![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ኤሉል፤
﷽ወርሒ ተመልከት።
ኤሊ፤
ሊቀ ኻህናትን ፈራዳይን ኮይኑ ኣብ እስራኤል ዘገልገለ ብዓል ቤት ኣሮን። ብጊዜ ኤሊ ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ሺሎ ተተኺሉ ነበረ (1ሳሙ.1፡9፤ 4፡18፤ 14፡3። 1ነገ.2፡27)። ሆፍንን ፊንሃስን እተባህሉ ደቂ ኤሊ ፍርሃት እግዚኣብሄር ስለ ዘይነበሮም ካብ መገዲ ኣምላኽ ተፈልዩ። ኣቦኦም ከኣ ካህን እኳ እንተነበረ ከምቲ ዝግባእ ገይሩ ደቁ ኣይገሰጸን፡ ብስንፍንኡ ኸኣ ብእግዚኣብሄር ተነቕፈ (1ሳሙ.2፡11-26)። እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዜገልግል ዝነበረ መንእሰይ ሳሙኤል፡ ነቲ ኣብ እግዚኣብሄር እተገልጸሉ ነገራት ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ ቤት ኤሊ ኸቢድ ፍርዲ ኸም ዚወርድ ንኤሊ ነገረ (1ሳሙ.3፡11-14)።
እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ነገር ተፈጸመ። ደቂ ኤሊ ኣብ ዓውዲ ውግእ ብኢድ ጸላኢ ተወቒዖም ሞቱ። ኣብቲ ውግእ ከኣ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ እተማረኸ፡ ኤሊ ካብ ስምባድ እተላዕለ ወዲቑ ሞተ (1ሳሙ.4፡10-18)። እቲ መዓርግ ክህነት ካብ ቤት ኤሊ ተወሲዱ ንኻልኦት ተዋህበ፡ ፍርዲ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ መወዳእታ በጽሔ (1ነገ.2፡26-27፥35)።
ኤላህ፤
እዚ ቓል እዚ፡ ﷽ናይ ኣኽራን ኦም ማለት እዩ። ኣብ ከባቢ ጋት፡ ብወገን ምዕራብ የሩሳሌም 40 ኪ.ሜ. ርሒቑ ዚርከብ ለሰ። ኣብ ለሰ ኤላህ ዳዊት ንጎልያድ ብወንጭፍ ከም ዝቐተሎ ንዝክር (1ሳሙ.17)።
ኤል፤
﷽እግዚኣብሄር ተመልከት።
ኤልሳቤጥ፤
ሰበይቲ ዘካርያስ እቲ ኻህን። ምስ ሸምገለት ንዮሃንስ መጥምቕ ከም ዝወለደት ነንብብ (ሉቃ.1)። ኤልሳቤጥ ዘመድ ማርያም ኣደ የሱስ ነበረት። ኤልሳቤጥ ጠኒሳ ኸላ፡ ማርያም ክትበጽሓ ምስ መጸት፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ ዘደንቕ ቃላት ተዛረበት (ሉቃ.1፡39-56)።
ኤልሳእ፤
እዚ ስም እዚ፡ ﷽እግዚኣብሄር ምድሓን እዩ፡ ማለት እዩ። ኤልሳእ ብዓል ኣቤል-ሚሆላ እዩ፡ ኣቦኡ ኸኣ ሻፋጥ ይብሃል። ኣብ እስራኤል ነብዪ ኾይኑ ኣገልገለ (1ነገ.19፡16)። ነብዪ ኤልያስ ብመሰረት እቲ ብእግዚኣብሄር እተገልጸሉ፡ ንኤልሳእ ጸውዖ። ኤልሳእ ነቲ ጽውዓ ተቐቢሉ ንኤልያስ ብምስዓብ ኣገልግሎቱ ጀመረ (1ነገ.19፡16-21። 2ነገ.3፡11)።
ኤልያስ ብሰረገላ እሳት ናብ ሰማይ ኪውሰድ ከሎ፡ ኤልሳእ ከም ዝረኣዮ ነንብብ፡ ስለዚ መንፈስ ኤልያስ ናብ ኤልሳእ ወረደ እሞ ኣብ እስራኤል ንነዊሕ ጊዜ ንእግዚኣብሄር የገልግልን ተኣምራት ይገብርን ነበረ (2ነገ.2፡1-14)። ኤልሳእ ንብዙሓት ይመክር ነበረ፡ ተኣምራት እናገበረ ኸኣ ንሽጉራት ይሕግዝ ነበረ። ንኣብነት እኳ፡ ንማይ ያርኮ ናብ ጥዑም ማይ ከም ዝለወጦ ነንብብ (2ነገ.2፡19-21)። ከምኡ ኸኣ ነቶም ዜላገጹሉ ቖልዑ ከም ዘጥፍኦምን (2ነገ.2፡23-24)፡ ንሓንቲ ሰብኣያ ዝሞታ ሰበይቲ ጸገም ቤታ ኸም ዝፈትሓላን (2ነገ.4፡1-7)፡ ንደቂ ነብያት ከኣ ከም ዝሓገዘን ንርኢ (2ነገ.4፡38-44፤ 6፡1-7)። ኤልሳእ ነታ ሹኔማዊት ሰበይቲ፡ ዝሞተ ወዳ ኣተንስኣላ (2ነገ.4፡8-37)። ብመሰረት እቲ ኤልሳእ ዝበሎ፡ ንእማን ሓለቓ ሰራዊት ንጉስ ሶርያ ካብ ለምጹ ሓወየ (2ነገ.5፡1-14)። ንጉስ ሶርያ ምስ እስራኤል ኪዋጋእ ምስ መጸ፡ ንንጉስ ዮራም ብምኽሪ ኸም ዝሓገዞ ንዝክር (2ነገ.6፡8-23)።
