![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ብህሞት፤
(ጉማረ)። መዓልቲ ኣብ ውሽጢ ማይ ዚድቅስ ለይቲ ኸኣ ኣብ ልዕሊ መሬት ዚስጣሕ ኣዝዩ ገዚፍ ዝኾነ እንስሳ (እዮ.40፡15-24)።
ብሉይ ኪዳን፤
ናይ ብሉይ ኪዳን ስፍራ ዘበን፤ እቲ ቕድሚ 900 ዓመት ቅ.ል.ክ. እተገብረ ተግባራት፡ ዓመታቱ ብልክዕ ንምውሳን ዚከኣል ኣይኮነን። ﷽ዓመት ተመልከት። ንኣብነት፡ እቲ ህዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ዝወጹሉ ዓመታት፡ ገሊኦም ብ 1445 ገሊኦም ከኣ ብ 1280 ቅ.ል.ክ. እዩ ኢሎም ይግምትዎ። ኣብርሃም ከኣ ካብ 2000 - 1850 ቅ.ል.ክ. ኣቢሉ ኸም ዝነበረ ይሕሰብ። እቶም ቅድሚ ኣብርሃም ዝነበሩ ሰባት ግና ክንደይ ዚኣክል ግዜ ኸም ዝነበሩ ፍሉጥ ኣይኮነን። እቲ ኣቆጻጽራ በበይኑ ስለ ዝኾነ፡ ልክዑ ንምፍላጥ ኣሸጋሪ እዩ። ገሊኦም ሊቃውንቲ ካብ ኣዳም ክሳዕ ክርስቶስ 5.500 ዓመት ሓሊፉ ይብሉ። ካልኦት ከኣ 10.000 ዓመት ይኸውን እዩ ዚብሉ ኣለው። እዚ ኻልኣይ ግምት ምስቲ ብናይ ኣርኬዮሎጂ ጥበብ እተረኸበ ምርመራን ምጽናዕትን ኪሰማማዕ ዚኽእል እዩ። እቲ ዛንታታት ብሉይ ኪዳን ካብ ኣዳም ጀሚሩ በብዓይነቱ እዩ፡ ስለዚ ኣብ ሸሞንተ ክፍለ ዘበን ከፊልና ንዝርዝሮ። ኣብዚ ዚስዕብ ሰሌዳ፡ ካብ ኣዳም ጀሚሩ እቶም ቀንዲ ሰባትን፡ ተግባራትን፡ ሽዑ ዝነበረ ኣምልኾን በብተርታኡ ተመልኪቱ ኣሎ። ቁጽሪ እቲ ዓመታት ግና ምሉእ ርግጽነት ስለ ዘይብሉ ኣብ ጎድኑ ናይ ሕቶ ምልክት ተገይሩ ኣሎ።
ዘበን |
ቀንዲ ተግባራት |
ዓመታት ቅ.ል.ክ. |
ዓበይቲ ሰባት |
ናይ ኣምልኾን ናይ ሃይማኖት ኩነታትን |
መ ኣ ቦ
ህ ሃ
ነ ም መ
ም ም |
ፍጥረት ካብ ኡር ናብ ካብ ከነኣን ናብ
ፋስጋ ናብ ከነኣን
የሩሳሌም
1. ሰማርያ
2. የሩሳሌም
ስደት
ኣብ ባቢሎን
ምምላስ መንግስቲ
መንግስትñ ግሪኽ መንግስቲ ሮሜ |
10000
1900 (?)
1710 (?)
1280(?)
1240 (?)
