![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ዓለም፤
ዓለም ቅድም ኣይነበረትን፡ እግዚኣብሄር ግና ብቓሉ ፈጠራ (ዘፍ.1፡1። እብ.11፡3)። እዛ ዓለም እትብል ቃል፡ ኩሉ ፍጥረትን (ዮሃ.1፡10)፡ ኩሉ ህዝቢ ዓለምን (ዮሃ.16፡21)፡ ኣይሁድን ኣህዛብን (ዮሃ.4፡42)፡ ኩሎም እቶም ንክርስቶስ ዘይቅበሉን (ዮሃ.17፡9) ወይ ከኣ ኹሎም እቶም ኣምላኽ ዘይከብረሎም ሰባትን (ዮሃ.3፡19) ከተመልክት ትኽእል።
ዓለቕቲ፤
ኣብ ውሽጢ ማይ ዚርከብ ሓሰኻ። ከብቲ ማይ ኪሰትያ ኸለዋ ብኣፈን ኣትዩ ደመን ዚመጺ ሓሰኻ (ምሳ.30፡15)።
ዓልወ፤
ጥዑም ሽታ ዘለዎ ኽቡር ዕንጨይቲ (ምሳ.7፡17)።
ዓመት፤
ኣብ እስራኤል እቲ ኣቆጻጽራ ዓመት፡ ካብታ እስራኤል ካብ ግብጺ ዝወጹላ ቐዳመይቲ ወርሒ ማለት ካብ ወርሒ ኒሳን ይጅምር (ዘጸ.12፡2)። እቲ ህዝቢ ብማሕረስ ዚነብር ስለ ዝኾነ ኸኣ፡ ኣብቲ መወዳእታ ዓጺድ ናይ መጠርነፍታ ዓመት በዓል ይብዕል ነበረ (ዘጸ.23፡16፤ 34፡22)። ዚበዝሕ እዋን እቲ ኣቆጻጽራ ጊዜ ብወርሒ ዘይኮነስ በቲ ኩነታት ማሕርስ ዚሕብር ጊዜ ተመልኪቱ ንረኽቦ (ዘሁ.13፡20። ሩት.1፡22)። ቀደም ዘበን፡ ዓመታት ኬመልክቱ ኸለው፡ ነታ ሓንቲ ኸተማ እተመስረተትሉ ጊዜን ወይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እተፈጸመሉ እዋንን ወይ ከኣ ካልእ ፍሉጥ ነገር ዝኾነሉ እዋንን እናጠቐሱ ነታ ዝደለይዋ ዓመት ይሕብሩ ኸም ዝነበሩ ንርኢ (ኣሞ.1፡1)። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ነቲ በብግዚኡ እተፈጸመ ተግባራት ምስቲ ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ዘሎ ኣቆጻጽራ ንምዝማዱ ንኽእል። ነቲ ድሕሪ ልደት ክርስቶስ ዝኾነ ነገራት ብዓመት ጌርካ ንምሕባር ኢሉ መጀመርታ ዝፈተነ፡ እቲ ኣብ ሳድሳይ ክፍለ ዘበን ዝነበረ ድዮናስዮስ ኤክስጉኦስ እተባህለ ፈላሲ እዩ። ካልእ ከኣ ሓደ ብዓሰርተው ሰለስተ ክፍለ ዘበን ዝነበረ ኣቡቦከር ኢብን ኢብራሂም እዩ። ካብኡ ንነጀው ከኣ ብዙሓት ሰባት ታሪኽ መንግስታት እናመርመሩ ዓመታት ኪቖጽሩ ኸም ዝመሃሩ ንዝክር። እንተኾነ ግና ብቑዕ ዝኾነ ናይ መጽናዕቲ መሰረትን መረድእን ስለ ዘይነበሮም፡ ነቲ ዓመታት