ኤልሳእ፡ ብዘበን ዮራም፡ የሁ፡ ዮኣሓዝ፡ ዮኣስ፡ እተባህሉ ኣርባዕተ ነገስታት ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ኣገልገለ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሓሚሙ ኺመውት ምስ ቀረበ፡ ንዮኣስ ብምኽንያት ፍርሃቱ ወቐሶ። ምስ ሞተ ኸኣ፡ ሓደ ዝሞተ ሰብ ኣዕጽምቱ ስለ ዝተንከየ ህያው ከም ዝኾነ ነንብብ (2ነገ.13፡14-21)።
ኤልያስ፤
ትርጉም እዚ ስም እዚ፡ ﷽እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ፡ ማለት እዩ። ኤልያስ ሓደ ኻብቶም ኣጸቢቖም እተፈልጡ ነብያት ብ.ኪ. እዩ። ኣብታ ኣብ ወገን ምብራቕ ዮርዳኖስ እትርከብ ቲስቢ እተባህለት ዓዲ ተወልደ። ቲስቢ ኣብ ገለኣድ እትርከብ ዓዲ እያ።
ንጉስ ኣከኣብ ነቲ ኢዛቤል ሰበይቱ እትመኽሮ ዝነበረት ክፉእ ምኽሪ እናሰዕበ ኣብ እስራኤል ኣምልኾ ጣኦት በዓል ስለ ዝጀመረ፡ ነብዪ ኤልያስ ኣምሪሩ ገሰጾ። እቲ ንጉስ ኪንሳሕ ስለ ዘይደለየ ኸኣ እታ ሃገር ብምኽንያት ምቁራጽ ዝናብ ብደርቂ ከም እትጥቃዕ ብስም እግዚኣብሄር ነገሮ (1ነግ.17፡1)። እቲ እግዚኣብሄር ብኣፍ ኤልያስ ገይሩ እተዛረቦ ነገር ምስ ተፈጸመ፡ እታ ሃገር ኣብ ብርቱዕ ጥሜት ወደቐት፡ ኤልያስ ከኣ ኣብቲ መንጽር ርባ ዮርዳኖስ ዘሎ ርባ ከሪት ተሓብኤ። ኣብኡ ኸኣ ኳዃት ይምግብዎ ነበሩ (1ነገ.17፡2-7)። ማይ እቲ ርባ ምስ ነጸፈ ግና ናብ ሰራጵታ ኸይዱ ምስ ሓንቲ መበለት ተቐመጠ (1ነገ.17፡8-24)። ድሕርዚ ኸኣ ብፍቓድ ንጉስ ኣከኣብ ምስ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነብያት በዓል ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ኪራኸብ ተወሰነ። እቲ ነብዪ ኸኣ ናብቲ ህዝቢ ቐሪቡ፤ ﷽ክሳዕ መኣስ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱ፤ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ ኣምላኽ፡ ደድሕሪኡ ሰዓቡ፡ በዓል እንተ ደኣ ኾይኑ ኸኣ ንእኡ ሰዓቡ፡ በለ (1ነገ.18፡20-21)።
ድሕርዚ ሓይሊ እግዚኣብሄር ምስ ሓይሊ በዓል ንምውድዳር፡ ነብያት በዓል ብወገኖም መሰውኢ ኣዳልዮም ኣብ ልዕሊኡ ሓደ ዝራብዕ ኬንብሩ፡ ኤልያስውን ብወገኑ ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ መሰውኢ ኣምላኽ ኣሐዲሱ ኣብ ልዕሊኡ ሓደ ዝራብዕ ኬንብር ተሰማምዑ። እቲ ኻብ ሰማይ ብሓዊ ምላሽ ዚህብ ኣምላኽ ከኣ፡ ንሱ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ይኹን፡ ኣብ ዚብል ሓሳብ ውደöድሮም ኣሰሩ። እቲ ኻብ ሰማይ ብሓዊ ምላሽ ዝሃበ ኣምላኽ ግና፡ ኣምላኽ ኤልያስ ነበረ። እግዚኣብሄር ክብረቱ ገለጸ፡ ነብያት በዓል ከኣ ተቐትሉ። ኤልያስ ድማ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ደይቡ፡ ደበና ኽሳዕ ዜለዓል ሾብዓተ ጊዜ ጸለየ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ብርቱዕ ዝናብ ዘነበ (1ነገ.18፡1-46)።
ነብያት በዓል ብትእዛዝ ኤልያስ ስለ እተቐትሉ፡ ኢዛቤል ተቖጢዓ ንኤልያስ ክትቀትሎ ሓሰበት እሞ፡ ህይወቱ ምእንቲ ኼድሕን ናብ ከረን ሆሬብ ሃደመ። እግዚኣብሄር ግና ኣብኡ ረኸቦ እሞ፡ ብዘይ ፍርሃት ካብቲ ተሓቢኡሉ ዝነበረ ቦታ ኺምለስ ኣዘዞ። ተመሊሱ ኸኣ ንሃዛኤል ኣብ ሶርያ ኺነግስ፡ ንየሁ ኸኣ ኣብ እስራኤል ኪነግስ፡ ኪቐብኦም ትእዛዝ ተቐበለ። እዚ ኸኣ እዞም ነገስታት እዚኦም ንቤተ ኣከኣብ ኣጥፊኦም ኣብ ልዕሊኣ ፍርዲ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺፍጽሙ ተገብረ (1ነገ.19፡1-21)። ኣከኣብን ኢዛቤልን፡ ብግፍዒ ስፍራ ኣታኽልቲ ወይኒ ምእንቲ ኺወስዱሉ ንሓደ ናቦት እተባህለ ሰብ ኣቕቲሎም ነበሩ፡ ስለዚ ነብዪ ኤልሳእ ክልቲኦም ተመሳሳሊ ብዝኾነ ሞት ከም ዚሞቱ ይነግሮም (1ነገ.21፡1-9)። ኣሓዝያ ወዲ ኣከኣብ ምስ ሓመመ ንበዓል-ዜቡብ ኪሓትት ልኡኻት ሰደደ፡ ኤልያስ ከኣ ኸም ዚመውት ነገሮ (2ነገ.1፡1-18)። ነብዪ ኤልያስ ካብዛ ዓለም እዚኣ ዚፍለየሉ ጊዜ ምስ ቀረበ፡ ነቲ ናይ ነብዪ ኣገልግሎቱ ብፍቓድ እግዚኣብሄር ንኤልሳእ ኣረከቦ። ድሕሪኡ ኸኣ ብስጋ ኸይሞተ ህያው ከሎ ብሰረገላ እሳት ናብ ሰማይ ተወስደ (2ነገ.2፡1-12)።
ነብዪ ሚልክያስ፤ ﷽መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት ነብዪ ኤልያስ ክልእከልኩም እየ፡ ኢሉ ተነበየ (ሚል.4፡5)። በዚ መሰረት እዚ ኸኣ፡ ሰባት ነቲ መንፈሳዊ ሓይሉ ርእዮም፡ ንክርስቶስ ﷽ኤልያስ እዩ ይብልዎ ነበሩ (ማር.8፡28)። የሱስ ግና ንዮሃንስ መጥምቕ፡ ከም ናይ ኤልያስ ዕዮ ስለ ዝዓየየ፡ ነቲ ትንቢት ከም ዝፈጸሞ መስከረሉ (ማቴ.11፡14፤ 17፡10-13። ሉቃ.1፡17)። የሱስ ኣብቲ ኸረን ክብረቱ ምስ ገለጸ፡ ኤልያስ ምስ የሱስ እናተዘራረበ ተራእየ (ሉቃ.9፡30፥33)። ኣመንቲ በይኖም ብምትራፍን ድኹማት ብምዃንን ተስፋ ኸይቆርጹ፡ ኤልያስ ከም ምሳሌ ኾይኑ ተጠቒሱሎም ኣሎ (ሮሜ.11፡2-4። ያእ.፡17-18)።
ኤልያቂም፤
ትርጉም እዚ ስም እዚ፡ ﷽እግዚኣብሄር ይተክል፡ የቕውም፡ ማለት እዩ።
ኤማሁስ፤
ኣብ ጥቓ የሩሳሌም እትርከብ ከተማ። ሎሚ እተን ካብ የሩሳሌም ካብ 10 ክሳብ 25 ኪ.ሜ. ርሒቐን ኣብ ወገን ሰሜና ዚርከባ ሰለስተ ኸተማታት፡ ምናልባሽ ቀደም ኤማሁስ ተባሂለን ይጽውዓ ኸም ዝነበራ ይግመት። ቀለዮጳ ብዓል ኤማሁስ ነበረ። ክርስቶስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ኣብ ኤማሁስ ተገልጸ (ሉቃ.24፡13-32)።
ኤርምያስ፤
ትርጉም እዚ ስም እዚ፡ ﷽እግዚኣብሄር ክብ የmበል፡ ማለት እዩ። ኤርምያስ ሓደ ኻብቶም ዓበይቲ ነብያት እዩ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብ ጥቓ የሩሳሌም እትርከብ ኣናቶት ኣብ እትብሃል ከተማ ዝነበረ ዓሌት ካህናት እዩ።
ብዙሓት ሊቃውንቲ ኣቦ ኤርምያስ እቲ ብዘበን ዮስያስ መጽሓፍ ሕጊ ዝረኸበ ሒልቅያ ከም ዝኾነ ይኣምኑ። ንእስራኤል ጥራይ ዘይኮነስ ንኣህዛብውን ነብዪ ኪኸውን ምስ ተጸውዔ ሰምበደ እሞ ﷽ገና ቆልዓ እየ፡ እናበለ ኣመኻነየ፡ ድሕሪኡ ግና በቲ እተዋህቦ ተስፋ በርትዔ። ኤርምያስ ብ 626 ቅ.ል.ክ. ኣብ መበል 13 ዓመቱ ንንጉስ ዮስያስ ተጸውዔ፡ ብዘበን ደቂ ዮስያስ ከኣ እናተነበየ ጸንዔ እሞ 40 ዓመት ድሕሪ እቲ ጽውዓኡ ምርኮ የሩሳሌም ረኣየ (ኤር.1፡1-10)። በቲ ዓመታት እቲ እዞም ዚስዕቡ ሓሙሽተ ነገስታት ነገሱ፤ 1. ዮስያስ። ንሱ ኻብቶም ሕያዎት ነገስታት እቲ መወዳእታኦም ነበረ። ናይ ባዕዲ ኣምልኾ ንምክልኻል፡ ኣምልኾ ኣምላኽን ቤት ኣምላኽን ንምሕዳስ ብዙሕ ጸዓረ። ዮስያስ ምስ ሞተ ኸኣ ኤርምያስ ኣልቀሰሉ (2ዜና.34-35)። 2. ዮኣሓዝ። ዮኣሓዝ ወዲ ዮስያስ ምስ ነገሰ፡ ኣብ ሳልሳይ ወርሑ ተማሪኹ ናብ ግብጺ ተወስደ (2ዜና.36፡1-4። ኤር.22፡10-12)። 3. ዮያቂም። ዮያቂም ሓው ዮኣሓዝ ቅድም ንግብጺ ደሓር ከኣ ንባቢሎን ተገዝኤ (2ዜና.36፡4-8)። ኣዝዩ ኽፉእ ስለ ዝነበረ (ኤር.22፡13-19)፡ ንኤርምያስ ተቓወሞ፡ መጽሓፉ ኣንደደሉ (ኤር.36)። 4. ዮያኪን። ዮያኪን ወዲ ዮያቂም ምስ ነገሰ፡ ኣብ ሳልሳይ ወርሑ ምስ ብዙሓት ሰብ ይሁዳ ናብ ባቢሎን ተማረኸ (2ነገ.24፡8-17። ኤር.22፡24-30)። ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ከኣ ኣብ ክንድኡ ንሓወቦኡ ጼድቅያስ ኣንገሰ። 