![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
እልል፡ እልልታ፤
ናይ ሓጎስ ጭድርታ፡ ሓጎስ ዝመልኤ ድምጺ። ኣብ ዘበን ብ.ኪ. ሰባት ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኢሎም ብእልልታ ይዝምሩሉ ኸም ዝነበሩ ነንብብ። እዚ ቓል እዚ ኣብ መዝሙር ዳዊት ብዙሕ ጊዜ ተጠቒሱ ይርከብ (መዝ.47፡5፤ 95፡1-2)።
እመቤት፤
ኣደ ቤት ማለት እዩ። ስድራ ቤት እተመሓድርን እትመርሕን ኣደ። እዚ ቓል እዚ ንቤተ ክርስትያንውን ኬመልክት ይኽእል እዩ (2ዮሃ.1፡2)።
እመት፤
ካብ ጫፍ ኣጻብዕ (ማእከለይቶ) ክሳዕ ብርኪ ዘሎ መለክዒ፡ እመት ይብሃል። እመት 50 ሰንቲሜተር ኣቢላ እያ (ዘዳ.3፡11)። ﷽ዓቐን ተመልከት።
እሙን፤
ዘተስፈዎ ዚፍጽም፡ ቃሉ ዘይልውጥ። እግዚኣብሄር እሙን እዩ፡ ሓደ ክርስትያን ከኣ እሙን ኪኸውን ይግብኦ (2ቆረ.1፡18-19። 2ጢሞ.2፡2፥ 11-13። ያእ.5፡12)። ሰብ ኣብ ሒዶት ነገርውን ሓላፍነት እንተ ተዋህቦ፡ እሙን ኮይኑ ኺርከብ ይግብኦ (ሉቃ.12፡42፤ 16፡10-11)።
እምብልታ፤
ብሻምብቆ ወይ ከኣ ብብረት ዚስራሕ ናይ ዜማ ኣቕሓ (ዳን.3፡4-6፥ 10-11)።
እምነ በረድ፤
እተጸርበን ዝለመጸን ከም በረድ ዝምጽዕዳው ዓይነት እምኒ። እዚ እምኒ እዚ ንህንጻን ንሓወልትን ንኣቕሓ ቤትን ንኻልእ ነገራትን ይዝውተር (ኣስ.1፡6። 1ዜና.29፡2)።
እምነት፤
እምነት ክልተ ነገራት ተመልክት።
እምነት ውህበት ኣምላኽ እያ፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ትርከብ (ግላ.5፡23። ኤፌ.2፡8። 2ተሰ.2፡13)። ሰብ ብእምነት ይጸድቕ (ሮሜ.3፡28። ገላ.2፡16)። እንተኾነ ግና ብእምነት ምስ ክርስቶስ ዚሓብር ስለ ዝኾነ ዕዮ ኣምላኽ ኪዓዪ ይጅምር (ኤፌ.2፡8-10)። ሰብ ብግብሩ እዩ ሓቀኛ ኣማኒ ምዃኑ ዚፍለጥ (ያእ.2፡18-26)።
እምኒ፤
ኣብ ከነኣን በብዓይነቱ ኣእማን ብብዝሒ ይርከብ እዩ፡ ሰባት ከኣ ንህንጻን (1ነገ.5፡17። ኣሞ.5፡11)፡ ንመፍለዪ ዶብን (እያ.15፡6)፡ ንኣጽዋር ውግእን (1ሳሙ.17፡40)፡ ንመስርሒ ጣኦትን (ኢሳ.57፡3-7)፡ ንመቑረጽን (ዘጸ.4፡25)፡ ንመዕጸውን መኽደንን (ዘፍ.29፡2። ማቴ.27፡60)፡ ንሓወልትን (እያ.4፡20)፡ ንኻልእ በብዓይነቱ ነገራትን የዘውትርዎ ኸም ዝነበሩ ንርኢ። እምኒ ምሳሌ ናይ ህይወት ዘይብሉ ነገርን (1ሳሙ.25፡27። ህዝ.11፡19-20)፡ ወይ ከኣ ምሳሌ ናይ ሓደ መሰረት ዘለዎ ቐዋሚ ነገርን ኮይኑ ተጠቒሱ ኣሎ (ዳን.2፡34-35። መዝ.118፡22)። ኣመንቲ ከም ህያዋን ኣእማን ኮይኖም ተመሲሎም ኣለው (1ጴጥ.2፡5)። ﷽እምኒ መኣዝን ተመልከት።
እምኒ፡ ክቡር ኣእማን፡ ክቡር ኣእማን ካብ ቀደም ጀሚሩ፡ ንዘውድን ንእኡ ዚመስል ኩሉን፡ ከምኡውን ንህንጻትታ ከም ስልማት ተዳልዩ ብሰብ ይዝውተርን ይፍቶን ከም ዝነበረ ንርኢ (ዘጸ.28፡15-21። ዘካ.9፡16። 2ዜና.3፡6)። ናይ ክቡር ኣእማን ዓይነትን ስምን ብዙሕ እዩ። እቶም ኣብ መ.ቅ. ተጠቒሶም ዘለው ክቡራት ኣእማን መልክዖም ንምፍላይ ኣሸጋሪ እዩ። ስማቶም ግና ከምዚ ዚስዕብ እዩ፤ ህያክንቶስ፡ ሰመንጉኒ፡ ሰርድዮስ፡ ሰርዶንክስ፡ ሰፊሮስ፡ ስመራግዶስ፡ ቀይሕ ዕንቍ፡ በሪሎስ፡ ቶጳዝዮን፡ ኣልማዝ፡ ኣሜትስጦስ፡ ከልቄሶን፡ ክሪሶሊት፡ ክሪሶጵራስ፡ ዘንጸባርቕ ዕንቍ፡ ያስጲስ። ﷽ዕንቍ ተመልከት።
እምኒ መኣዝን፤
ንኽልተ ኩርናዕ መንደቕ ዚጠምር እምኒ፡ እምኒ መኣዝን ይብሃል። ነዳቓይ ንእምኒ መኣዝን ብጥንቃቐ ኼጋጥም ይግባእ። እምኒ መኣዝን እቲ ቐንዲ እምኒ ናይ ሓደ መንደቕ እዩ። በዚ መሰረት እዚ ኸኣ ክርስቶስ እምኒ መኣዝን ቤተ ክርስትያን ተባሂሉ ኣሎ (መዝ.118፡22። ማቴ.21፡42። ኤፌ.2፡19-20። 1ጴጥ.2፡5-7)።
እምኒ ብላድ (ኣስሒት)
ድልዱል ዓይነት እምኒ። ንሓድሕዱ እንተ ኣጋጮኻዮ ወይ ከኣ ብዓይነት ሓጺን እንተ ቐጥቀጥካዮ ሓዊ ብልጭ ዚብል ዓይነት እምኒ (እዮ.28፡9። ኢሳ.5፡28። ህዝ.3፡9)።
እራብ፤
ጤል እትመስል ነዊሕ ቀርኒ ዘለዋ ኣብ ዱርን ኣብ ኣኽራናትን እትነብር እንስሳ በረኻ (እዮ.39፡1። መዝ.42፡1)።
እራብ
እሴይ፤
ወዲ እዮቤድ፡ ኣቦ ዳዊት። ወዲ-ወዶም ንቦኣዝን ንሩት ሞኣባዊትን (ሩት.4፡22)። እሴይ ብዓል ቤት-ልሄም እዩ፡ ሸሞንተ ኣወዳት ከኣ ነበርዎ (1ሳሙ.16፡1፤ 17፡12-14። 1ዜና.2፡12-17)።
እስማኤላውያን፤
ነገድ እስማኤል። ንዮሴፍ ገዚኦም ዝሸጥዎ ሰባት (ዘፍ.37፡25-28፤ 39፡1)።
እስማኤል፤
እዚ ስም እዚ፡ ﷽እግዚኣብሄር ይሰምዕ እዩ፡ ማለት እዩ። ኣጋር ገረድ ሳራ ንኣብርሃም ዝወለደቶ ወዲ። ኣጋር ምስ ጠነሰት ንሳራ ነዓቐታ፡ ሳራ ኸኣ ክሳዕ እትሃድም ኣጨነቐታ። እግዚኣብሄር ድማ ናይ ኣጋር ጭንቂ ሰሚዑ፤ ﷽ነቲ እትወልድዮ ወዲ፡ እስማኤል ኣውጽእሉ፡ በላ (ዘፍ.16፡1-16)። እስማኤል ወዲ 13 ዓመት ምስ ኮነ ተገዝረ (ዘፍ.17፡23-27)። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ቓል ተስፋ፡ ይስሃቅ ምስ ተወልደ እስማኤል ብይስሃቅ ቀኒኡ ሰሓቐ (ገላ.4፡29)። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኸኣ ኣብርሃም ንኣጋርን ንእስማኤልን ሰጎጎም።
እግዚኣብሄር ግና ንእስማኤል ህይወት ሃቦ (ዘፍ.21፡8-21)። ደሓር ከኣ ምስ ሓው ይስሃቅ ኮይኑ ኣቦኡ ቐበረ (ዘፍ.25፡9)። ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ እተዛረቦ ኸኣ (ዘፍ.17፡20) ዓቢ ህዝቢ ኾነ (ዘፍ.25፡12-18)። ጳውሎስ ነቶም ሕጊ ብምሕላው ንርእሶም ከም ዜጽድቑ ዚመስሎም ሰባት፡ ብኣጋርን ብእስማኤልን ይምስሎም (ገላ.4፡21-31)። ሎሚ ኣዕራብ ንእስማኤል ከም ኣቦኦምን ከም ወዲ ተስፋን ገይሮም እዮም ዚቖጽርዎ። በዚ ስም እዚ ኻልኦት ሓሙሽተ ሰባትውን ትሰምዮም ኣለው።
እስራኤል፤
መንግስቲ እስራኤል፤