ልክዕ ገይሮም ኪግምትዎ ኣይከኣሉን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ ሊቃውንቲ ብዙሕ ፍልልይ ኣሎ። ዝኾነ ኾይኑ ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ፡ ከም ታሪኽ ኮይኑ ኣብቲ ናይ መንግስቲ ባቢሎንን መንግስቲ ሮሜን ናይ እምኒ ቅርጽታት ተጻሒፉ ስለ እተረኽበ፡ ሊቃውንቲ ነዚ ምልክት እዚ መሰረት ገይሮም ዘድሊ መጽናዕትን ጸብጻብን ናይቲ ጊዜን መርሚሮም፡ ግምት እቲ ዓመታት ኪፈልጡ ክኢሎም ኣለው። ንኣብነት፡ ነቡካድነጻር ንየሩሳሌም ብ 587 ቅ.ል.ክ. ከም ዝሓዛ እተረጋገጸ ስለ ዝኾነ (2ነገ.24፡10-17)፡ ነዚ መሰረት ጌርና፡ ካልኦት ብዙሕ ዛንታታት እተፈጸመለን ዓመታት ክንፈልጥ ንኽእል። ﷽ናይ ብሉይ ኪዳን ስፍረ ዘበን ﷽ናይ ሓድሽ ኪዳን ስፍረ ዘበን ተመልከት።
በዓል ዓመት፤
ኣብ ዓዓመት ዚብዓል በዓል፡ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ዚብዓል በዓል (ኢሳ.30፡29)።
ዓመት እልልታ፤
ኣብ እስራኤል እታ ድሕሪ ሾብዓተ ሳዕ ሾብዓተ ዓመት፡ ማለት ኣብ መበል ሓምሳ ዓመት እትውዕል ዓመት እተቐደሰት ነበረት። እዛ ዓመት እዚኣ ዓመት እልልታ ተባሂላ ብመለኸት ትእወጅ ነበረት። ዓመት እልልታ፡ ባሮት ነጻ ዝወጹላ፡ ርስቶም እተታሕዘ ሰባት ርስቶም ዚምለሰላ፡ ምድሪ ዘይሕረሰላ ዓመት ከም ዝነበረት ነንብብ (ዘሌ.25)።
ዓመጻ፤
ክፍኣት (መዝ.7፡16)። እዚ ቓል እዚ፡ ስርቅን ክሕደትን ሽፍትነትን የመልክት። ሰብ ብምኽንያት በደሉ ካብ እግዚኣብሄር ምስ ተፈልየ ብንስሓ ኺምለስ እንተ ዘይፈተወ ዓመጸኛ ይብሃል። እቲ ሰብ እቲ ትዕቢተኛ ማለት እዩ (መዝ.45፡7፤ 51፡5። 1ተሰ.2፡3፥ 7-12)።
ናይ ዓመጽ ሰብ፤
﷽ተቓዋሚ ተመልከት።
ዓሚ፤
ትርጉም እዚ ቓል እዚ፡ ﷽ህዝበይ ማለት እዩ (ሆሴ.፡1-3)። ﷽ሎዓሚ ተመልከት።
ዓሞን፤
ሎጥ ካብታ ንእሽቶ ጓሉ ዝወለዶ ኣቦ ዓሞናውያን (ዘፍ.19፡38)።
ዓረር፤
﷽ርሳስ ተመልከት።
ዓረብ፤
ኣብ ደቡብ ሃገር እስራኤልን ሃገር ሶርያን ኣብ ምብራቕ ባሕሪ ኤርትራን ዚርከብ ምድረ በዳ። ኣብ መንጎ ኣዕራብ ከም እስምኤላውያንን ሚድያናውያንን ዘበሉ በበይኖም ነገዳት ይርከቡ (1ነገ.10፡14። ኤር.25፡24። ህዝ.27፡21። ገላ.1፡17)።
ዓራት፤
