![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ግመ | ግምቢ | ግምባር | ግሪኽ | ግሪኽ (ጽርኢ) | ግርጻን | ግብሪ | ግብዝና | ግብጺ | ርባ ግብጺ |ግዝኣት | | | | | |ግዝረት | ግዝት (ምውጋዝ) | ግዝኣት | ግድጊዳ | ግጥሚ | ግጥሚ (መዝሙር)
ግመ፤
ኣብ ወርሓት ክረምቲ መሬት ዚሽፍን፡ ትኪ መሳሊ፡ ብኢድ ዘይተሓዝ፡ እተበተነ ደበና ዚመስል ሓይሊ ፍጥረት። ግመ ንምድሪ ጠሊ ይህብ (ዘፍ.2፡6) ብዙሕ ከይጸንሔ ኸኣ ይብተን (መዝ.148፡8)።
ግምቢ፤
ጸላኢ ምስ መጸ ህዝቢ ዚዕቆበሉ ንኸተማ ኻብ ጸላኢ እትከላከለሉ ድልዱል ህንጻ፡ ግምቢ ይብሃል (2ዜና.14፡7፤ 26፡9። ማቴ.21፡33)።
ግምባር፤
ልዕሊ ኣዒንቲ ዚርከብ ክፍሊ ርእሲ። ስምዒት ሰብ፡ ብፍላይ ከኣ ናብ ቆራጽነት ስምዒቱ ኣብ ግምባሩ ኺግለጽ ይኽእል (ህዝ.3፡8-9)። ግምባር ሰብ ብግልጺ ዚርኤ ስለ ዝኾነ፡ ሰባት ኣብ ግምባሮም ናይ ጽሕፈት ወይ ናይ ማሕተም ምልክት ይገብሩ ከም ዝነበሩ ነንብብ (ዘጸ.28፡38። ህዝ.9፡4። ራእ.7፡13)።
ግሪኽ፤
ጥንታዊ ዝኾነ ዓቢ ህዝብን መንግስትን። ሃገር ግሪኽ ኣብ ብሉይ ኪዳን ﷽ያዋን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከኣ ﷽ኣካይያ ተባሂላ ትስመ። ብጊዜ እስክንድር እቲ ዓቢ (እስክንድር ብ 333 ቅ.ል.ክ. ሞተ) ግሪኻውያን ክሳዕ ሃገር ህንዲ ይገዝኡ ነበሩ። ኣብ ዘዝኸድዋ ሃገር ከኣ ዓበይቲ ህንጻታት ሃነጹ፡ ስልጣኒኦምን ትምህርቶምን ቛንቋኦምን ድማ ዘርግሑ። ሚእቲ ዓመት ቅ.ል.ክ. ግና መንግስቲ ሮሜ ንመንግስቲ ግሪኽ ሰዓረታ፡ ምስናይ እዚ ግና ኣብ ግብጽን ኣብ እስያን ከምኡ ኸኣ ኣብተን ኣብ ምብራቕ ዓቢ ባሕሪ ዝነበራ ሃገራት፡ ቛንቋ ግሪኽን ባህሊ ግሪኽን እናተፈልጠ ኸደ። ስለዚ ነቲ ሃዋርያት ዝነበሩሉ ዘበን ሓደ ሰብ እንተ ሰልጠነ፡ ﷽ግሪኽ ይብሃል ነበረ (ማር.7፡26። ግብ.21፡37-39። ሮሜ.1፡14)።
ኣብ ናይ ትግርኛ ሓድሽ ኪዳን እዚ ﷽ግሪኽ፡ ግሪኻዊ፡ ዚብል ስም፡ ﷽ጽርኢ፡ ጽርኣዊ ብዚብል ቃል ተተርጕሙ ኣሎ።
ኣብ ሓ.ኪ. ጽርኢ ኺብሃል ከሎ፡ ዚበዝሕ ጊዜ ኣይሁድ ንዘይኮኑ ዓሌት የመልክት (ግብ.11፡20)። ብዙሓት ጽርኣይዋን ዘይተገዝሩ እኳ ኽነሶም፡ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ ኣትዮም የምልኹ ከም ዝነበሩ ነንብብ (ዮሃ.12፡20። ግብ.14፡1፤ 17፡4፤ 18፡4)። ብዘበን ሓ.ኪ. እታ ቐንዲ ሃገር ጽርኢ፡ መቄዶንያን ኣካይያን ትብሃል ነበረት (ግብ.20፡2)። ሃገር ጽርኢ ሎሚ፡ ሃገር ግሪኽ ትብሃል ኣላ።
ኣማልኽቲ ግሪኽ
ግሪኽ (ጽርኢ)፤
