![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ህበይ | ህቦብላ | ህንደኬ | ህንጻ | ህዝቅኤል | ትንቢት ህዝቅኤል | ህዝቅያስ | ህያብ | ህያንክቶስ | ህይወት | መጽሓፍ ህይወት | ኦም ህይወትን ኦም ፍልጠትን
ቅለት፤
ናብ ዝሙትን ምንዝርናን ዚመርሕ መገዲ። ሰብኣይን ሰበይትን ብፍትወት ስጋ ተደፊኦም ምስ ዚጻወቱ፡ እዚ ተግባር እዚ ቅለት ይብሃል (ማር.7፡22)።
ቅላውዴዎስ፤
﷽ቄሳር ተመልከት።
ቅሌምንጦስ፤
እዚ ቅሌምንጦስ ተባሂሉ ዘሎ ሰብ፡ ብ 90 ዓ.ም. ኣቢሉ ናይ ሮሜ ጳጳስ ዝነበረ እዩ። እቲ ኣብ ፊል.4፡3 ተጠቒሱ ዘሎ ቅሌምንጦስ ከኣ፡ ንሱ ኸም ዝኾነ ዚብሉ ኣለው።
ቅልጽም፤
ኣዕጽምትን ኣንጉዕ ኣዕጽምትን (እዮ.21፡24)። ቅልጽም ምልክት ሓጎስ ኮይኑ ይምሰል (ኢሳ.25፡6)።
ቅሬጥስ፤
ኣብ ዓቢ ባሕሪ፡ ኣብ መንጎ ኤውሮጳን ኣብ መንጎ ንእሽቶ እስያን እትርከብ ደሴት። ክሬታውያን ሰብ ቅሬጥስ ነበሩ (1ሳሙ.30፡14)። ብመዓልቲ ጴንጠቆስተ ካብ ቅሬጥስ ዝመጹ ገለ ሰባት ኣብ የሩሳሌም ከም ዝነበሩ ነንብብ (ግብ.2፡11)። ጳውሎስን ቲቶስን ከኣ ኣብ ቅሬጥስ ቤተ ክርስትያን መስረቱ (ቲቶ.1፡5-14) ካ. 6 ኃ)።
ቅርቅርቲ፤
መንበስበስታ ወይ ከኣ ማእከላይ ክፍሊ ርእሲ። ﷽ዓመጻኡ ናብ ቅርቅርቱ ኺወርድ እዩ ኪብሃል ከሎ፡ ምሉእ ኣካላት የመልክት (መዝ.7፡16)።
ቅብኣት፤
ካብ በብዓይነቱ ኣትክልቲ ተጸሚቑ ዝወጽእ ፈሳሲ ዓይነት (ዘጸ.30፡22-32)። ቅብኣት ናይ መንፈስ ቅዱስ ምሳሌ እዩ (1ዮሃ.2፡20፥27)። ﷽ቀብኤ ተመልከት።
ቅትርቲ፤
ናይ መንኮርኮር ብረት፡ ወይ ከኣ መገተሪ መንኮርኮር (1ነገ.7፡33)።
ቅንኣት፤
ዘይናትካ ምትምናይ።
ምስሊ ቕንኣት፤
ንእግዚኣብሄር ዜቕንእ ኣብ ቤት መቕደስ እተሰርሔ ጣኦት፡ ምስሊ ቕንኣት ይብሃል ነበረ (ህዝ.8፡3-5)። ቅድምዚ ኸኣ ምናሴ ኣብ ቤት መቕደስ ምስሊ ብምትካል ንእግዚኣብሄር ከም ዘቕንኤ ንርኢ (2ዜና.33፡7-15)።
ቅንፍዝ፤
﷽እንስሳ ተመልከት።
ትርጉም ቅዱሳት መጽሓፍቲ፤
እቲ ብቋንቋ እብራይስጢ እተጻሕፈ ብሉይ ኪዳን ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ናብ ቋንቋ ግሪኽ ስለ እተተርጎመ፡ እቲ ትርጉም እቲ ﷽ሰብትዋጊንታ (ሰብዓ ሊቃውንቲ ዝተርጎምዎ) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ድሕሪ ልደት ክርስቶስ ከኣ፡ ነዚ ትርጉም እዚ ንምእራም ኮነ ከምኡ ኸኣ ሓድሽ ናይ ግሪኽ ትርጉም ንምድላው ዝጸዓሩ ሊቃውንቲ፡ እቶም ኣዝዮም እተፈልጡ፤ ሲማኩስ (ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘበን)፡ ኣኩላ (ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘበን)፡ ቲዎድትዮን (ኣብ ሳልሳይ ክፍለ ዘበን)፡ ሊክያኑስ (ኣብ ሳልሳይ ክፍለ ዘበን) እተባህሉ እዮም።