1051-1011
931-722
931-587
ሀ) 605 607-538
539-330
330-63 |
ኣዳም ኖህ
ኣብርሃም
ይስሃቅ ሙሴ
እያሱ፡
ሳኦል
የሮብዓም ሮብዓም
ህዝቅኤል
ኣስቴር (480)
ኣንጥያኮስ
|
ኣብ ገነት ዝነበራ ክልተ ኣእዋም
ምእንቲ ምድርን ዘርእን እተዋህበ ተስፋ፡
ዓሰርተ ትእዛዝ፡ ምስ ዚእዘዙ በረኸት |
ምስ ዚብድሉ ቅጽዓት ታቦት ኣብ ቤት-ኤል መዛሙር
ምራኽ ወርቂ ጣኦት በዓል ኣብ
ካልእ ኣምልኾ ብዝሒ ሓጥያት
ምፍራስ ቤት
ምእካብ ኣብ ቤት መቕደስ
ፈሪሳውያን |
ብልሒ፤
እተሳሕለ ጫፍ ሽንካር ወይ ምስማር መሳሊ። ቀደም ዘበን እቶም ሓረስቶት ኣብ ክንዲ ከêርማጅ ብበሊሕ ነገር ገይሮም ኣብዑር ይደፍኡ ኸም ዝነበሩ ነንብብ (መሳ.3፡31)። ብልሒ ኣብ መ.ቅ. ምሳሌ ብዙሕ ነገራት ኮይኑ ይጥቀስ (መክ.12፡1፡ ግብ.9፡5፤ 26፡14)። ኣብ 1ቆረ.15፡55-56 ግና፡ ምሳሌ ናይ ሓጢኣት ኮይኑ ተተርጕሙ ኣሎ።
ብልዒ፤
ጽምብላልዕ ዚመስል፡ ዓለባን ቆርበትን እኽልን ዚበልዕ ሓሰኻ (እዮ.13፡28። ኢሳ.51፡8። ማቴ.6፡19-21። እያ.5፡2)።
ብልያል፤
﷽ሰይጣን ተመልከት።
ብሩህ ብሮት፤
እዚ ቓል እዚ ኣብ ቆርበት ስጋ ዚወጽእ ዝኾነ ይኹን ለውጢ ቐለም ዜመልክት ሕማም እዩ (ዘሌ.14፡56)። ﷽ሕማማት ተመልከት።
ብሩር፤
ካብ ካልኦት ማዕድናት ካልኣይ ማዕርግ ዝሓዘ ማዕድን። ዚበዝሕ ጊዜ ወርቂ ንዝኸበረ ኣቕሓ ኪኸውን ከሎ፡ ብሩር ከኣ ካብ ቀደም ዘበን ጀሚሩ እተለምደ ገንዘብ ነበረ (ዘፍ.23፡16። ኤር.32፡9)። የሱስ ክርስቶስ ብሰላሳ ቅርሺ ብሩር ተሸጠ (ማቴ.26፡15)። ብሩር ንስልማትን ንመስርሒ ኣቕሑን ከኣ ይኸውን እዩ (ዘፍ.44፡2። ዘጸ.12፡35)።
ብሩኽ፡ ብሩኻት፤
እተባረኸ፡ በረኸት እተቐበለ፡ እተመስገነ (ማር.14፡16። ኢሳ.65፡23)።
ብርሃን፤
እግዚኣብሄር ብርሃን እዩ (1ዮሃ.1፡5። 1ጢሞ.6፡16)፡ ብርሃን ከኣ ፈጠረ (ዘፍ.1፡3)። የሱስ ብርሃን ዓለም እዩ (ዮሃ.1፡49፤ 9፡5)። እግዚኣብሄር ኣብ ልቢ ሰብ ብርሃን የብርህ (2ቆረ.4፡6። ኤፌ.5፡14)፡ እቶም ኣመንቲ ኸኣ ብርሃን ዓለም ይኾኑ (ማቴ.5፡14-16)። ቃል እግዚኣብሄር ብምግባርን ብምዝርጋሕን ብርሃን ይኾኑ (ፊል.2፡14-16)። ሕጊ እግዚኣብሄር ብርሃን እዩ (መዝ.119፡105)። ﷽ጸልማት ተመልከት።
