ መቄዶንያ ኣመንቲ ኸም ዝነበሩ ነንብብ (ግብ.20፡4። ፊል.4፡14-19። 1ተሰ.2፡8፥ 14)። ሎሚ መቄዶንያ ናይ ሃገር ግሪኽ ሰሜናዊት ክፍሊ እያ፡ ስማ ኸኣ ኣይተለወጠን።
መቐነት፤
ገያሻይ ኪገይሽ ከሎ ዚዕጠቖ ዕጣቕ (ምሳ.31፡24)።
መቓብር፤
ቀደም ዘበን መቓብር ኣብ በዓቲ (ዘፍ.23፡8-9)፡ ኣብ ትሕቲ መሬት (ዘፍ.35፡8)፡ ኣብ እተወቕረ ኸውሒ (ማቴ.27፡60) ይኸውን ከም ዝነበረ ነስተብህል። ኣብርሃም ኣብቲ ዝዓደጎ መሬት፡ ንሱን ብዙሓት ካብ ስድራቤቱን ከም እተቐብሩ ጽሑፍ ኣሎ (ዘፍ.23፤ 49፡31፤ 50፡13)። ናይ መቓብር ስፍራ፤ ብጨርቂ እምኒ (እያ.7፡26)፡ ኖራ ብእተለኸየ እምኒ፡ ወይ ብኻልእ ምልክት ይግለጽ ነበረ (ማቴ.23፡27)። ኣብ ልዕሊ ገሊኡ መቓብር ግና ዝኾነ ይኹን ምልክት ይግበር ከም ዘይነበረ ኸኣ ንርኢ (ሉቃ.11፡14)። ቀደም ዘበን፡ ሰብ ምስ ሞተ ብኡብኡ ይቕበር ነበረ። እቲ ስርዓት ቀብሪ ከኣ ከከም ሃገሩን ዘበኑን ዓሌቱን ይፍጸም ነበረ። ኣብ መንጎ ኣይሁድ ሰብ ኪቕበር ከሎ፡ ኣዝማድ እቲ መዋቲ ነቲ ዝሞተ ሰብ ሬሳኡ ሓጺቦም (ግብ.9፡37)፡ ቅዲት ለኽዮም፡ ብበፍታ ገኒዞም (ማር.16፡1። ዮሃ.19፡40)፡ ከፊኖም፡ ገጹ ብመኣረምያ ጎንጕኖም (ዮሃ.11፡44) ንቐብሪ የዳልውዎ ኸም ዝነበሩ ነንብብ። ኣብ ሃገር ግብጺ ኸኣ ሬሳ እቶም ሃብታማት ዝነበሩ ሰባት ክይምሽምሽ፡ እቶም ፈወስቲ ነቲ ሬሳ ብቕዱይ ቅብኢ ለኽዮም ኣብ ሳጹን የንብርዎ ኸም ዝነበሩ ተጻሒፉ ኣሎ (ዘፍ.50፡2-3፥ 26)። ሬሳ ምንዳድ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ልሙድ ኣይነበረን። እንሓንሳእ ግና ኪሽግሮም ከሎ ሬሳ ዘንደዱሉ ጊዜ ኣሎ (1ሳሙ.31፡12-13)። ሓደ ሰብ ብግቡእ እንተዘይተቐብረ ኸም ሓደ ዜሕዝን ይቑጸር ነበረ (1ነገ.13፡22። ኤር.16፡6)። ﷽ልቕሶ ተመልከት።
ግብጻውያን ሬሳ ገኒዞም ንቐብሪ ኸዳልውዎ ኸለው
መቕደስ፤
ሰብ ምስ ኣምላኹ ዚራኸበሉ እተቐደሰ ስፍራ (ቤት) (ዘጸ.25፡8። መዝ.114፡2። ኣሞ.7፡9)። ﷽ቤት መቕደስ ተመልከት።
መቑሕ፤
ገበነኛ ዚእሰረሉ ረጕድ ሰንሰለት። ኣእጋርን ክሳድን ሓደ ገበነኛ ብሞቑሕ ይእሰር ነበረ (2ዜና.33፡11። ኤር.29፡26)።
መበለት፤
ሰብኣያ ዝሞታ፡ ወይ ከኣ ብዝኾነ ምኽንያት ብዘይ ሰብኣይ እትነብር ሰበይቲ (ዘፍ.38፡11። ማር.12፡41-44። ሉቃ.7፡12)። ቤ.ክ. ንመበለታት ትሕግዝ ከም ዝነበረት ነንብብ (ግብ.6፡1-4)። ሓደ ሰብኣይ ውሉድ ከይሓደገ እንተ ሞተ፡ እታ መበለት ኮይና እትተርፍ ሰበይቱ፡ ሓሙታ ኼእትዋ ኸም ዚግባእ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተሰሪዑ ኣሎ (ዘዳ.25፡5-6። ማቴ.22፡23-30)። ሃዋርያ ጳውሎስ ግና ሓንቲ ሰብኣያ ዝሞታ ሰበይቲ ከምቲ ዘላቶ ኾይና ብዘይ ሰብኣይ ክትነብር ይመክር (1ቆረ.7፡39-40)። እዚ ኪኸውን ከሎ ግና ነተን ብዕድሜ ዝደፍኣ ደኣ እምበር እተን ነኣሽቱስ ኪምርዓዋ ኸም ዚኽእላ መግለጺ ተዋሂቡ ኣሎ (1ጢሞ.5፡11-16)።
መበላይ፤
ከም ኣገላልጻ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዚ ቓል እዚ ሰሓን ምሕካኽን ዚገብር ናይ ቆርበት ሕማም እዩ (ዘዳ.28፡27)። ﷽ሕማማት ተመልከት።
መባእ፤
ኩሉ እቲ ሰብ ንኣምላኹ ዚውፍዮ ዘበለ፡ መባእ ይብሃል። መባእ ብመልክዕ መስዋእቲ ወይ ህያብ ዚቐርብ ወፈያ እዩ (ዘሌ.1፡3። s@íé.7:12-17። ማቴ.5፡24። ማር.7፡10-12)።
መብልዕ ማል፤
ማሕደር ከብቲ (ኢሳ.1፡3። ኣን.3፡17)።
መብጽዓ፤
ሰብ ንእግዚኣብሄር ሓደ ነገር ኺገብር፡ ወይ ከኣ ሓደ ነገር ኪህብ ምስ ዜተስፉ፡ መብጽዓ ይመባጻዕ ማለት እዩ። ብዙሕ ግዜ፡ ሰብ ካብ እግዚኣብሄር በረኸት ምእንቲ ኺረክብ መብጽዓ ይመባጻዕ (ዘፍ.28፡20-22። ዘሌ.27። s@íé.21:1-3። መሳ.11፡30-31)። ሓደ ሰብ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኢሉ ንርእሱ ኻብቲ እተፈቕደ ዘበለ ብምግታእ ከም ናዝራዊ ኮይኑ መብጽዓ ምስ ዚመባጻዕ፡ እንተኾነ ግና ካብቲ ኺወስዶ ዚግብኦ ሓላፍነት ንምህዳም መብጽዓ ምስ ዚመባጻዕ፡ ሓጢኣት ይኾኖ (ማር.7፡10-13)። ሰብ መብጽዓኡ ምስ ዚጠልም ሓጢኣት እዩ እሞ፡ ብሃወኽ ምምብጻዕ ግቡእ ኣይኮነን (ዘዳ.23፡21-23። ምሳ.20፡25። መክ.5፡4-5)።
መተሓላለፊ፤
ጸቢብን ኣቋራጭን ዝኾነ መገዲ (ሉቃ.14፡21። ግብ.12፡10)።
መተዓረቒ፤
