![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ኪለዓው፤
ኣብ ወይነ-ደጋን ኣብ ቆላን ዚበቁል፡ ሕጽር ዝበለ ድልዱል ዕንጨይቲ ዘለዎ ኦም (1ነገ.19፡4)።
ኪሩቤል፤
(ብእብራይስጢ ኪሩቤም)። ኣብ መ.ቅ. ብዙሕ ጊዜ ተጠቒሶም እንረኽቦም ሰማያውያን ፍጥረት። ወዲ ሰብ ኣብ ሓጥያት ምስ ወደቐ፡ ናብታ ዝነበራ ገነት ኤድን ምእንቲ ኸይምለስ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኤድን መእተው ገነት ዚሕልው ኪሩቤል ከም ዘቐመጠ ነንብብ (ዘፍ.3፡24)።
ኣብቲ እግዚኣብሄር ምስ ደቂ እስራኤል ዚራኸበሉ ዝነበረ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብቲ መኽደን መተዓረቒ፡ ክልተ ብወርቂ እተሰርሑ ኪሩቤል ተነቢሮም ነበሩ። እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ዘርጊሖም፡ ንሓድሕዶም ገጽ ንገጽ መሊሶም፡ ገጾም ናብቲ መኽደን መተዓረቒ ይርኢ ነበረ (ዘጸ.25፡18-22)።
ኣብ መጋረጃታት እቲ ድንኳን ምስሊ ኪሩቤል ተጠሊፉ ነበረ (ዘጸ.26፡1)። እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ኣብ ማእከል ኪሩቤል ኮይኑ ይዛረቦም ነበረ (ዘሁ.7፡89)። ኣብ 1ሳሙ.4፡4 ﷽ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዚነብር እግዚኣብሄር ዚብል ጥቕሲ ነንብብ።
ንጉስ ሰሎሞን ቤት መቕደስ ምስ ሰርሔ ኣብ ውሽጢ እታ ቅድስተ ቅዱሳን፡ ካብ ኦም ኣውልዕ ክልተ ኪሩቤል ገበረ (1ነገ.6፡23)።
እቶም ንነብዪ ህዝቅኤል እተራእዩ ኪሩቤል፡ ናይ ሰብን ናይ እንስሳን ናይ ብዕራይን ናይ ንስርን ገጽ ዚመስል ከም ዝነበሮም ነንብብ (ህዝ.1፡5-28)። እቶም ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሎም ከለው ዝረኣዮም ኣርባዕተ እንስሳ፡ ነዚኦም ዚመስሉ ነበሩ። እቶም እንስሳታት ኣዒንቲ መሊእዎም ከም ዝነበረ ንምልከት። እዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ንኹሉ ኸም ዚርኢ፡ ካብ ገጹ ዚሕባእ ነገር ከኣ ከም ዘየልቦ ዜረድኣና ነገር እዩ (ህዝ.10፡12)። እቶም ህዝቅኤል ዝረኣዮም እንስሳ፡ ነፍስ ወከፎም ኣርባዕተ ገጽን ኣርባዕተ ክንፍን ነበሮም (ህዝ.10፡21)። ኪሩቤል ናይ እግዚኣብሄር ቅድስናን ግርማን ዚገልጹ መናፍስቲ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ኾይኖም፤ እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን፡ ኩሉ ዚከኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ እናበሉ፡ ክብርን ምስጋናን ይህቡ (ራእ.4፡6-9)።
ኪቲም፤
