![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ዔላ፤
ዔቅሮን፤
ካብ ኩላተን ከተማታት ፍልስጥኤማውያን ናብ ይሁዳ ዝቐረበት ከተማ። ንጉስ ኣሓዝያ ምስ ሓመመ ንኣምላኽ ዔቕሮን ኪሓትት ልኡኻት ለኣኸ (2ነገ.1፡2-3)። ካ 5 ሰ። ﷽ኣስቃሎን ተመልከት።
ዔባል፤
﷽ጌሪዝምን ዔባልን ተመልከት።
ዔብድ-ሜሌክ ወይ ኣቢሜሌክ፤
ዔብድ-ሜሌክ ኣገልጋሊ ንጉስ ማለት እዩ። እዚ ሰብ እዚ ንነብዪ ኤርምያስ ካብ ሞት ዘድሓነ ስሉብ ኢትዮጵያዊ እዩ። እቶም ጸላእቲ ኤርምያስ ቃል እግዚኣብሄር ኪሰምዑ ስለ ዘይደልዩ ብፍቓድ ንጉስ ጼድቅያስ ንኤርምያስ ናብ ዔላ ደርበይዎ (ኤር.38፡7)። ዔብድ-ሜሌክ እቲ ስሉብ ግና ሕያውነት ተግባር ብምግባሩ ንኣምላኽ ስለ ዘገልገለን ኣብ ኣምላኽ ስለ እተኣመነን፡ ኣምላኽ ካብቲ ናብታ ኸተማ ኬውርዶ መዲቡ ዝነበረ መቕጻዕቲ ከም ዜድሕኖ ብኣፍ ኤርምያስ ተስፋ ኸም ዝሃቦ ነንብብ (ኤር.39፡15-18)። ኣብ መ.ቅ. ኣቢሜሌክ ተባሂሎም እተሰምዩ ካልኦት ሰባትውን ኣለው፤
ዔን-ሮጌል፤
ርባ ቄድሮንን ርባ ሄኖንን ዚራኸቡሉ ኣብ ወገን ደቡብ የርሳሌም ዚርከብ ዔላ ማይ። ዶብ ብንያምን ይሁዳን ክሳዕ ዔን-ሮጌል ይበጽሕ ነበረ (እያ.18፡16)። ዮናታንን ኣሒምዓጽን ኣብ ዳዊት ወረ ንምብጻሕ ምእንቲ ኪኽእሉ ኣብ ዔን-ሮጌል ተሓቢኦም ነበሩ (2ሳሙ.17፡17-22)። ኣዶንያ ኣብ ዔን-ሮጌል ኣብ ልዕሊ ሰሎሞን ሓው ተግባር ዓመጽ ኪገብር ፈተነ (1ነገ.1፡9)።
ዔን-ዶር፤
ኣብ መንጎ ናዝሬትን ከረን ታቦርን ዝነበረት ከተማ። ሳኦል ነታ መንፈስ ጥንቆላ ዝነበራ ሰበይቲ ኺጥይቕ ናብ ዔን-ዶር ከም ዝኸደ ነንብብ (1ሳሙ.28፡7)።
ዔን-ጌዲ፤
ካብ መሳዳ 18 ኪ.ሜ. ርሒቑ ኣብ ወገን ሰሜን ዚርከብ ፈልፋሊ። ኣብ ገምገም ባሕሪ ጨው ኣብ ወገን ምዕራብ ካልእ ፈልፋሊ የልቦን። ዳዊት ካብ ሳኦል ሃዲሙ ኣብ ዔን-ጌዲ ተሓብኤ (1ሳሙ.24፡2፤ 24፡3-8)። ኣብዚ ቦታ እዚ ዮሳፋጥ ንጸላእቱ ሰዓረ (2ዜና.20፡2)።
ዔጽዮን-ጋበር፤
ኣብ ገምገም ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ጥቓ ኤላት ዘላ ኸተማ። ንጉስ ሰሎሞን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ መራኽብ ይሰርሕ ነበረ (1ነገ.9፡26)። ዔጽዮን-ጋበር ሎሚውን ወደብ ኮይና ኣላ። ካ 2 በ።