![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ሕላስ | ሕልሚ | ሕልና | ሕልፍኚ | ሕማማት | ሕማም | ሕሚት | ሕሩም | ሕሩድ | ሕሱም ሃቐና | ሕቖ | ሕቑፊ | ሕበጥ | ሕብረት | ሕንቃቐ | ሕንቅሕንቅሊቶይ | ሕንዚ | ሕንጣጥ | ሕንጥልጥል | ሕውስዋስ ሕዝቢ | ሕያውነት | ሕዱር ሰዓል | ሕጊ | ሕጸ | ሕጽበት
ሕላስ፤
ናይ ውግእ ኣጽዋር (1ሳሙ.17፡7)።
ሕልሚ፤
ኣብ እዋን ድቃስ ዚርኤ ነገር። ሕልሚ እንሓንሳእ ካብቲ ብጊዜ መዓልቲ ዚርኤን ዚሕሰብን ነገራትን ዚግበር ተግባራትን ተላዒሉ፡ ለይቲ ኪሕለም ዚኽእል ነገር እዩ። ስለዚ ኸኣ ሕልሚ፡ ዚበዝሕ ጊዜ ትርጉም ዘለዎ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ (መክ.5፡2-3)። ምስናይ እዚ ግና እግዚኣብሄር ንብዙሓት ሰባት ብሕልሚ እናተራእየ ፍቓዱ ኸም ዝገለጸሎም ነንብብ (ዘፍ.20፡3፤ 28፡12፤ 37፡5-11። ማቴ.1፡20)። ንዮሴፍን ንዳንኤልን ህያብ ምትርጓም ሕልሚ ተዋህቦም፡ (ዘፍ.40፡5፥ 23፤ 41፡14-36። ዳን.2፡25-45፤ 4፡4-27)። ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ሕልሚ ኺሓልሙ ይኽእሉ እዮም (ግብ.2፡17)። እንሓንሳእ ከኣ ሕልሚ፡ ሰብ ኬስሕት ይኽእል እዩ (ዘዳ.13፡1-4)። ﷽ራእይ ﷽ትንቢት ተመልከት።
ሕልና፤
ክፉእን ጽቡቕን ዚፈሊ ስምዒት፡ ሰብ ምስ ዚጋገ ዚወቅስ ሓይሊ፡ ንሰብ ብምኽንያት ጽቡቕ ተግባሩ ይኹን ወይ ብምኽንያት ክፉእ ተግባሩ ዘተሓሳስቦ ረቂቕ ውሽጣዊ ህዋስ፡ ሕልና ይብሃል። እቶም ቃል እግዚኣብሄር ሰሚዖም ዘይፈልጡ ብባህሪዮም ተደሪኾም ሕልናኦም ይምስክርሎም እዩ (ሮሜ.2፡14-15)። ሰብ ጽቡቕ ሕልና ምእንቲ ኺህልዎ ነቲ ዚሰምዖ ሰናይ ነገር ኩሉ ምግባር ይግብኦ (ግብ.23፡1። ሮሜ.13፡5። 1ጴጥ.3፡16-17)። ሰብ ዚጋገ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ሰናይ ዚመስሎ ኽፉእ ኪኸውን ዚኽእል ስለ ዝኾነ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኪፈልጥ የድልዮ (1ቆረ.8፡7)። ሰብ ነቲ ጽቡቕ እናፈለጦ እንተ ዘይገበሮ ሕልንኡ ይድንዝዝ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ይደክም (1ቆረ.8፡12። 