ሙሴ ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኽሳዕ ዮርዳኖስ መርሖም፡ እያሱ ኸኣ ናብ ከነኣን ኣእተዎም። ድሕሪኡ ብመሳፍንትን ብሳሙኤልን ብሳኦልን እናተመርሑን ምስ ጸላእቶም እናተዋግኡን ኣብ ከነኣን ይነብሩ ነበሩ። ዳዊት ንኹሎም ጸላእቱ ሰዓረ፡ ንየሩሳሌም ሒዙ ርእሲ ኸተማኡ ገበራ እሞ መንግስቱ ኣግፍሔ። ሰሎሞንውን ንመንግስቱ ብንግድ ኣማዕበላ ብጥበብ ከኣ ኣፍለጣ። እንተኾነ ግና ኣብ ልዕሊ ህዝቡ መግዛእቲ ስለ ዝኸበደ፡ እታ መንግስቱ ኣድክማ። ሰሎሞን ምስ ሞተ፡ ከም ቃል ነብዪ ኣሒያ እቶም ዓሰርተ ነገዳት ንሮብዓም ጠሊሞም ንየሮብዓም ኣንገሱ። እታ መንግስቲ ኸኣ፡ ዚበዝሕ ጊዜ ብስም እስራኤል እንሓንሳእ ከኣ በቲ ካብቶም ዓሰርተ ነገድ ቀንዲ ዝነበረ ነገድ ኤፍሬም ትስመ ነበረት። የሮብዓም ከኣ ህዝቢ እስራኤል ናብ የሩሳሌም ምእንቲ ኸይከዱ ምራኹት ወርቂ ሰሪሑ ኣብ ቤት-ኤልን ኣብ ዳንን ከም ዚቕመጡ ገበሮም፡ ደቂ እስራኤል ከኣ ነዚ ሓጢኣት እዚ እናሰዓቡ በብዓይነቱ ኻልእ ኣምልኾ ኣምለኹ፡ ብፍላይ ከኣ ጣኦት በዓል ሰሪሖም ኬምልኹ ጀመሩ።
እግዚኣብሄር ከኣ ንእስራኤል ነብያት ሰደደሎም። ካብቶም ፍሉጣት ነብያት፤ ኤልያስ፡ ኤልሳእ፡ ኣሞጽ፡ ሆሴእ እተባህሉ ነበሩ። እስራኤል ግና ናብ ኣምላኽ ስለ ዘይተመልሱ፡ ቅድም ብሶርያውያን ደሓር ከኣ ብኣሶራውያን ተወሩ። ቲግላት-ጲሌሰርን ሰልመናስርን እተባህሉ ነገስታት ኣሶር፡ ንደቂ እስራኤል ማሪኾም ናብ ኣሶር ወሰድዎም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ንጉስ ኣሶር ንሰማርያ ሓዛ እሞ ነታ መንግስቲ ኣጥፍኤ፡ ኣብ ክንዲ እስራኤላውያን ከኣ ኣብታ ሃገር ካብ ምብራቕ ዝመጸ ህዝቢ ኣስፈረ (እዝ.4፡2፥ 10)። ተርታ ነገስታት ስራኤልን መንግስቲ እስራኤልን ንምርዳእ ﷽መንግስቲ ይሁዳ ተመልከት።
ድሕርዚ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ንተቐመጥቲ ይሁዳ ማሪኹ ወሰዶም። ኣብ ምርኮ ኸለው ኸኣ ህዝቅኤልን ዳንኤልን ይንበዩ ነበሩ። ብዓል ዘሩባቤል ብመሰረት እቲ ቂሮስ ዝኣወጆ ኣዋጅ ካብ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ካብቶም እተመልሱ መብዛሕትኦም ካብ ነገድ ይሁዳ ነበሩ። ምስ ተመልሱ ኸኣ እቲ በበይኑ ዝኾነ ነገዳቶም ኣብቲ ምምሕዳር ፍልልይ ስለ ዘየምጽኣሎም፡ ኩላቶም እስራኤል ተባህሉ። ﷽ነገድ ተመልከት። እቶም ምሩኻት ምስ ተመልሱ፡ ብምትብባዕ ሃጌን ዘካርያስን ቤት መቕደስ ሰርሑ። ብጊዜ እዝራን ነህምያን መካበብያ የሩሳሌም ተሰርሔ፡ ስርዓት ኣይሁድ ከኣ ጸንዔ። ዝኾነ ኮይኑ ግና፡ እስራኤል ቅድም ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ፋርስ፡ ድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ግሪኽ፡ ቀጺላ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሮሜ ወደቐት። መንግስቲ ሮሜ ብ 70 ዓ.ም. የሩሳሌም ኣፍረሰት፡ ቤት እስራኤል ከኣ ፋሕፋሕ በሉ።
ብዙሓት እስራኤላውያን ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ናብ ሃገሮም ኣይተመልሱን፡ ስለዚ ኣብ ዘዘለውዎ ሃገር ቤት ጸሎት እናሰርሑ ሃይማኖቶም ይሕልው ነበሩ። እቶም ሃወርያት ኣብ ኩሉ እናገሹ ወንጌል ኪዝርግሑ ምስ ጀመሩ ቅድሚ ኹሉ ኣብ እስራኤል ሰበኹ፡ ካብ እስራኤልውን ብዙሓት ኣመኑ። ብጃምላዊ ኣረኣእያ ኽንግምቶ ኸሎና ግና፡ እስራኤል ንወንጌል ኣይተቐበልዎን። ግናኸ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 11 ገሊጽዎ ዘሎ፡ ወንጌል ኣብ ኣህዛብ ምስ ተዘርግሔ ብዙሓት ካብ እስራኤልውን ብወንጌል ከም ዚኣምኑ ዚብል ትንቢት ገይሮም፡ ነቲ መልእኽቱ ዚትርጉሙ ሊቃውንቲ ኣለው።
እስታቴር፤
ገንዘብ መንግስቲ ሮሜ (ማቴ.17፡27)። ﷽ገንዘብ ተምልከት።
እስክንድር፤
እስክንድር እቲ ዓቢ፡ ንጉስ መቄዶንያ፡ ወዲ ፊልጶስ። እስክንድር ካብ 336 ክሳዕ 326 ቅ.ል.ክ. ነገሰ። ንመንግስቲ ፋርስ ስዒሩ ሓዛ፡ ምስ ምተ ኸኣ እታ መንግስቱ ኣብ መንጎ እቶም ናይ ውግእ ኣሕሉቕ ሰራዊቱ ተመቕለት። ዳንኤል ብዛዕባኡ ተነብዩ ኣሎ (ዳን.8፡21-22)።
እስክንድርያ፤
ብ 332 ቅ.ል.ክ. ኣብ ገምገም ዓቢ ባሕሪ ብእስክንድር እቲ ዓቢ እተመስረተት ናይ ግብጺ ወደብ (ግብ.27፡6 28፡11)። ኣብኣ ዕዮ ንግድን ትምህርቲ እቲ ዘበንን እናሰፍሔ ስለ ዝኸደ እስክንድርያ ርእሲ ኸተማ ግብጺ ኾነት። ብዙሓት ኣይሁድ ኣብ እስክንድርያ ዓበይቲ ኣብያተ ጸሎት ከም ዝሰርሑ ንርኢ (ግብ.6፡9)። ብመዓልቲ በዓል ሓምሳ ካብ ግብጺ ዝመጹ ሰባት ኣብ የሩሳሌም ነበሩ። ካብቲ ጊዜ እቲ ጀሚሩ ኸኣ ሃይማኖት ክርስትና ናብ እስክንድርያ ኸም ዝኣተወ ይብሃል (ግብ.2፡10)። ኣጵሎስውን ብዓል እስክንድርያ ነበረ (ግብ.18፡24)። ብጀካ እዚ እተባህለ፡ ቤተ ክርስትያን ኣብ እስክንድርያ ከመይ ገይራ ኸም እተመስረተት ኣብ መ.ቅ. ካልእ መግለጺ የብልናን። እንተኾነ ግና ማርቆስ ኣብ እስክንድርያ ኸም ዝዓየየ ኣብ ዛንታ ቤ.ክ. ተጻሒፉ ኣሎ። ﷽ትርጉም ቅዱሳት መጽሓፍቲ ተመልከት። ካ 7 ተ።
እስያ፤
እስጢፋኖስ፤
እስጢፋኖስ ሓደ ኻብቶም ኣብ የሩሳሌም ኬገልግሉ እተመዘዙ ሰባት ነበረ። ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ። ናይ መንፈስ ጥበብ ስለ ዝነበሮ እቶም ካብ ግሪኽ ዝመጹ ሊቃውንቲ ኺማጎትዎ ኣይከኣሉን። ጸላእቱ ብሓሶት ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ኸሰስዎ፡ እቲ ዋዕላ ኸኣ ብዳርባ እምኒ ኺቕተል ፈረዶ። እስጢፋኖስ እቲ ቐዳማይ ምእንቲ ኽርስቶስ ዝሞተ ሰማዕት እዩ። ጳውሎስ ንምቕታል እስጢፋኖስ ሰሚሩ ኸም ዝነበረ ነንብብ። እስጢፋኖስ ኪመውት ከሎ፡ ከምቲ የሱስ ዝጸለዮ ምእንቲ እቶም ዝበደልዎ ጸለየ። ﷽ጎይታይ የሱስ፡ መንፈሰይ ተቐበል፡ እናበለ፡ የሱስን ኣቦን ማዕረ ከም ዝኾኑ መስከረ (ግብ.6-7)።
እስጣይኮስ፤