ግሪኽ ወይ ጽርኢ ቛንቋ ግሪኻውያን ወይ ጽርኣውያን ማልት እዩ (ዮሃ.19፡20። ግብ.21፡37)። ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ናይ ግሪኽ ስልጣነ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ስለ እተዘርግሔ፡ ቛንቋ ግሪኽ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ዙርያ ማእከላይ ባሕሪ ዝነበሩ ህዝብታት ናይ ሓባር ቛንቋ ኮይኑ ተረኸበ።
መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን ብቛንቋ ግሪኽ እዩ እተጻሕፈ። ጎይታና የሱስ ክርስቶስን ሃዋርያቱን ከኣ ብኣራማይስጢ ይዛረቡ ስለ ዝነበሩ፡ እቶም ኣርባዕተ ወንጌላውያን ነቲ ጎይታና የሱስ ብኣራማይስጢ እተዛረቦ ናብ ቛንቋ ግሪኽ ተርጕሞም ጸሓፍዎ። መጽሓፍቲ ብሉይ ኪዳን ግና ካብ እብራይስጢ ናብ ቋንቋ ግሪኽ ተተርጎመ። ﷽ትርጉም ቅዱሳት መጽሓፍቲ ተመልከት።
ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ጽልዋ ስልጣነ ግሪኽ ኣትዩ ስለ ዝነበረ፡ ሓያሎ ቃላት ግሪኽ ኣብ ቋንቋ ግእዝ ኣትየን ኣለዋ፡ ካብ ግእዝ ከኣ ብትግርና ትወሪሰን ንረኽበን። ንኣብነት፤ ጠረጴዛ፡ ጳጳስ፡ ኤጲስቆጶስ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ወዘተ. ቃላት ግሪኽ እዩ።
ፊዴላት ግሪኽ እዞም ዚስዕቡ እዮም፤
ግርጻን፤
ኣስናን ዚወጾ ስጋ ወይ ከኣ መሰረት ኣስናን (እዮ.19፡20)።
ግብሪ፤
ልዕሌኻ ንዘሎ ስልጣን ወይ መንግስቲ ዚውሃብ ገንዘብ ወይ ኣገልግሎት። ሓንቲ መንግስቲ ንዜጋታታ ግብሪ እናኣኽፈለት ዜድልያ ምምሕዳር ተካይድ። ህዝቢ እስራኤል ዓመት ዓመት ንመቕደስ ፍርቂ ሲቃል ይኸፍሉ ነበሩ (ዘጸ.30፡13፤ 38፡25-26። ማቴ.17፡24-27)። እስራኤል ንከነኣናውያን ብዕዮ የገብርዎም ነበሩ (እያ.16፡10። 2ዜና.8፡8)፡ ዮሳፋጥ ንዓረባውያንን ንፍልስጥኤማውያንን ናይ ብሩርን ከብትን ግብሪ የኽፍሎም ነበረ (2ዜና.17፡11)። ብዘበን ብ.ኪ. ሓንቲ መንግስቲ ንሓንቲ ካልእ መንግስቲ ምስ ሰዓረታ ግብሪ ተኽፍላ ከም ዝነበረት ነንብብ (2ነገ.23፡33። እዝ.4፡13። ኣስ.10፡1)። ሮማውያን ግብቲ ምእንቲ ኼእትው ኣብ ዓዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ንኹሉ ግዝኣቶም ይምዝግቡ ነበሩ (ሉቃ.2፡1-2)። ኣብ ኩለን እተን ዚገዝእወን ዝነበሩ ዓድታት ከኣ ቀረጽ ዜኽፍሉ ሰብ መዚ ነበርዎም። ስለዚ ኣይሁድ ንቄሳር ይግብሩ ነበሩ። ኣመንቲ፡ ግብርን ቀረጽን ኪኸፍሉ ይግብኦም እዩ (ማቴ.17፡24። ሮሜ.13፡6-7)። ﷽ተጋዊ ተመልከት።
ልኡኻት ሶርያ ንግብጺ ግብሪ ኬቕርቡ ኸለው (ብ1450 ቅ.ል.ክ. ኣብ ግብጺ ካብ እተሳእለ ስእሊ እተቐድሔ)
ግብዝና፤