ይቕሬታ ዚርከበሉ ኣገባብ። እግዚኣብሄር ጻድቕን ቅዱስን ስለ ዝኾነ፡ ቁጥዓኡ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣተኛ ይወርድ። ሰብ ከኣ ምስ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺተዓረቕ፡ ሓጢኣቱ ዚጉልብብን ቁጥዓ እግዚኣብሄር ዜዝሕልን መተዓረቒ የድልዮ። እቲ መተዓረቒ ኸኣ ንጽድቂ እግዚኣብሄር ዘይጻረር ስለዝኾነ፡ በዚ መሰረት እዚ እግዚኣብሄር ይቕሬ ይብል። እቲ ኽሳዕ ሞት ክርስቶስ ዚስዋእ ዚነበረ ደም እንስሳታት፡ መተዓረቒ ሓጢኣት ደቂ ሰብ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ (ዘጸ.30፡10)። ሎሚ ግና እቶም ኣመንቲ ብደም ክርስቶስ ጥራይ እዮም መተዓረቒ ሓጢኣቶም ዚረኽቡ (ሮሜ.3፡25። እብ.9፡11-12፥ 22። 1ዮሃ.2፡2፤ 4፡10)። ﷽መስዋእቲ ተመልከት።
መናፍሕ፤
ቀጥቃጥ ሓጺን፡ ፈሓም ዜጉህረሉ መሳርያ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መናፍሕ ምሳሌ ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኮይኑ ተዘውቲሩ ኣሎ (ኢሳ.54፡16። ኤር.6፡29)።
መናፍስቲ ዚጥይቕ፤
ብድጋመት ገይሩ ርኹሳት መናፍስትን መናፍስቲ ዝሞቱ ሰባትን ዚጽውዕን ዚጥይቕን ሰብ (ዘዳ.18፡11። 2ነገ.23፡24)። ኣብ ዔን-ዶር ሓንቲ ፍልጥቲ ጠያቒት መናፍስቲ ስለ ዝነበረት፡ ንሳሙኤል ምስ ሳኦል ከም ዘዛረበቶ ነንብብ (1ሳሙ.28፡7-19። 1ዜና.10፡13-14)። ﷽ጥንቆላ ተመልከት።
መናፍቕነት፤
ጥርጣረን ምፍልላይን (ግብ.24፡14)፡ ወይ ከኣ ምስቲ ሓቀኛ እምነት ዘይሰማማዕ ትምህርቲ፡ መናፍቕነት እዩ (2ጴጥ.2፡1)።
መንሽሮ፤
ኣብ ልዕሊ ኣካላት ወይ ኣብ ውሽጢ ኣካላት ዚወጽእ ድንገታዊ ቑስሊ (2ጢሞ.፡17)። ﷽ሕማማት ተመልከት።
መንካዕ
መንኮርኮር፤
ናይ ሰረገላ ወይ ናይ ዓረብያ እግሪ (ዘጸ.14፡25)። እቶም ናይ ጥንቲ እስራኤላውያን ብእንስሳ ዚሰሓብ መንኮርኮር ገይሮም እኽሎም ይወቕዑን የኺዱን ከም ዝነበሩ ነንብብ (ኢሳ.28፡27-28)። ሰራሕቲ መሬትውን ነቲ ዚስራሕ መሬት ኣዳልዮም ብመንኮርኮር ወይ ብመዘወር ገይሮም ኣቕሑ መሬት ይሰርሑ ከም ዝነበሩ ተጠቒሱ ኣሎ (ኤር.18፡3)። ነብዪ ህዝቅኤል ኣርባዕተ እንስሳ ኣብ ልዕሊ መንኮርኮር ረኣየ። እዚ ኸኣ ምልክት ምቕልጣፍ ናይቲ ኻብ ምርኮ ዚምለሱሉ ጊዜ ኸም ዝኾነ ንርዳእ (ህዝ.1፡15-21)።
ናይ መንኮርኮር ኣርዑት፤
ኣብ መንጎ ክልተ መንኮርኮር ዚርከብ ነቲ መንኮራኹር ዜራኽብን ዚጸውርን ዜዝውርን ድልዱል ዕንጨይቲ (1ነገ.7፡30-33)።
መንደልሃጺ፤
ሸተት ዜብል። ብምኽንያት ዝናብ ወይ ዚውሕዝ ማይ ወይ ከኣ ዘይውሕዝ ማይ፡ እቲ ናይ እምኒ ወይ ሑጻ ምንጻፍ ዘይብሉ መገዲ መንደልሃጺ ይኸውን። እዚ ቓል እዚ ኣብ መ.ቅ. ናይ መከራ ምሳሌ ኾይኑ ይጥቀስ (መዝ.35፡6-7፤ 73፡18)።
መንደፊ፤
ጻዕዳ ዚሕብሩ ፈርሻኽ ዓይነት ፍኵስ እምኒ (ኢሳ.44፡13)።
መንግስቲ ሰማያት፤
ክርስቶስ ብዛዕባ መንግስቲ ሰማያት መሃረ። ብዛዕባ ምምጽኡ ኸኣ ብዙሕ ምስላታት ነገረ። (﷽መንግስቲ እግዚኣብሄር ተመልከት)። እግዚኣብሄር ልዕሊ ሰብ ስለ ዝኾነ፡ መንግስቲ ሰማያት መንግስቲ እግዚኣብሄር እያ። ብዛዕባ መንግስቲ ሰማያት ሓያሎ ሓሳባት ክንረክብ ንኽእል፤
ነዘን ሰለስተ ሓሳባት ንምዝማድ የሸግር ይኸውን። እንተኾነ ግና ናይ ትንቢት ነገር ስለዝኾነ፡ ኣብ መፈጸምታ ምስ በጽሔ ጥራይ እዩ ንኹሉ ግሉጽ ዚኸውን። ﷽ሰማይ ተመልከት።
መንጽር፤
ኣብ ቅድሜኻ ዚርከብ ነገር ኣብ መንጽርካ ይርከብ (s@‰é.2:2)።
መንፈስ፡ መናፍስቲ፤
ዘይጭበጥን ዘይድህሰስን ዘይርኤን ረቂቕ ነገር።
ብዙሓት ዓይነት መናፍስቲ ስለ ዘለው፡ ሓደ መምህር ወይ ሓደ ነብዪ በየናይ መንፈስ ይዛረብ ከም ዘሎ ምምርማር ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ (1ዮሃ.4፡1)። ሰባት ብኣካይዳኦምን ትምህርቶምን እዮም ዚልለዩ (ማቴ.7፡15-20። 1ዮሃ.4፡2-3)። ምልላይ መናፍስቲ ሓደ ኻብቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ህያባት እዩ (1ቆረ.12፡10)። ﷽ነብዪ ተመልከት።
መንፈስ ቅዱስ፤
እዚ ስም እዚ ናይቲ ካብ ዘልኣለም ምስ ኣቦን ወድን ዝነበረን ዘሎን ናይ መንፈስ ቅዱስ ስም እዩ፡ እዚ ናይ ህልውና ስሙ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦ ዝወጸ ስም እዩ፡ ብመሰረት ተግባር ክርስቶስ ከኣ ንኣመንቲ ይወሃብ። መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣቦን ወድን ብህልውና፡ ብኽብሪ፡ ብስልጣን ማዕረ እዩ (ማቴ.28፡19-20። ዮሃ.14፡16-17፤ 15፡26። ግብ.2፡33)። ኣብ ትምህርቲ መ.ቅ. ምስ እንምልከት ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ነዚ ዚስዕብ ዓሰርተ ኣርእስቲ ክንዝርዝር ንኽእል፤
መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ገይሩ ብምራዱ ኸኣ ክርስቶስ ኣብ ክብሪ ከም ዘሎ ኣረጋገጸሎም (ዮሃ.7፡39። ግብ.2፡33)፡ ስለዚ ብክርስቶስ ሓንቲ ማሕበር፡ ሓደ ኣካል፡ ሓንቲ ቤተክርስትያን ገበሮም (ኤፌ.1፡21-23፤ 2፡19-22)፡ ምእንቲ ኺምስክሩሉ ኸኣ ሓይሊ ሃቦም (ሉቃ.24፡49። ግብ.1፡8)። ድሕሪኡ ድማ መንፈስ ቅዱስ ናብ ሰብ ሰማርያ (ግብ.8፡14-18)፡ ናብ ኣህዛብ (ግብ.10፡44-48፤ 11፡15-17)፡ ናብ ሰብ ኤፌሶን (ግብ.19፡1-7) ወረደ። ከምኡ ኸኣ ዝኾነ ይኹን ሰብ፡ ምስ ዚኣምን፡ መንፈስ ቅዱስ ይቕበል። ብጥምቀት መንፈስ ቅዱስ ከኣ ናይ ክርስቶስ ሰዓቢ ይኸውን (ግብ.2፡38-39፤ 9፡17። 1ቆረ.12፡13)። ኣብታ መዓልቲ በዓል ሓምሳ፡ ብዙሓት ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተመልኡ ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። ሎሚ ኸኣ፡ ሰባት መንፈስ ቅዱስ ምስ ዚቕበሉ ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ወይ ከኣ ከይዛረቡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ህያባት በብዓይነቱ ስለዝኾነ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝፈቐዶ ኮይኑ እዩ ዚውሃብ (1ቆረ.12። እብ.2፡3-4)።
መንፈስ ቅዱስ ንሓደ ኣማኒ፡ ስጋ ኸም ዚስዕር ይገብሮ፡ ኣብ ኩሉ ህይወቱ ኸኣ ይመርሖ (ሮሜ.8፡13-14)፡ ኪጽሊ ይሕግዞ (ሮሜ.8፡26። ኤፌ.6፡18)። ስለዚ ኣብ ህይወቱ ናይ መንፈስ ፍረ ኼርኢ ይጅምር (ገላ.5፡22-23)። እቶም ኣመንቲ ምእንቲ ኼገልግሉ መንፈስ ቅዱስ ይቕበሉ (2ቆረ.1፡21-22)። እቶም ኣመንቲ ንመንፈስ ቅዱስ ከየጉህይዎ ኩሉ ሳዕ ብእኡ ኺምልኡ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ኣሎ (ኤፌ.4፡20፤ 5፡18-19)። እዚ ምምላእ እዚ ኸኣ ንኹሉ ጊዜ (ግብ.6፡3-5)፡ ወይ ከኣ ንውሱን ግዜ፡ ንፍሉይ ኣገልግሎት ዚውሃብ ሓይሊ ኼመልክት ይኽእል (ግብ.4፡31፤ 13፡9)።
መኣዲ፤
ኣብ ዙርያኣ ኮፍ ኢልካ ብሓባር ምግቢ እተበልዓሉ ቦታ (1ሳሙ.20፡29)።
መካበብያ፤
ኣብ ዘበን መ.ቅ. ኣብ ዙርያ ኸተማታት ናይ መከላኸሊ መካበብያታት ይሰርሑ ነበሩ። ﷽ከተማ ተመልከት። መካበብያ ያሪኮ ውሩይ መካበብያ ከም ዝነበረ ነንብብ (እያ.6፡5)። ኣብ መ.ቅ. ህዝቢ እግዚኣብሄር ብኸተማ ይምሰል፡ እቲ መካበብያ ኸኣ ናይ ሓይሊ (ኤር.15፡20)፡ ናይ ሓለዋ (ዘካ.2፡5)፡ ናይ ምድሓን (ኢሳ.26፡1) ምሳሌ ኾይኑ ይጥቀስ።
ናይ ከተማ መካበብያን ዕርድን
መኽሊት፤
ናይ መንግስቲ ሮማ መስፈሪ ክብደት (ራእ.16፡21)። ﷽ክብደት ተመልከት።
መክብብ፤
መክብብ ማለት፡ ሰባኺ ወይ መምህር ማለት እዩ። ሰሎሞን በዛ መክብብ እትብሃል መጽሓፍ ይሰብኽን ይምህርን። ﷽ሰሎሞን፡ ወዲ ዳዊት ንጉስ የሩሳሌም (መክ.1፡12) ተባሂሉ እቲ ጥበቡ ኣብ ሓያሎ ክፍልታት መክብብ ተጠቒሱ ንረኽቦ (መክ.1፡16፤ 2፡9)። ብዙሕ ምስላታት ከም ዝሰርዔውን ንርኢ (12፡9። 1ነገ.4፡32)። ገሊኦም ሊቃውንቲ፡ ﷽እቲ ኣጸሓሕፋ እብራይስጢ ናይ መጽሓፍ መክብብ ናይ ዳሕራይ ዘበን እዩ እምበር ናይ ዘበን ሰሎሞን ኣይኮነን፡ ስለዚ እቲ ጸሓፊ መጽሓፍ መክብብ ካልእ ሰብ እዩ፡ ዚብሉ እኳ እንተኾኑ፡ እቲ ጸሓፊ ካልእ ሰብ እንተኾነውን እቲ መጽሓፍ መክብብ እትህቦ መልእኽቲ ብዘይ ጥርጥር ናይ ሰሎሞን እዩ።
ሰለሞን ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ፤ ﷽ኣምላኽ ዘይብሉ ህይወት ከንቱ እዩ፡ ኣየጽግብን፡ ይብል። ኣምላኽ ግና ንጉስ ስለዝኾነ ኩሉ ኪገብር ይኽእል፡ ሃብታም ስለ ዝኾነ ዝደለዮ ይዕድግ፡ ጥበበኛ ስለዝኮነ ንኹሉ ኺምርምር ይኽእል። ካብ ኣምላኽ ኪበልጽ ዚኽእል የልቦን። ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ትምህርቲ ምስ መዝ.49 ከም ዚሰማማዕ ንርኢ። እቲ ኣብ ዮሃ.10፡10 ተጻሒፉ ዘሎ ጥቕሲ ኸኣ ኣብቲ ትምህርቲ እቲ ይሕብር።
ክፍልታት መጽሓፍ መክብብ፤
መክ.1። እቲ ሰባኺ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ማለት ኣብ ምልእቲ ዓለም ዘይሩ ይምለስ እሞ ኩሉ ኸንቱነት ከም ዝኾነ ይርኢ።
መክ.2። ኩሉ ጣዕሚ ናይዛ ዓለም፡ ሰሓቕን መስተን ጸወታን ሃብትን ፍልጠትን ስልጣንን ጥሪትን ኣንስትን ክብረትን ኩሉ ኻልእ ነገራት ይፍትን፡ ምስ ፈተነ ኸኣ ኩሉ ኸንቱነት ድሕሪ ንፋስ ምጉያይን ዘየጽግብን ምዃኑ ይግንዘብ።