5. ጼድቅያስ። ጼድቅያስ ካብ ኤርምያስ ምኽሪ ደኣ ይጥይቕ ነበረ እምበር ነቲ ምኽሪ ኣይተቐበሎን (ኤር.37)። ስለዚ ጼድቅያስ ኣብቲ ኽፍኣቱ ተረረ። ብመሰረት እቲ ብኤርምያስ እተባህለሉ ትንቢት ከኣ ተማረኸ (ኤር.34፡1-5)። ኣብ መበል 11 ዓመቱ የሩሳሌም ተታሒዛ ኽትነድድ ከላ፡ ኤርምያስ ተኣሲሩ ነበረ። ኤርምያስ ምስቲ ነቡካድነጻር ኣብ ይሁዳ ዝሸሞ ገዳልያ ተቐመጠ እምበር ናብ ባቢሎን ኣይተወስደን። ገዳልያ ምስ ተቐትለ ግና እቶም ዝተረፉ ኣይሁድ ብግዲ ናብ ግብጺ ወሰድዎ (ኤር.39-43)። ኣብ ግብጺ ኸኣ ትንቢት ካብ ምንባይ ትም ኣይበለን (ኤር.43፡8-44፡30)። ብዛዕባ ኣማውታኡ ኸኣ እተጻሕፈ ነገር የልቦን።
ኣብ ﷽ትንቢት ኤርምያስ ቃል ትንቢት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኤርምያስ ብዛዕባ ርእሱን ብዛዕባ እቲ ዝወረዶ መከራን ኣስፊሑ ጽሒፉ ኣሎ። ስለዚ ኻብ ካልኦት ነብያት ዝበለጸ ብዛዕባ ጠባዩን ኩነታቱን ኪፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ንየሩሳሌምን ህዝባን ሽሕ እኳ ብዙሕ ከም ዚፈትዎም እንተ ገለጸ (ኤር.8፡18-9፡1፤ 13፡17)፡ ተማሪኾም ምኻዶም ከም ዘይተርፎም ኪነግሮም ግቡእ ኮይኑ ተራእዮ። ልዕሊ እዚ ኸኣ፤ ﷽ንንጉስ ባቢሎን ኢድኩም ሃቡ፡ ተገዝኡ፡ እቶም ምሩኻት ቅድሚ 70 ዓመት ኣይኪምለሱን እዮም ኢሉ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገለጸሉ ቓል ትንቢት ስለ እተዛረበ፡ እተጸልኤ ነብዪ ኾነ። ብዙሓት ከኣ ኪቐትልዎ ደለዩ (ኤር.11፡21፤ 26፡11፤ 36፡26፤ 38፡6-10)። ተወቕዔ ኣብ ጉንዲ ተኣስረ፡ ኣብ ጉድጓድ ጭቃ ተደርበየ (ኤር.20፡2፤ 37፡13-15፤ 38፡28)፡ ተጸሊሉ ተባህለ (ኤር.29፡26-27)። ምስዚ ኹሉ ከኣ ንህዝቡ ምልክት ምእንቲ ኪኸውን ሰበይቲ ከየእቱን ናብ ዕድመ ወይ ናብ ቤት ሓዘን ከይኸይድን ተኸልከለ (ኤር.16)። ኣብዘን ዚስዕባ ምዕራፋት ብዛዕባ እቲ እተሰምዖ ጭንቅን ዝጸለዮ ጸሎትን ይጽሕፍ (ኤር.1፡4-10፤ 8፡18-9፡2፤ 11፡18-12፡6፤ 15፡10-21፤ 17፡12-18፤ 18፡18-23፤ 20፡7-18)። ኣብ ኩሉ እቲ ዝጓነፎ ዝነበረ ነገራት ከኣ እግዚኣብሄር ከምቲ ዘተስፈዎ ገይሩ ይሕልዎ ነበረ (ኤር.1፡18-19፤ 15፡20-21)።
ትንቢት ኤርምያስ፤
ኤርምያስ ብዘበን ሓሙሽተ ነገስታት ይሁዳ እተነበየ ነብዪ እዩ። ﷽ኤርምያስ ተመልከት። እግዚኣብሄር ንኤርምያስ ምስ ጸውዖ፤ ﷽ህዝቢ ይሁዳ ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዘምለኹ፡ ካብ ሰሜን ጸላኢ ኽሰደሎም እየ፡ ኢሉ ነገሮ (ኤር.1፡13-16)። ኤርምያስ ከኣ ናብቲ ህይወቶም ዝኾነ ናብ እግዚኣብሄር ኪምለሱ ን 23 ዓመታት ዚኣክል ከየቋረጸ ይነግሮም ነበረ፡ ንሳቶም ግና ኣይሰምዕዎን (ኤር.25፡3-7)። ኤርምያስ ምስ ተጸውዔ፡ ኣብ መበል 23 ዓመቱ፡ እቲ ኻብ ሰሜን ኺመጽእ እዩ እተባህለ ንጉስ ነቡካድነጻር ኣብ ባቢሎን ነገሰ (ኤር.25፡1-2)። ኤርምያስ ከኣ ነቡካድነጻር ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትውን ከም ዚመጽእን፡ እዞም ህዝብታት ከኣ ን 70 ዓመታት ዚኣክል ንባቢሎን ከም ዚግዝኡን ተነበየ (ኤር.25፡8-11)፡ ድሕሪኡ ኸኣ ባቢሎን ከም እትወድቕ ገለጸ (ኤር.25፡12-14)። ነዚ ኸቢድ ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ንምዝራብ ዝበቕዔ ብሓይሊ ኣምላኹ እምበር ብናይ ርእሱ ኽእለት ኣይነበረን (ኤር.1፡6-10፥17-19)። ንጉስ ዮያቂም ነቲ ኤርምያስ ኣብ 23 ዓመታት እተነበዮ ትንቢት ምስ ኣንበቡሉ ነቲ ጽሑፍ ቆራሪጹ ኸም ዘንደዶ ጽሑፍ ኣሎ፡ ኤርምያስ ከኣ ከም ብሓድሽ ብኢድ ባሩክ ኣጽሓፎ (ኤር.36)።