ብዘይቅኑዕ መገዲ ርእስኻ ኸም ቅኑዕ ምግባር፡ ርእስኻ ምጽዳቕ። ብሃይማኖታዊ መገዲ ኸኣ ልብኻ ካብ ኣምላኽ ርሒቑ ኸሎ ንርእስኻ ጻድቕ ምግባር ማለት እዩ (ማር.7፡6-8። 2ጢሞ.3፡5-7)። የሱስ ንፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ብምኽንያት ግብዝናኦም ኣምሪሩ ይነቕፎም (ማቴ.6፡2፥5፥16፤ 7፡5፤ 15፡7-8፤ 22፡18። ማር.12፡15። ሉቃ.12፡1፥56፤ 13፡15)። ፍቕርናን እምነትናን ናይ ሓቅን ብዘይ ግብዝናን ኪኸውን ይግባእ (ሮሜ.12፡9። 2ቆረ.6፡6። 1ጴጥ.1፡22። 1ጢሞ.1፡5። 2ጢሞ.1፡3-5። ገላ.2፡11-14)።
ግብጺ፤
ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እትከብ ሃገር። ካ 1 መ።
እዛ ሃገር እዚኣ ብቛንቋ ዓረብ ምስሪ ትብሃል፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስውን ሃገር ካም ተባሂላ ኣላ (መዝ.105፡23፥27)። ኣብ ግብጺ ዚበዝሕ ጊዜ ዝናብ ይዘንብ ስለ ዝኾነ፡ እታ ሃገር በቲ ኣብ ዓለም ብንውሓቱ ፍሉጥ ዝኾነ ርባ ኒል እያ እትጥቀም። ነገስታት ግብጺ ፈርኦን ይብሃሉ ነበሩ። ኣብ ታሪክ እንተ መርመርና፡ ግብጺ ኻብ ጊዜ ኣብርሃም ጀሚራ ስልጥንቲ ሃገር ከም ዝነበረት ንርኢ። ነገስታት ምስሪ ኣብ ልዕሊ መቓብሮም ዓበይቲ ሓወልትታት (ፒራሚዳት) ይሰርሑ ነበሩ። ኣብ ምስሪ በብዓይነቱ ስነ ጥበብን ፍልጠትን ነበረ። ሕጊ መንግስትን ምምሕዳር ሃገርን ድማ እተፈልጠ ነበረ። ምእንቲ ኼገልግልዎም ኢሎም፡ ግብጻውያን ንእስራኤላውያንን ካልኦት ህዝብታትን ይጭቁኑ ከም ዝነበሩ ነንብብ። ካብዞም ነገዳት እዚኣቶም ከኣ ከም ሙሴን ከም ዮሴፍን ዝበሉ ሰባት ኣብ መንግስቲ ግብጺ ተሸይሞም ከም ዝነበሩ ንዝክር።
ኣብርሃም ብምኽንያት ጥሜት ናብ ምስሪ ወረደ (ዘፍ.12፡10)፡ ዮሴፍ ናብ ግብጺ ተሸጠ፡ ዓቢ ሰብ ምስ ኮነ ኸኣ ንኣቦኡን ንኣሕዋቱን ናብ ግብጺ ኣምጽኦም መሬት ከኣ ሃቦም (ዘፍ.47፡27)፡ ድሕርዚ ኸኣ ግብጻውያን ንእስራኤላውያን ን 400 ዓመት ዚኣክል ባሮት ገበርዎም (ግብ.7፡6)፡ ከተማታት ኪሰርሑሎም ገደድዎም (ዘጸ.1፡8-14)። እግዚኣብሄር ግና ንግብጻውያን ቀጽዖም፡ ደቂ እስራኤል ከኣ ብመሪሕነት ሙሴ ባሕሪ ኤርትራ ሰጊሮም ካብ ግብጺ ወጹ።
እስራኤል ከነኣን ምስ ሓዙ ምስ ግብጺ ብንግድ ይራኸቡ ነበሩ። ሰሎሞን ጓል ፈርኦን ኣእተወ (1ነገ.3፡1፤ 10፡28-29)፡ የሮብዓም ካብ ሰሎሞን ናብ ግብጺ ሃደመ፡ ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ወረረ (1ነገ.12፡2፤ 14፡25)። እንተኾነ ግና መንግስቲ ግብጺ ካብ ጊዜ ሰሎሞን ጀሚራ እናደኸመት ከደት። እስራኤል ንኣሶር ክትዋጋእ ምስ ጀመረት ተስፋኣ ኣብ ግብጺ ገበረት፡ እቲ ተስፋኣ ግና ከንቱ ኾነ (2ነገ.17፡1-6)፡ ከምኡውን ግለ ኻብ መንግስቲ ይሁዳ ተስፋኦም ኣብ ግብጺ ገበሩ (ኢሳ.20)፡ ደሓር ግና ኔኮ ንጉስ ምስሪ ንዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መጊዶ ቐተሎ፡ ንኤልያቂም ወዲ ዮስያስ ከኣ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣብ የሩሳሌም ኣንገሶ (2ነገ.23፡28-35)። ኣብ መወዳእታ ግና ነቡካድነጻር ንኔኮ ንጉስ ምስሪ ኣብ ከርከሚሽ ሰዓሮ። ድሕርዚ ኸኣ ግብጻውያን ንይሁዳ ኣይወረርዋን (2ነገ.24፡7። ኤር.46፡2)። ኣብቲ መወዳእታ መንግስቲ ይሁዳ፡ ካብ ሓይሊ ባቢሎን ምእንቲ ኼምልጡ ብዙሓት ኣይሁድ ንኤርምያስ ተማሊኦም ናብ ግብጺ ኸም ዝወረዱ ነንብብ (ኤር.43)፡ ብዙሓት ኣይሁድ ከኣ ኣብ ግብጺ ይነብሩ ነበሩ።
ፈርኦንን ሹማምቱን ካብቲ ብ 1300 ቅ.ል.ክ. እተሳእለ ስእሊ እተቐድሔ።
ዘፍ.41፡42 ተመልከት
ሃገር ግብጺ ቅድም ብግሪኽ ደሓር ከኣ ብሮሜ ተገዝኤት። ብሉይ ኪዳን ካብ ቋንቋ እብራይስጢ ናብ ቋንቋ ግሪኽ ብ 70 ሊቃውንቲ ኣብ ሃገር ግብጺ ተተርጎመ። የሱስ ካብ ሂርድስ ምእንቲ ኺድሕን ናብ ግብጺ ተወስደ፡ ካብኡ ኸኣ ናብ ናዝሬት መጸ (ማቴ.2፡13-15፥19-21)። ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት፡ ኢሳይያስ፤ ﷽እግዚኣብሄር ርእሱ ንግብጺ ኺገልጻ እዩ፡ ዚብል ትንቢት ተነብዩ ኸም ዝነበረ ንዝክር (ኢሳ.19፡19-25)። ብመዓልቲ ጴንጠቆስተ ግብጻውያንውን ኣብ የሩሳሌም ከም ዝነበሩ ንዝክር (ግብ.2፡10)። ኣጵሎስ ብዓል እስክንድርያ እዩ፡ ማርቆስ ከኣ ኣብ ግብጺ ወንጌል ከም ዝሰበኸ ኣብ ዛንታ ቤተ ክርስትያን ይዝንተወልና።
ርባ ግብጺ፤
ርባ ግብጺ ቅድም ኣብ መንጎ ግብጽን ከነኣንን፡ ደሓር ከኣ ኣብ መንጎ ግብጽን ይሁዳን ዶብ ኮይኑ ዝነበረ ርባ እዩ (ዘፍ.15፡18። ዘሁ.34፡5። እያ.15፡4፥47)።
ግዝረት፤
ዕልቦ ስጋ ምቑራጽ። ግዝረት ንኣብርሃም እተዋህበ ናይ ኪዳን ምልክት እዩ። እዚ ኸኣ ንወዲ ተባዓታይ ጥራይ ተመደበ (ዘፍ.17፡7-14)። ግዝረት ብዘበን ሙሴ ናይ ህዝቢ እስራኤል ምልክትን መፍለይን ኮነ (ዘጸ.12፡43-45። 1ሳሙ.17፡36)። ፈሪሳውያን ንግዝረት ብሙሴ እተዋህበ ህዝባውን ሕጋውን ምልክት ገይሮም ቆጸርዎ (ግብ.15፡1-5። ገላ.5፡2-6)። ከምቲ ክርስቶስ ዘዘኻኸሮ፡ ግዝረት ብመጀመርታ ንኣብርሃም እተሰርዔ መንፈሳዊ ምልክት እዩ (ዮሃ.7፡22)።
ግዝረት ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ነገራት ተመልክት፤
ግዝረት ብጀካ ኣብ እስራኤል ኣብ ገሊኦም ህዝቢውን ይዝውተር ከም ዝነበረ ይእመን። ዘይተገዝረ ሰብ ኣብ ሕብረተ ሰብ እስራኤል ሕብረት ስለ ዘይንበሮ፡ ኩሉ እቲ እተኸልከለ ዘበለ ብዘይተገዝረ ሰብ ተመሲሉ ኣሎ (ዘሌ.19፡23)።
ግዝት (ምውጋዝ)፤
