![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
አሰረ፤
ንሰብ ኣእጋሩ ኣብ ጉንዲ ኣጽኒዕካ ምጥማር (ግብ.16፡24)።
አስተርሓወ፤
ብዘይ ስግኣት፡ ብዘይ ፍርሃት፡ ብሰላምን ህድኣትን ተቐመጠ (ኤር.23፡ሶ)።
አኼደ፤
ብብዕራይ ገይሩ ኣብ ልዕሊ ዓውዲ እኽሊ ኣርገጸ (ዘዳ.25፡4)። አኼደ ማለት ዕዮ መምህር ወንጌልውን ኪገልጽ ይኽእል እዩ (1ቆረ.9፡9-10። 1ጢሞ.5፡17-18)።
አባጨወ፤
ፈከረ፡ ነዓቐ (1ሳሙ.17፡10)።
አዘዘ፤
ፍሉይ ህያብ ሃበ። እዚ ቓል እዚ ቀለብ ወይ ገንዘብ ወይ ከኣ ምድሪ ሃበ ኼስምዕ ይኽእል (1ነገ1.1፡18)።