ኤርምያስ ካብቲ ጼድቅያስ ዝነገሰሉ ጊዜ ጀሚሩ፤ ንንጉስ ባቢሎን ተገዝኡ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም፡ ስለምንታይ እዛ ኸተማ እዚኣ እትዓኑ፤ እናበለ ንጼድቅያስ የጠንቅቕ ነበረ። ጼድቅያስ ግና እምነቱ ኣብ ግብጺ ስለ ዝነበረ (ኤር.37፡3-10)፡ መሊሱ ኸኣ ስለ ዘመኽነየ (ኤር.38፡19)፡ ንንጉስ ባቢሎን ኢዱ ኣይሃበን። ካብዚ እተላዕለ ኸኣ እቲ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን ዝወረደ ፍርዲ ዝገደደ ኾነ (ኤር.39፡1-10። 2ዜና.36፡11-21)።
ኤርምያስ መልእኽቲ ፍርዲ ዘይኮነስ መልእኽቲ ተስፋውን ይህብ ከም ዝነበረ ንርኢ። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኻብ ምርኮ ኸም ዚመልሶምን የሩሳሌም ከኣ ተሓዲሳ፡ ﷽እግዚኣብሄር ጽድቅና እዩ ከም እትብሃልን፡ እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ሓድሽ ኪዳን ከም ዚገብርን፡ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝኾነ ንጉስ ነጊሱ ኸኣ ﷽እግዚኣብሄር ጽድቅና እዩ ከም ዚብሃል ተነበየ (ኤር.30-33፤ 23፡1-6)። ኤርምያስ ብቓል ጥራይ ዘይኮነስ ብበበይኑ ተግባርን ምሳሌን ገይሩ ትንቢቱ ይገልጽ ነበረ። ከም ምሳሌ ገይሩ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ናይ ትንቢት መግለጺ ጽሒፉ ኣሎ፤ ብዛዕባ ቕናት (ኤር.13)፡ ብዛዕባ ሰራሕ መሬት (ኤር.18)፡ ብዛዕባ ሳርማ (ኤር.19-20)፡ ብዛዕባ መእሰርን ኣርዑትን (ኤር.27-28)፡ ብዛዕባ ሕርሻ (ኤር.32)፡ ብዛዕባ ሬካባውያን (ኤር.35)፡ ብዛዕባ ዓበይቲ ኣእማን (ኤር.43፡8-13)፡ ብዛዕባ ምሳሌ እታ እተዋህበቶ መጽሓፍ (ኤር.51፡59-64)፡ ብዛዕባ እታ ዝረኣያ ጨንፈር ኦም ለውዚ፡ ብዛዕባ እተን በለስ ዝመልኣ ኽልተ መሶብ (ኤር.1፡11-13፤ 24)።
እቲ ቐንዲ መልእኽቲ ኤርምያስ፡ እግዚኣብሄር ዓቢን ቅዱስን ስለ ዝኾነ፡ ህዝቡ ኻብ ክፍኣት ተመሊሶም ብፍጹም ልቦም እምበር ብሓሶት ከየምልኽዎ ምንጋር እዩ። ብዘበን ንጉስ ዮስያስ፡ ይሁዳ ናይ ሓቂ ዘይኮነ፡ ብኣፎም ጥራይ ናብ እግዚኣብሄር ከም እተመልሱ ነንብብ (ኤር.3፡10)። ሽዑ እቶም ካህናትን ነብያትን፤ ﷽መቕደስ እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡ ንስኻትኩም ከኣ ህዝቡ ኢኹም፡ ኣጆኹም፡ ዚወርደኩም ነገር የልቦን፡ እናበሉ ነቲ ህዝቢ የታልልዎ ነበሩ እምበር፡ ብዛዕባ ምፍራህ እግዚኣብሄር ኮነ ብዛዕባ ብቕንዕና ምንባር ኣይተዛረቡን (ኤር.7፡3-11፤ 14፡13-18፤ 23፡9-40)። እግዚኣብሄር ግና ልቢ ሰብ እዩ ዚርእï (ኤር.17፡9-10)። እቶም ብምሉእ ልቦም ንኣምላኽ ዚደልይዎ ኸኣ ይረኽብዎ እዮም (ኤር.29፡13)። እግዚኣብሄር ነቲ ሕጉ ኣብ ልቢ ህዝቡ ዚጽሕፈሉ ጊዜ ብተስፋ ይጽበ ነበረ (ኤር.31፡33፤ 32፡39-40)።
ክፍልታት ትንቢት ኤርምያስ፤
ባሕሪ ኤርትራ፤
ኣብ ወገን ምዕራብን ምብራቕን ደቡብን ናይ ምድሪ ሲና ዚርከብ ባሕሪ (ዘጸ.10፡19፤ 23፡31። ዘሁ.33፡11። 1ነገ.9፡26)። ሎሚ እቲ ደቂ እስራኤል ንባሕሪ ኤርትራ ዝሰገሩሉ ወገን በየን ከም ዝኾነ ንምውሳን ኣሸጋሪ እዩ (ዘጸ.13፡18። መዝ.106፡9)። ኣብ ዘበናዊ ጀዮግራፊ፡ ባሕሪ ኤርትራ ንሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ሃገራት ኣዕራብ ዚፈሊ 2.250 ኪ.ሜ. ዝምንዋሑ ካብ ወሽመጥ ባብ-ኤል-ማንደብ ንሰሜን ገጹ ክሳዕ ደቡባዊ ጫፍ ልሳነ ምድሪ ሲና ዚዝርጋሕ ባሕሪ እዩ። ካ 2 ሸ።
ኤሳር - ሓዶን፤
