![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ጴርያ፤
ኣብ ወገን ምብራቕ ዮርዳኖስ ዚርከብ ሃገር። ኣብ ሓ.ኪ. ማዕዶ የሩዳኖስ ተባሂሉ ተጠቒሱ ኣሎ (ማቴ.4፡15-25። ማር.3፡7-8)።
ጴርጋሞስ፤
ቀደም ዘበን ኣብ ንእሽቶ እስያ ኣብ ክፍሊ ሃገር ሚስያ ዝነበረት ርእሲ ኸተማ። ናይ ተቐመጥቲ ጴርጋሞስ ምልክት ሃይማኖት፡ ተመን ከም ዝነበር ንዝክር። ከምኡ ኸኣ ንቄሳር ኣውጉስጦስ ሓደ መቕደስ ኣብኣ ተሰሪሑ ነበረ። ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ከሎ ኣብ ጴርጋሞስ ማሕበር ከም እተመስረተት ይመስል (ግብ.19፡10)። ኣብ ከተማ ጴርጋሞስ እቶም ኣመንቲ ብርቱዕ ፈተና ከም እተፈተኑ ነንብብ (ራእ.1፡11-12፤ 2፡12-17)። በዚ ጊዜ እዚ ኣብቲ ጴርጋሞስ ዝነበረቶ ቦታ፡ ሓንቲ ንእሽቶ ኸተማ ኣላ። ካ 7 ሰ።
ጴቃሕ ወዲ ረማልያ፤
ካብ 740 ክሳዕ 732 ቅ.ል.ክ. ነጊሱ ዝነበረ መበል 18 ንጉስ እስራኤል። ጴቃሕ ንጴቃሕያ ቐቲሉ ኣብ ክንድኡ ነገሰ። ጴቃሕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ (2ነገ.15፡25-28)። ምስ ንጉስ ሶርያ ተሰማሚዑ ንነገስታት ይሁዳ፡ ንዮታምን ንኣሃዝን ወረረ (2ነገ.15፡27፤ 16፡5። ኢሳ.7፡1፥ 5-6)፡ ተዋግኦም ከኣ እምበር ኣይሰዓሮምን (2ዜና.28፡5-15። ኢሳ.7፡4-7)። ብዘበን ጴቃሕ፡ ንጉስ ሶርያ እናበርትዔ ስለ ዝኸደ ነቶም ኣብ ገለኣድን ገሊላን ዝነበሩ እስራኤላውያን ማረኾም (2ነገ.15፡29)። ሆሴእ ወዲ ኤላ ድማ ንጴቃሕ ቐተሎ እሞ፡ ኣብ ክንድኡ ነገሰ (2ነገ.15፡30)።
ጴቃሕያ፤
ድሕሪ ኣቦኡ ምናሔም ካብ 742 ክሳዕ 740 ቅ.ል.ክ. ነጊሱ ዝነበረ መበል 17 ንጉስ እስራኤል። ጴቃሕያ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ጴቃሕ ወዲ ረማልያ፡ ሓደ ካብ ሓላቑ ሰራዊቱ ድማ፡ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ንጉስ ቀተሎ (2ነገ.15፡23-26)።
ጴጥሮስ፤
ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት። ቅድም ስምኦን ይብሃል ነበረ፡ ደሓር ግና የሱስ ኬፋ ኢሉ ሰመዮ። ኬፋ ብኣራማይስጢ ጴጥሮስ ከኣ ብግሪኽ፡ ከውሒ ማለት እዩ (ማር.3፡16። ዮሃ.1፡43)። ጴጥሮስ ብዓል ቤት ሳይዳ እዩ፡ ብዙሕ ትምህርቲ ኸኣ ኣይነበሮን (ማር.14፡70። ዮሃ.1፡45። ግብ.4፡13)። ምስ ሓው እንድርያስ ዓሳ እናገፈፈ ኣብ ቅፍርናሆም ይነብር ነበረ፡ ብዓልቲ ቤት ከም ዝነበረቶውን ነንብብ (ማር.1፡29-30)። ንመጀመርታ ጊዜኡ ምስ የሱስ ዘፋለጦ እንድርያስ ሓው እዩ (ዮሃ.1፡41-43)። ድሕሪኡ ኸኣ የሱስ ኣብ ክንዲ ዓሳ፡ ሰባት ምእንቲ ኺገፍፍ (ኬእምን) ጸውዖ (ማር.1፡16-17። ሉቃ.5፡1-11)። ወዲ መዝሙር ምስ ኮነ ንሃዋርያነት ተጸውዔ (ማር.3፡13-16)። ኩሉ እቲ ሃዋርያት ዝገበርዎ ተግባር ገበረ። ብፍላይ ከኣ፡ የሱስ ንጓል ያኢሮስ ካብ ምውታን ኬተንስኣ ከሎን (ማር.5፡35-43)፡ ኣብቲ ኸረን ክብሩ ኺገልጽ ከሎን (ማር.9፡2-8)፡ ኣብ ጌተሰማኔ ኺጽሊ ኸሎን (ማር.14፡32-43) ጴጥሮስ ምስ የሱስ ከም ዝነበረ ንርኢ። ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ብእግሩ እናኸደ ናብ የሱስ ኪመጽእ ሃቀነ፡ እንተኾነ ግና ብምኽንያት ጉድለት እምነቱ ኺጥሕል ምስ ደለየ፡ የሱስ ኣድሓኖ (ማቴ.14፡28)። የሱስ እቲ ክርስቶስ (እቲ መሲህ) ከም ዝኾነ መስከረ፡ እንተኾነ ግና ኣብ መጀምርታ የሱስ ብሞቱ ገይሩ ንሰባት ከም ዜድሕን ኣይተረድኤን (ማቴ.16፡15-23)። ﷽መሲህ ተመልከት። ነቶም ንየሱስ ኪሕዙ ዚመጹ ሰባት ብሴፍ ገይሩ ኪከላኸሎም ጀመረ (ዮሃ.18፡10-11)፡ ደሓር ግና ንየሱስ ሰለስተ ጊዜ ኸሓዶ (ማር.14፡66-72)። ጴጥሮስ ብመዓልቲ ትንሳኤ ናብ መቓብር ጎይታ ጎየየ (ዮሃ.20፡3-7)፡ ድሕሪኡ ኸኣ የሱስ ተራእዮ (ሉቃ.24፡34)። የሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ገሊላ፤ ﷽ተፍቅረኒዶ ኢኻ? እናበለ ሰለስተ ጊዜ ሓተቶ፡ ﷽ኣባጊዔይ ሓሉ፡ ምስ በሎ ኸኣ፡ ብኸመይ ዝኣመሰለ ሞት ከም ዚመውት ሓበሮ (ዮሃ.21፡1-23)።
ጴጥሮስ ድሕሪ ዕርገት የሱስ፡ መራሒ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኮነ (ግብ.1፡15-22)። ብመዓልቲ በዓል ሓምሳ ዓቢ ስብከት ሰበኸ (ግብ.2፡14-42)። ምስ ዮሃንስ ኮይኑ ንሓደ ኣእጋሩ ዝሞተ ሰብኣይ ኣሕወየ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ዋዕላ ተኸሰ፡ ተገርፈ ኸኣ (ግብ.3፡1-4፥ 22፤ 5፡17-42)። ሃናንያን ሰጲራን በቲ ጴጥሮስ እተዛረቦ ቓል ሞቱ (ግብ.5፡1-11)። ሃዋርያ ኮይኑ ናብ ሰማርያ ኪኸይድ ተመርጸ፡ ኣብ ብዙሓት ዓድታት ከኣ ቃል ወንጌል ሰበኸ (ግብ.8፡14-25)። ናብ ልዳን ዮጴን ኪኸይድ ከሎ፡ ሕሙማት ኣሕወየ (ግብ.9፡32-43)። ኣብ ዮጴ ኸኣ ራእይ ረኣየ እሞ፡ ብትእዛዝ ጎይታ ናብ ቤት ቆርኔሌዎስ ከደ። ኣብኡ ወንጌል ስለ ዝሰበኸ ድማ ኣህዛብ ናብ ቤተ ክርስትያን ኪኣትው ኸኣሉ (ግብ.10)። ናብ የሩሳሌም ምስ ተመልሰ ገሊኦም ተቓወምዎ፡ ጴጥሮስ ግና እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ ኸም ዝመርሖ ነገሮም፡ ስለዚ እታ ቤተ ክርስትያን ወንጌል ንኣህዛብውን ከም እተዋህበ ተረድኤት (ግብ.11፡1-18)። ሄሮድስ ንጴጥሮስ ኣሰሮ፡ እቶም ኣመንቲ ስለ ዝጸለዩሉ ግና ብመልኣኽ እግዚኣብሄር ተፈትሔ (ግብ.12፡1-17)። ናብ ኣንጾክያ ምስ ወረደ መጀመርታ ምስ ኣህዛብ በልዔ፡ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሄ ግና ኣግለሰ። ነቲ ምስ ኣህዛብ ዝነበሮ ርክብ ስለ ዘቋረጸ ጳውሎስ ከም ዝወቐሶ ነንብብ (ገላ.2፡11-16)። ኣብ ዋዕላ የሩሳሌም ብዛዕባ ኣህዛብ ንሓሳብ ጳውሎስ ደገፈ፡ ኩሎም ሰባት ብሓንቲ መገዲ ጥራይ ከም ዚድሕኑ ኸኣ መስከረ (ግብ.15፡7-11)። ክልተ መልእኽታት ጸሓፈ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብዘበን መንግስቲ ኔሮ ኣብ ከተማ ሮሜ ተሰቒሉ ኸም ዝሞተ ይዝንቶ።