300 ዓመት ቅ.ል.ክ. ኣብ ኣቴና እተላዕሉ ሰዓብቲ ሓደ ዓይነት ፍልስፍና። እስጣይኮሳውያን ዓለም ኣብ ሓደ ጃምላዊ ሕጊ ኸም እተመስረተትን ከም እተሰረተትን ይኣምኑ ነበሩ። ስለዚ ኸኣ ሰብ ብዙሕ ከይጎሃየን ብዙሕ ከይተሓጎሰን በዚ ሕጊ እዚ እናተመርሔ ኺነብር ይግብኦ በሃልቲ ኸም ዝነበሩ ንዝክር (ግብ.17፡18፥32)።
እሾኽ፤
ኣብ ከነኣን ብዙሕ ዓይነት እሾኽ ይርከብ። እሾኽ ምኽንያት ምንዳድ ሓዊ ይኸውን (ዘጸ.22፡6። ኢሳ.10፡17)፡ ሓጹር ከኣ ይኸውን (ምሳ.15፡19)። እሾኽ ምስሌ ኽፉእ ሰብ ድማ እዩ (ዘሁ.33፡55። ናሆ.1፡10)። እሾኽ ንዕዮ ሰብ ከንቱ ኺገብሮ ዚኽእል ስለ ዝኾነ፡ ዕንቅፋት እዩ (ዘፍ.3፡18። ምሳ.24፡31። ኤር.12፡13። ማቴ.13፡7)። እቶም ወተሃደራት ንየሱስ ካብ እሾኽ ኣኽሊል ተኒጎም ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ (ማቴ.27፡29)።
እብራዊ፡ እብራውያን፤
እዚ ቓል እዚ፡ ካብ ኣቦሓጎ ኣብርሃም ማለት ካብ ዔበር ዝወጸ እዩ (ዘፍ.10፡21)። ኣብ መ.ቅ. ኣብርሃምን ዘርኡን እብራውያን ተባሂሎም ኣለው (ዘፍ.14፡13። ዘጸ.5፡1-3። 1ሳሙ.13፡3)። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከኣ እዚ እብራዊ ዚብል ቃል፡ ዜግነት ጥራይ ዘይኮነስ ኩነታት ምሕላው ሕጊውን ዜምልክት ቃል ምዃኑ ንርኢ (ፊል.3፡5)።
መልእኽቲ ናብ እብራውያን፤
እዛ መልእኽቲ እዚኣ ናብቶም ኣብ ሓደ ቦታ ዝርከቡ ዝነበሩ እብራውያን (ኣይሁድ) እተጻሕፈት መልእኽቲ እያ። ካብ ቀደም ጀሚሮም ከኣ ብዙሓት ሊቃውንቲ፡ ጳውሎስ ዝጸሓፋ ከም ዝኾነት ብምእማን፡ ﷽መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ እብራውያን ዚብል ኣርእስቲ ሂቦምዋ ኣለው። እታ መልእኽቲ ግና ስም ጳውሎስ ኣይትጠቅስን እያ። እቲ ኣገላልጻ ሓሳባ ካብ ኣገላልጻ ጳውሎስ ፍልይ ዝበለ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ገሊኦም መምህራን፤ ﷽በርናባስ ወይ ኣጵሎስ ወይ ከኣ ቅሌምንጦስ እዮም ጽሒፎምዋ፡ ይብሉ። ካልኦት መምህራን ግና፡ ጳውሎስ ናይ ኣይሁድ ሊቅ ስለ ዝነበረ (ገላ.1፡14)፡ ነዛ መልእኽቲ ፍልይ ብዝበለ ኣገላልጻ ንኣይሁድ ከም ዝጸሓፋ ይብሉ። መልእኽቲ እብራውያን ቅድሚ 70 ዓ.ም.፡ በቲ ሮማውያን ንቤት መቕደስ የሩሳሌም ዘፍረሱሉ ዓመት ተጻሕፈት (እብ.13፡10-11)።
ክፍልታት መልእኽቲ እብራውያን፤
እብራይስጢ፤
እብራይስጢ ቛንቋ እብራውያን እዩ። እዚ ቛንቋ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቛንቋ ከነኣን፡ ቛንቋ ኣይሁድ፡ ወይ ከኣ እብራይስጢ ተባሂሉ ይጽዋዕ (ኢሳ.19፡18። 2ነገ.18፡26። ዮሃ.5፡2)። ብጀካ ሒዶት ምዕራፋት፡ እቲ ኣብያተ ክርስትያን ዚቕበልኦ ምሉእ መጽሓፍቲ ብሉይ ኪዳን ብእብራይስጢ እዩ እተጻሕፈ። ካብቲ ዘበን ጸሓፍቲ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ፡ ቛንቋ እብራይስጢ በብቑሩብ፡ ብምንዋሕ ጊዜን ዘበን ብዝፈጠሮም ቃላትን ብምስፋሕን እኳ እናተለወጠ እንተኸደ፡ እቲ ቀደም ዚዝውተር ዝነበረ ቛንቋን እዚ ሎሚ ዚዝውተር ዘሎን ሓደ ምዃኑ ኣይተረፎን።
ብእብራይስጢ እተጻሕፈ ጥቕሲ ኤር.31፡38-40
ቛንቋ እብራይስጢ ካብ የማን ናብ ጸጋም እዩ ዚጸሓፍ። ፊዴላት እብራይስጢ 22 እዮም። ኣብ ልዕሊኦም ከኣ ድምጺ ፊዴል ንምፍላይ ዚዝውተሩ ነጥብታት ከም ድሌት እቲ ጸሓፍ ኺጸሓፍ ይኽእል እዩ። ቛንቋ እብራይስጢ ንቛንቋ ዓረብን ሱሪስትን ኣረማይስጥን ግእዝን ይመሳሰል። ብጀካ እዚ ኸኣ ገሊኡ ቓላት ከም ዘለዎ ብግእዝን ብትግርኛን ተወሪሱ ኣሎ። ንኣብነት፤ ኣሜን፡ ማና፡ ሃሌሉያ፡ ሰይጣን ዚብል ቃላት ካብ እብራይስጢ እተወስደ እዩ።
እዞም ዚስዕቡ፡ ፊዴላት እብራይስጢ እዮም፤
እዞም ፊዴላት እዚኦም ንማሕተም ዚዝውተሩ እዮም። እቲ ጽሑፍ ኢድን ጥንታዊ መልክዕ እቲ ፊዴላትን፡ ካብዚ ቑሩብ ፍልይ ዝበለ እዩ።
እትቢ፤
ጥንሲ ኣብ ከብዲ ወላዲቱ ኸሎ፡ ኣብ ማሕጸን ምግቢ ዘተሓላልፍ ናይ ስጋ ሻምብቆ። ቆልዓ ምስ ተወልደ እትቢ ሕምብርቱ ይእተብ (ህዝ.16፡4)።
እቶን፤
ብእምንን ጭቃን ተሰሪሑ ኣብ ልዕሊኡ መጎጎ ወይ መቑሎ ተገይሩ ንመስርሒ እንጌራ ዚዝውተር ነገር። እቶን በብዓይነቱ ማዕድናትውን ከተርስነሉን ከተምክኸሉን ዚዝውተር መሳርሒ እዩ። እቶን ክልተ ዓይነት እዩ። ሓደ ዓይነት፤ እቲ እቶን ብሓዊ ምስ ረሰነ ነቲ ሓዊ ግሒጥካ ኣውጺእካ ነቲ ዚበስል ብሑቕ ኣብ ውሽጢ እቲ እቶን ኣእቲኻ እንጌራ እተብስለሉ እዩ። ካልእ ዓይነት ከኣ፤ ሓዊ ኣብ ውሽጡ ኣጕድካ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ተቐሚጡ ዘሎ መጎጎ ወይ መቑሎ ኣርሲንካ እትስንክተሉ እዩ (ሆሴ.7፡4-7። ኤር.11፡3-4)።
እቶን ማዕድን፤
ወርቅን ብሩርን ካልእ ማዕድናትን ዚመኩሉ መምከኺ። እቶን ምሳሌ ናይ ፈተና እዩ (ምሳ.17፡3፤ 27፡21)። ቁጥዓ እግዚኣብሄር ብእቶን ማዕድን ተመሲሉ ንረኽቦ (ህዝ.22፡20)።
እቶን ማዕድን
እንስሳ፤
ህበይ (1ነገ.10፡22)፡ ላም (ዘሌ.22፡28)፡ ሓማት ተመን (ዘሌ.11፡29)፡ ሓርማዝ (1ነገ.10፡18)፡ ሓሰማ (ዘሌ.11፡7)፡ ማሕስእ (ዘፍ.27፡9)፡ መንካዕ (ዘሌ.11፡19)፡ መንደላይ ተመን (ዘዳ.32፡33)፡ መፍለስ (መዝ.80፡13)፡ ማንቲለ (ዘሌ.11፡6)፡ ሜዳቝ (ዘዳ.14፡5)፡ ምንጭልቝት (ዘሌ.11፡30)፡ ቅንፍዝ (ኢሳ.14፡23)፡ በቕሊ (2ሳሙ.13፡29)፡ በጊዕ (ዘፍ.4፡2)፡ ብህሞት (እዮ. 40፡15)፡ ብተይ (ዘፍ.18፡7)፡ ብዕራይ (ዘጸ.20፡17)፡ ተሃስ (ዘጸ.25፡5)፡ ተመን (ዘጸ.7፡10)፡ ተኹላ (ማቴ.10፡16)፡ ቶራ (ዘዳ.14፡5)፡ ነብሪ (ኤር.13፡23)፡ ነፋሒቶ (ዘሌ.11፡30)፡ ኣርሒ (ኢሳ.7፡21)፡ ኣርሓ (እዮ.21፡10)፡ ኣንበሳ (1ሳሙ.17፡34)። ኣንጭዋ (ዘሌ.11፡29)፡ ኣድጊ (ዘፍ.12፡16)፡ ከልቢ (ኢሳ.56፡10)፡ ወኻርያ (መሳ.15፡4)፡ ዓገዜን (ዘዳ.14፡5)፡ ዝራብዕ (መዝ.69፡31)፡ ዝዖታ (ዘዳ.14፡5)፡ ድቢ (1ሳሙ.17፡34)፡ ድንኩላ (ኢሳ.51፡20)፡ ገመል (ዘፍ.24፡10)፡ ገበል (መዝ.91፡13)፡ ጊሔ (መዝ.104፡18)፡ ጎባይ (እዮ.39፡9)፡ ጎብየ (ዘሌ.11፡30)፡ ጠበቕ (ዘሌ.11፡30)፡ ጤለ በዱ (እዮ.39፡1)፡ ጤል (ዘጸ.12፡5)፡ ጻዕብ (ማር.11፡2)፡ ፈረስ (1ነገ.4፡26)፡ ፍሒራ (ኢሳ.2፡20)።