ትርጉሙ ﷽ናይ ዓሰርተ መንግስታት ንጉስ ማለት እዩ። ኤሳር-ሓዶን ወዲ ሰናክሪብ እዩ፡ ኣሕዋቱ ነቦኦም ምስ ቀተሉ ዝፋን ኣቦኡ ወረሰ። ካብ 681-669 ቅ.ል.ክ. ከኣ ነገሰ (2ነገ.19፡37። ኢሳ.37፡38)። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዙሕ ወራር ዝፈጸም ንጉስ እዩ። ኣብ ሓደ ኻብቲ ዝፈጸሞ ወራር ንሃገር ግብጺ ሰዓረ። ንይሁዳ ወሪሩ ንንጉስ ምናሴ ብሰንሰለት ኣሰïሩ ናብ ባቢሎን ከም ዝወሰዶ ንዝክር (2ዜና.33፡11)። ካብ ዓሌት ኣህዛብ ዝኾኑ ሰባት ኣምጺኡ ኣብ ሰማርያ ኸም ዚቕመጡ ዝገበረ ኤሳር-ሓዶን እዩ (እዝ.4፡2)።
ኤሳው፤
ሓደ ኻብቶም ይስሃቅን ርብቃን ዝወለድዎም ማንታ ኣወዳት (ዘፍ.25፡25)። እቲ መጀመርታ ኻብ ማሕጸን ኣዲኡ ዝወጸ ኤሳው ስለ ዝነበረ፡ ከም ዓቢ ስለ እተቖጽረ እቲ ናይ ብኹርና መሰል ናቱ ነበረ። እንተኾነ ግና ብከêርንኡ ስለ ዝነዓቐ፡ ሓንቲ መዓልቲ ደኺሙ ካብ በረኻ ምስ ተመልሰ፡ ነቲ ዝነበሮ ናይ ጥሜት ስምዒት ምእንቲ ኺዕንግል ካብቲ ያእቆብ ሓው ዝሰርሖ ጸብሒ ብምብላዕ ብኹርኑኡ ሸጠ (ዘፍ.25፡30-34)። ኤሳው ክልተ ኻብ ዓሌት ሄታውያን ዝነበራ ኣንስቲ ኣእተወ፡ እዘን ኣንስቲ እዚኤን ግና ንይስሃቅን ርብቃን ጓሂ ልቢ ኾናኦም (ዘፍ.25፡34-35)። ንያእቆብ ሓው ብኹርንኡ ስለ ዝወሰደሉ ኼጥፍኦ ሓሰበ (ዘፍ.27)፡ ደሓር ግና ምስ ያእቆብ ተዐርቀ (ዘፍ.32፡7-33፡15)። ንኤሳው ኤዶም ዚብል ካልኣይ ስም ተዋህቦ፡ ትርጉሙ ኸኣ ቀይሕ ማለት እዩ። እዚ ስም እዚ ኸኣ ነቲ ያእቆብ ዘዳለዎ ቐይሕ ጸብሒ ስለ ዝፈተወ ተዋህቦ።
ኤሳው ከኣ ኤዶም ተባሂሉ ኣቦ እቶም ኣብ ከረን ሴዒር ዝነበሩ ኤዶማውያን ኮነ (ዘፍ.36፡9)። እንሓንሳእ ግና እዞም ህዝቢ እዚኦም ደቂ ኤሳው ተባሂሎም ይጽውዑ እዮም (ዘዳ.2፡4)። ብጀካ እዚውን፡ ቤት ኤሳው ወይ ከኣ ኤሳው ተባሂሎም ይጥቀሱ (ኤር.49፡8)። ከምቲ ኣብ መ.ቅ. ተገሊጹልና ዘሎ፡ ክልቲኦም ደቂ ኸይተወልዱ ኸለው፡ ካብ ክልቲኦም እቲ ኣምላኽ ዝሓረዮን ዝባረኾን ያእቆብ ነበረ። ኤሳው ግና ብኹርንኡ ስለ ዝነዓቐ፡ እግዚኣብሄር ከም ዝጸልኦ ኾይኑ ይቑጸር (ሚል.1፡2-3። ሮሜ.9፡9-13)። ኣብ ሓድሽ ኪዳንውን ኤሳው ምሳሌ ናይ ዘይኣምንን ዓለማውን ሰብ ኮይኑ ይጥቀስ (እብ.12፡16-17)።
ኤሽኮል፤
እዚ ቓል እዚ፡ ﷽ዘለላ ማለት እዩ። ኣብ ኬብሮን ኣብ ወገን ደቡብ ኣብ መገዲ ብኤር-ሸባዕ ዘሎ ለሰ። እዚ ቦታ እዚ ብስም እቲ ዓርኪ ኣብርሃም ዝኾነ ኤሽኮል እተሰምየ ይመስል (ዘፍ.14፡13)። እቶም ዓሰርተው ክልተ ሰለይቲ እስራኤል ካብዚ ለሰ እዚ ሓደ ጨንፈር ዘለላ ወይኒ ወሰዱ (ዘሁ.13፡23-24)።
ኤታኒም፤
﷽ወርሒ ተመልከት።
ኤውሮክሊዶን፤
ንመራኽብ ኣብ ሓደጋ ዜውድቕ ምብራቓዊ ንፋስ (ግብ.27፡14)።
ኤድን፤
እዚ ቓል እዚ፡ ﷽ሓጎስ ማለት እዩ። ኤድን ኣብ ወገን ምብራቕ እስራኤል ዝነበረ ቦታ እዩ። ሎሚ ግና እቲ ቦታ ብልክዕ ኣበይ ከም ዝነበረ ዚፈልጥ የልቦን። ካብ ጥንቲ ግና ኣብ ጥቓ ርባታት ሂዴቄልን ኤፍራጥስን ከም ዝነበረ ይሕሰብ፡ እቲ መስመር ናይቶም ርባታት ግና ድሕሪ ማይ ኣይሂ ተለዊጡ ይኸውን። እግዚኣብሄር ኣብ ኤድን ገነት እተባህለት ስፍራ ኣታኽልቲ ኣዳለወ፡ ንሰብ ከኣ ኣብኣ ኣስፈሮ (ዘፍ.2፡8-15)።
ኤዶማውያን፤
ኣብ ሃገር ኤዶም ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ (ዘዳ.23፡7)። እዞም ህዝቢ እዚኦም፡ ኣብ ኤዶም ኤዶማውያን ተባህሉ፡ ኤሳው ናብ ሴዒር ምስ ከደ ኸኣ እቶም ዘርኡ ቐንዲ ህዝቢ ኾኑ (ዘፍ.36። ዘዳ.2፡12)። ንእስራኤላውያን ብሃገሮም ከይሓልፉ ኸልከልዎም (ዘሁ.20፡14-21)፡ ሳኦል ምስ ደቂ ኤዶም ተዋግኤ፡ ዳዊት ሰዓሮም፡ ምስ ነገስታት ከኣ ይዋግኡ ነበሩ (1ሳሙ.14፡47። 2ሳሙ.8፡14። 1ነገ.11፡14-22። 2ዜና.21፡8-10፤ 25፡11-15። ኢሳ.34፤ 63፡1-3። ኤር.49፡17)። መቃባውያን ንኤዶማውያን ኣግዚሮም ናብ እስራኤል ኣእተውዎም። ስድራ ቤት ሄሮድስ ካብ ዓሌት ኤዶምያስ እዮም።