1ጢሞ.4፡2። ቲቶ.1፡15)። ስለዚ ሓደ ሓድሽ ኣማኒ ወይ ከኣ ሓደ ድኹም ክርስትያን፡ ሕልንኡ ምእንቲ ኸይጉዳእ በቲ ዚጠራጠረሉ እዋን ክትግድዶ ኣይግባእን እዩ (1ቆረ.8፡7-13)። ሰብ ብተግባር ክርስቶስ እዩ ንጹህ ሕልና ዚረክብ እምበር ብደም እንስሳ ኣይኮነን (እብ.9፡9፥ 14፤ 10፡22። 1ጴጥ.3፡21)።
ሕልፍኚ፤
መርዓውን መርዓትን ኣብ ጊዜ ሕጽኖቶም ንምዱብ ግዜ ዚነብሩላ ክፍሊ ቤት (ዮኤ.2፡16)።
ሕማማት፤
በብዓይነቱ ሕማም። ጥዕና ዘይምርካብ፡ ድናሴ ወዘተ. ሕማማት ይብሃል። ሕማም ብሰሪ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ። ኩነታት ሓጢኣት ብምሳሌ ሕማም ይግለጽ (ኢሳ.1፡6)። ኣዳም ኣብ ሓጢኣት ምስ ወደቐ ፍርሃትን ስቓይን ወረዶ (ዘፍ.3፡16-17፤ 4፡13)። እግዚኣብሄር ነቶም ዚኽተልዎ ዘበሉ ካብ ሕማም ከም ዜድሕኖም የተስፉ (ዘጸ.15፡26። ዘዳ.7፡12-16)። ነቶም ዘይእዘዝዎ ግና በብዓይነቱ ሕማም ይሰደሎም (ዘሌ.26፡14-16። ዘዳ.28፡22፥ 27፥ 58-61። ኤር.24፡10)። ሓያሎ ሰባት፡ ከም ሓብቲ ሙሴን ከም ገሓዝን፡ ከም ዘካርያስን ከም ባርየሱስን ሓጢኣት ስለ ዝገበሩ ብቕጽበት ብሕማም ተቐጽዑ (s@êé.12:10። 2ንነ.5፡25-27። ሉቃ.1፡20። ግብ.13፡11)። ብዙሕ ግዜ ግና፡ ሕማም ምኽንያት ናይ ብሕቲ ሓጢኣት ኣይኮነን (ዮሃ.9፡2-3)። ሰይጣን ንሰብ ብሕማም ኪወቕዖ ከም እተፈቕደሉ ከነንብብ ንኽእል (እዮ.2፡4-7። ሉቃ.13፡16። ግብ.10፡38)። ﷽ጥዕና ﷽ፈውሲ ተመልከት።
እቶም መ.ቅ. ዝጸሓፉ ጸሓፍቲ፡ ብዛዕባ ሕማም ኪጽሕፉ ኸለው፡ ከምዞም ናይ ሎሚ ሊቃውንቲ ስነ ፍጥረት ዘይኮነስ፡ ነቲ ናይቲ ዘበኖም ፍልጠት ተመልኪቶም እዮም ብዛዕባ ኩነታት ሕማም ዚገልጹ ዝነበሩ። ንኣብነት፡ ከምቲ ኣብ መ.ቅ. ተመልኪቱ ዘሎ፡ እቲ ﷽ለምጺ ዚብል ቃል ብዙሕ ዓይነት ሕማም ኬመልክት ዚኽእል ቃል እዩ። ስለዚ ኣብ መ.