ቀደም ዘበን እቶም ድኻታት ዘበሉ ኽዳኖም ተኸዲኖም ኣብ መሬት ይድቅሱ ነበሩ። እቶም ማእከላይ ንብረት ዝነበሮም ሰባት ከኣ ብቖርበት ወይ ብሳዕሪ ወይ ከኣ ብላኻ ኣብ እተሰርሔ ምንጻፍ ይድቅሱ ነበሩ። እቶም ሃብታማት ግና ብዕንጨይቲ ወይ ብሓጺን ወይ ከኣ ብኻልእ ነገራት ገይሮም ዓራት ኪሰርሑ ጀመሩ (ዘዳ.3፡11። ኣሞ.6፡$)።
ዓሰርተ ትእዛዛት፤
እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ገይሩ ኣብ ከረን ሲና ንደቂ እስራኤል ዝሃቦም ናይ ኪዳን ትእዛዛት (ዘጸ.19፡5-20፡17)። እተን ትእዛዛት ኣብ ክልተ ጽላት ተጻሒፈን ተዋህባ (ዘጸ.31፡18)። እተን ጽላት ከኣ ኣብ ውሽጢ ታቦት ተነብራ (1ነገ.8፡9)። ደቂ እስራኤል ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ናብ ሃገሮም ኪኣትው ምስ ቀረቡ፡ ሙሴ ኻልኣይ ጊዜ ነተን ትእዛዛት ኣዘኻኸሮም። ነዚ ኺገብር ከሎ ከኣ ኩነታት ህዝቢ እስራኤል ሓድሽ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ናይ ምሕላው መዓልቲ ሰንበት ምኽንያት ከም እተለወጠ ንርኢ፡ ከምኡ ድማ ግራት ብጻዮም ከይምነዩ ዚሕብር ተወሳኺ ትእዛዝ ከም ዘዘኻኸሮም ነንብብ (ዘዳ.5፡6-21)።
ነዞም ኣብ ዘበን ሓ.ኪ. እንነብር ዘበልና ግና፡ ክርስቶስ ነዘን ትእዛዛት እዚኤን ስለ ዝፈጸመልና ኣብ ልዕሌና ከም ሕጊ ኣይኮናን (ገላ.4፡4-5)። እቲ ኣብዘን ትእዛዛት እዚኤን ዚርከብ መሰረታዊ ፍቓድ ኣምላኽ፡ ኣብተን፤ ﷽እታ ዓባይን ቀዳመይትን.............. እታ ካልአይቲ ድማ................፡ እተባህላ ትእዛዛት ተጠርኒፉ ንረኽቦ (ማቴ.22፡35-40። ሮሜ.13፡8-10)። ﷽ብሉይ ኪዳን ተመልከት።
ዓሰርተ ዓዲ፤
ኣብ ወገን ምብራቕ ዮርዳኖስ እትርከብ፡ ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ቁሩብ ዓመታት ኣቐዲሙ ብግሪኻውያን እተመስረታ ዓሰርተ ኸተማታት ዝነበርዋ ሃገር። እቶም ህዝቢ ﷽ዓሰርተ ዓዲ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ገንዘብን ሰራዊት ውግእን ስርዓትን ከም ዝነበሮም ኣብ ዛንታ ንርኢ። ካብ ﷽ዓሰርተ ዓዲ ብዙሓት ንየሱስ ከም ዝሰዓቡ ነንብብ (ማቴ.4፡24-25። ማር.5፡1-20፤ 7፡31-37)። እዛ ﷽ዓሰርተ ዓዲ ተባሂላ ዘላ ሃገር ሎሚ ኣብ ሃገር ዮርዳኖስ ትርከብ። ካ 5 ረ።