ኤዶም፤
ኤዶምያስ፤
ኣጸዋውዓ ኤዶም ብቛንቋ ግሪኽ (ማር.3፡8)።
ኤጲስቆጶስ፤
﷽ጳጰስ ተመልከት።
ኤጲቁሬዎስ፤
ብ 341 ቅ.ል.ክ. እተወልደ ናይ ግሪኽ ፍላስፋ። ኤጲቁሬዎስ ኣብቲ ትምህርቱ፡ ቀንዲ ዕላማ ሰብ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ሓጎስ ንምርካብ ከም ዝነበረ ይምህር ነበረ። ﷽ሓጎስ ከኣ ካብ ዓለም ብምርሓቕ፡ ንከêሉ ነገራት ናይዛ ዓለም እዚኣ ሸለል ብምባል እዩ ዚርከብ፡ ድሕሪ ሞት ከኣ ህይወት ዚብሃል የልቦን፡ እናበለ ኣስተምሃረ (ግብ.17፡18-32)።
ኤጳፍራስ፤
ምስ ጳውሎስ ኮይኑ ዘገልገለን እተኣስረን ሰብ። ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ኪምህር ከሎ ኤጳፍራስ ኣብ ቆሎሴን ኣብ ሎዲቅያን ወንጌል ሰበኸ ማሕበር ከኣ መስረተ። ድሕርዚ ናብ ጳውሎስ ከደ እሞ ኩነታት እታ ማሕበር ነገሮ፡ ጳውሎስ ከኣ ናብ ሰብ ቆሎሴ ሓንቲ መልእኽቲ ጸሓፈ (ቆሎ.1፡7፤ 4፡12። ፊሞ.23-24)።
ኤጳፍሮዲቶስ፤
ካብ ማሕበር ፊልጲ ህያብ ሒዙ ናብ ጳውሎስ ተላኢኹ ዝነበረ ልኡኽ (ፊል.2፡25-30፤ 4፡18)።
ኤፋ፤
ማእከላይ መስፈሪ። ሰባት ንኤፋ ብዘይ ኣገባብ ስለ እተጠቕሙሉ፡ ናይ ክፍኣት መስፈሪ ተባሂሉ ኣሎ (ዘካ.5፡6-10)። እኽሊ ብኤፋ ይስፈር ስለ ዝነበረ፡ ነቲ መስፈሪ ከየንእስዎ ትእዛዝ ከም እተዋህበ ነንብብ (ዘሌ.19፡36። ኣሞ.8፡4-6)። ﷽መስፈሪ ተመልከት።
ኤፌሶን፤
ኣብ ዘበን ሓ.ኪ. ኤፌሶን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር መንግስቲ ሮሜ ኾይና ኣብ ኣውራጃ እስያ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኤጄያ ዝነበረት ወደብ እያ። እታ ዓዲ ሎሚ ኣብቲ ሃገር ቱርኪ ዚብሃል ክፍሊ ትርከብ ኣላ፡ ስም እታ ወደብ ከኣ ያሶሎክ ተባሂሉ ኣሎ። ኤፌሶን 360 ሽሕ ዚኣኽሉ ተቐማጦ ዝነበርዋ ከም እስክንድርያን ከም ኣንጾክያን ዓባይ ከተማ ንግድ ዝኾነት መደበር ነበረት። ኣብ ከተማ ኤፌሶን ሰላሳ ሽሕ መናብር ዚሕዝ ገፊሕ ስፍራ መዘናግዒ (ስታድዩም) ተሃኒጹ ኸም ዝነበረ ንዝክር። ከምኡ ኸኣ ኣርጤምስ ንእትብሃል ኣምላኽ፡ ሓደ ዓቢ መቕደስ ተሃኒጽዋ ነበረ (ግብ.19፡24-29)። ሎሚ ግና ነታ ናይ ቀደም ኤፌሶን ሑጻ ባሕሪ ስለ ዝደፈና ኣብኣ ዚቕመጥ ሰብ የልቦን፡ እዛ ሎሚ ተኪኣታ ዘላ ኸተማ 12 ኪ.ሜ. ካብ ገምገም ባሕሪ ፍንትት ኢላ እያ እትርከብ። ካ 7 ሰ።
ኣርጤምስ ኣብ ውሽጢ መቕደስ ከላ ዜርኢ ናይ ኤፌሶን ገንዘብ
ቤተ ክርስትያን ኤፌሶን፤ ክርስትና ኣብ ኤፌሶን ብጸዓት ጵርስኪላን ኣኪላስን ኣተወ (ግብ.18፡18-19)። ድሕሪኡ ኸኣ ሃዋርያ ኣውሎስ ናብ ኤፌሶን ከም ዝመጸን ንሰለስተ ዓመት ዚኣክል እናመሃረ ኸኣ ንብዙሓት ናብ ክርስቶስ ከም ዝመለሰን ንፈልጥ ኢና (ግብ.19፡23-27፤ 20፡17-35)። ስለዚ እታ ቤ.ክ. በቲ እዋን እቲ እተመስረተት ትመስል። ድሕሪኡውን ጢሞቴዎስ ናብ ኤፌሶን ተላኢኹ ኸም ዝነበረ ነንብብ (1ጢሞ.1፡3-4)። እንተኾነ ግና እቲ ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ቤ.ክ. ኤፌሶን እንሰምዖ ነገር ኣዝዩ ዜሕዝን እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ነተን ኣብ እስያ ዝነበራ ሾብዓተ ማሕበራት መልእኽቲ ኺሰደለን ከሎ፡ ነታ ቐዳመይቲ መልእኽቲ ናብ ማሕበር ኤፌሶን ይልእካ እሞ፤ ﷽ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ ኢኻ፡ እናበለ ናይ መንፈስ ቅዱስ ነቐፍ የመሓላልፍ (ራእ.2፡4-5)።
መልእኽቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን፤
