![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ዑዝያ | ዑፈ
ዑዝያ፤
ትርጉም እዚ ስም እዚ፡ ﷽እግዚኣብሄር ሓይለይ እዩ፡ ማለት እዩ። ዑዝያ ካብ 791 ክሳዕ 740 ቅ.ል.ክ. ኣብ ይሁዳ ነጊሱ ዝነበረ ንጉስ እዩ። ዑዝያ ብተወሳኺ ኣዛርያ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ፡ ብዘበኑ ኸኣ ነብዪ ኢሳይያስ ይነብር ነበረ። ዑዝያ ኣብ መጀመርታ ብጽቡቕ ኩነታት እዩ ዝነገሰ፡ መንግስቱ ሰፊሓ ጸንዔት፡ እግዚኣብሄር ከኣ ይረድኦ ነበረ። ምስ ደልደለ ግና ትዕቢት ገበረ እሞ ናብ ቤት መቕደስ ኣትዩ ዕጣን ዓጠነ። ዘይግብኦ ኣገልግሎት ካህን ስለ ዝገበረን፡ እቶም ካህናት ምስ ገሰጽዎ ኸኣ ኣብ ልዕሊኦም ስለ እተቖጥዔን ብለምጺ ተቐጽዔ (2ነገ.14፡21-22፤ 15፡1-7። 2ዜና.26)።
ዑፈ፤
ሕብሪ ጤለ-በጊዕ (ዘፍ.30፡35-40፤ 31፡8-10)።