ብርኪ፤
ብርኒጎ፤
ቆቛሕ እትመስል ንእሽቶ ዑፍ። እዘን ኣዕዋፍ እዚኤን ገምገመ-ገምገም መሬት እናነፈራ ብብዝሒ ይበራ። ደቂ እስራኤል ኣብ በረኻ ሲና ስጋ ኺበልዑ ምስ ተተምነዩ እግዚኣብሄር ብብዝሒ ብርኒጎታት ሰደደሎም (ዘጸ.16፡13። ዘሁ.11፡31)። ﷽ኣዕዋፍ ተመልከት።
ብርኒጎታት
ብርጭቕ፤
ዱባ ዚመስል ዓይነት ፍረ (ዘሁ.11፡5)።
ብንያም፤
ትርጉም እዚ ስም እዚ፡ ወዲ የማነይቲ ኢደይ ማለት እዩ። ምናልባሽ ከኣ ወዲ ደቡብ ተባሂሉውን ኪትርጎም ይከኣል እዩ። ብንያም እቲ ናይ መወዳእታ ወዲ ያእቆብ እዩ። ራሄል ኣዲኡ ብዙሕ ጽዒራ ምስ ወለደቶ እሞ ክትመውት ምስ ቀረበት፡ ቤን-ኦኒ ኣውጽኣትሉ፡ ትርጉሙ ኸኣ ወዲ ጻዕሪ ማለት እዩ። ያእቆብ ኣቦኡ ግና ብንያም ኢሉ ሰመዮ (ዘፍ.35፡16-20)። ብንያም ሓደ ኻብቶም ነገዳት እስራኤል ኮነ እሞ፡ ኣቦ ነገድ ብንያም ተባህለ (ዘፍ.46፡21)። ያእቆብ ንብንያም ﷽ዘራፊ ተኹላ ይብሎ (ዘፍ.49፡27)። ምድሪ ከነኣን ኣብ መንጎ እቶም ዓሰርተው ክልተ ነገዳት ምስ ተኸፍለ፡ እቲ ግደ ብንያም ብወገን ሰሜን ምስ ኤፍሬም ብወገን ደቡብ ከኣ ምስ ይሁዳ ይዳወብ ነበረ (እያ.18፡11-20)። ካ 3 ሰ። ነገድ ብንያም ኣዝዩ ዜጸይፍ ሓጢኣት ስለ ዝገበሩ፡ ከም እተቐጽዑ ነንብብ (መሳ.19፡21)። ንጉስ ሳኦልን ሃዋርያ ጳውሎስን ካብ ዓሌት ብንያም ተወልዱ (1ሳሙ.9፡1-2። ፊል.3፡5)። ﷽ነገድ ተመልከት።
ብኤል-ዜቡል፤
እዚ ቓል እዚ፡ ጎይታ ጽንጽያ ማለት እዩ። ኣብ ዔቅሮን ዚነብሩ ዝነበሩ ፍልስጥኤማውያን ዘምልኽዎ ዝነበሩ ጣኦት (2ነገ.1፡2-6)። እዚ ኣምላኽ እዚ፡ ጎይታ ጽንጽያ ተባሂሉ እተሰምየሉ ምኽንያት፡ ከምቲ እምነት ፍልስጥኤማውያን፡ ጽንጽያ ዚፈጥር ንሱ ከም ዝኾነ ይእመን ስለ ዝነበረ እዩ። ከምቲ እምነቶም ከኣ፡ ብኤል-ዜቡል ጎይታ ጽንጽያ ስለዝኾነ፡ ብጽንጽያ ገይሩ ሕማም ኣብ ህዝቢ ኼውርድ፡ ወይ ከኣ ጽንጽያ ካብ ሃገር ብምጥፋእ ሕማም ኪኽልክል ስልጣን ከም ዝነበሮ ይኣምኑ ነበሩ። ኣብ ሓ.ኪ. ግና ብኤል-ዜቡል ኪብሃል ከሎ፡ ሰይጣን ወይ ከኣ ሓለቓ ኣጋንንቲ ዚስመየሉ ስም ኮይኑ ንረኽቦ (ማቴ.12፡24። ሉቃ.11፡15)።
