ፉጥ
ፋጥ፤ 1. ወዲ ካም (ዘፍ.10፡6)። 2. ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ሃገር። ሎሚ ግና ስሙ ስለ እተለወጠ ኣየናይ ሃገር ምዃኑ ኣይፍለጥን እዩ። ገሊኦም፡ ኣብ ወገን ምዕራብ ግብጺ፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ ወገን ደቡብ ግብጺ ዝነበረ ሃገር እዩ ዚብሉ ኣለው (ህዝ.30፡5፤ 38፡5። ኤር.46፡9)።