ሰፍነግ (ማቴ.27፡48)፡ ዓሳ (ዘፍ.1፡26)፡ ዓቢ እንስሳ ባሕሪ (ዘፍ.1፡21)፡ ዛዕጎል (ሸኸለት) (ዘጸ.30፡34)።
እንስሳ ባሕሪ፤
ኣብ ዓበይቲ ባሕርታት ዚነብር፡ ዓሳ ዚመስል ፍጥረት። እታ ኣንስተይቲ እንስሳ ባሕሪ፡ ከም ከብቲ ንደቃ ጡብ ተጥቡ እያ (ዘፍ.1፡21)።
እንስሳ፡ ኣርባዕተ እንስሳ፤
﷽ኪሩቤል ተመልከት።
እንቁርዖብ፤
እናዘለለት እትኸይድ፡ ኣብ ማይን ኣብ መሬትን እትነብር እንስሳ። እቲ ኣብ ግብጺ ዝወረደ ኻልኣይ መዓት፡ ﷽መዓት እንቁርዖብ ከም ዝነበረ ነንብብ (ዘጸ.8፡2)። እንቁርዖብ ምሳሌ ርኹስ መንፈስ ኮይና ተጠቒሳ ኣላ (ራእ.16፡13)።
እንቁርዖብ
እንዳእቲ፤
ምስ ተዓጽደ ብሓንሳእ ተኣሲሩ እተቐመጠ እኽሊ (መዝ.126፡6)። ዮሴፍ ብዛዕባ እንዳእቲ ኸም ዝሓለመ ንዝክር (ዘፍ.37፡6-7)። ብመዓልቲ ፍርዲ እቲ ምፍላይ ጻድቃንን ሓጥኣንን ብእንዳእቲ ተመሲሉ ንረኽቦ (ማቴ.13፡30)።
እንድርያስ፤
ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት (ማቴ.10፡2)። ንሱውን ከም ሓው ጴጥሮስ ገፋፍ ዓሳ ነበረ። እንድርያስ ወዲ መዝሙር ዮሃንስ መጥምቕ ከሎ፡ ዮሃንስ ናብ የሱስ ስለ ዝሐበሮ ምስ የሱስ ተራኸበ፡ ጴጥሮስ ከኣ ናብ የሱስ ኣምጽኦ (ዮሃ.1፡35-36)። የሱስ ንእንድርያስ ካብ ዕዮ ምግፋፍ ዓሳ ጸውዖ (ማር.1፡16-17)። ንየሱስ ኬገልግል ከሎ ነቲ ሓሙሽተ እንጌራ ዝነበሮ ቖልዓን ከምኡ ኸኣ ነቶም ጽርኣውያን ናብ የሱስ ኣቕረቦም (ዮሃ.6፡8-9፤ 12፡21-22)። እንድርያስ ሓደ ኻብቶም ብዛዕባ ምፍራስ የሩሳሌም ዝሓተቱ ደቂ መዛሙርቲ ነበረ (ማር.13፡3፥14)። ድሕሪ ዕርገት ምስ ብጾቱ ኾይኑ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተጸበየን ተቐበለን (ግብ.1፡13)። ﷽ሃዋርያት ተመልከት።
እንጌራ፤
ደቂ እስራኤል ብሓርጭ ስርናይን ስገምን ገይሮም እንጌራ ይስንክቱ ነበሩ። እንሓንሳእ ከኣ፡ ባልደንጓን ብርስንን ቡልቱግን ሰዓዕን ሓዋዊሶም እንጌራ ይስንክቱ ኸም ዝነበሩ ነንብብ (ህዝ.4፡9)። ኣብ እንጌራ ኸኣ ጨው ይገብሩ ኸም ዝነበሩ ንዝክር (ዘሌ.2፡13)። ኣብቲ ዚስንከት ሓርጭ፡ ማይ ብሑቕውን ይግበሮ ነበረ (ሉቃ.13፡21)። እቲ ብዘይ ማይ ብሑቕ ዚስንከት እንጌራ፡ ቅጫ ይብሃል (ዘጸ.12፡15)። እንጌራ ኣብ እቶን ይስንከት (ዘሌ.2፡4)። ኣብ ግብጺ እቲ ሰንካቲ እንጌራ-ንጉስ ክብ ዝበለ መዓርግ ከም ዝነበሮ ንርኢ (ዘፍ.40፡1፥6)። መልከጼዴቅ ንኣብርሃም እንጌራ ቐረበሉ (ዘፍ.14፡18)። ካህናትውን ኣብ ሰሰሙን ኣብ መቕደስ እንጌራ ይቕርቡ ነበሩ (ዘሌ.21፡6፤ 24፡5-9)። እንጌራ ኺብሃል ከሎ ዚበዝሕ ጊዜ ብጃምላ ምግቢ ዚጠምር ቃል እዩ (ዘፍ.3፡19። ማቴ.6፡22)። ክርስቶስ ህይወት ዚህብ ስለ ዝኾነ፡ ንርእሱ፤ ﷽ናይ ኣምላኽ እንጌራ፡ ከምኡ ኸኣ፡ ﷽እንጌራ ህይወት፡ እናበለ ይጽውዓ (ዮሃ.6፡32-35)።
እንጌራ ሓዘንቲ፤
ኣብ ልምዲ እስራኤልን ኤርትራን ሰብ ምስ ሞተ እቲ ጎረቤት ናብ ሓዘን ዚወስዶ እንጌራ፡ እንጌራ ሓዘንቲ ይብሃል (ኤር.16፡7። ህዝ.24፡17)።
እንጥሾ፤
ብምኽንያት ሕማም ጉንፋዕ ዚልዓል ዓይነት ድምጺ ኣካላት። እንጥሾ ብርቱዕ ጭድርታ ኸም ዜመልክት ኮይኑ ተጠቒሱ ኣሎ (እዮ.41፡18)።
እኽሊ፤
እንጌራ ዚኸውን ናይ ህይወት ደገፍ (ዘሌ.26፡26)። እብራውያን ብስርናይን ስገምን ገይሮም እንጌራ የዳልው ነበሩ። ﷽ምግቢ ﷽እንጌራ ተመልከት።
እዝራ፤
ካህን፡ ጸሓፊ። ታሪኽ እዝራ ኣብ መጽሓፍ እዝራ ተጻሒፉ ይርከብ። እዝራ ኣብ ማእከል ምርኮኛታት ባቢሎን ዓበየ። ካብ ዓሌት ኣሮን ከም እተወልደን፡ ከም ሕጊ ሙሴ ኸኣ ካህን ከም ዝነበረን፡ ብሕጊ ሙሴ ድማ ፍጡን ጸሓፊ ከም ዝኾነን ነንብብ (እዝ.7፡1-6፥11)። ኣብቲ ሳብዓይ ዓመቱ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ፡ ማለት ብ 458 ቅ.ል.ክ.፡ ካብቲ ንጉስ ፍቓድ ወሲዱ 1800 ፍቓደኛታት ኣይሁድ ተማሊኡ ናብ የሩሳሌም ከደ (እዝ.8፡1-36)። ቅድሚ ምምጻእ እዝራ እቶም ኣብ ሃገር ኣይሁድ ዝነበሩ ካብ ምርኮ እተመለሱ ኣይሁድ ብብዙሕ መገዲ ተጨኒቖም ከም ዝነበሩ ንዝክር፡ ብቓል እግዚኣብሄር ገይሩ ዚመርሖም ሰብ ካብ ምስኣን እተላዕለ፡ ካብ መገዲ እግዚኣብሄር ኪርሕቑ ጀመሩ። እዝራ እቲ ኻህን ግና ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን፡ ስርዓትን ፍርድን ከኣ ኣብ እስራኤል ንምምሃርን ልቡ ስለ ዘዳለወ፡ እቲ ናብ የሩሳሌም ምምጽኡ፡ ቃል እግዚኣብሄር ንምምሃርን ነቲ ጌጋ እቲ ህዝቢ ንምዕራይን ጠቐመ (እዝ.7፡10። ነህ.8፡8)። ብፍላይ ከኣ ብዙሓት ሰብ ይሁዳ ሕጊ ኦሪት ኣፍሪሶም፡ ካብ ዓሌት እስራኤል ዘይኮና ኣንስቲ ስለ ዘእተው፡ እዝራ ነዞም ሰባት እዚኦም ካብተን ኣንስቲ ኺፍለዩ ምኽሪ ሃቦም (እዝ.9፡10)። በዚ ዘበን እዚ ኸኣ ህዝቢ የሩሳሌም ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ ምካበብያ የሩሳሌም ንምንዳቕ ኪጽዕሩ ጀመሩ። እንተኾነ ግና ብምኽንያት ኣንጻርነት ጸላእቲ እቲ ዕዮ ኺሰልጦም ኣይከኣለን (እዝ.4፡6-23)። ብ 445 ቅ.ል.ክ. ግና እቲ ኣሰላፊ ወይኒ ንጉስ ፋርስ ዝነበረ ነህምያ፡ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ነቲ መካበብያ ነደቖ፡ እዝራ ኸኣ ምስ ነህምያ ሓቢሩ ነቲ ህዝቢ ኣስፊሑ ሕጊ እግዚኣብሄር መሃሮ (ነህ.8-10)።
መጽሓፍ እዝራ፤
እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ህዝቢ እስራኤል ካብ ባቢሎን ከም እተመልሱን ንቤት መቕደስ ከኣ ከም ብሓድሽ ከም ዝሰርሕዋን ተዘንቱ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ካብ 537 ቅ.ል.ክ. ጀሚራ ክሳዕ እታ እዝራ ናብ የሩሳሌም ዝመጸላ ዓመት፡ ማለት 458 ቅ.ል.ክ. ዘሎ ዛንታ ትዝርዝር። እታ ቤት መቕደስ ከኣ ብ 516 ቅ.ል.ክ. ከም እተወድኤት ይመስል። እታ መጽሓፍ ባዕሉ እዝራ ከም ዝጸሓፋ ወይ ከኣ ንድፊ እታ መጽሓፍ ከም ዘዳለወ ይግመት (እዝ.8፡1)።
ክፍልታት መጽሓፍ እዝራ፤
እዝኒ፤
ካህናት ነገልግሎት ኪሕረዩ ኸለውን ለምጻማት ኪነጽሁ ኸለውን ኣእዛኖም ብደም ይልከ ኸም ዝነበረ ነንብብ (ዘጸ.29፡20። ዘሌ.14፡14)። ሓደ ሰብ ንጎይትኡ ኩሉ ሳዕ ኬገልግል ምስ ዚፈቱ፡ እቲ ጎይትኡ እዝኑ ብመስፈ የንኩሎ ነበረ (ዘጸ.21፡5-6)። ሰብ ቃል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺሰምዕ፡ እትሰምዕ እዝኒ ኽትህልዎ የድሊ (ማቴ.11፡15)።
እያሱ፤
ትርጉም እዚ ስም እዚ፡ ﷽እግዚኣብሄር መድሓኒ ማለት እዩ።
እግዚኣብሄር ብቓልን ብራእይን ከም ዘተባብዖ ነንብብ (እያ.1፡1-9፤ 5፡13-15)። ህዝቢ እስራኤል ብመሪሕነት እያሱ ርባ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ያሪኮ ሓዙ፡ ጊልጋል ከኣ እታ ቐንዲ ቦታኦም ኮነት። ካብኣ ተበጊሶም እናወረሩ ኸኣ ንነገስታት ከነኣን ሰዓሩ። እግዚኣብሄር ከኣ መዓልቲ ብምንዋሕን በረድ ብምውራድን ሓገዞም (እያ.10፡11-14)። ደቂ እስራኤል ንከነኣን ምስ ሓዝዋ፡ እያሱ ነቶም ነገዳት እስራኤል መመሬቶም መቐሎም። ጊዜ ሞቱ ምስ ቀረበ ኸኣ፡ ነቲ ህዝቢ ኣኪቡ ኩሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሎም ኣዘኻኸሮም። ምስቲ ህዝቢ ኪዳን ኣተወ እሞ ንምልክት ኪኸውን ኣብ ሴኬም ሓደ ዓቢ እምኒ ኣቖመ (እያ.24፡25-28)። እያሱ ወዲ 110 ዓመት ምስ ኮነ ሞተ፡ ኣብ መሬት ርስቱ ኣብ ሃገር ኤፍሬም ከኣ ተቐብረ (እያ.24፡29-31)።
መጽሓፍ እያሱ፤
እዛ መጽሓፍ እዚኣ ህዝቢ እስራኤል ብሓይሊ እግዚኣብሄርን ብመሪሕነት እያሱን ሃገር ከነኣን ከም ዝሓዙ ተዘንቱ። እያሱ ባዕሉ ሕጊ ሙሴ ከም ዘንበበን ሕጊ ሙሴ ኣብ ኣእማን ከም ዝጸሓፈን፡ ኣብ መወዳእታ ህይወቱ ኸኣ ነቲ ምስቲ ህዝቢ ዝገበሮ ኪዳን ከም ዝጸሓፎን ተጻሒፉ ኣሎ (እያ.1፡8፤ 8፡32፤ 24፡26)። እዛ መጽሓፍ እዚኣ እቲ ትሕዝቶኣ በቲ ዘበን እቲ እተጻሕፈት ትመስል።
ክፍልታት መጽሓፍ እያሱ፤
ሀ) ምድላው ህዝቢ እስራኤልን ምስጋር ዮርዳኖስን (እያ.1-4)።
ለ) ምትሓዝ ያሪኮን በደል ኣካንን (እያ.5-7)።
ሐ) ዓወት እስራኤልን ውድቀት ነገስታት ከነኣንን (እያ.8-12)።
እያኔስ፡ እያምብሬስ፤
ንሙሴ እተቓወሙ ጠንቆልቲ። ስሞም ኣብ ብ.ኪ. ኣይተመልከተን። እቶም ኣብ ዘጸ.7-8 ዚርከቡ ጠንቆልቲ ኣብ መንጎ ኣይሁድ በዚ ስማት እዚ እዮም ዚፍለጡ (2ጢሞ.3፡8)።
እዮብ፤
እዚ ሰብ እዚ ብዙሕ መከራ ዝወረዶ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብ ነበረ። ኣብ ﷽መጽሓፍ እዮብ ከኣ፡ ሃብታምን ክቡርን ከም ዝነበረ ይዝንተወሉ። ኩሉ ሃብቱ ብሃንደበት ይጠፍእ፡ ደቁ ኸኣ ይሞቱ። ንሱ ኸኣ ብብርቱዕ ቁስለተ-ስጋ ይውቃዕ፡ ብሰብ ድማ ይንዐቕ። እቶም ፈለጣት ኢና በሃልቲ ፈተውቱውን ከይተረፉ፤ ﷽እዚ ብስውር ስለ ዝበደልካ እዩ ዚወርደካ ዘሎ፡ እናበሉ ይከራኸርዎ። ኣንባቢ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ቅንዕና እዮብ ምእንቲ ኪፍተን፡ እዮብ ብሰይጣን ኪፍተን ብእግዚኣብሄር ከም እተፈቕዶ ይፈልጥ እዩ። እዮብ ግን ነዚ ኣይፈለጦን፡ ስለዚ እቲ ልዕሊ ኹሉ ዜጨንቖ ዝነበረ ነገር፡ እግዚኣብሄር ከም እተላዕሎ ስለ ዝመሰሎ እዩ። ኣብ መወዳእታ ግና፡ እግዚኣብሄር ጥበቡን ሓይሉን ምስ ገለጸሉ፡ እዮብ ንኸምዚ ዝበለ ኣምላኽ ምእማኑ እምበር፡ መገዱ ንምስትውዓል ንሰብ ከም ዘይተዋህቦ ይርዳእ፡ ክርክሩ ኸኣ ይሓድግ። ድሕርዚ ኸኣ ካብቲ ቅድም ዝነበሮ ዝበለጸ ሃብቲ ይውሃቦ፡ ብሰላምን ብኽብረትን ከኣ ነዊሕ ዕድመ ይጸንሕ።
እዮብ ዝነበረሉ ዘበን መኣስ ከም ዝኾነን ኡጽ እትብሃል ሃገር ከኣ ኣበይ ከም ዝነበረትን ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን። ዝኾነ ኮይኑ ግና ብዘበን ቀዳሞት ኣቦታት ዝኾነ ይመስል (እዮ.1፡1-5)። እዮብ ከም ኖህን ዳንኤልን ምእንቲ ኻልኦት ዚጽሊ ሰብ ከም ዝነበረ ንርኢ (ህዝ.14፡14፥20። እዮ.42፡8፥10)።
መጽሓፍ እዮብ፤
መጀመርታን መወዳእታን ክፍልታት ናይዛ መጽሓፍ እዮብ ብስዲ-ንባብ ተጻሒፉ ንረኽቦ፡ ካብ እዮ.3-41 ዘሎ ትሕዝቶኣ ግና ብግጥሚ ተጻሒፉ ኣሎ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ በቲ ዕምቆት ጥበባ ኣዝያ ትነኣድ፡ በቲ ናይ ስነ-ጽሑፋ ጽባቔ ኸኣ ሓንቲ ኻብተን ዝበለጻ ናይ ዓለም መጽሓፍቲ ኾይና ትቑጽር። ጸሓፊኣ ግና መን ምዃኑ ኣይተፈልጠን። ዛንታ እዮብ ሽሕ እኳ ካብ ቀደም ጀሚሩ ዚፍለጥ እንተ ነበረ (እዮብ ተመልከት)፡ እዛ ክሳዕ ሎሚ ዝጸንሔት መጽሓፍ እዮብ ብዘበን ሰሎሞን ወይ ከኣ ብድሕሪኡ ኸም እተጻሕፈት ዚመስሎም ብዙሓት ሉቃውንቲ ኣለው።
ካልኦትውን ብዘበን ኣብርሃምን ይስሃቅን እተጻሕፈት መጽሓፍ እያ ዚብሉ ኣለው። መጽሓፍ እዮብ ከም መጽሓፍ ምሳሌን ከም መጽሓፍ መክብብን ሓንቲ ካብተን መጽሓፍቲ ጥበብ ዚብሃላ እያ። ጳውሎስ ካብ እዮ.5፡13 ጠቒሱ ኣብ 1ቆረ.3፡18-20 ከም ዘመልከቶ ንርኢ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ሓሳብ እግዚኣብሄርን መገዱን ግሩምን ረቂቕን ስለ ዝኾነ፡ እዚ ብኣረኣእያ ጥበብ ሰብ ኪትርጎም ከም ዘይከኣል ትሕብር። ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን ስለ ዝኾነን፡ ነቶም ከም እዮብ መከራ ተዓጊሶም ዚኣምንዎ፡ ከም ዚባርኾም ተረድእ (እያ.5፡10-11)።
