![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ክሕደት፤
﷽ከሐደ ተመልከት።
ክሪሶሊት፤
ብጫ ዝሕብሩ ክቡር እምኒ (ራእ.21፡20)።
ክርሶጵራስ፤
ብጫን ቀጠልያን ሕብሪ ዘለዎ ክቡር እምኒ (ራእ.21፡20)።
ክርስትያን፤
ሰዓቢ ክርስቶስ፡ ወዲ መዝሙር ክርስቶስ። እቶም ኣመንቲ ቅድም ኣብ ኣንጾክያ ﷽ክርስትያን ተባሂሎም ተሰምዩ (ግብ.11፡26፤ 26፡28። 1ጴጥ.4፡16)።
ክርስቶስ፤
﷽የሱስ ﷽መሲህ ተመልከት።
ክርክር፤
ብሓሳብ ምፍልላይ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ፈሊኻ ምቕራብ። ብምኽንያት ክርክር ፍቕሪ ሓድሕድን ሕብረትን ይጠፍእ (1ቆረ.1፡10-12)። ሓዲግ ዝኾነ ክርክር ናይ ስጋ ስራሕ እዩ፡ ኣመንቲ ከምኡ ኺገብሩ ግቡእ ኣይኮነን (ግላ.5፡20፥ 26። ሮሜ.1፡29፤ 13፡13። 1ቆረ.3፡3። 2ቆረ.12፡20። 1ጢሞ.6፡4-5። ቲቶ.3፡9)።
ክርዋሕ፤
ቀልጢፉ ዚበቁል ማእከላይ ንውሓት ዘለዎ ጽላል ዚህብ ኦም (ዘፍ.30፡37)።
ክርዳድ፤
ምስ ስርናይ ተሓዊሱ ዚበቁል ሕማቕ ዓይነት እኽሊ። እንተ በላዕካዮ ርእሲ ዜሕምም ጥዑይ ዘይኮነ ዘርኢ። ምሳሌ ደቂ ሰይጣን (ማቴ.13፡25፥ 39)።
ክሳድ፤
ኣብ መ.ቅ. ተሪር ክሳድ ምሳሌ ናይ ምትህልላኽ (ዘጸ.32፡9። ኢሳ.49፡4። ግብ.7፡51)፡ ኣርዑት ኣብ ክሳድ ምስባር ከኣ ምውጻእ ካብ ባርነት ኮይኑ ተዘውቲሩ ኣሎ (ዘፍ.27፡40። ኤር.30፡8)።
ክሳድ ቀሚሽ፤
ርእሲ ንምእታውን ንምውጻእን ዚጠቅም ክፍሊ ቀሚሽ (እዮ.30፡18)።
ክብረት፤
ንእግዚኣብሄርን ንብዓል ስልጣንን ንኹሉ ሰብን ዚውሃብ ክብሪ (ሮሜ.12፡10፤ 13፡7። 1ጴጥ.2፡17)። ﷽ስግደት ﷽ኣምልኾ ተመልከት።
ክብሪ፤
እዚ ቓል እዚ ክብ ዝበለ ነገርን ዋጋን ጥቕምን ዚጥርንፍ ቃል እዩ። ክብሪ እግዚኣብሄር ብዕዮኡ ይግለጸልና (መዝ.19፡1። ዘጸ.16፡7፥10። 1ነገ.8፡11። ኢሳ.6፡3)። ንእግዚኣብሄር በቲ ኽብሩ ኺገልጸሉ ዚደሊ ምሳሌ ኢና እንርእዮ እምበር ሰብ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ብምሉእ ኪርኢ ኣይክእልን እዩ (ዘጸ.33፡17-23)። ኩሉ ፍጥረት ኣምላኽ ክብሪ ኣለዎ (ሉቃ.2፡9። 1ቆረ.11፡7-8፤ 15፡41)። ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ክርስቶስ ተገሊጹልና እዩ (ዮሃ.1፡14። እብ.1፡3)። ክብሪ ክርስቶስ ኣብ ተኣምራቱን (ዮሃ.2፡11)፡ ኣብ ከረን ታቦርን (ማቴ,17፡1-8) ተገሊጹ ንርእዮ። ኣብቲ ኻልኣይ ምምጽኡውን ኪግለጽ እዩ (ማር.8፡38)። ሕጂ ኸኣ እቶም ኣመንቲ ምስ እግዚኣብሄር እንተ ተራኸቡ፡ ክብሪ ኣምላኽ ኣብኦም ይግለጽ (2ቆረ.3፡7፥ 18)። በታ መዓልቲ ፍርዲ ኸኣ ከከም ግብሮም ክብሪ ኣምላኽ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ብትዕግስቲ ካብ ስቓይ ክርስቶስ ዚማቐሉ ኸኣ ተኻፈልቲ ኽብሩ ይኾኑ (ዮሃ.17፡22-24። ሮሜ.8፡17፥21። 1ቆረ.15፡43። ቆሎ.3፡4)። ንኹሉ ሰብ ምኽባርን (1ጴጥ.2፡17)፡ ንኹሉ ከከም መዓርጉ ክብሪ ምሃብን (ሮሜ.13፡7) ብእግዚኣብሄር እተሓንጸጸ ትእዛዝ እዩ። ልዕሊ ኹሉ ግና ክብሪ ንእግዚኣብሄር ምሃብ ይግባእ (ይሁ.25)።