መክ.3-11። ኣብዚ ኽፍሊ እዚ ክልተ ሓሳባት ማዕረ-ማዕረ ኾይኑ ይኸይድ። (ሀ) ኩሉ እቲ እግዚኣብሂር ዘይብሉ ነገር ከንቱ እዩ። ንኣብነት፡ ሞት ከንቱ እዩ፡ ሰብ ከምቶም ዚሞቱ እንስሳ እዩ (መክ.3፡18-21)። (ለ) ዓለም ጽብቕቲ እያ፡ ፍጥረት እግዚኣብሄር እያ፡ ስለዚ ሰብ ኣብ ዓለም ከሎ ባህ ይብሎ፡ ተስፋኡ ግና ኣብኣ ኣይመስርት (መክ.3፡11-13)።
መክ.12። ኣብ ዓለም ምሉእ ሓጎስን ዘይበርስ ህይወትን ኣብ ዝኾነ ይኹን ምንጪ ዘይርከብ ስለዝኾነ፡ እቲ ሰባኺ ኣብ ናይ መወዳእታ ምኽሩ፤ ﷽ንኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱውን ሓልዎ፡ ዚብል ቃል እዩ።
መኸዲ፡
ኣስናን ዚመስል ዘለዎ መሳርያ መውቅዒ እኽሊ (ኢሳ.28፡27)። እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ብመኼዲ ከም ዚምሰል ንርኢ (ኢሳ.41፡15)።
ሓረስታይ ብመኸዲ እኽሊ ኬኽይድ ከሎ
መኽፈቻ፤
ቀዳሞት ሰባት ብዕንጨይቲ ገይሮም መኽፈቻ ይሰርሑ ነበሩ (መሳ.3፡25)። መኽፈቻ ምሳሌ ስልጣኔን ሓይልን እዩ። ጴጥሮስ ኣብቲ ብዓል ሓምሳ ናይ ኣይሁድ፡ ኣብ ቤት ቆርኔሌዎስ ነህዛብ ናብ መንግስቲ ሰማያት ዜእቱ ደገ ማለት ማዕጾ ወንጌል ከፈተሎም፡ ስለዚ ናይ መንግስቲ ሰማያት መኽፈቻ ተቐበለ (ኢሳ.22፡22። ማቴ.16፡19። ሉቃ.11፡52። ራእ.1፡17-18)።
ኣብ መንኩብ ዚስቀል መኽፈቻ (ኢሳ.22፡22)
መውደቒ ዛዕጎል፤
ኣጋንንቲ ብምጽዋዕ፡ ናይ እንስሳታት ደም ብምጥማት፡ ኣብ ደሃይ ኣራዊት ወይ ካልእ ነገር ብምድሃብ፡ ነቲ ዝኾነን ኪኸውን ዘለዎን እገልጽ እየ በሃላይ (ዘዳ.18፡10። 1ሳሙ.6፡2። 2ነገ.17፡17። ኢሳ.44፡25። ሆሴ.4፡12። ግብ.16፡16-18)። ﷽ጥንቆላ ተመልከት።
ኣብ ልዕሊ ኣቕሓ መሬት እተቐርጸ እሞ ኣብ ሓምሳን ሓሙሽተን ክፍልታት እተመቕለ ንጥንቆላ ዚዝውተር ምስሊ ኸብዲ
መዓልቲ፤
1. ካብ ምብራቕ ጸሓይ ጀሚሩ ክሳዕ ምዕራባ ዘሎ ናይ 12 ሰዓት ጊዜ (ዘፍ.1፡5)።
2. እተን ኣብ ምልእቲ ዓለም ዘለዋ 24 ሰዓታት (ዘፍ.1፡5)። እስራኤላውያን ካብ ምዕራብ ጸሓይ፡ ሮማውያን ከኣ ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሮም መዓልቲ ይቖጽሩ ኸም ዝነበሩ ነስተብህል።
3. ዘይተወሰነ ጊዜ (እብ.12)።
4. ሓደ ፍሉይ ተግባር ዚፍጸመሉ ጊዜ (ዮሃ.9፡4። 2ቆረ.6፡2)።
ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፤
ሰንበት። መዘከርታ ትንሳኤ ክርስቶስን መዓልቲ ጴንጠቆስተን (20፡1-25። ግብ.2፡1-4)። ድሕሪ ዕርገት ክርስቶስ እቶም እብራውያን ኣመንቲ ኣብታ ሳብዐይቲ መዓልትን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙንን፡ ማለት ኣብ ክልቲኤን ይእከቡ ነበሩ። ድሕሪ ግና እተን ናይ ኣህዛብ ኣብያተ ክርስትያን እናበዝሓ ምስ ከዳ፡ እቲ ናይ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኣኼባታት እናተረፈ ኸደ። እቶም ኣብ ጥሮኣስ ዝነበሩ ኣመንቲ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ይእከቡ ከም ዝነበሩ ነንብብ (ግብ.20፡7)። ጳውሎስ ንሰብ ቆረንቶስ ኪጽሕፈሎም ከሎ፡ ገንዘቦም በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ኬዋጽኡ ይእዝዞም (1ቆረ.16፡2)። ሰንበት ﷽መዓልቲ ጎይታ ተባሂላ ትጽዋዕ (ራእ.1፡10)። ﷽ሰንበት ተመልከት።
መዓሙቕ፤
ዕምቆት ዘለዎ ባሕሪ፡ ውቅያኖስ (ነህ.9፡11። እዮ.38፡16፥ 30)። መዓሙቕ ናይ ፈተናን ናይ መከራን ምሳሌ እዩ (እዮ.41፡23-24)። ዓሚቕ ዝኾነ ስምዒት ሰብ ብመዓሙቕ ይምሰል (መዝ.42፡7)።
መዓሙቝ፤
ንታሕቲ ዝጠሓለ፡ ዝዓመቔ፡ እተሓብኤ፡ ዘይግለጽ ማለት እዩ። እዚ ቓል እዚ፡ ማያት (ዘፍ.1፡2፤ 49፡25)፡ መከራ (መዝ.71፡20)፡ ናይ ልቢ ስምዒት (መዝ.130፡1)፡ ስፍራ ምውታት (ሮሜ.10፡7)፡ ዘይእዘዙ መናፍስቲ ዚሕበሱሉ ቦታ (ሉቃ.8፡31። ራእ.9፡1-2፤ 20፡3) ተመልክት። ምስኡ ኸኣ ተመርሚሩ ዘይርከብ ኩሉ ይገልጽ (ሮሜ.11፡13)።
መዓር፤
ንህቢ ዚሰርሕዎ መቐረት ዘለዎ ወለላ (መዝ.118፡12)። መዓር ኣብ ከውሒ (ዘዳ.32፡13)፡ ኣብ ኦምን መሬትን (1ሳሙ.14፡25-26)፡ ኣብ ምድሪ በዳን (ማቴ.3፡4) ይርከብ። ከነኣን ጸባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ተባሂላ ትስመ (ዘጸ.3፡8)። መዓር ከም ዘለዎ ዚብላዕን (ሉቃ.24፡42) ንምድላው ምግቢ ዚጠቅም (ዘጸ.16፡31) ከም ዝነበረ ነንብብ። መዓር ምቁር ስለዝኾነ ናይ ብዙሕ ባህ ዜብል ነገራት ምሳሌ እዩ (መዝ.19፡9-10። ምሳ.5፡3። ህዝ.3፡2-3። ራእ.10፡9)። ﷽ምግቢ ተመልከት።