ወዲ ያዋን (ዘፍ.10፡4)። ዘርኢ ኪቲም ኣብ ቆጵሮስን ኣብ ካልኦት ደሴታትን ይነብሩ ነበሩ። ደቂ ኪቲም ብመራኽብ ገይሮም ዚነግዱ ዝነበሩ ነጋዶ ከም ዚነበሩ ነንብብ (ዘሁ.24፡24። ኢሳ.23፡12። ኤር.2፡10። ህዝ.27፡6)።
ኪነሮት፤
ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ባሕሪ ገሊላ ዚርከብ ጎልጎል (1ነገ.15፡20)። ብዘበን ብ.ኪ. ባሕሪ ገሊላ ባሕሪ ኪነሮት ይብሃል ነበረ (ዘሁ.34፡11)። ብዘበን ሓ.ኪ. ግና ባሕሪ ኪነሮት ባሕሪ ጌንሳሬጥ ተባሂላ ኣሎ (ሉቃ.5፡1)።
ኪዳን፤
ክልተ ወይ ልዕሊ ኽልተ ዝኾኑ ሰባት ኪሰማምዑ ኸለው፡ ስምምዖም ንምጽናዕ ኪዳን ይተኣታተው። እግዚኣብሄር ንዓለምን ህዝባን ብናይ ኪዳን ስርዓት እዩ ዜመሓድሮም። ኣብ ዝኾነ ይኹን ኪዳን ከኣ፡ ወሃቢ እቲ ኺዳንን፡ ተቐባሊ እቲ ኺዳንን፡ ምልክት እቲ ኺዳንን፡ ዝውሃብ ተስፋን፡ ናይቲ ተስፋ ምልክትን ኣሎ። እግዚኣብሄር ንሰብ ብሞያኡ ዘይኮነስ ብጸጋኡ ባዕሉ ፈትዩ ኪዳን ይህቦ። ሰብ ከኣ ነቲ ኪዳን ኣምላኽ ተቐቢሉ እንተ ተኣዘዞ፡ በረኸት እቲ ኺዳን ይረክብ። ሰብ ኪዳን ኣምላኽ ኪቕበል ከሎ፡ እግዚኣብሄር ሓደ ዚርኤ ምልክት ይገብር፡ እዚ ኸኣ ናይቲ ኺዳን ማሕተም ይኸውን። እግዚኣብሄር ንሰብ፡ ነቲ ኣብ ኪዳኑ ዘሎ ተስፋን ምልክት ተስፋን ይህቦ። ኣምላኽ ነቲ ብዛዕባ ሰብ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ኣይልውጦን እዩ። ነዚ ነገር እዚ ሰብ ካብ መጀመርታ በቲ ናይ እግዚኣብሄር ጸጋ ርእይዎ እዩ። ስለዚ ካብ ሰብ ዚድለ፡ እምነትን ምእዛዝን ጥራይ እዩ። እዚ ነገራት እዚ ኸኣ ካብ ዘበን ናብ ዘበን ዘይልወጥ እዩ። እንተኾነ ግና እግዚኣብሄር ፍቓዱ እናገለጸ ብዝኸደሉ መጠን፡ እቶም ምልክት ኪዳኑ ኸኣ እናተለወጡ ከም ዚኸዱ ንርኢ። ኣብዚ ዚስዕብ ሰሌዳ ጸጋ እግዚኣብሄር ኣብ ኪዳኑ ከመይ ገይሩ ኸም እተገልጸ ንርኢ፤
ኪዳን እግዚኣብሄር |
ተቐበልቲ |
ምልክት ኪዳን (ማሕተም) |
ተስፋ |
ምልክት ተስፋ (ማሕተም) |
ንኣዳም ዘፍ.2፡8፡17 ሆሴ.6፡፤ |
ኣዳምን ሄዋንን |
ክፉእን ጽቡቕን እተፍልጥ ኦም |
ህይወት |
ኦም ህይወት |
ንኖህ ዘፍ.9፡1-17 |
ህዝቢ ዓለም |
|
ኣብ ምድሪ ምንባር |
ቀስቲ ደበና |
ንኣብርሃም ሮሜ.4፡11 |
ኣብርሃምን ዘርኡን |
ግዝረት |
በረኸት ኣህዛብ ምድሪ ከነኣን |
|
ንሙሴ (ብ.ኪ.) ዘጸ.19፡5-6፤ |
ህዝቢ እስራኤል |
(ግዝረት) ሰንበት ህዝ.20፡10-17 |
ህይወት ኣብ ሃገሮም |
በዓል ፋስጋ |
ብክርስቶስ (ሓ.ኪ.) ኤር.31፡31-34 1ቆረ.11፡23-26 |
ኩሎም ብክርስቶስ ዚኣምኑ |
ጥምቀት |
ህይወት ዘልኣለም |
ቅዱስ ቁርባን |
ጊዜ እኳ እንተ ሓለፈ እቲ ቐንዲ መሰረት ኪዳን ኣይድምሰስን እዩ (ገላ.3፡15-18)። እንተኾነ ግና እቲ ናይ ኣፈጻጽምኡ ተግባር ይልወጥ እዩ (2ቆረ.3፡6-18። እብ.8፡6-13)። ስለዚ እግዚኣብሄር ንዳዊት (2ሳሙ.23፡5) ከምኡ ኸኣ ንኻልኦት ሰባት ኪዳን ኣተወሎም። ሰባት ከኣ ኣብ ንሓድሕዶም ኪዳን ከም ዚተኣታተው ንርኢ (1ሳሙ.18፡3-4)።