ቅ. ብዛዕባ ሕማም ኪግለጽ ከሎ፡ ነቲ ዓይነት ሕማም እምበር ከምዚ ናይ ሎሚ ዘበናዊ ፍልጠት ዚገልጾ ኣገላልጻ ጌርካ ነቲ ሕማም ክትፈልጦ ኣይከኣልን እዩ። ሃዋርያት ኣብ መንጎ እቲ ብምኽንያት ኣጋንንቲ ዚወርድ ዝነበረ ሕማምን ካልእ ዓይነት ሕማምን ፍልልይ የርእዩ ኸም ዝነበሩ ንምልከት (ማር.1፡34)። በዚ ዘበናዊ ናይ ስነ ፍጥረት ፍልጠት ዘይኮነስ፡ በዚ ጸሓፍቲ መ.ቅ. ዚሕብርዎ፡ እቶም ኣብ መ.ቅ. ተጠቒሶም ዘለው ሕማማት ኣብዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ ኣርእስቲ ንምጥርናፉ ኽንፍትን ኢና፤
ብ 1250 ቅ.ል.ክ. ኣቢሉ ኣብ ሓደ ናይ ግብጺ ሓወልቲ ተሳኢሉ እተረኽበ ስእሊ ናይ ሓደ እግሩ ዝለመሰ ሰብ
ሕማም፤
(ዘዳ.7፡15። ማቴ.4፡23)። ﷽ሕማማት ተመልከት።
ሕሜት፤
ሓደ ሰብ ንኻልእ ሰብ፡ እናፈለጠ፡ ምእንቲ ኺጎድኦን ምእንቲ ኼዋርዶን፡ ብዛዕብኡ ሓሶት ወይ ክፉእ ነገር ምስ ዚዝርግሕ ሕሜት የዘውትር። መ.ቅ. ሕሜት ከይነዘውትር ብዙሕ ጊዜ የጠንቅቐና (መዝ.50፡20፤ 101፡5። ምሳ.10፡18። ኤር.9፡4። 1ጴጥ.2፡1። 1ጢሞ.3፡11-13)።
ሕሩም፤
ምእንቲ እግዚኣብሄር ዚሕደግ ነገር። እያሱ ነቲ ካብ ውግእ ዝማረኾ ኩሉ ንእግዚኣብሄር ሓረሞ (እያ.6፡18-21)። ﷽ምርኮ ተመልከት።
ሕሩድ፤
ንምግቢ ሰብ ዚኸውን ስጋ ኸብትን ጤሌ-በጊዕን (ዘፍ.43፡16)።
ሕሱም ሃቐና፤
ክፍኣት፡ ዘይቅኑዕ ምዃን (መዝ.37፡7)።
ሕቖ፤
ሕቖኻ ምዕጣቕ፡ ቀልጢፍካ ንምጉያይ ክዳንካ ምዕጣቕ ማለት እዩ (ነገ.18፡46)። ሕቖኻ ምዕጣቕ፡ ብትግሃት ምግልጋል ከኣ ኬመልክት ይኽእል (ሉቃ.12፡35። 1ጴጥ.1፡13)። ዘርኢ ካብ ሕቖ ይወጽእ (እብ.7፡5)።
ሕቑፊ፤
ሰለፍን ኣፍ ልብን፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ዙርያ ኣእዳውን ኣፍ ልብን ዚርከብ ኣካባቢ። እዚ ቓል እዚ ምቅርራብን ፍቕርን የመልክት (ሉቃ.16፡22። ዮሃ.1፡18፤ 13፡23)።
ሕበጥ፤
ከምቲ ኣብ መ.ቅ. ተገሊጹ ዘሎ፡ እዚ ቓል እዚ ዝኾነ ይኹን ኣብ ቆርበት ስጋ ዚርኤ ዓይነት ቁስሊ የመልክት (2ነገ.20፡7። ኢሳ.1፡6)። ﷽ሕማማት ተመልከት።
ሕብረት፤
ሓድነት፡ ሓደ ምዃን ምስምማዕ። ሓደ ኣማኒ ምስ እግዚኣብሄርን ምስ ካልኦት ኣመንትን ሕብረት ኣለዎ (ግብ.2፡42። ፊል.2፡1። 1ዮሃ.1፡3-4)። ብርሃን ምስ ጸልማት ሕብረት የብሉን (1ቆር.6፡14-18። 1ዮሃ.1፡6-7)። ሕብረት ብመንፈስ ቅዱስ ዚውሃብ በረኸት እዩ (2ቆረ.13፡13)። ﷽ሓድነት ተመልከት።