መዓት
እግዚኣብሄር ብምኽንያት ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዘውርዶ መከራን ሕማምን (ዘፍ.12፡17። s@Ïé.16:46። 1ነገ.8፡37-40። ራእ.9፡20፤ 15፡1፤ 22፡18)። ግብጻውያን ህልኸኛታት ኮይኖም ስለ እተረኽቡ እግዚኣብሄር ብዓሰርተ መዓት ቀጽዖም። እቲ ዓሰርተ መዓት ከኣ፡ ኣብ ደም እተለወጠ ማይ፡ መዓት እንቁርዖብ፡ መዓት ጻጹት፡ መዓት ጽንጽያ ከልቢ፡ መዓት ሞት እንስሳታት፡ መዓት ሕበጥ፡ መዓት በረድ፡ መዓት ኣንበጣ፡ መዓት ጸልማት፡ መዓት ሞት በኹሪ ሰብን እንስሳን እዩ (ዘጸ.7-12)። ﷽ሕማማት ተመልከት።
መዝሙር፤
መብዓይነቱ ቅኔን ዜማን ብዘለዎ ድምጺ ዚዝመርን ብመሳርያ ቓና ዚቐርብን መንፈሳዊ ማህሌት (ዘጸ.15፡20። ኤፌ.5፡18-19። ቆሎ.3፡16)። እቲ ናይ ዳዊት ብሙሉኡ መዛሙር ዳዊት ተባሂሉ ይጽዋዕ (ሉቃ.24፡44። ግብ.1፡19-20)። የሱስ ምስ ደቂ መዛሙርቱ ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ ድራር፡ መዝሙር ምስጋና ዘመሩ (መዝ.147፡1። ማቴ.26፡30)። ﷽ዜማ ተመልከት።
መዝሙር ዳዊት፤
እዛ መጽሓፍ እዚኣ 150 መዛሙርን ጸሎትን ትምህርትን ቅኔን ጠሚራ ትርከብ (መዝ.15፤ 17፤ 32፤ 57)። መዝሙር ዳዊት ኣብ ቤ.ክ. ኮነ ወይስ ኣብ ናይ ብሕቲ ጸሎት እትዝውተር ፍትውቲ መጽሓፍ እያ። ኣብቲ ትሕዝቶኣ ኸኣ ነንግዚኡ ዝኸውን ማለት ንሓዘን ይኹን ንሓጎስ፡ ንጽቡቕ ይኹን ንኽፉእ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ዚርከብ ሰብ ኬምስግነለን ወይ ከኣ ኪትክዘለን ዚኽእል ምስ ኩነታቱ ዚሰማምዓ መዛሙር ወይ ጸሎት ኣለዋ። ሰብ በዛ መጽሓፍ እዚኣ ገይሩ፡ ምስ ኣምላኽ ኪራኸብን ኪሓብርን ብመንፈስ ከኣ ኪምዕብልን ኪዐብን ይኽእል (2ጴጥ.3፡18)። ኩለን እተን መዛሙር፡ ዳዊት ዝደረሰን ኣይኮናን፡ ኣብቲ ኣርእስቲ መዝሙር ዳዊት፡ ስም ዳዊት ኣብ 82 መዛሙር ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብተን ዝተረፋ ኸኣ ስም ደቂ ቆራህ ኣብ 11 መዛሙር (መዝ.42፤ 44)፡ ስም ደቂ ኣሳፍ ኣብ 12 መዛሙር (መዝ.50፤ 73)፡ ኣብ ሰለስተ መዛሙር ከኣ ስም ሄማንን ኤታንን ሙሴን ተጠቒሱ ኣሎ (መዝ.88-90)።
እተን መዛሙር መን ከም ዝኣከበንን ዝሰርዔንን ፍሉጥ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግና ኣብ 1ዜና.16፡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ታቦት ኣምላኽ ዚዝምሩ መዘምራን ከም ዝሰርዔ ተጻሒፉ ስለዘሎ፡ ዳዊት ነቲ ዕዮ ኸም ዝጀመሮ ይመስል። ድሕሪ ዳዊት ከኣ ካልእ ሰብ ከም ዝቐጸሎ ንርኢ፡ ምኽንያቱ ከኣ ድሕሪ ምርኮ እተዳለዋ ኸም መዝ.74፤ 96፤ 137፤ ኣብ ልዕሊአን ከኣ ናይ ሃጌን ናይ ዘካርያስን መዛሙር ተባሂለን ዚስመያ ኸም መዝ.146፤ 147፤ 149፤ ከነስተብህል ንኽእል።
መዛሙር ዳዊት ኣብ 5 መጽሓፍቲ ትኽፈል። እተን መጽሓፍቲ ኸኣ፡ ቀዳማይ መጽሓፍ ካብ መዝ.1-41፡ ካልኣይ መጽሓፍ ካብ መዝ.42-72፡ ሳልሳይ መጽሓፍ ካብ መዝ.73-89፡ ራብዓይ መጽሓፍ ካብ መዝ.90-106፡ ሓምሳይ መጽሓፍ ከኣ ካብ መዝ.107-150 እየን። ኣብ መወዳእታ ነፍስ ወከፍ መጽሓፍ፡ ﷽እግዚኣብሄር ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ። ኣሜን፡ ኣሜን፡ ዚብል ቃላት ንረክብ።
ትሕዝቶ ምዝሙር ዳዊት ንምፍላይ ቀሊል ስለዝኾነ፡ ነዚ ዚስዕብ መምርሒ እናተኸተልና ኽንፈልየን ንኽእል፤
እተን ኣብ ኩላተን ኣብያተ ክርስትያናት እተፈልጣ መዛሙር እዘን ዚስዕባ እየን፤ 23 - መዝሙር ጓስነት ኣምላኽ፡ 51-መዝሙር ኑዛዜ፡ 104-መዝሙር ፍጥረት፡ 31-መዝሙር ሕድገት፡ 91-መዝሙር ሓለዋ ኣምላኽ፡ 119-መዝሙር ሕጊ ኣምላኽ፡ 46-መዝሙር ረድኤት ኣምላኽ፡ 103-መዝሙር ምስጋና ኣምላኽ፡ 121-መዝሙር ምድያብ፡ 139-መዝሙር ፍልጠት እግዚኣብሄር።
ኣብ ገሊአን መዛሙር እቲ ዘማራይ ጸላእቱ ኺረግምን ምፍዳይ ሕነ ኺትምነ ኸሎን ነንብብ 35፤ 59፤ 69፤ 109። ስለዚ፡ ﷽እዚ ግቡእዶ እዩ? ኢልና ምስ እንሓትት፡ ግቡእ ከም ዘይኮነ ንርኢ። ምኽንያቱ ኸኣ፡ ኣብ መንጎ እቶም ቅዱሳን እኳ ኸይተረፈ እዚ ኽፉእ መንፈስ ኣብ ልቦም ተሓቢኡ ገና ኸም ዚጸንሕን ዝኾነ ኮይኑ ሰብ ከኣ፡ ﷽ኣነ ፍጹም እየ ኪብል ከም ዘይክእል ብሩህ ስለዝኾነ እዩ (ፊል.3፡12)። ብዛዕባ እዘን መዛሙር እዚኣተን፡ ገሊኦም ከምዚ ዚስዕብ ገይሮም ይሓስቡ፡ እቶም ኣመንቲ ንገሊኦም ሰባት ብምኽንያት ጽድቂ ምስ ዚጸልእዎም፡ እቶም ሰባት ጸላእቲ ጽድቅን ጸላእቲ ኣምላኽን ይኾኑ። ኣብቲ ጽልኦም እንተጸንዑ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ጽልኡ ምእንቲ ኺገልጽ ኪፈርዶም ምትምናይ፡ ቅኑዕ ዝኾነ ስምዒት እዩ (መዝ.139፡21-24። ኢሳ.66፡24። ዘካ.2፡8። ራእ.6፡9። ዮሃ.12፡31-32)። በዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኸኣ ሓደ ክርስትያን ነዘን መዛሙር እዚኤን ኪዝምር ከሎ ዚግባእ ምዃኑ ንርኢ። ﷽ግጥሚ ተመልከት።