ክፍልታት መጽሓፍ እዮብ፤
እግሪ፤
ንመርገጽን ንመኽየድን ዚጠቅም ክፍሊ ኣካላት። እዛ ቓል እዚኣ ምሳሌ ብዙሕ ነገራት ኮይና ተጠቒሳ ኣላ። ﷽እግዚኣብሄር ነእጋር ቅዱሳኑ ይሕሉ፡ ኪብሃል ከሎ፡ ﷽እግዚኣብሄር ህይወት ቅዱሳኑ የድሕን፡ ማለት እዩ (1ሳሙ.2፡9)። እግርኻ ኣብ ልዕሊ ኽሳድ ሰብ ምግባር፡ ኣብ ልዕሊ ጸላኢኻ ምዕዋት ማለት እዩ (እያ.10፡24-25። 1ቆረ.15፡25)። ኣብ እግሪ ምውዳቕ፡ ልመና (1ሳሙ.25፡24። 2ነገ.4፡27)፡ ኣብ ጥቓ እግሪ ምቕማጥ ከኣ፡ መምህር የመልክት (ሉቃ.10፡39። ግብ.22፡30)። ምሕጻብ እግሪ፡ ብትሑት ኣገልጋሊ ዚፍጸም ምልክት ምሃብ ክብርን ትሕትናን እዩ (ሉቃ.7፡44። ዮሃ.13፡5)። ተጎጓ ኻብ እግርኻ ምንግፍ ከኣ፡ ካብቶም ዘየድልዩኻ ሰባትን ቦታን ምፍላይ ማለት እዩ (ማር.6፡11)።
እግዚኣብሄር፤
እዚ ቓል እዚ ካብ ግእዝ እተወስደ እዩ። እግዚእ ጎይታ ማለት እዩ፡ ብሔር ከኣ ዓለም ማለት ስለ ዝኾነ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዚብል ቃል፡ ጎይታ ዓለም ማለት እዩ። እቲ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚውሃብ ትምህርቲ፡ ኣብዘን ዚስዕባ ሸውዓተ ኣርእስቲ ንዝርዝሮ፤
ሓደ ሰብ ብህልውና ኣምላኽ ዚኣምን ምስ ዚኸውን ንኹሉ እቲ ኣብ ህይወቱ ዚጓነፎ ሕቶ መልሲ ኪረኽበሉ ይኽእል። ንኣብነት፤ ዓለም መን ፈጠራ? ስለምንታይ ኢና ﷽እዚ ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ኽፉእ እዩ፡ እንብል? እንታይ ክንገብር ይግብኣና? ድሕሪ ሞት እንታይ ኣሎ? ክርስቶስ መን እዩ? ወዘተ. ንዚብል ሕቶታት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኵሱ ኣጽጋቢ መልሲ ኺህበሉ ይኽእል። እዚ ኽንብል ከሎና ኸኣ፡ ሰብ ንኹሉ ኺፈልጥ ይኽእል እዩ፡ ማለት ዘይኮነስ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዚግባእ ኪነብር ዜኽእሎ ኹሉ ይፈልጥ ማለትና እዩ (1ቆረ.2፡9። 1ዮሃ.3፡1-3)።
ሀ) ኤል። እዚ ስም እዚ ሓያል (ኣምላኽ) ማለት እዩ። ብዙሕ ቁጽሪ ናይዚ ስም እዚ ኤሊም እዩ። ንቛንቋ ኣራማይስጢ ኸኣ ብዙሕ ጊዜ ኤላህ ተባሂሉ ንረኽቦ። እዚ ቓል እዚ ኣብ ኩለን ሴማውያን ቛንቋታት ይርከብ። ኣብተን ናይ እብራይስጢ መጽሓፍቲ ብሉይ ኪዳን እቲ ﷽ኤል ኤሎሂም ዚብል ቃል፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ﷽እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተባሂሉ ተተርጕሙ ኣሎ(ዘፍ.2፡4። መዝ.94፡1)። እቶም ብኣራማይስጢ ወይ ብኻልኦት ሴማውያን ቛንቋታት ዚዛረቡ ዝነበሩ፡ ኣብ ዙርያ እስራኤል ዚነብሩ ዝነበሩ ኣህዛብ፡ ነቶም ጣኦታቶም ﷽ኤል ኤሎሂም ማለት ﷽ኣምላኽ ኣማልኽቲ ኢሎም ይሰምይዎም ከም ዝነበሩ ንርኢ (ዘጸ.18፡11። ዘዳ.4፡28)። እዚ ቓል እዚ (ኣምላኽ) ሓይሊ ገዛእን ፈራድን ዜመልክት ስለ ዝኾነ፡ ሰባት ትሰምዮሙሉ ኣለው (ዘጸ.7፡1። መዝ.82፡6-7። ዮሃ.10፡34-35)። መልኣኽቲውን ተሰምዮምሉ ኣለው (መዝ.8፡5)። እዚ ኸኣ ብቛንቋ እብራይስጢ ጥራይ እዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ ኸኣ፡ እዚ ﷽ኤል ዚብል ስም፡ ከምቲ ኣጸዋውዓ ስም ናይ ቛንቋ ትግርኛ፡ ምስ ስም ሰብን ቦታን ደሪብካ ይዝውተር እዩ። ንኣብነት፤ ኤልሳእ (እግዚኣብሄር ምድሓን እዩ) ኤልሳቤጥ (እግዚኣብሄር ማሕላይ እዩ)፡ ቤት-ኤል (ቤት እግዚኣብሄር)፡ ኤልሻዳይ (ኩሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዘፍ.17፡1)።
ለ) ያህዌ። ያህዌ ስም እግዚኣብሄር እዩ። ትርጉሙ ኸኣ ዘሎን ዚነብርን ከም ባህርዩ ዚሰርሕን ማለት እዩ (ዘጸ.3፡13-15)። ኣብ ዘፍ.4፡26 እዚ ያህዌ ዚብል ቃል እብራይስጢ ብትግርኛ ﷽እግዚኣብሄር ተባሂሉ ተተርጕሙ ኣሎ። ስለዚ ያህዌ ምስ ካልእ ስም ተቛሪኑ ኸኣ ይርከብ እዩ። ንኣብነት፤ ያህዌ ይርኢ (እግዚኣብሄር ይርኢ ዘፍ.22፡14)፡ ያህዌ ንሲ (እግዚኣብሄር ዕላማይ እዩ ዘጸ.17፡15)፡ ዮሳፋጥ (እግዚኣብሄር ፈረደ)፡ ዮራም (እግዚኣብሄር ልዕል በለ)፡ እያሱ (እግዚኣብሄር መድሓኒ)፡ ሃሌሉያ (ሃልሎያህ) ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ (ንያህዌ ኣመስግኑ) ዚብል ቃላት ንርክብ። ብዙሕ ጊዜ ኤልን ያህዌን ብሓደ ይርከmበ። እዚ ኸኣ ﷽እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተባሂሉ ተተርጕሙ ንረኽቦ (ዘፍ.2፡8)።
ሐ) ኣዶን። ትርጉም እዚ ስም እዚ፡ ጎይታ ማለት እዩ። እዚ ቓል እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ፡ ጎይታ (መዝ.35፡23)፡ እግዚኣብሄር (መዝ.37፡13)፡ ጎይታየ (መዝ.38፡9)፡ ብዚብል ቃላት ተተርጕሙ ንረኽቦ። ኣዶንውን ምስ ካልእ ስማት ተቛሪኑ ይርከብ እዩ። ንኣብነት፤ ኣዶንያ (ያህዌ ጎይታይ እዩ፡ 2ሳሙ.3፡4)፡ ኣዶኒራም (ጎይታይ ክብ ዝበለ እዩ፡ 1ነገ.4፡6)። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ምስ ተጻሕፈ፡ እቲ እግዚኣብሄር ወይ ከኣ ኣምላኽ ዚብል ቃል ብቛንቋ ግሪኽ ﷽ቴዎስ፡ እቲ ጎይታ ዚብል ቃል ከኣ ﷽ኪርዮስ ተባሂሉ ተተርጕሙ ኣሎ። እቲ ኣብ ትንቢት ህዝቅኤል ብትግርኛ እግዚኣብሄር ዚብል ቃል ኩሉ፡ ኣብቲ ናይ ግእዝ መጽሓፍ ቅዱስ ﷽ኣዶናይ ተባሂሉ ኣሎ።
ሀ) ኩሉ ዚኽእል ምዃኑ። ባህርይ እግዚኣብሄር ምክንያት ዘለዎ ሓይሊ ኣይኮነን፡ ካብዚ ተረኸበ ዚብሃልውን ኣይኮነን። ብገዛእ ርእሱ ዝነበረን ዘሎን ዚነብርን እዩ። እቲ ﷽ያህዌ ዚብል ስምውን ነዚ ዚገልጽ ቃል እዩ (ዳን.4፡35። ዮሄ5፡26። ራእ.4፡10-11)።
