![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ኬብሮን፤
ትርጉሙ ሕብረት ማለት እዩ። ካብ የሩሳሌም 30 ኪ.ሜ. ኣብ ወገን ደቡብ እትርከብ ከተማ ከነኣናውያን። ኬብሮን ቅድም ቂርያት-ኣርባ ትብሃል ነበረት (እያ.14፡15)። ኬብሮን ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 927 ሜተር ክብ ዝበለት እያ። ስለዚ ካብ የሩሳሌምን ካብ ካልኦት ከተማታት ከነኣንን ትብርኽ። ኣብርሃም ኣብ ኬብሮን ይቕመጥ ከም ዝነበረን (ዘፍ.13፡18) ኣብ ኬብሮን ከኣ ስፍራ መቓብር ከም እተሻየጠን፡ ኣብርሃምን ሳራን ይስሃቅን ርብቃን ልያን ድማ ኣብኣ ከም እተቐብሩን ነንብብ (ዘፍ.23፤ 49፡31፤ 50፡13)። ሎሚ ኣብ ስፍራ እቲ መቓብር ሓንቲ መስጊድ ተሰሪሓ ኣላ። እያሱ ንካሌብ ኬብሮን ሃቦ (እያ.14፡6-15)። ኬብሮን ንሽውዓተ ዓመታት ከተማ ዳዊት ኮይና ነበረት (2ሳሙ.5፡5)። ኣቤሰሎም ኣብ ኬብሮን ተወልደ፡ ኣብኣ ኸኣ ንዳዊት ጠለመ (2ሳሙ.15፡10)። ካ 2 ለ።