መዝረቕ፤
ኵናት ዚመስል ሓጺር ኣጽዋር ውግእ (1ሳሙ.17፡6-45)። ﷽ኣጽዋር ውግእ ተመልከት።
መዝገብ፤
እተኣከበ ሃብቲ ወይ ጥሪት (ምሳ.10፡2)። መዝገብ ናይ ተግባር ፍረን ናይ ሃይማኖት ምሳሌን ኮይኑ ይዝውተር (ማቴ.6፡19-21፤ 13፡44)። ሳጹን ምጽዋት፡ ገንዘብ ምጽዋት ዚእከበሉ መዝገብ እዩ (ማር.12፡41)።
መደረብታ፤
ርጉድ ዝበለ ኣብ ልዕሊ ክዳን ዚድረብ ዓይነት ነጸላ (ኢሳ.3፡22)።
መደያይቦ፤
ናብ ላዕሊ ዜውጽእ መሳልል (2ዜና.9፡18)።
መዲድ፤
ላዕለዋይ ክፍሊ መጥሓን። ብዛዕባ መጥሓን ክንዛረብ ከሎና፡ እቲ ኣብ ታሪኽ ዚርከብ እምኒ ﷽መጥሓን ይብሃል፡ ኣብ ልዕሊኡ ዚኸውን እምኒ ከኣ ﷽መዲድ ይብሃል። ኣብ ሕጊ ሙሴ መዲድ ከም ታሕዚ ናይ ዕዳ ኸይውሰድ ክልኩል ነበረ (ዘዳ.24፡6)። ኣቢሜሌክ ብመዲድ ተቐትለ (መሳ.9፡53)።
መጥሓንን መዲድን
መድሓኒ፤
ብስጋ ይኹን ብመንፈስ ካብ ዝኾነ ክፍኣትን ጉድኣትን ዜድሕን ወይ ዚሕሉ፡ መድሓኒ ወይ መድሕን ይብሃል። ቀደም ዘበን ሰባት ካብ በብዓይነቱ ኣታኽልቲ መድሓኒት (ፈውሲ) እናኣቃመሙ ሕሙማት ይፍውሱ ኸም ዝነበሩ ነንብብ (ኢሳ.38፡21-22። ኤር.8፡22። ህዝ.47፡12)። ኣብ ብ.ኪ. እግዚኣብሄር ናይ እስራኤል መድሓኒ ይብሃል (መዝ.44፡2-3፥7። ኢሳ.43፡11፤ 45፡21፤ 60፡16)። ብመሪሕነት እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ኢድ ጸላእቶም ዜድሕኑ ዝነበሩ ሰባትውን፡ መድሓንቲ ወይ መናገፍቲ ይብሃሉ ነበሩ (መሳ.3፡9። 2ነገ.13፡5። ነህ.9፡27። እብ.21)።
ኣብ ሓ.ኪ. መድሓኒ ኺብሃል ከሎ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኣቦ ወይ ከኣ ብዛዕባ ክርስቶስ ደኣ እምበር፡ ብዛዕባ ሰብ ኣይኮነን (ሉቃ.1፡47-49። 1ጢሞ.1፡1፤ 2፡3-4። ቲቶ.1፡3)። ክርስቶስ ንዓለም ካብ ሓጢኣትን ካብ ናይ ዘለኣለም ሞትን ስለ ዘድሓና፡ መድሓኒ ይብሃል (ቲቶ.1፡4፤ 2፡12-13፤ 3፡6-7። 2ጢሞ.1፡10-11። 2ጴጥ.1፡1፥11፤ 2፡20፤ 3፡1-2፥18)። ክርስቶስ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣት ኬድሕንን መድሓኒኦም ኪኸውንን ኣብ ዓለም መጸ (ሉቃ.2፡10-11። ማቴ.1፡21። ሉቃ.19፡9-10)። እቲ ክርስቶስ ዝህቦ ምድሓን ንኹሉ ሰብ ስለዝኾነ፡ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም ይብሃል (ዮሃ.4፡42። 1ዮሃ.4፡14)። ﷽ምድሓን ተመልከት።
መድፈና፤
መጻወድያ። ዑፍ ወይ እንስሳ ንምሓዝ ዚዳሎ ጉድጓድ ወይ ሳጽን ወይ መፈንጠራ ወይ ከኣ ገመድ። መ.ቅ. ብዙሕ ጊዜ ንመድፈና ምሳሌ ይገብሮ እዩ (መዝ.64፡5፤ 91፡3፤ 124፡7። ሮሜ.11፡9። 1ጢሞ.3፡7። 2ጢሞ.2፡26። መዝ.140፡5)።
እንስሳታት ብመድፈና ኺተሓዙ ኸለው። ብ 650 ቅ.ል.ክ. ኣቢሉ ኣብ ከተማ ነነዌ ኻብ እተቐርጸ ቕርጺ እተቐድሔ።
መገዲ፤
ጎደና፡ መጉዓዚ፡ መኸዲ። ሰብ ናብ ሓደ ቦታ ኪበጽሕ ምስ ዚደሊ፡ ብሓደ ቕኑዕ መገዲ ምኻድ የድልዮ። ከምኡ ኸኣ በረኸት እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺረክብ ብመገዲ እግዚኣብሄር ምምልላስ፡ ማለት ከም ትእዛዝ ኣምላኽ ምንባር ይግብኦ (ዘጸ.32፡8። ዘዳ.5፡33)። መገዲ እግዚኣብሄርን መገዲ ሰብን እተፈላለየ እዩ (ኢሳ.55፡9። ሆሴ.14፡9)። ሰብ ብኽልተ መገዲ ኪኸይድ ይኽእል እዩ፡ ኣብታ ልክዕ ዝኾነት ቦታ ግና በታ ቕንዕቲ መገዲ ጥራይ እዩ ዚኣቱ (መዝ.1፡1-2፥6። ማቴ.7፡13-14)። ክርስቶስ እቲ ሓቀኛ መገዲ እዩ (ዮሃ.14፡6)። ቤተ ክርስትያንውን መገዲ ተባሂላ ተጠቒሳ ኣላ (ግብ.9፡1-2፤ 19፡9፥23፤ 22፡4)።
መጋል፤
ጸሊም ሕብሪ ዘለዎ ፈረስ (ዘካ.6፡2)።
መጋረጃ፤
መጋረዲ። ኣብቲ ድንኳን መሕደርን ኣጸዱን ብዙሕ መጋረጃታት ነበረ (ዘጸ.26፡7-10፤ 38፡9-20)። ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ቅድስትን ቅድስተ ቅዱሳትን መጋረጃ ተሰቒሉ ነበረ (ዘጸ.26፡31-34፤ 36፡35-38)። ክርስቶስ ብሞቱ ገይሩ ነቲ ናብ እግዚኣብሄር ዜብጽሕ መገዲ ስለ ዝኸፈተ፡ እቲ መጋረጃ ቤት መቕደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ (ማቴ.27፡51። እብ.10፡19-20)።