ዓሳ፤
﷽እንስሳ ተመልከት።
ወሓጥ ዓሳ፤
ዓሳ ኻብ ማይ ኣውጺኡ ዚበልዕ፡ ነዊሕ ኣፍ ዘለዎ ዑፍ ባሕሪ (ዘሌ.11፡13)። ﷽ኣዕዋፍ ተመልከት።
ገፋፍ ዓሳ፤
ሰባት ካብ ቀደም ጀሚሮም ካብ ሩባ ግብጽን (ዘሁ.11፡5) ካብ ዓቢ ባሕርን (ነህ.13፡16) ካብ ባሕሪ ገሊላን ዓሳ ይገፉ ነበሩ። እቲ ንምግፋፍ ዓሳ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ መሳርሒ ኸኣ፡ ኵናትን (እዮ.40፡31)፡ መቓጥንን (ማቴ.17፡27)፡ መርበብን (ዮሃ.21፡6-8) ነበረ። ኣብ ባሕሪ ገሊላ ብመጀለብን ብጋንጽላን ዚሰፋ ጀላቡ ገይሮም መርበቦም ኣብ ባሕሪ ብምስንዳው ዓሳ ይገፉ ኸም ዝነበሩ ንፈልጥ። ብመርበብ ገይሮም ዓሳ ምስ ገፈፉ ኸኣ፡ ነቲ ዝገፈፍዎ ኣብ ጃልባ ይግልብጥዎ ወይ ከኣ ስሒቦም ኣብ ገምገም ባሕሪ ይወስድዎ እሞ፡ ነቲ ጽቡቕ ዓሳ ኻብቲ ኽፉእ ይፈልይዎ ነበሩ (ሉቃ.5፡2-7። ዮሃ.21፡1-11። ማቴ.13፡48)። ካብቶም ደቂ መዛሙርቲ የሱስ ጴጥሮስን እንድርያስን ያእቆብን ዮሃንስን ገፈፍቲ ዓሳ ኸም ዝነበሩ ንዝክር (ማር.1፡16-20)። ቶማስን ናትናኤልን ካልኦት ደቂ መዛሙርቱውን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ (ዮሃ.21፡2-3)። ምግፋፍ ዓሳ ምሳሌ ፍርድን (ኤር.16፡16። ህዝ.32፡3። ማቴ.1347-50) ምሳሌ ዕዮ ወንጌልን እዩ (ማቴ.4፡19)።
ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ባሕሪ ገሊላ
ንምግፋፍ ዓሳ ዚዝውተር መርበብ
ዓሳሄል፤
ወዲ ጹርያ ሓብቲ ዳዊት። ሓው ዮኣብን ኣቢሻይን። ዓሳሄል ከምታ ኣብ መሮር እትርከብ ሰስሓ ቅልጡፍ ነበረ። ኣብኔር ንዓሳሄል ቀትሎ፡ ዮኣብ ከኣ ሕነ ሓው ኺፈዲ ኢሉ ንኣብኔር ቀተለ (2ሳሙ.2፡18-32፤ 3፡27። 1ዜና.11፡26)።
ዓስቢ፤
ደመወዝ (ዘፍ.29፡15)።
ብዓል ዓስቢ፤
ብውሱን ደመወዝ እተቖጽረ መዓልታዊ ዓያዪ (ሉቃ.15፡19። ዮሃ.10፡12-13)።
ዓሶ፤
ብጣንጡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዚመሓላለፍ፡ ረስንን ምንፍጥፋጥን ዚገብረልካ ዓይነት ሕማም (ዘዳ.28፡22። ማቴ.8፡15። ዮሃ.4፡52። ግብ.28፡8)። ﷽ሕማማት ተመልከት።