ብጀካ እዚ ኣብ ላዕሊ እተዘርዘረ ዛንታ፡ ጴጥሮስ ብፍጥረቱ ብርቱዕን ንፉዕን ከም ዝነበረ ንዝክር። ህዉኽ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ተቐላጢፉ ብዘይ ምስትውዓል ስጉምቲ ይወስድ እሞ፡ እንሓንሳእ ኣብ ጌጋ ይወድቕ ነበረ። ጌጋኡ ምስ ፈለጠ ግና ብጌጋኡ ተጣዕሰ (ሉቃ.5፡8-10። ማር.14፡72)። ብምሉእ ልቡ ንክርስቶስ ምስዓብን ምሕጓስን ፈተወ (ዮሃ.21፡17)። ሽሕ እኳ ከምቶ ሊቃውንቲ ኣይሁድ እንተ ዘይተማህረን፡ ከምኡ ውን ነቲ ብጳውሎስ ዚውሃብ ትምህርቲ ከቢድ ምዃኑ እንተ መስከረን፡ ንወንጌል ብግሁድ ሰበኸ እሞ (2ጴጥ.3፡16)፡ ብዙሓት ሰባት ኣእመነ። ጴጥሮስ ናይቶም ሃዋርያት መራሒ ኸም ዝነበረ ግሉጽ እዩ፡ ካብቶም ካልኦት ሃዋርያት ዝበለጸ ፍሉይ ስልጣን ከም እተዋህቦውን ነስተውዕ(ማቴ.16፡18-19)። እዚ ስልጣን እዚ ኸኣ ማዕጾ ወንጌል ንኣይሁድን ኣህዛብን ኪኸፍት ተዋህቦ። እዚ ፍሉይ ስልጣን እዚ ግና፡ ናብ ካልኦት ኪመሓላለፍ ከም ዚግባእ ኣብ ወንጌል ኣይተገልጸን። ﷽ሃዋርያ ﷽ምእሳርን ምፍታሕን ﷽መኽፈቻ ﷽ምምሕዳር ቤተ ክርስትያን ተመልከት።
ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ፤
ሃዋርያ ጴጥሮስ ነታ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ኣብ ጊዜ መከራን ስደትን ጸሓፋ። ነተን ኣብ 1ጴጥ.1-2 እተጠቕሳ ኣውራጃታት ዚነብሩ ዚነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፍ ከሎ፡ ብግዜ መከራ ኺብርትዑን ከም ግቡእ እንተመላለሱ ነቲ እተዳለወሎም ክብረት ኪሕልውን ይመኽሮም። እቲ ኽብረቱ ርጉጽ ከም ዝኾነ እናገለጸ፡ ኪዕገሱ የተባብዖም (1ጴጥ.1፡6-7፤ 3፡14-18፤ 4፡12-19፤ 5፡9-10)። ነታ መልእክቱ ካብ ባቢሎን ከም ዝጸሓፋ ይገልጽ (1ጴጥ.5፡13)። ﷽ባቢሎን ኪብል ከሎ ግና ﷽ሮሜ ማለቱ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ ብ 63 ዓ.ም. ኣቢላ ተጻሕፈት።
ክፍልታት ቀዳመይቲ መልእክቲ ጴጥሮስ፤
ካልአይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ፤
እዛ መልእኽቲ እዚኣ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ጥቓ ሞቱ ዝጸሓፋ እያ (2ጴጥ.1፡1፥ 12-15)። ገለ ሰባት ﷽ስሉኽ ኢሎም ኣትዮም ናይ ሓሶት ትምህርቲ ይምህሩ ስለ ዝነበሩ፡ ጴጥሮስ ነቶም ኣመንቲ ኼጠንቅቕ ነዛ ኻልአይቲ መልእኽቲ ጸሓፈ (ይሁ.4። 2ጴጥ.1፡16-21፤ 2፡3)። ካልአይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ ብ 64 ዓ.ም. ኣቢላ ተጻሕፈት።
ክፍልታት ካልአይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ፤