ኤር. 38፡40
ካብቲ ጥንታዊ ትርጉም ናይቶም ሰብዓ ሊቃውንቲ እተቐድሔ ቅዳሕ
ከምኡ ኸኣ ብሉይ ኪዳን ናብ ኣረማይስጢ ተተርጎመ እሞ፡ ገለ መብርሂ ተወሰኾ። ካብዚ ቅደሓት እዚ እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝኾነ ትርጉም፡ ኑንክሉስን ዮናታንን ኣተባህሉ ሊቃውንቲ ኣይሁድ ዝተርጎምዎ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያውን እቶም ብሓምሳይ ክፍለ ዘበን ዝመጹ ተሰዐቱ ቅዱሳን (ተስዓ ቅዱሳን)፡ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ናብ ቋንቋ ግእዝ ከም ዚትርጎም ገበሩ። ቅድሚኦም ግና ብትግሃት እኒ ኣባ ሰላማ ከሳተ ብርሃን (ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘበን) ገለ መጽሓፍቲ ተተርጕሙ ኸም ዝነበረ ይብሃል። ካብኡ ንነጀው ከኣ ኣብ ምትርጓም ቅዱሳት መጽሓፍቲ ብዙሕ ጻዕሪ ተገብረ።
ኣብ ሃገር ግብጺ ኸኣ እቲ ቕዱሳት መጽሓፍቲ ናብ ቋንቋ ግብጥ ተተርጎመ፡ እዚ ቛንቋ እዚ ግና ኣብተን ክፍልታት ሃገር ግብጺ ቁሩብ ዚፈላለ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ትርጉም ሰለስተ ዓይነት እዩ።
ኣብ ሃገር ሶርያውን ሓያሎ ትርጉም ናይ ቛንቋ ሱሪስት ተተርጕሙ ነበረ። ደሓር ግና ራቡላ ናይ ሮሃ ኤጲስቆጶስን (ሓምሳይ ክፍለ ዘበን) ፊልክዮስ ናይ መንበግ ኤጲስቆጶስን (ሓምሳይ ክፍለ ዘበን) ቶማስ ብዓል ሄራክልያን (ሳብዓይ ክፍለ ዘበን) ነቲ ትርጉም ከም ዚእረም ገበርዎ።
ኣብ ኣርማንያ ድማ ቅዱስ ሚሰሮኘን ቅዱሳ ሳሃክን (ካብ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ክፍለ ዘበን) ነቲ ቕዱሳት መጽሓፍቲ ናብ ቛንቋ ኣርሜን ተርጎምዎ።
ቅዱስ ሄሮኒመስ ከኣ (ቅዱስ ጀሮም፡ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘበን) ብዙሕ ቅዳሓት ትርጉም ቅዱሳት መጽሓፍቲ ብምምዕርራይ፡ ቢብልያ ቩልጋታ እተባህለ ናይ ሮማይስጢ (ላቲን) ትርጉም ኣዳለወ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓያሎ ትርጉም፡ ጥንታዊ ትርጉም ስለ ዝኮነ፡ እዞም ሎሚ ዘለው ሊቃንውቲ ጻዕሮም ኣብኡ እናመስረቱ እተኣረመ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላው ይኽእሉ ኣለው።
ድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ኤውሮጳ፡ ማርቲን ሉተር (1483-1546 ዓ.ም.) መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቛንቋ ጀርመን ተርጎመ። ኤራስሙስ ከኣ (1466-1536 ዓ.ም.) ሓድሽ ኪዳን ምስቲ ጥንታውያን ጽሑፋት ኣሰማሚዑን ኣሪሙን ናብ ላቲን ተርጎሞ። ዊክሊፍን (1329-1384 ዓ.ም.) ቲንዴልን (1494-1536 ዓ.ም.) ድማ ናብ እንግሊዘኛ ተርጎሙ።
ሎሚ ግና መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ብዙሕ ቋንቋታት ተተርጕሙ ይዝርጋሕ ኣሎ።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣምሓርኛ፡ ኣባ ሮሚ ብዚብሃሉ ኢትዮጵያዊ ሊቅ ተተርጕሙ ካብ 1818-1840 ዓ.ም. ብማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ተኣሪሙን ተሓቲሙን ወጸ። ካብኡ ንነጀው ከኣ በብግዚኡ እናተኣረመ ይሕተምን ይዝርጋሕን ኣሎ።
ኣብ ትግርኛ ብ 1866 ዓ.ም. እተሓትመ ኣርባዕተ ወንጌል ኣሎ፡ ግናኸ እዚ ትርጉም እዚ በሰዃኹዓ ቓላቱ ምኽንያት ኪዝውተር ኣይተኻእለን። ስለዚ ከም ብሓድሽ ተተርጕሙ ብ1900 ዓ.ም. ኣርባዕተ ወንጌል፡ ብ 1909 ዓ.ም. ሓድሽ ኪዳን፡ ብ 1957 ዓ.ም. ከኣ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ተሓቲሙ ተዘርግሔ።
ብቛንቋ ኦሮሚፋ ቀሺ ኦነሲሞስ ነሲብ ዝተርጎሞ ብ1893 ዓ.ም. ሓድሽ ኪዳን፡ ብ 1899 ዓ.ም. ከኣ ብሉይ ኪዳን ተሓትመ።
ብቛንቋ ትግረ ኸኣ፡ ሓድሽ ከïዳን ብ 1902 ዓ.ም. ተዘርግሔ፡ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብ 1988 ዓ.ም. ተሓቲሙ ተዘርግሔ።
ብቛንቋ ኩናማ ብ 1923 ዓ.ም. እተሓትመ ሓድሽ ኪዳን ግና የገልግል ኣሎ።
ዝርዝር ቅዱሳት ምጽሓፍቲ፤
ቅዱሳት ጽሑፋት ብሓደ ስም ተጠቕሊሉ ﷽መጽሓፍቲ ቃኖና ይብሃል። ﷽ቃኖና ቃል ግሪኽ እዩ፡ ትርጉሙ ኸኣ፡ ﷽ክሪ፡ መቀናንዒ ማለት እዩ። ኩለን እተን ኣብ መጽሓፍቲ ቃኖና ተዘርዚረን ዘለዋ ናይ ሓድሽን ብሉይን መጽሓፍቲ፡ እቶም ጸሓፍተን ብመንፈስ ቅዱስ እናተመርሑ ስለ ዝጸሓፍወን መንፈስ ኣምላኽ ዘለወን እየን። ቀንዲ መምርሒ ክርስትያን ከኣ እየን (ሮሜ.15፡4። 2ጢሞ.3፡16-17)። ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ እተን ኣይሁድ እተቐበልወን ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት መጽሓፍቲ እዘን ዚስዕባ እየን፤