ዓሻ፤
ንእግዚኣብሄር ዘይኣምን፡ ንሰብ ዘይሕግዝ፡ ንጣዕሚ ርእሱ ጥራይ ዚነብር እሞ ብልሽው ጠባይ ዘለዎ ሰብ፡ ዓሻ ይብሃል (1ሳሙ.25፡25። መዝ.14፡1። ምሳ.15፡2። መክ.10፡14። ሉቃ.12፡20)።
ዓቐን፤
እብራውያን ብዘንግን ብእመትን ብስድርን ብስጉምትን ብኻልእ ኣካላት ሰብን ገይሮም ይዕቅኑ ነበሩ። እቲ ኣብ ግብ.27፡28 ﷽ቁመት ሰብ ተባሂሉ ናብ ትግርኛ ተተርጕሙ ዘሎ ﷽ኦርግያ ዚብል ናይ ግሪኽ ቃል፡ ዓቐን ናይ እተዘርግሓ ኣእዳው ይሕብር፡ እዚ ኸኣ መሰረታዊ መለክዒ ግሪኽ ኮይኑ ይዝውተር ነበረ። ሓደ ኦርግያ ኣርባዕተ እመት ይኸውን፡ ሓንቲ ምዕራፍ ከኣ ሚእቲ ኦርግያ ትበጽሕ ነበረት።
ዓበቕ፤
ኣብ ቆርበት ዚወጽእ ዜሕክኽ ዓይነት ሕማም (ዘሌ.21፡20)። ﷽ሕማማት ተመልከት።
ዓባስ፤
ኪዛረብ ዘይክእል ሰብ (ዘጸ.4፡11። ሉቃ.1፡20። ማቴ.9፡32-33፤ 12፡22። ማር.9፡25)። ዓባስ ከም ምሳሌ ሓደ ዘይጠቅም ነገር ዚዛረብ ሰብ ኮይኑ ተጠቒሱ ኣሎ (ኢሳ.56፡10)። ﷽ሕማማት ተመልከት።
ዓታልያ፤
ጓል ኣከኣብ። ዓታልያ ሰበይቲ ዮራም ንጉስ ይሁዳ ነበረት፡ ዮራም ምስ ሞተ ኸኣ ኣሓዝያ ወዱ ንሓንቲ ዓመት ነገሰ። ኣሓዝያ ብኢድ የሁ ምስ ተቐትለ ግና ዓታልያ ኣዲኡ ንሽዱሽተ ዓመት (841-835 ቅ.ል.ክ.) ኣብ ይሁዳ ነገሰት። ንግስቲ ዓታልያ ኽፍእቲ ሰብ እያ ዝነበረት፡ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ስልጣና ምእንቲ ኸይወዳደር ንኹሎም ዓሌት መንግስቲ ኣጥፍኤት። እቲ ኻብ ሞት ዝተረፈ፡ ዮኣስ ወዲ ኣሓዝያ ጥራይ ነበረ። ጸኒሑ ግና ዮኣስ ብሓገዝ ዮያዳ እተባህለ ሊቀ ካህናት ነገሰ፡ ዓታልያ ኸኣ ተቐትለት። ዛንታ ንግስቲ ዓታልያ ኣብዚ ዚስዕብ ክፍልታት ተጻሒፉ ኣሎ፤ (2ነገ.8፡18፥ 25-28 11፡1-20። 2ዜና.22፡1-23፤ 24፡7)።
ዓናቅ፤
ኣቦ ደቂ ዓናቅ። ደቂ ዓናቅ ነዋሕትን ሓያላትን ስለ ዝነበሩ፡ እስራኤል ፈርህዎም (ዘሁ.13፡32-33)። እያሱ ብዙሓት ካብኦም ቀተለ፡ ካሌብውን ካብ ኬብሮን ሰጎጎም። ገለ ኻብኣቶም ግና ኣብ ሃገር ፍልስጥኤም ተረፉ (እያ.11፡21-22፤ 14፡6-15)። ገሊኦም ሉቃውንቲ ጎልያድ ካብ ዓሌት ዓናቅ ከም ዝኾነ ይብሉ።
ዓናቶት፤