ካብ ሕብረት ኣመንቲ ምፍላይ። ኣመሓዳድራ ቤተ ክርስትያን ቃል ኣምላኽ ምምሃር እዩ (ግብ.6፡2። 1ጢሞ.3፡2። ቲቶ.1፡9)። ሰባት ግና መጠንቀቒ ምስ ተዋህቦም ተጣዒሶም ካብ ጌጋኦም እንተ ዘይተመልሱ፡ ቤተ ክርስትያን ካብ ማሕበራ ኸተውጽኦም ሓላፍነት ኣለዋ (ማቴ.18፡15-18። 2ተሰ.3፡14-15። ቲቶ.3፡10። ራእ.2፡14-15፥20)። እቶም ሃዋርያት ብምኽንያት ግጉይ ትምህርትን (1ጢሞ.1፡18-20። 2ጢሞ.2፡17-18)፡ ብምኽንያት ጉድለት ክርስትያናዊ ኣካይዳን፡ ሰባት ይውግዙ ኸም ዝነበሩ ነንብብ (1ቆረ.5፡1-5)። ዕላማ ግዝት ሰለስተ እዩ፡ ንሱ ኸኣ፡ 1. ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ኽትከውን፡ 2. ክፍኣት ዘበለ ናብ ካልእ ከይመሓላለፍ፡ 3. ሰብ ከኣ ካብ ሓጢኣት ኪምለስ ምሕላው እዩ (1ቆረ.5፡5-7። 2ቆረ.2፡6-8)።
ግዝኣት፤
ብኻልእ መንግስቲ እትግዛእ ሃገር። ብዘበን ሃዋርያ ጳውሎስ ፊልጲ ግዝኣት ሮሜ ነበረት (ግብ.16፡12)።
ግጥሚ፤
ናይ ቛንቋ እብራይስጢ ግጥሚ፡ ብምኽንያት በበይኑ ዝኾነ ቓላትን ስዋስውን፡ ካብቲ ተራ ዓይነት ኣዘራርባ እተፈልየ እዩ ዝነበረ። ዚበዝሕ ጊዜ ኸኣ ቤት እናሓለወ ዚኸይድ ግጥሚ ኣይኮነን፡ ስለዚ እቲ ቐንዲ ኣገባቡ ኸምዚ ዚስዕብ እዩ፤ ኣብ ነፍስ ወከፍ ግጥሚ ኽልተ መስመር ይርከብ፡ እቲ ምስጢር ናይቲ ኽልተ መስመር ከኣ ብሓሳብ ወይ ከኣ ብኣቀራርባ ከም ዚራኸብ ኮይኑ ይስራዕ። እዚ ኸኣ ብሰለስተ ዓይነት ይግለጽ፤
ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ድንኳንካ ዚሓድር መን እዩ?
ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ?
ኣብ መዝ.24፡3 ኸኣ ነዚ ዚስዕብ ግጥሚ ንረክብ፤
ናብ ከረን እግዚኣብሄር ዚድይብ መን እዩ?
ኣብቲ ቕዱስ ቦታኡ ዚቐውምሲ መን እዩ?
እኩያት ኪጸንቱ እዮም፡
ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም።
ኣብ ምሳ.10፡1 ኸኣ ነዚ ዚስዕብ ግጥሚ ንረክብ፤
ጥበበኛ ወዲ ነቦኡ የሐጉስ፡
ዓሻ ወዲ ግና መጉሃይ ኣዲኡ እዩ።
ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፡ ንልቢ የሐጉሶ፡
ትእዛዝ እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፡ ነዒንቲ የብርሄን።
ኣብ መጽሓፍቲ ዛንታ ብ.ኪ. በብዓይነቱ ግጥምታት ኣሎ (ዘጸ.15፡1-18። መሳ.15፡16። 2ሳሙ.18፡33)። ኣብ ወንጌል ሉቃስውን ናይ ግጥሚ ኽፍልታት ኣሎ (ሉቃ.1፡46-56፥ 68-79፤ 2፡14፥ 29-32)።
ግጥሚ (መዝሙር)፤
ብበብዓይነቱ ግጥሚ ዚቐርብ ዘረባ ወይ ጽሑፍ፡ ቅነ ወይ መዝሙር ይብሃል። ግጥሚ ዓሚቝ ምስጢርን ምሳሌን ዝሓዘ እዩ (መሳ.1፡17፤ 22፡1። መዝ.33፡3። ኢሳ.5፡1፤ 38፡20። ኤፌ.5፡19)። እቶም ካህናት ምስጢር ዘለዎ ግጥሚ ገይሮም ብመሰንቆ ይዝምሩ ነበሩ (1ዜና.15፡20)።