ሕንቃቐ፤
ጣዕሚ፡ ቅብጣን። ኣብ ኢሳ.47፡1 ﷽ሕንቅቕቲ ኪብል ከሎ፡ ብጣዕምን ብቕብጣንን ምንባር የመልክት።
ሕንቅሕንቅሊቶይ፤
ፍልጠትን ጥበብ ሰብን ንምፍታን ዚውሃብ ሕቶ። ግድል፡ ጸወታ፡ ወይ ከኣ ምሳሌ (መሳ.14፡12-19። 1ነገ.10፡1)።
ሕንዚ፤
መርዚ፡ ኪቐትል ዚኽእል ፈውሲ (ዘዳ.32፡33)።
ሕንጣጥ፤
ናይ ንባብ መፍለይን ምልክት ዕረፍቲ ንባብን። ክርስቶስ ሕንጣጥ ኪብል ከሎ፡ ከምቲ ኣብ ፊዴላት ትግርኛ ምልክት ሕንጣጥ ዘሎ፡ ኣብ እብራይስጢውን ምልክት ሕንጣጥ ስለ ዘሎ፡ ካብ ሕግስ ሓንቲ ሕንጣጥ (ወይ ነጥቢ) እኳ ከም ዘይትሓልፍ የስተምህረና (ማቴ.5፡18)። ﷽የውጣ ተመልከት።
ሕንጥልጥል፤
ደቀንስትዮ ኣብ ክሳደን ዚኣስርኦ ብብሩር ወይ ብኻልእ ማዕድን ዚስራሕ ስልማት (ህዝ.16፡11)። ኣብ ብ.ኪ. ኣብቲ ልብሲ ኽብሪ ሊቀ ካህናት ሰንሰለት ወርቂ ይግበር ከም ዝነበረ ነንብብ። እዚ ሰንሰለት ወርቂ ኸኣ ነቲ ሕንጥልጥል እንብሎ ስልማት ዚመስል እዩ (ዘጸ.28፡24)።
ሕውስዋስ ህዝቢ፤
እዚ ቓል እዚ፡ ካብ በበይኑ ሃገር መጺኡ ብሓደ ዚነብር ህዝቢ ወይ ከኣ እተሓናፈጸ ህዝቢ ይሕብር (ዘጸ.12።38። s@Ãé.11:4-6። ነህ.13፡3። ኤር.25፡20)።
ሕያውነት፤
ሰናይ፡ ልግሲ፡ ሳህሊ እግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ንሰብ ሕያውነቱ ኣርእዩ (መዝ.33፡5። ሮሜ.2፡4)። ሕያውነት ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወት ሓደ ኣማኒ እዩ (ገላ.5፡22)።
ሕዱር ሰዓል፤
ካብ ጉድለት ምግብን ካብ ሕማም ሳምቡእን ካልእ ንኡ ዚመስል ጠንቅን ዚመጽእ ሕማም (ዘሌ.26፡16)። ﷽ሕማማት ተመልከት።
ሕጊ፤
ክትገብሮ ዚግብኣካ ዚእዝዝን ከይትገብሮ ዚግብኣካ ዚኽልክል ስርዓትን ውሳኔን ሕጊ ይብሃል። ሕጊ ኹሉ ጊዜ ህልዊ እዩ። እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ሕጊ፡ እቲ ዓሰርተ ትእዛዛት እግዚኣብሄር እዩ (ዘጸ.20፡1-17)። ﷽ኪዳን ተመልከት። መ.ቅ. ነዚ ﷽ሕጊ ዚብል ቃል ከምዚ ዚስዕብ ገይሩ የዘውትሮ፤ 1. እተን ሓሙሽተ መጽሓፍ ሙሴ (ማቴ.5፡17። ሉቃ.16፡16)። 