ዘፍትረት፡ ዘጸኣት፡ ዘሌዋውያን፡ ዘሁልቅ፡ ዘዳግም 5 መጽሓፍቲ።
ሀ) ካብ ቀዳሞት ነብያት፤
እያሱ፡ መሳፍንቲ፡ ሳሙኤል፡ ነገስ 4 መጽሓፍቲ።
ለ) ካብ ዳሕረዎት ነብያት፤
ኢሳይያስ፡ ኤርምያስ፡ ህዝቅኤል፡ ነኣሽቱ ነብያት 4 መጽሓፍቲ።
ሐ) መዝሙር ዳዊት፡ እዮብ፡ ምሳሌ፡ ዳንኤል፡
ዜና መዋእል፡ እዝራን ነህምያን 6 መጽሓፍቲ።
መ) ኣብ በዓላት ዚንበብ መጽሓፍቲ፤
መሃልየ መሃልይ፡ ሩት፡ ድጉዓ ኤርምያስ፡
መክብብ፡ ኣስቴር 5 መጽሓፍቲ።
ድምር 24 መጽሓፍቲ።
ኣይሁድ ነዘን መጽሓፍቲ እዚኣተን በዘን ኣብ ላዕሊ እተዘርዘራ ሰለስተ ኽፍሊ ከም እተቐበልወን ኣብ ሉቃ.24፡44 ተገሊጹልና ኣሎ። ሎሚ ነቶም ነኣሽቱ ነብያት (ካብ ሆሴእ ክሳዕ ሚልክያስ) በብሓደ ብምቑጻር፡ እቶም ኣብ እብራይስጢ ከም 24 መጽሓፍቲ ዚጽብጸቡ ዝነበሩ፡ 39 መጽሓፍቲ ኾይኖም ተረኺቦም ኣለው። ስለዚ በዘï ጊዜ እዚ፡ መብዛሕትኤን እተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያን፡ ሓደ 39 መጽሓፍቲ ዝሓዘ ብሉይ ኪዳን ተቐቢለን ኣለዋ።
እቶም ወጻኢ ካብ እስራኤል ተበቲኖም ዝነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ካብ እብራይስጢ ኣብሊጾም ቛንቋ ግሪኽ ዚፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ እተን ብእብራይስጢ ዘይነበራ እንተኾነ ብግሪኽ እተጻሕፋ መጽሓፍቲ ኣብ መንጎኦም ተቐባልነት ኪረኽባ ኸኣላ። ንሳተን ከኣ፤ ካልኣይ መጽሓፍ እዝራ፡ ስለስተ መጽሓፍቲ መቃባውያን፡ መጽሓፍ ጦቢት፡ መጽሓፍ ዮዲት፡ መጽሓፍ ባሮክ፡ መጽሓፍ ሲራክ፡ መጽሓፍ ጥበብ እየን። እዘን መጽሓፍቲ እዚኣተን ኣብቲ ﷽ትርጉም ሰብዓ ሊቃውንቲ ዚብሃል ናይ ብሉይ ኪዳን ትርጉም ግሪኽ ኣትየን ኣለዋ። ሎሚ ግና ኣይሁድ ከም መጽሓፍቲ ብሉይ ኪዳን ኣይቆጽርወንን እዮም። ኣብ መንጎ ክርስትያናትውን ነዘን መጽሓፍቲ እዚኣተን ምስተን ካልኦት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣመዓራርዮም ዚቕበልወን ኣለው፡ ዘይቅበልወንውን ኣለው። እቶም ዘይቅበልወን፤ ﷽እዘን መጽሓፍቲ እዚኣተን ካብ ጥንቲ ጀሚረን ብእብራይስጢ ኣይተጻሕፋን፡ በቶም ኣብታ ቕድስቲ ሃገር ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ተቐባልነት ስለ ዘይረኸባ ኸኣ፡ ክርስቶስ ብዛዕባኤን ኣይመስከረን፡ ይብሉ። ገለ ኻብኣቶም ዘይቅበልወን ወገን ከኣ፡ ነዘን ናይ ግሪኽ መጽሓፍቲ፡ ኣፖክሪፋ (ሕቡኣት፡ ትሩፋት) ዚብል ስም ሂቦም፡ ትሕት ዝበለ መዓርግ ይህብወን እዮም። እቶም ዚቕበልወን ግና፡ ﷽እዘን መጽሓፍቲ እዚኣተን በቶም ኣይሁድ እተፈልጣ እየን ዝነበራ። ኣብተን 39 መጽሓፍቲ ዘይርከብ ነገራት ከኣ ኣብኤን ኣሎ፡ እናበሉ ተቐቢሎምወን ኣለው።