እዛ መልእኽቲ እዚኣ ንመጀመርታ እተን ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኸሎ ዝጸሓፈን ኣርባዕተ መልእኽታት እያ። እቲ ጳውሎስ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ጊዜ ካብ 62 ክሳዕ 64 ዓ.ም. ስለ ዝነበረ፡ እዛ መልእኽቲ እዚኣውን በዘን ዓመታት እዚኤን ከም እተጻሕፈት ተፈሊጡ ኣሎ።
እታ መልእኽቲ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ኣመንቲ እያ እተጻሕፈት፡ እንተኾነ ግና ኣብቲ በኹሪ ጽሑፍ እታ መልእኽቲ፡ እቲ ኣድራሻ ኣብ ቁጽሪ ሓደ ስለ እተጻሕፈ፡ ገሊኦም መማህራን፤ ﷽ንሰብ ኤፌሶን ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ኣብ ዙርያ ኤፌሶን ዝነበሩ ኻልኦት ክርስትያናትውን እተጻሕፈት መልእኽቲ እያ፡ ይብሉ።
ጳውሎስ ኣብዛ መልእኽቱ፡ እግዚኣብሄር ዕርቂ ብክርስቶስ ሂቡ ንኹሉ ሓደ ኸም ዝገበሮ የረድእ (ኤፌ.1፡8-12)። ኩሎም ብክርስቶስ ስለ እተዐርቁ፡ ኣይሁድን ኣህዛብን ኣብ ሓንተñ ማሕበር፡ ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ተጠርነፋ (ኤፌ.2፡11-22)። እዛ ቤ.ክ. እዚኣ ኣብ ዓለም እትርከብ ኣካል ክርስቶስ እያ። እግዚኣብሄር ነቲ ኣብኣ ኺፍጸም ዝመደቦ ተግባር ኩሉ ኸኣ ኣብ ልዕሊኣ ኺፍጸም መደበ (ኤፌ.3፡7-20)።
ካብ ምዕራፍ 4 ክሳዕ 6 እቲ ሃዋርያ ኸምቲ ልማዱ፡ ትምህርቱ ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኼውዕል፡ ንውሳነ እግዚኣብሄር መሰረት ገይሩ፡ ክርስትያናት ከመይ ዝበሉ ሰባት ኪኾኑ ከም ዚግባእ ይሕብር።
ክፍልታት እታ መልእኽቲ፤
ኤፍራጥስ፤
ካብ ኤድን ዚውሕዝ ርባ (ዘፍ.2፡10-14)። ኤፍራጥስ ሓደ ኻብቶም ኣብ መሶጶታምያ ዚርከቡ ዓበይቲ ርባታት እዩ። ንውሓቱ ኸኣ 2850 ኪ.ሜ. እዩ። ኣብ ባቢሎን ﷽እቲ ዓቢ ርባ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። እዚ ርባ እዚ ብጊዜ ዳዊትን ሰሎሞንን ዶብ መንግስቲ እስራኤል ከም ዝነበረ ነንብብ (ዘዳ.1፡7-8። 1ዜና.18፡3። 2ዜና.9፡26)። ካ 1 ለ።
ኤፍሬም፤
ዮሴፍ ካብ ኣሰናት ጓል ጶጢፈራዕ ኣብ ግብጺ ዝወለዶ ኻልኣይ ወዲ (ዘፍ.41፡52)። ንእሽቶ ሓው ምናሴ። ያእቆብ ንደቂ ዮሴፍ ኪምርቕ ከሎ፡ ንምናሴ ኸም ንእሽቶ ገይሩ ኣቐዲሙ ቃል ምርቓኡ ኣብ ልዕሊ ኤፍሬም ኣውረደ። ንኤፍሬም ከም በኹሪ ወዱ ኸም ሮቤል ቆጸሮ (ዘፍ.48፡5-22)። ደቂ እስራኤል ከነኣን ምስ ወረሱ ኸኣ ብጽሒቱ ነገድ ኤፍሬም ኣብ ወገን ሰሜን፡ ማለት ብወገን ደቡብ ምስ ነገድ ብንያም ዚዳወብ ርስቲ ኾነ። ካ 3 ሰ።
እታ መንግስቲ ኣብ ክልተ ምስ ተመቕለት፡ ኤፍሬም ኣብ መንጎ ነገዳት እስራኤል ናይ መሪሕነት ቦታ ስለ ዝወሰደ፡ ምልእቲ እስራኤል እንሓንሳእ ﷽ኤፍሬም ብዚብል ስም ትስመ ነበረት (1ነገ.12። ኢሳ.7፡5-6። ህዝ.37፡16። መዝ.78፡9)። እያሱ ኻብ ነገድ ኤፍሬም እዩ (እያ.24፡29-30)። ﷽ነገድ ተመልከት።
ኤፎድ
ኣብ ብ.ኪ. ኣብ ሕቖ ዚዕጠቕ ልብሲ ኻህናትን ልብሲ ቅዱስ ሰብን ኤፎድ ይብሃል (1ሳሙ.22፡18። 2ሳሙ.6፡14)። ሊቀ ካህናት መስዋእቲ ኼቕርብ ከሎ ዚለብሶ ዝነበረ ፍሉይ ዓይነት ኤፎድ፡ ካብ ኣፍ ልቢ ኽሳዕ ዳንጋ እግሪ ዚበጽሕ እዩ። እቲ ኤፎድ ኣብ ኣፍ ልቡ ፍሉይ ሳንቃ ስለ ዝነበሮ፡ በቲ መናኹቡ ጌርካ ይእሰር ነበረ (ዘጸ.39፡1-21)። ብጊዜ ጊዴዎን እቲ ህዝቢ ንኤፎድ ወርቂ እናሰገደ ሓጢኣት ገበረ (መሳ.8፡27)፡ ብጊዜ ዳዊት ግና ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ኤፎድ ኮይኖም ይልምንዎ ነበሩ (1ሳሙ.23፡9፤ 30፡7)።