ለ) ዘይልወጥ ምዃኑ። እግዚኣብሄር ካብ ዘልኣለም ንዘልኣለም ሓደ እዩ፡ ብህላዊኡ ኾነ ብሓሳቡ ዘይልወጥ እዩ (መዝ.33፡11። ሚል.3፡6። እብ.6፡17)።
ሐ) ዘይውሱን ምዃኑ። (መዝ.145፡3)። እግዚኣብሄር ኣብ ኩሉ ይርከብ (መዝ.139፡7-10። ግብ.17፡26-28)። መጀመርታን መወዳእታን የብሉን (መዝ.90፡2)።
መ) ዘይመቓቐል ምዃኑ። ከምቲ ሰብ ስጋን ነፍስን ዘለዎ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ክልተ ወይ ኣብ ልዕሊ ኽልተ ዝኾኑ ኽፍልታት ይምቀል እዩ ምባል ኣይከኣልን እዩ። ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እግዚኣብሄር መንፈስ እዩ፡ ብርሃን እዩ ይብል። እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኩሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መንፈስን ብርሃንን ኣምላኽ እዩ ማለት ኣይኮነን። እግዚኣብሄር ካብ ፍጥረቱ እተፈልየ እዩ። ግናኸ እቲ ኣብ ፍጥረት ዚርከብ ኩሉ ኸኣ ካብኡ ዝፈልፈለ እዩ። እግዚኣብሄር ባዕሉ መንፈስን ፍቕርን እዩ (ዮሃ.4፡23-24)። ስለዚ ሰብ ናብ እግዚኣብሄር ኪቐርብ ከሎ፡ ናብቶም መግለጺ ባህርዩ ዝኾኑ ፍቕሩን መንፈሱን ጽድቁን ይቐርብ ኣሎ ማለት እዩ።
እዚ ዚስዕብ ሸሞንተ ነገራት ከኣ ኣብ ፍጥረትውን (ኣብ ፍጡር) ኪርከብ ዚኽእል ባህርያት እዩ። ኣብ እግዚኣብሄር ግና ብምሉኡ ይርከብ፡ ኣብ ክርስቶስውን ተገሊጹ ንርእዮ (ዮሃ.1፡14። ቆሎ.2፡9)።
ረ) ፍልጠት እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ባዕሉ (1ቆረ.2፡10) ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎን (ህዝ.11፡5)፡ ዚመጽእን (ኢሳ.46፡10) ይፈልጥ።
ሰ) ጥበብ እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ንርእሱ ክብሪ ምእንቲ ኪኾኖ፡ ኩሉ ይገብር (ዳን.2፡20-21። ሮሜ.11፡33። 1ቆረ.2፡7)።
ሸ) ሕያውነት እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ንኹሉ ፍጥረት ጽቡቕ ነገራት ይገብር (መዝ.146፡8-9። ማቴ.፡44-45)።
ተ) ፍቕሪ እግዚኣብሄር። ኣቦ ንወዲ የፍቅር (ዮሃ.10፡17)፡ ንዓለም ስለ ዘፍቀራ ኸኣ ወዲ ሃባ (ይሃ.3፡16)። ፍቕሪ እግዚኣብሄር ብሰለስተ ቓላት ክንገልጾ ንኽእል።
1. ብጸጋ፤ ግቡእና ኾይኑ ዘይኮነስ ብጸጋኡ ኸም ዘፍቀረና የርኢ (ኤፌ.1፡5-7)።
2. ብምሕረት፤ ብሓጢኣት ምውታን ክነስና ብምሕረቱ ብክርስቶስ ህይወት ዚህበና ስለ ዝኾነ፡ ፍቕሩ የርእየና (ኤፌ.2፡4)።
3. ብትዕግስቲ፤ ሰባት ናብኡ ምእንቲ ኺምለሱ ንብዙሓት ዚኸውን ጊዜ እናሃበ ፍቕሩ ይገልጽ (ሮሜ.2፡4። 2ጴጥ.3፡9)።
በ) ቅድስና እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ካብ ፍጥረቱ እተፈልየን (ኢሳ.6፡3) ንጹህ ኣምላኽን እዩ (ኣን.1፡13)።
ተ) ጽድቂ እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ንሰብ ከከም ግብሩ ይፈድዮ (1ጴጥ.1፡17)። ደቂ ሰብ ኬድሕን ዕዳ ሓጢኣቶም ብክርስቶስ ብምኽፋሉ ጽድቁ ኣርኣየ (ሮሜ.3፡6)።
ነ) ተኣማንነት እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ሓቂ ስለ ዝኾነ (ዮሃ.14፡6) ኣይሕሱን እዩ (ዘሁ.23፡19)፡ ዝሃቦ ተስፋ ኸኣ ኣይጠልምን እዩ (2ጢሞ.2፡13። እብ.10፡23)።
አ) ስልጣን እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከምቲ ባህርዩ ዝደለዮ ዘበለ ኺገብር ዚኽእል ኣምላኽ እዩ (ማቴ.19፡26)፡ ከም ፍቓዱ ኸኣ ይገብር (ሮሜ.9፡14-15። ኤፌ.1፡111-2)።
ሰብ ኣጢኣት ምስ ዚገብር፡ እቲ ተግባሩ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ኣይኮነን። ሰብ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ተግባሩ ኣለዎ፡ ስለዚ ዓስቢ እቲ ዝገበሮ ተግባር እዩ ዚቕበል (ገላ.6፡7-9)። እግዚኣብሄር ንወዲ ሰብ እንታይ ኪገብር ከም ዚግብኦ ገሊጹሉ ኣሎ፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ስውር መደብ ግና ንሰብ ኣይተገልጸን (ዘዳ.29፡29። ግብ.17፡30-31)።
መንግስቲ እግዚኣብሄር፤
እዛ መንግስቲ እዚኣ እታ እግዚኣብሄር ዚነግሰላ መንግስቲ እያ። የሱስ ብምምጽኡ መንግስቲ እግዚኣብሄር መስረተ (ማቴዎስ ﷽መንግስቲ ሰማያት ይብል። ሓሳቡ ግና ሓደ እዩ፡ ማቴ.5፡3 ምስ ሉቃ.፡10 ኣመዓራሪ)። ዮሃንስ መጥምቕ ሰባት ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣዳለወ (ማር.1፡14-15)። የሱስ ንሰባት ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኣእተዎም። ሰባት ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኺኣትው ካልኣይ ጊዜ ኺውለዱ የድልዮም (ዮሃ.3፡3-5)። ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ኣዝዩ ብርቱዕ እዩ (ማቴ.11፡12። ግብ.14፡22)። መንግስቲ ኣምላኽ ከም መንግስቲ ሰብ ኣይኮነትን። መስተውዓልን ኣእምሮ ዘለዎን ደኣ እዩ ዚርድኣ እምበር፡ ብዓይኒ ሰብ እትርኤ ኣይኮነትን (ሉቃ.17፡20። ዮሃ.18፡28)። እቶም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚኣትው፡ እቶም ቃሉ ንምቕባል እተዳለውን ጽሩይን ቅኑዕን ልቢ ዘለዎም ዘበሉን እዮም እምበር፡ ኩሎም ሰባት ኣይኮኑን (ሉቃ.8፡4-15)።