ብግዜ ሃዋርያት ብዙሓት ሰባት ዛንታ ህይወት ክርስቶስ በብተራኡ ንምጽሓፍ ከም ዝፈተኑ ንርኢ (ሉቃ.1፡1-4)። ብዙሓትውን መልእኽታት ጽሒፎም ኣለው (2ተሰ.2፡1-2፤ 3፡17)። ኣቦታት ቤተክርስትያን ነተን መጽሓፍቲ ኪእክቡ ኸለው ኸኣ፡ ሃዋርያት ዘይጸሓፍዎ ወይ ከኣ ምስ ሃዋርያት ኮይኖም ዚሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ዘይጸሓፍዎ ጽሑፍ ኣይተቐበሉን።
ኩሎም ክርስትያናት ነዘን ዚስዕባ መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን ይቕበልወን እዮም፤
ድምር መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን 27 መጽሓፍቲ
ኩሉ ዚቕበሎ መጽሓፍቲ ብሉይ ኪዳን 39 መጽሓፍቲ
ናይ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ድምር 66 መጽሓፍቲ
ቅዱሳን፤
ኩላቶም እቶም ናይ እግዚኣብሄር ዝኾኑ ሰባት ቅዱሳት ይብሃሉ (2ዜና.6፡41። መዝ.16፡3። ዳን.7፡27)። ኣብ ሓ.ኪ. ከኣ ኩላቶም እቶም ኣባላት ቤ.ክ. ዘበሉ፡ ቅዱሳን ተባሂሎም ከም ዚጽውዑ ነንብብ (ግብ.9፡13። 1ቆረ.1፡2፤ 6፡1-2፤ 16፡1)።
ቅዱስ፤
እዚ ቓል እዚ ﷽እተፈልየ ማለት እዩ። ሰብ ወይ ዝኾነ ይኹን ነገር ንኣገልግሎት እግዚኣብሄር ምስ ዚፍለ ቅዱስ ይብሃል። ስለዚ ሰባት ይኹኑ (ዘጸ.28፡41) ወይስ እንስሳታት (ዘጸ.13፡1-2) ወይ ከኣ ኣቦታታት (ዘጸ.3፡5) ወይ መዓልትታት (ዘፍ.2፡3) ወይ ድማ ዝኾነ ይኹን ነገር፡ ቅዱስ ኪብሃል ይኽእል እዩ (እያ.6፡19)።
እግዚኣብሄር ካብ ኩሎም ኣማልኽትን ካብ ኩሉ ክፍኣትን እተፈልየ ስለ ዝኾነ፡ ቅዱስ ይብሃል (ዘጸ.15፡11። ኢሳ.40፡25)። እግዚኣብሄር ቅዱስ ስለ ዝኾነ እቲ ንእግዚኣብሄር ዚኸውን ኩሉ ቅዱስ ምዃን ይግብኦ (ዘሌ.19፡2። ዘካ.14፡20-21። 1ጴጥ.1፡15)። ስም እግዚኣብሄር ልዕሊ ኹሉ ስም ስለ ዝኾነ፡ ቅዱስ እዩ (ኢሳ.57፡15። ህዝ.36፡20። ሉቃ.1፡50)፡ ምስጋናኡውን ቅዱስ እዩ (ኢሳ.6፡3። ራእ.4፡8)።