ብኤል-ለሓይ-ሮይ፤
ትርጉም እዚ ቓል እዚ፡ ዔላ እቲ ዚርእየኒ ህያው፡ ማለት እዩ። ኣብ ጥቓ እዚ ዔላ እዚ እግዚኣብሄር ንኣጋር ገረድ ሳራ ተገልጸላ እሞ፡ ብዛዕባ እቲ እትወልዶ እስማኤል ወዲ ኣብርሃም ነገራ (ዘፍ.16፡7-14)።
ብኤር-ሸባዕ፤
ካብ ኬብሮን 40 ኪ.ሜ. ንደቡብ ርሒቓ እትርከብ ከተማ። እዚ ስም እዚ ኣብርሃም ዘውጽኦ ስም እዩ (ዘፍ.21፡30-31)። እታ ይስሃቅ ሺብዓ ዜውጽኣላ ዔላ፡ ብኤር-ሸባዕ ከኣ ተባህለት (ዘፍ.26፡33)፡ ኩሉ ግና ሓደ ቦታ እዩ ዚመስል። ብኤር-ሸባዕ ቀንዲ ከተማ ናይ ወገን ደቡብ እስራኤል ስለ ዝነበረት፡ ﷽ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ እናተባህለ ይጥቀስ (መሳ.20፡1። 2ዜና.30፡5)። ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ብኤር-ሸባዕ ይቕመጡ ነበሩ (ዘፍ.22፡19፤ 26፡23፤ 46፡1)። ኤልያስ ብብኤር-ሸባዕ ኣቢሉ ናብ ከረን ሲና ኸደ (1ነገ.19፡3)። ብኤር-ሸባዕ በዚ ጊዜ እዚ ዓባይ ከተማ ኾይና ኣላ። ካ 3 በ።
ብኹዕ፤
(ማይ ብሑቕ)፡ መብኩዒ ሓድሽ ብሑቕ። ዝበኹዔ ብሑቕ። ብጊዜ ፋስጋ ብኹዕ መስዋእቲ ብልዒ ምቕራብ ክልኩል ነበረ (ዘጸ.12፡15፥20። ዘሌ.2፡11)። ማይ ብሑቕ ምሳሌ መንግስቲ እግዚኣብሄር (ማቴ.13፡33፤ 16፡6) ወይ ከኣ ምሳሌ ኽፍኣት (1ቆረ.5፡6-8) ኮይኑ ይጥቀስ።
ብኹርና፤
﷽በኹሪ ተመልከት።
ብዕራይ፤
﷽ከብቲ ተመልከት።
ብጹእ፤
እተመስገነ፡ እተባረኸ (መዝ.1፡1)።
ብጹእ፡ ብጹኣን፡ ብጽእቲ፤
እተባረኸ ሕጉስ ሰብ ማለት እዩ (ግብ.20፡35። ሉቃ.1፡47-49። ማቴ.5፡3-11)።
ብጻይ፤
ኣብ ብሉይ ኪዳን እቲ ጎረቤትካ ዘበለ ብጻይካ ኸኣ እዩ። ኣብተን ዓሰርተ ትእዛዛት፡ ካብ ሳድሰይቲ ክሳዕ ዓስረይቲ፡ ብዛዕባ ሓላፍነት ሰብ ንብጻዩ ተገሊጹ ንረክብ (ዘጸ.20፡13-17)። ብጻይና ኽንፈቱ ከም ዚግብኣና ኣብ ብሉይ ኪዳንን ኣብ ሓድሽ ኪዳንን ትእዛዝ ተዋሂቡና ኣሎ (ዘሌ.19፡18። ምሳ.14፡21። ማቴ.19፡19)። ክርስቶስ ንኹላ ዓለም ስለ ዝሞተ፡ ኩሉ ሰብ ብጻይና እዩ (ሉቃ.10፡25-37)።