መንግስቲ ኣምላኽ ብንእሽቶ ነገር ጀሚራ እትዓቢ መንግስቲ እያ (ማቴ.13፡31-32)። መንግስቲ ኣምላኽ ንእሽቶ እትመስል ነገር እኳ እንተኾነት ንኹሉ እትልውጥ ሓይሊ እያ (ማቴ.13፡33)። መንግስቲ ኣምላኽ ሰብ ከየስተውዓለ ይጅምራ፡ ደሓር ግና ነባሪት ሓይሊ ኾይና ትቐውም (ማር.4፡26-29)። ናብዛ መንግስቲ እዚኣ ንምእታው ሰብ ዘለዎ ኹሉ ይህብ (ማቴ.13፡44-46)። ኣብዛ መንግስቲ እዚኣ ሓቀኛታትን ሓሰውትን ንግዜኡ ብሓንሳእ ይነብሩ፡ ኣብ መወዳእታ ዓለም ግና ይፈላለዩ (ማቴ.13፡24-30፥30-43)።
እዛ መንግስቲ እዚኣ፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝነበረት ሕጂውን ዘላ ኣብ መወዳእታ ዓለም ከኣ እትግሃድ እያ። የሱስ ካልኣይ ጊዜ ምስ መጸ ንሰባት ኪፈርዶም እዩ። ስለዚ ዕዮኡ እናዓየኻ፡ ምምጽኡ ምጽባይ ይግባእ (ማቴ.13፡47-50፤ 25። ሉቃ.12፡35-48)። የሱስ ኣብ ሰማይን ምድርን ኩሉ ስልጣን ተዋሂብዎ ኣሎ (ማቴ.28፡18)፤ መንግስቱ ኸኣ ኣብ ቤተ ክርስትያን ክትግለጽ እያ። ስለዚ ሰባት የስተውዕልዎ ኣየስተውዕልዎ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምልእቲ ዓለም ክትጸንዕ እያ፡ እቶም ኣብ ዓለም ዘለው ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም (ሮሜ.13፡1)።
መጋብነት እግዚኣብሄር፤
ስልጣን እግዚኣብሄርን ግዝኣቱን፡ ኣገዛዝኣ ባህርዩን ሓለዋኡን መጋብነት እግዚኣብሄር ይብሃል። እግዚኣብሄር ፈጣሪ ዓለምን ንጉሳን ስለ ዝኾነ፡ ዝደለዮ ዘበለ ይገብር (መዝ.103፡19፤ 135፡6። ዳን.4፡35። ኤፌ.1፡11-12)። ብዛዕባ መጋብነት እግዚኣብሄር ነዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ ሓሳባት ክንግንዘብ የድሊ፤
ማሕደር እግዚኣብሄር፤
ዚትከልን ዚለዓልን ድንኳን። ንእግዚኣብሄር ዚሰግዱሉን እግዚኣብሄር ዚግለጸሉን ቦታ (ዘሌ.26፡11-12)። እቲ ማሕደር እግዚኣብሄር፡ ድንኳን ምርኻብ (ዘጸ.29፡42)፡ ድንኳን ኣምላኽ (ራእ.21፡3)፡ ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝርዝር ኣሰራርሓ እቲ ድንኳን ከም ዝሃቦ ነንብብ (ዘጸ.25-28)። ማሕደር እግዚኣብሄር ኪስራሕ ከሎ እቲ ህዝቢ ዘድሊ ኣቕሑ ኺውፈ ተሓተ እሞ ብልግሲ ዘድሊ ኹሉ ወፈየ (ዘጸ.25፡1-9፤ 36፡3-6)። እቲ ማሕደር እግዚኣብሄር ኣብ ኣጸድ ተተኺሉ ኣብ ዙርያኡ ብመጋረጃ ተኸቢቡ ነበረ (ዘጸ.27፡9-19)። ﷽ንድፊ ማሕበር እግዚኣብሄር ተመልከት።
ኣብ ወገን ምብራቕ ሓደ ደገ ነበረ። ሰብ በቲ ደገ ምስ ኣተወ ንመጀመርያ ዚርእዮ ሓደ ዓቢ መሰውኢ ኣስራዚ እዩ። ብድሕሪኡ ኸኣ ሓደ ናይ ኣስራዚ ገበራ ነበረ። ኣዕኑድ ኣዋልሕ እቲ ማሕደርን ብዕንጨይቲ ሽጢም እተሰርሔ ነበረ፡ እዚ ኸኣ በርባዕተ ዓይነት መጋረጃ ተሸፊኑ ይርኤ ነበረ (ዘጸ.26)። ውሽጢ እቲ ማሕደር ብኻልእ መጋረጃ ኣብ ክልተ ተመቒሉ፡ እቲ ቐዳማይ ክፍሊ ቅድስቲ፡ እቲ ውሽጣዊ ክፍሊ ኸኣ ቅድስተ ቅዱሳን ተባህለ (ዘጸ.26፡33)። ኣብ ውሽጢ እታ ቅድስቲ እተባህለት ክፍሊ ሰለስተ ነገራት ነበረ፤
ኣብ ወገን ጸጋም ብወርቂ እተሰርሔ ቐዋሚ ቐንዴል፡ ኣብ ወገን የማን ንእንጌራ ምርኣይ ዚኸውን ሰደቓ፡ ኣብ ቅድሚት ከኣ ኣብ እግሪ እቲ መጋረጃ፡ መሰውኢ ዕጣን (ናይ ወርቂ መሰውኢ) ነበረ። ኣብ ውሽጢ እታ ቅድስተ ቅዱሳን እተባህለት ክፍሊ ግና ታቦት ጥራይ ተነቢሩ ነበረ። ኣብ ውሽጢ እቲ ታቦት ከኣ እተን ዓሰርተ ትእዛዛት እተወቕረን ክልተ ጽላትን መና ዝሓዘ መሶብ ወርቅን በትሪ ኣሮንን ተነቢሩ ነበረ (እብ.9፡2-4)።
እዚ ማሕደር እግዚኣብሄር፡ እስራኤላውያን ካብ ሃገር ግብጺ ምስ ወጹ ኣብ ካልኣይ ዓመቶም ኣብ ምድረ በዳ ኣብ እግሪ ከረን ሲና ተሰርሔ። ድሕሪኡ ን 35 ዓመት ኣብ ቃዴስ ተቐመጠ። እቲ ህዝቢ ተላዒሉ ኺጎዓዝ ኸሎ ከኣ ነቲ ማሕደርን ኣቑሑቱን ኩሉ ዚጾሩ ሌዋውያን ተመዲቦም ነበሩ (ዘሁ.10፡33-36)። ድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ጊልጋልን ኣብ ሺሎን (እያ.4፡19፤ 18፡1) ተቐመጠ። ንሓጺር ጊዜ ኣብ ኖብ፡ እቲ መሰውኢ ኣስራዚ ኸኣ ኣብ ጊብዖን ነበረ (1ሳሙ.21፡1-6። 1ዜና.16፡39፤ 21፡29)። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ዳዊት ናብ የሩሳሌም ኣምጽኦ።
ኣብ መንጎ እዚ ዛንታ ኣሰራርሓ ማሕደር እግዚኣብሄር፡ እቲ ናይ ምራኽ ወርቂ ኣምልኾ ከም ዝኣተወ ንርኢ። ቅድሚኡ ኸኣ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝሃቦ ንድፊ ተዘርዚሩ ንረክብ (ዘጸ.25-31)። ቀጺሉ ኸኣ እቲ ዕዮ ኸመይ ገይሩ ኣብ ግብሪ ኸም ዚውዕል ተጻሒፉ ኣሎ (ዘጸ.35-40)። እቲ ማሕደር እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ምእንቲ ኺራኸብን እቲ ህዝቢ ኸኣ እግዚኣብሄር ምስኡ ከም ዝኾነ ከይርስዕን ተባሂሉ እዩ እተሰርሔ (ዘጸ.25፡*፥22፤ 29፡42)። ኩሉ እቲ ዕዮ ምስ ተወድኤ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ብደበና ነቲ ማሕደር መልኦ (ዘጸ.40፡34)። ኣብ ሓ.ኪ.፡ እቲ ማሕደር ድንኳን እግዚኣብሄር ተባሂሉ ኣሎ። ኣብ መልእኽቲ እብራውያን ከኣ እንሓንሳእ እቲ ጸሓፊ ብዛዕባኡ ኺጠቅስ ከሎ፡ በብዓይነቱ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኺህብ ከሎ ንረክብ (እብ.8፡2-5)። ኣብ እብ.9-10 ብዛዕባ እቲ ጥንታዊ ማሕደርን ብዛዕባ ኩሉ እቲ ናይ ሃይማኖት ስነ ስርዓትን ኪጽሕፍ ከሎ፡ ብዛዕባ ግብሪ ምድሓን ክርስቶስን ብዛዕባ ሊቀ ካህነቱን የስተምህር። ስለዚ ኣብቲ ዚውሃብ ቀንዲ ትምህርቲ፡ ሰብ ሓጢኣተኛ ኽነሱ ናብ እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ ኺቐርብ ኸም ዚኽእል ተገሊጹ ይርከብ። ክርስቶስ ምስ ሞተ መጋረጃ ቤት መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ተተርተረ፡ እዚ ኸኣ እታ ናብ እግዚኣብሄር እተብጽሕ መገዲ ኸም እተኸፍተት የርኢ (ማር.15፡37-38። እብ.10፡19)።