መግረፍቲ፤
ሓደ በደለኛ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዚቅበሎ መቕጻዕቲ። ኣብ ሕጊ ሙሴ ብበትሪ ወይ ከኣ ብሓለንጊ ጌርካ ክሳዕ ኣርብዓ ጊዜ ምግራፍ ተሓጊጉ ኸም ዝነበረ ነንብብ (ዘዳ.25፡3። 2ቆረ.11፡24)። እቶም ኣሕሉቕ ቤት ጸሎት፡ ዓመጽ ንዝፈጸመ ይገርፉ ከም ዝነበሩ ጽሑፍ ኣሎ (ማቴ.10፡17-18። ግብ.5፡40)።
ሮማውያን ናይ መግረፍቲ ቕጽዓት የዘውትሩ ኸም ዝነበሩ ንርኢ (ማቴ.27፡26)። እንተኾነ ግና ናይ ሮሜ ዜግነት ዘለዎ ሰብ፡ ብዘይ ፍርዲ ኸይግረፍ ክልኩል ነበረ (ግብ.22፡24-25)። ሮማውያን ብበትሪ ወይ ከኣ ብሓለንጊ እዮም ዚገርፉ ዝነበሩ፡ ቁጽሪ እቲ መግረፍቲ ግና ውሱን ኣይነበረን።
ቁራጻት ሓጺንን ኣዕጽምትን ተሰኩዖ ናይ ሮሜ ሓለንጊ
መግደላ፤
ኣብ ገምገም ባሕሪ ገሊላ ኣብ ጥብርያዶስ፡ ኣብ ወገን ሰሜን 4ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ዓዲ (ማቴ.15፡39)። ኣብ ማር.8፡10 ድልማኑታ ተባሂላ ኣላ። መግደላ ዓዲ ማርያም መግደላዊት እያ (ሉቃ.8፡2-3)።
መጓሴ፤
ጠለ-በጊዕን ከብትን። ደቂ እስራኤል ካብ ጊዜ ኣብርሃም ጀሚሮም መጓሴ ኸብቲ ይጓስዩ ኸም ዝነበሩ ነንብብ (ዘፍ.13፡5። እዮ.1፡3)። ሰዓብቲ ክርስቶስ ብመጓሴ ይምሰሉ (ሉቃ.12፡32። ግብ.20፡28። 1ጴጥ.5፡2)።
መጉድእ፤
በብይነቱ ኣእካል ወይ ኣውልዕ ወይ ከኣ ቀመማት ዚውቀጦ ጉድጉድ ዝበለ እምኒ ወይ ዕንጨይቲ (ዘጸ.27፡20። s@Ãé.11:8)።
መጠምጠምያ፤
ኣብ ዘበን ኦሪት ደቂ ኣሮን ኬገልግሉ ኸለው ኣብ ርእሶም ዚገብርዎ ዝነበሩ ብጨርቂ እተሰርሔ ዓይነት ቆብዕ (ዘጸ.28፡40)።
መጥሓን፤
እቶም ቀዳሞት ሰባት፡ ኣብ ማእክል ክልተ ኣብ ረርእሲ እተቐመጠ ጸፊሕ ኣእማን እኽሊ ይጥሕኑ ኸም ዝነበሩ ኣብ ታሪኽ ነንብብ። እቲ ላዕለዋይ እምኒ (መዲድ) ክብ ኣቢልካ ደቀንስትዮ እናዘወራ ይጥሕናሉ ነበራ። እቲ ሓርጭ ከኣ ካብ ማእከል እቲ ኽልተ ኣእማን እናውጻእካ ይእከብ ነበረ። እቲ መጥሓን ዓቢ እንተኾነ ግና ነቲ ላዕለዋይ እምኒ (መዲድ) እናዘወርካ ንምጥሓን ሓይሊ ብዙሓት ሰባት ወይ ሓይሊ እንስሳ የድሊ ነበረ (ዘጸ.11፡5። መሳ.16፡21። ማቴ.24፡41)።
መጸናንዒ፤
ዓራቒ፡ ኣማኻሪ፡ ዜበራትዕ ሓይሊ ዚህብን ማለት እዩ። ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ መጸናንዒ ናይቶም ሃዋርያቱ ኸም ዝነበረ ነንብብ። ደሓር ከኣ ካልእ መጸናንዒ ማለት መንፈስ ቅዱስ ከም ዝሰደደሎም ንርኢ (ዮሃ.14፡16፤ 26፤ 16፡7)። ﷽መንፈስ ቅዱስ ተመልከት።
መጺጽ፤
መቐረት ለሚን ወይ ሕሞር ዘለዎ ፈሳሲ ነገር። ሓድሽ ቁስሊ ንምስፋፍ ዚጠቅም ፈሳሲ (ምሳ.25፡20)።
መጺጽ ነቢት፤
ብዙሕ ጊዜ ዝጸንሔ ኣብ ምጺ ዝኸደ ነቢት ወይ ካልእ ዜስክር መስተ። ምጺ ኣለዎ፡ ጽምኢውን የርዊ (ሩት 2፡14። ዮሃ.19፡29)።
መጻርርቲ፤
ተቓዋሚ፡ ኣንጻር። ሓደ ሰብኣይ ክልተ ኣንስቲ እንተድኣ ኣልየንኦ፡ እታ ሓንቲ ነታ ኻልአይታ መጻርርታ ኽትከውን ትኽእል እያ። ከምኡውን ሓንቲ ሰበይቲ ሰብኣያ ፈቲሓ ካልእ ሰብኣይ እንተ ኣእተወት፡ እቶም ክልተ ሰብኡታ መጻርርቲ ኪኾኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ጵኒናን ሃናን መጻርርቲ ኸም ዝነበራ ነንብብ (1ሳሙ.1፡6)።
መጻጉዕ፤
ብምኽንያት ሕማም ኢደ-እግሩ ዝለመሰ ሰብ (ማቴ.4፡24፤ 8፡5-6፤ 9፡2። ግብ.8፡6-7፤ 9፡33)።
መጽሓፍ ቅዱስ፤
እተቐደሰ ወይ ከኣ እተፈልየ መጽሓፍ ማለት እዩ። መ.ቅ. ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት መዝገብ እዩ። ክፍልታት መ.ቅ. ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ተባሂሉ ይስመ። ብ.ኪ. ካብ 1400 - 400ቅ.ል.ክ. ኣብ እተፈላለየ ቦታ ኣርብዓ ብዚኣኽሉ በበይኖም ጸሓፍቲ ኸም እተጻሕፈ ይንገር። ሓ.ኪ. ከኣ ካብ 45-96 ዓ.ም. ብሸሞንተ ሰባት ከም እተጻሕፈ ንፈልጥ። መ.ቅ. ብሙሉኡ ይኹን ወይስ ብኸፊል ኣብ 1950 ቋንቋታት ተተርጕሙ ይርከብ።