ሰብ ወይ ዝኾነ ኻልእ ነገር ናይ እግዚኣብሄር ምስ ዚኸውን፡ እተቐደሰ ይኸውን። ኣብ ብ.ኪ. እዚ ኩነት እዚ ብፍላይ ብስርዓት ኪፍጸም ከሎ ንርኢ። ኣብ ሓ.ኪ. ከኣ ሓደ ኣማኒ ኣብ ክርስቶስ ምስ ዚህሉ ቅዱስ ይብሃል (1ቆረ.1፡2፥ 30-31)፡ ብጠባዩ ኸኣ እናተቐደሰ ይኸይድ (ዮሃ.17፡17)። ሰብ ብመንፈስ ቅዱስ ካልኣይ ጊዜ ምስ ዚውለድ ናይ ቅድስና ተግባር ይጅምር፡ ህይወቱ ምሉእ ብቕድስና ይዓቢ፡ ኣብቲ ኻልኣይ ምጽኣት ክርስቶስ ከኣ እቲ ቅድስናኡ ፍጹም ይኸውን (1ቆረ.15፡51። 1ተሰ.4፡6-7፤ 5፡23-24)።
እተቐደሰ ኣቕሑ፤
ንኣገልግሎት ቤት መቕደስ እተቐደሰ (እተፈልየ) ኣቕሑ። ጃምላዊ ስም ናይ ዝኾነ ይኹን ኣቅሓ ቤት መቕደስ (1ዜና.26፡26፤ 28፡12)።
ቅዱስ ቁርባን፤
የሱስ በታ እተታሕዘላ ለይቲ፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድራር ፋስጋ ምስ በልዔ ናይ ቅዱስ ቁርባን ስርዓት ሰርዔ (ማቴ.26፡26-28። ማር.14፡22-24። ሉቃ.22፡19-20። 1ቆረ.10፡16-17፤ 11፡23-30)። እዚ ስርዓት እዚ ኸኣ፤ ናይ ክርስቶስ ስጋን ደምን (ማቴ.26፡26-28)፡ መኣዲ ጎይታ (1ቆረ.11፡20-21)፡ ምቑራስ እንጌራ (ግብ.2፡42፤ 20፡7) ተባሂሉ ኣሎ። ቅዱስ ቁርባን ናይ ሓድሽ ኪዳን ምስጢር እዩ (ማቴ.26፡28)፡ ክርስቶስ ብኽብሪ ኽሳዕ ዚምለስ ከኣ፡ እቶም ኣመንቱ በብእዋኑ ኺቖርቡ ይግባእ (1ቆረ.11፡26)። ቅዱስ ቁርባን ናይ ሕብረት ስርዓት እዩ። ነቶም ኣመንቲ ምስ ክርስቶስ ሓደ ዚገብሮም ስለ ዝኾነ፡ ካብ ካልእ ኣምልኮ ኪርሕቑ ይግባእ። ከምኡ ኸኣ ምስ ካልኦት ኣመንቲ ሓደ ዚገብሮም ስለ ዝኾነ፡ ብፍቕሪ ምንባር ይግብኦም። ስለዚ ኩሎም ኣመንቲ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ቅድሚ ምክፋሎም ርእሶም ኪምርምሩ ተኣዚዞም ኣለው (1ቆረ.10፡14-20፤ 11፡27 - 30)። ﷽ናይ ፍቕሪ መኣዲ ተመልከት።
ቅድስቲ፤
እተቐደሰት ወይ ከኣ እተፈልየት ማለት እዩ። እታ ቐዋሚ ቐንዴልን መሰውኢ ዕጣንን ዝነበራ ኻልአይቲ ክፍሊ ቤት መቕደስ፡ ቅድስቲ ትብሃል ነበረት (ዘጸ.26፡33-35፤ 30፡6። እብ.9፡2)።
ቅድስቲ ቅዱሳን፤
ካብቲ እተቐደሰ ዘበለ እተቐደሰት፡ ካብቲ እተፈልየ ዘበለ ኸኣ እተፈልየት ማለት እዩ። እታ ሓሙሽተ እተቐደሰ ኣቕሑ ዝነበራ ውሽጣዊት ሳልሰይቲ ኽፍሊ ቤት መቕደስ፡ ቅድስቲ ቅዱሳን ትብሃል ነበረት (ዘጸ.26፡33-35፤ 30፡6። እብ.9፡3)።
ቅድድም (ጉያ)፤
ኣብ ሃገር ግሪኽ፡ ቅድድም ኣዝዩ እተፈትወ ጸወታ ኸም ዝነበረ ንዝክር። ህይወት ሓደ ክርስትያን ብቕድድም ይምሰል (1ቆረ.9፡24። 2ጢሞ.4፡7። እብ.12፡1)። ﷽ጸወታ ተመልከት።
ቅጥራን፤
ካብ ውሽጢ መሬት ዚወጽእ ጸሊም ዚሕብሩ ሓፊስ ዓይነት ዘይቲ። መራኽብ ማይ ምእንቲ ኸይኣትወን ብቕጥራን ይልቕለቓ ነበራ (ዘፍ.6፡14። ዘጸ.2፡3)።