ካብ ሰሜን የሩሳሌም 5 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ዓዲ። ዓናቶት ዓዲ ኣብያታር እቲ ኻህን እያ። ሰሎሞን ንኣብያታር ሽመቱ ምስ ሰዓሮ ናብ ዓናቶት ከም ዝሰደዶ ነንብብ (1ነገ.2፡26)። ኤርምያስውን ብዓል ዓናቶት ስለ ዝነበረ፡ የሩሳሌም ምስ ተኸበት ካብ ሓደ ዘመዱ ኣብ ዓናቶት ግራት ተሻየጠ (ኤር.1፡1፤ 32፡7-9)።
ዓንቃሪቦ፤
ብሓጺን ዚስራሕ መትሓዚ ዓሳ። ሓደ ገፋፍ ዓሳ ኣብ ጫፍ እቲ ዓንቃሪቦ ሓሰኻ ወይ ንእሽቶ ስጋ ወጊኡ የእትወሉ። እቲ ዓሳ ነቲ ሓሰኻ ወይ ስጋ ኺውሕጥ ኣፉ ሃህ ምስ ኣበለ በቲ ዓንቃሪቦ ኣፉ ይተሓዝ እሞ፡ እቲ ገፋፍ ዓሳ ነቲ ምስ ዓንቃሪቦኡ እተኣስረ ነዊሕ ገመድ ብምስሓብ ነቲ ዓሳ ይሕዞ። ኣብ መ.ቅ. ትግርኛ እዚ ዓንቃሪቦ ዚብል ቃል እናንሳእ መቓጥን ወይ መቑለብ ዓሳ ተባሂሉ ተተርጕሙ ኣሎ (ህዝ.29፡4። ኣሞ.4፡2። ማቴ.17፡27)።
ዓንዲ፡ ኣዕኑድ፤
ናይ ህንጻታት ግሪኽ ዓንዲ
ዓይ፤
እዚ ቓል እዚ፡ ﷽ኩምራ ማለት እዩ። ዓይ ኣብ ወገን ምብራቕ ቤት-ኤል ዝነበረት ከተማ እያ። ኣብርሃም ድንኳኑ ኣብ ዓይ ተኸለ (ዘፍ.12፡8)። ካብተን ብእያሱ እተታሕዛ ኸተማታት ከነኣናውያን፡ ዓይ እታ ካልአይቲ እያ (እያ.7፡2-5፤ 8፡1-29)።
ዓይበት፤
ብቖርበት ዚስራሕ መቐመጢ እኽሊ (ዘፍ.42፡25፥28)።
ዓይኒ፤
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዓይኒ ምሳሌ ናይ ምስትውዓልን ብሩህ ሓሳብን ኮይና ትዝውተር (ማቴ.6፡23። ኤፌ.1፡18)። ምስኡውን ጠባይን ስምዒት ሰብን ትገልጽ (ዘዳ.7፡16። ኢሳ.፡15። ህዝ.24፡16)። ከምኡውን ዝሓለፈን ዚመጽእን ነገር ኩሉ ንምስትውዓል ትሕብር (ህዝ.1፡18)።
ዓይኒ ርግቢ፤
ከም መንፊት መሲሉ እተተትዔን እተጠላለፈን ማዕጾ መስኮት (መሳ.5፡28)።
ዓገዜን፤
﷽እንስሳ ተመልከት።
ዓጺድ፤
እቶም ናይ ቀደም ሰባት እኽሎም ኪእክቡ ኸለው ብኢዶም ይቕንጥብዎን ይሰብርዎን ነበሩ። ድሕሪኡ ኸኣ ብጽልጽለ (በሊሕ እምኒ)፡ ዕዮ ሓጺን ምስ ለመዱ ኸኣ ብማዕጺድ ኪዓጽዱ ጀመሩ። እቲ ኣብ መ.ቅ. ﷽ዓጺድ ንጉስ ተባሂሉ ዘሎ፡ እቲ ኣብ እዋን ቀውዒ፡ ህዝቢ ንንጉስ ዚህቦ እቶት ዘራእቲ እዩ (ኣሞ.7፡1)። ዚበዝሕ ጊዜ ዓጺድ ናይ ፍረ-ዕዮ ምሳሌ ኾይኑ ተዘውቲሩ ይርከብ (ምሳ.22፡8። ሆሴ.8፡7። 1ቆረ.9፡11። ገላ.6፡7-8)።