የሱስን ብሉይ ኪዳንን፤ እቶም ብጊዜ የሱስ ዝነበሩ ኣይሁድ ንመጽሓፍቲ ብ.ኪ. ከይተጠራጠሩ ኸም ቃል እግዚኣብሄር ተቐበልዎ፡ ከም መሰረት ሃይማኖቶም ከኣ ገበርዎ (ዘዳ.4፡1። ዮሃ.5፡39፤ 9፡28)። ከምኡውን የሱስ፡ ቃል እግዚኣብሄር ዘይልወጥን ዘይቅንጠጥን ምዃኑ መስኪሩ ኣሎ (ሉቃ.16፡17። ዮሃ.10፡35)። የሱስ ንኣይሁድ፡ ሕጊ ብዘይምፍላጦም ይወቕሶም (ማር.12፡24)። ነቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ተጻሒፉ ዘሎ ቓላት ከም ቃል እግዚኣብሄር ገይሩ ይጠቕሶ (ዘድ.2፡24 ምስ ማቴ.19፡4-5 ኣመዓራሪ)። ጎይታና የሱስ ንብሉይ ኪዳን ኪፍጽም ከም ዝመጸ የስተምህር (ማቴ.5፡17)። ብ.ኪ. እናጠቐሰ ኸኣ እቲ ጥቕስታት ብዛዕብኡ ኸም ዚዛረብ የርኢ (ሉቃ.18፡31፤ 24፡27፥44)። እቶም ሃዋርያት ከኣ ንየሱስ ብምስዓብ፡ ብ.ኪ. እናጠቐሱ ይሰብኩን ይምህሩን ነበሩ (ግብ.2፡16-35። እብ.1)።
ሃዋርያትን ሓድሽ ኪዳንን፤ የሱስ ንቓሉ ኺግንዘቡ ነቲ ዚመጽእ ኸኣ ኺፈልጡ፡ መንፈስ ሓቂ ኸም ዝሰደሎም ንሃዋርያቱ ተስፋ ሃቦም (ዮሃ.14፡26፤ 16፡!3)። ሃዋርያ ጳውሎስውን ነቲ ወንጌል ካብ ክርስቶስ እምበር ካብ ካልእ ሰብ ከም ዘይተቐበሎ ገሊጹ ኣሎ (ገላ.1፡11-17)። እቶም ሃዋርያት ቃል እግዚኣብሄር ኪጽሕፉ ከም እተመደቡ ይፈልጡ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ዘዳ.25፡4 ምስቲ ኣብ ሉቃ.10፡7 ዘሎ ቃል መድሓኒና ኣወሃሂዱ ኣብ 1ጢሞ.5፡18 ጠቒስዎ ኣሎ። ሃዋርያ ጴጥሮስውን ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ዝጸሓፎ መልእኽቲ መስኪሩ ኣሎ (2ጴጥ.3፡15-16)። እቶም ሃዋርያት እምበኣር፡ እቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ከም እተጻሕፈ ይፈልጡ ነበሩ (1ቆረ.2፡13። 2ጢሞ.3፡14-17። 2ጴጥ.1፡21)።
ቤተ ክርስትያንን መጽሓፍ ቅዱስን፤ ቤተ ክርስትያን ካብ መጀመርታ ጀሚራ ነቲ ኣይሁድ እተቐበልዎ መጽሓፍቲ ብ.ኪ. ተቐበለት። ነቲ ብሃዋርያት ወይ ከኣ ብስልጣን ሃዋርያት እተጻሕፈ መጽሓፍቲውን ኣኪባ ከም ቃል እግዚኣብሄር ተቐበለቶ። እቶም ኣባላት ቤ.ክ. ካብ መጽሓፍቲ ሓ.ኪ. እናጠቐሱ እዮም ዘስተምህሩ። እቲ ቀዳማይ ቅዳሕ ሓ.ኪ. ብ150 ዓ.ም. ኣቢሉ እተጻሕፈ ይመስል። ብቛንቋ እብራይስጢ እተጻሕፈ ሓያሎ ቅዳሓት ብሉይ ኪዳንውን ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ቅዳሕ ብ220 ቅ.ል.ክ. ኣቢሉ እተጻሕፈ ይመስል። እቶም ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ቀደም ዘበን፡ ኣብ ጥቕሉል መጽሓፍ ተጻሒፎም ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ጸሎትን ኣብያተ ክርስትያናትን ይቕመጡን ይንበቡን ከም ዝነበሩ ንዝክር። እቶም ተርጎምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ቀደም ጀሚሮም ነቲ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ብምዕራፍን ቁጽርን ኪፈልይዎ ፈተኑ። እንተኾነ ግና ከም ብሓድሽ ብ1228 ዓ.ም. ኣብ ምዕራፋት፡ ብ1551ዓ.ም ከኣ ኣብ ምዕራፋትን ቁጽርን ምኽፋል ተጀመረ። እቲ ሽዑ እተገብረ ምክፍፋል ምዕራፋትን ቁጽርን ከኣ ክሳዕ ሎሚ የገልግል ኣሎ። ﷽ዝርዝር ቅዱሳት መጽሓፍቲ ﷽ትርጉም ቅዱሳት መጽሓፍቲ ﷽ቃል ﷽ትንቢት ﷽ነብዪ ﷽ሃዋርያ ﷽ምግላጽ ﷽ስልጣን ﷽መንፈስ ቅዱስ 10 ﷽ጽሑፋትን ጽሕፈትን ተመልከት።
ጥቕሉል መጽሓፍ፤
ካብ ዓይነት ልሕጺ ሻምብቆ ብእተሰርሔ ወረቐት፡ ወይ ከኣ ኣብ ብራና ተጻሒፉ ኣብ ክልተ በትሪ እተጠቕለለ መጽሓፍ፡ ጥቕሉል መጽሓፍ ይብሃል። እናገንጸልካ ዚንበብ መጽሓፍ ክሳዕ 100ዓ.ም ኣቢሉ ዘይተማህዘ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኣብ መ.ቅ. ከም ﷽መጽሓፍ ተባሂሉ ተጠቒሱ ዘሎ ኹሉ ﷽ጥቕሉል መጽሓፍ ማለት እዩ። ንውሓት እቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ክሳዕ 10ሜተር ዚበጽሕ ነበረ። እቲ ጽሑፍ ከኣ ኣብ ዓምድታት ሰፊሩ ከም ዝነበረ ንፈልጥ (ኢሳ.34፡4። ኤር.36፡2፥ 20-23። ህዝ.3፡1-3። ሉቃ.4፡17-19። 2ዮሃ.12። ራእ.5፡1-2)።
ጥቕሉል መጽሓፍ፤
መጽመቝ
መሓምተልን መጽመቝን ሓደ እዩ (ዘሁ.18፡27-30)።
መፈንጠራ፤
ዕንጨይቲ ተኺልካ ወይ ከኣ ነቲ እተተኽለ ዕንጨይቲ ጎቦ ግብር ኣቢልካ እትሰርሖ መትሓዚ ኣዕዋፍ። እዚ ዓይነት መትሓዚ እዚ፡ ዑፍ ኮነ ኻልእ እንተተንከፎ መፈንጠራ ይኸውን (እዮ.18፡9። ኣሞ.3፡5)።
መፍተል፤
ኣብ ርእሱ ብመሬት ወይ ፍኹስ ዝበለ ዕንጨይቲ እተሰርሔ ከቢብ ዝቕርጹ ሰፊሕ ቆብዕ ዘለዎ ትኽ ዝበለ ቀጢን ዕንጨይቲ። እቲ ቐጢን ዕንጨይቲ ብዓበዓበይቶን ማእከላይቶን እተባህላ ኣጻብዕ ተዘዊሩ ነቲ ኣብ ርእሱ ዘሎ ጡጥ ወይ ጸምሪ በጊዕ ወይ ከኣ ጸምሪ ገመል ናብ ፈትሊ ዚልውጥ መሳርያ (ምሳ.31፡19)።