ቅጫ (በዓል ቅጫ)፤
﷽ፋስጋ ﷽በዓላት ተመልከት።
ረቂቕ ቅጫ፤
ቀጢን ቅጫ ወይ ንእሽቶ እንጌራ (ዘጸ.29፡2። 1ነገ.17፡13)።
ቅጽበት ዓይኒ፤
እዚ ቓል እዚ ኣዝዩ ዝሓጸረ ጊዜ (ኢሳ.54፡8)፡ ወይ ከኣ ቕልጣፈ የመልክት (1ቆረ.15፡51-52)።
ቅጽዓት፤
ኣብ ሕጊ እስራኤል ነፍሲ ዝቐተለ፡ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝወቕዔ ወይ ዝረገመ፡ ንሰብ ሰሪቑ ዝሸጠ፡ ንእግዚኣብሄር ዝጸረፈ፡ ሰንበት ዘይሓለወ፡ ካልእ ኣምልኾ ዝሰዓበ፡ ዝመንዘረ፡ ምስ ባህርይ ሰብ ዘይሰማማዕ ናይ ጾታ ርክብ ዝገበረ ናይ ሞት ቅጽዓት ይፍረዶ ነበረ (ዘጸ.21፡12-17፤ 22፡18-20። ዘሌ.24፡14-16። ዘሁ.15።32-36)። ሰብ ንኻልእ ሰብ ምስ ዚጎድእ ከም መጠን እቲ ዝፈጸሞ ጉድኣት ይኽሕስ ነበረ (ዘጸ.21፡23-25፡30)። ሰብ ምስ ዚብድል ይግረፍ ነበረ፡ እቲ መግረፍቲ ኸኣ ከም ቁጽሪ በደሉ ነበረ፡ ምስናይ እዚ ግና ካብ ኣርብዓ ዚበዝሕ መግረፍቲ ኣይነበረን (ዘዳ.25፡1-3)። ኣብ እስራኤል ናይ ሞት ቅጽዓት ኪፍጸም ከሎ፡ ብዳርባ እምኒ፡ ብምስቃል ኣብ ዕንጨይቲ (ዘዳ.21፡22-23፤ 22፡24) ይፍጸም ከም ዝነበረ ነንብብ። ሮማውያን ከኣ ቅጽዓት ሞት ብምስያፍ ርእሲ (ማቴ.14፡10)፡ ወይ ከኣ ብምስቃል (ማር.15፡21-28)፡ ይፍጽምዎ ኸም ዝነበሩ ንርኢ። እግዚኣብሄር ንሰብ ከከም ግብሩ ይቐጽዖ (ሉቃ.12፡46-48። ራእ.20፡11-15)፡ በደለኛ ኸኣ ንዘልኣለም ይቕጻዕ (ዳን.12፡2። ማቴ.25፡46)። እግዚኣብሄር ንደቁ ይቐጽዖም እዩ፡ እዚ ግና ንጥቕሞም ስለ ዝኾነ ብትዕግስቲ ኪቕበልዎ ይግባእ (እብ.12፡5-11)። ﷽ኩነኔ ተመልከት።
ቅፍርናሆም፤
ኣብ ገምገም ባሕሪ ገሊላ ኣብ ወገን ሰሜን እትርከብ ዓዲ ናሆም ዝነበረት ከተማ። ክርስቶስ እናተመላለሰ ኪሰብኽ ከሎ፡ ምቕማጡ ኣብ ቅፍርናሆም ከም ዝነበረ ንዝክር (ማቴ.4፡13-16)። ዓዲ ዘብዴዎስን ጴጥሮስን (ማር.1፡29-31)። ማቴዎስ ካብ ቅፍርናሆም ተጸውዔ (ማቴ.9፡9)። ኣብ ቅፍርናሆም ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ቤት ጸሎት ሰሪሑ ከም ዝነበረ ነንብብ (ሉቃ.7፡1-5)። ያኢሮስ ከኣ ሓደ ኻብቶም መራሕቲ ቤት ጸሎት ነበረ (ማር.5፡22)። የሱስ ኣብ ቅፍርናሆም ብዙሕ ዘደንቕ ተኣምራት ገበረ (ማቴ.8፡5-13። ማር.2፡1-12። ዮሃ.4፡46-54)። እንተኾነ ግና ሰብ ቅፍርናሆም ስለ ዘይኣመኑ፡ የሱስ ኣብ ልዕሊ ቅፍርናሆም ናይ ፍርዲ ትንቢት ተነበየ (ማቴ.11፡23-24)። ሎሚ ኣብኣ ዚነብር ሰብ የልቦን። ካ 5 ለ።