ክብደት፤
መምዘኒ ክብደት ካብ ጥንቲ ዝነበረ እዩ። ዳዊት ሚዛን ገይሩ ይመዝን ከም ዝነበረ ነንብብ (2ሳሙ.14፡26)። ደቂ እስራኤል ሓቀኛ ሚዛን ኪህልዎም ካብ እግዚኣብሄር ትእዛዝ ተቐበሉ (ዘሌ.19፡36። ዘዳ.25፡13። ምሳ.11፡1፤ 20፡23። ሚክ.6፡11)። ዝኾነ ይኹን፡ እቲ ቀደም ዝነበረ ሚዛን ኣብ ሃገሩ እተፈላለየ ስለ ዝነበረ፡ ሕጂ ልክዕ ዓቐኑ ንምግላጽ ኣሸጋሪ እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን፤ መክሊት (30 ኪ.ግ. ኣቢሉ)፡ ምና (500 ግራም ኣቢሉ)፡ ሲቃል (12 ግራም ኣቢሉ) ጌራ (መበል 20 ኢድ ሲቃል ኣቢሉ) እተባህለ ናይ ክብደት ዓቐን ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከኣ፤ ነጥሪ 327.45 ግራም)፡ ታሌንት (40 ኪ.ግ. ኣቢሉ) እተባህለ ናይ ክብደት ዓቐን ኣሎ።
ብመልክዕ ኣንበሳ እተቐርጸ ﷽ሚን ዚብል ጽሑፍ ዘለዎ ናይ ሰልመናስር ንጉስ ኣሶር ሚዛን እምኒ
ክታብ፤
ገለ ኻብ ኣይሁድ፡ ብፍላይ ከኣ ኻብ ፈሪሳውያን፡ ካብ ሕጊ ሙሴ እተዋጽኤ በብዓይነቱ ሕግታት ጽሒፎም ከም ክታብ ገይሮም፡ ኣብ ቤት ጸሎት ኪኸዱ ኸለው ኣብ ኣእዳዎምን ኣብ ግንባሮምን ዚኣስርዎ ዝነበሩ ነገር (ማቴ.23፡%)። እዚ ብምግባሮም ከኣ ነቲ ኣብ ዘጸ.13፡9፥16 ከምኡ ኸኣ ነቲ ኣብ ዘዳ.6፡4-8 እተጻሕፈ ትእዛዝ ይፍጽሙ ዘለው ኾይኑ ይስምዖም ነበረ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ኣንስቲ ኣብ ኣእጋረንን ክሳደንን ዚገብርኦ ስልማትውን ክታብ ተባሂሉ ኣሎ (ኢሳ.3፡20)።
ኣብ ግንባር ዚእሰር ክታብ
ክዳን፤
1. ብዘበን ኣብርሃም ዝነበረ ብዓል ባቢሎን 2. ሓደ ንጉስ ባቢሎን
3. ሓደ ፈርኦን 4. ሓንቲ ናይ ግብጺ እመቤት
5. ሓደ ንጉስ ሶርያን ንግስትን 6. ሰብ ይሁዳ ብዘበን መንግስቲ ይሁዳ
በብዓይነቱ ሳእንታት። 1. ናይ ግብጺ 2. ናይ ግሪኽ 3. ናይ ባቢሎን 4. ናይ ሮሜ
ክዳን በጊዕ፤
ኣጎዛ። ጓሳ ዚኽደኖ ኽዳን። ብቖርበት በጊዕ ዚስራሕ ክዳን (ኤር.43፡12። ማቴ.7፡15)።
ክፍሊ ምድሪ፤
ብጽሒት መሬት ርስቲ። ኣብ መ.ቅ. መሬት ኪምቀል ከሎ፡ ነፍስ ወከፍ ብጽሒት ﷽ክፍሊ ምድሪ ተባሂሉ ኣሎ (ሩት.4፡3)።
ክፍሊ ቤት፤
ኣብ ውሽጢ ወይ ኣብ ወጻኢ ሓደ ቤት ዚስራሕ ክፍሊ። ኣብ ቤት መቕደስ ሰሎሞን ብዙሕ ክፍልታት ከም ዝነበረ ነንብብ (1ነገ.6፡5፥8)። ክቡርን ፍሉይን ኣቕሓ ኣብ ክፍሊ ቤት ይቕመጥ (እዝ.8፡29)። ህዝቅኤል ኣብቲ ብራእይ ዝረኣዮ ንድፊ ቤት መቕደስ ብዙሕ ክፍሊ ቤት ከም ዚህሉ ተገልጸሉ (ህዝ.41፡5-11)።
ክፍኣት፤
ሰብ ንምጉዳእ ዚግበር ዘበለ ኩሉ ክፍኣት ይብሃል። ክፍኣት ብሰሪ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ ሰብ ሓጢኣት ስለ ዝገበረ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰብ ናይ ቅጽዓት ፍርዲ ፈረደ (ዮና.፡10)። ኣብ ኢሳ.45፡7 እግዚኣብሄር፤ ﷽መዓት (ክፍኣት) እፈጥር፡ ይብል። እዚ ኸኣ ደቂ ሰብ ሓጢኣት ምስ ገበሩ ክፉኣት ሰባት ኣተንሲኡ ኸም ዚቐጽዖም የርእየና (ኣን.1፡2-7)።