![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ናይ እዚ መጽሓፍ እዚ ምሉእ ጥቕሚ ንምርካብ ነዚ ዚስዕብ መምርሒ ምርዳእ የድሊ።
1. ኣርእስቲ፤ እቶም ኣብዚ መዝገበ ቓላት ኣትዮም ዘለው ቓላት፡ ዚበዝሕ ጊዜ በቲ ናይ ﷽ስም መልክዖም እዮም ተጻሒፎም ዘለው። ንኣብነት፡ ህይወት፡ መጽሓፍ፡ ሮቤል ወዘተ። ምስ ገሊኡ ስማት እተኣሳሰረ ቓላት ከኣ፡ ከም ኦም ህይወት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወዘተ ኣብ ትሕቲ ተርታ ናይ እቲ ቀንዲ ስም ተመዝጊቡ ይርከብ። ገሊኡ ቓላት ከኣ ብመልክዕ ግሲ ዝኣተወ ኣሎ። ንኣብነት፤ ሰለመ፡ ኣሰረ፡ ሀመመ ወዘተ። እዚ ኪኸውን ከሎ ግና፡ እቲ ግሲ ብናይ ሳልሳይ ኣካል፡ ተባዕታይ ጾታ፡ ነጸላ ቑጽሪ፡ ሕሉፍ ጊዜ መልክዑ ተሰሪዑ ኣሎ። ነስፍ ወከፍ ኣርእስቲ ኸኣ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ተዋሂብዎ ዘሎ ኣወዳድቓ ፊዴል እዩ ተጻሒፉ ዘሎ።
2, ጥቕስታት፤ ኩሉ እቲ ኣብ ሓጹር ኣትዩ ተመልኪቱ ዘሎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ተጻሒፉ ዘሎ መግለጺ ናይ ነፍስ ወከፍ ቃል ዚገልጽን ዜብርህን ስለ ዝኾነ፡ ምንባቡ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። እተን ተጠቒሰን ዘለዋ መጽሓፍቲ ብሉይን ሓድሽን ኪዳን ነቲ ኣብ ቁጽሪ 9 ናይዚ መእተዊ ተመዝጊቡ ዘሎ ምሕጻር ቃላት እናሰዓባ ተመልኪተን ኣለዋ። ንኣብነት፤ ኦሪት ዘፍጥረት ከም ዘፍ. ወንጌል ማቴዎስ ከም ማቲ. ወዘተ ተጻሒፈን ኣለዋ። ድሕሪ ነፍስ ወከፍ መጽሓፍ ተጻሒፉ ዘሎ ነጥቢ ኸኣ ከምዚ ዚስዕብ እዩ፤ ድሕሪ ምዕራፍ ክልተ ነጥቢ (፡) ኣሎ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ቁጽሪ እታ ምዕራፍ ይስዕብ። ንኣብነት ዮሃ.3፡16። እዚ፤ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 3 ቁጽሪ 16 ማለት እዩ። እተን ቁጽሪ እታ ምዕራፍ ክልተ እንተኾና ግና፡ ኣብ መንጎአን ሓንቲ ንእሽቶ ሕንጻጽ (-) ኣላ። ንኣብነት ዮሃ.3፡16-21። እዚ፤ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 3 ካብ ቁጽሪ 16 ክሳዕ 21 ማለት እዩ። ድሕሪ ማእከላይ ነጥቢ (፥) ዚምልከት ኣሃዝ ከኣ፡ ገና ዚስዕብ ቁጽሪ የመልክት። ንኣብነት ዮሃ.3፡16፥18። እዚ፤ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 3 ቁጽሪ 16 ከምኡውን ቁጽሪ 18 ማለት እዩ። ድሐሪ ሰረዝ (፤) ስም መጽሓፍ ዘይብሉ ጥቕሲ እንተ ተረኽበ፡ ካብ ሓደ መጽሓፍ ክልተ ወይ ካብኡ ዚበዝሕ ተጠቒሱ ኣሎ ማለት እዩ። ንኣብነት፤ ኢሳ.42፡1-4፤ 49፡1-7፤ 50፡4-9። ኩለን ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ከም እተጠቕሳ ይሕብር። ኣርባዕተ ነጥቢ (።) ነታ እተጻሕፈት ጥቕሲ ዚዐጹ ምልክት እዩ።
3. ትርጉም ቃላት፤ መብዛሕትኡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ስማት፡ ከምኡ ኸኣ ሓያሎ ስም ዘይኮነ ቓላት፡ ካብ እብራይስጢ ወይ ግሪኽ ወይ ከኣ ላቲን እተወስደ ስለ ዝኾነ፡ ብዚከኣል መጠን ትርጉም ብትግርኛ ተዋሂቡ ኣሎ። እቲ ካብ ግእዝ እተወስደ ቃላት ግና፡ ትግርኛ ጓል ግእዝ ስለ ዝኾነት፡ ከም ዘለዎ ተወሪሱ ኣሎ።
4, ኣቆጻጽራ ዓመት፤ እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቓላት ምስቲ ብኻልእ ቋንቋታት እተጻሕፈ መጽሓፍቲ ምእንቲ ኺሰማማዕ፡ ኩሉ እቲ ተጠቒሱ ዘሎ ዓመታት ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ ተጻሒፉ ኣሎ።
5 ፊዴላትን ነጥብታትን፤ እዚ መጽሓፍ እዚ፤ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ እተዘውተረ ኣወዳድቓ ፊዴላት ብቐጥታ ስዒቡ እተጻሕፈ እዩ። ከምኡውን እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርና እተሳዕበ ኣገባብ ነጥብታት ብመላኡ ተዘውቲሩ ኣሎ።