2. ብሉይ ኪዳን ብምሉኡ (ዮሃ.10፡34፤ 12፡34)። 3. ኣብ መጽሓፍቲ ሙሴ ተዘርዚሩ ዘሎ በብዓይነቱ ትእዛዛት (ዘዳ.5፡6-21። ገላ.3፡17-19)። ኣብ ብ.ኪ. ኣብ ﷽ትሕቲ ሕጊ ምዃን ማለት ኣብ ትሕቲ እቲ ብሙሴ እተዋህበ ኪዳን ምንባር ማለት እዩ (1ቆረ.9፡20። ገላ.3፡23)። 4. ናይ ሕልና ሕጊ፡ ብባህርይ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮ ሰብ ሰፊሩ ዚርከብ ሕጊ ማለት እዩ (ሮሜ.2፡12-15)። 5. እቲ ኣብ ናይ ተፈጥሮኡ ሕጊ ዚነብር ሰብ ዚምርሓሉ በብዓይነቱ ናይ እምነት ሕጊ (ሮሜ.2፡27)፡ ናይ ኣእምሮ ሕጊ፡ ናይ ሓጢኣት ሕጊ (ሮሜ.7፡22-23)። 6. ኣብ ዝኾነ ይኹን ጊዜ እተዋህበ ሕጊ እግዚኣብሄር (ሮሜ.3፡21-27)። ንኣብነት ንኣዳምን ንኣብርሃምን ሙሴን፡ ከምኡ ኸኣ ንሃዋርያት በብጊዚኡ ትእዛዛት ተዋሂቡ ኣሎ። መ.ቅ. ብዛዕባ ሕግን እምነትን፡ ብዛዕባ ሕግን ወንጌልን ዘስተምህሮ ትምህርቲ ከምዚ ዚስዕብ እዩ። ዝኾነ ይኹን ብግብሪ ሕጊ ዚጸድቕ ሰብ የልቦን (ሮሜ.3፡20። ገላ.2፡16)። እቶም ካብ ሕጊ ዝኾኑ፡ ሕጊ ብምሕላው ከም ዚድሕኑ ተስፋ ዚገብሩ እዮም (ሮሜ.4፡14። ፊል.3፡7-9)። ሓደ ክርስትያን ትሕቲ ሕጊ ኣይኮነን ኪብሃል ከሎ፡ ሕጊ ብምሕላው ጥራይ ኣይድሕንን እዩ ማለት እዩ (ሮሜ.6፡13-15)። ሕግስ ሓጢኣት እዩ ዜፍልጥ (ሮሜ.3፡20፤ 7፡7)፡ ስለዚ ናብ ክርስቶስ ዜብጽሓና ቀጻዒና እዩ (ገላ.3፡23-25)። ሓደ ክርስትያን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ክርስቶስ እዩ፡ ሕጊ እግዚኣብሄር ኪሕሉ ኸኣ ይፈቱ (መዝ.40፡7-8። ሮሜ.7፡22)። ክርስቶስ ሕጊ ኺፍጽም መጸ (ማቴ.5፡17)። ንሕጊ ብምእዛዝን (ገላ.4፡4-5። 1ጴጥ.2፡22-23)፡ ሕጊ ብምግላጽን ብምጽናዕን፡ ሕጊ ከም ዘይተሳዕረ ብምድጋፍን (ማቴ.5፡17-48)፡ ናይ ሕጊ ቅጽዓት ምእንቲ ኻልኦት ብምቕባልን (ገላ.3፡10-14)፡ ነቶም ሰዓብቱ ብሕጊ ኸም ዚመላለሱ ብምግባርን (ሮሜ.8፡3-4) ኩሉ ሕጊ ፈጸመ። ክርስቶስ ንሕጊ፡ እግዚኣብሄር ምፍቃርን ሰብ ምፍቃርን ኣብ ዚብላ ክልተ ትእዛዛት ይጥርንፎ (ማቴ.22፡35-40)።
ሕጸ፤
ምትሕጽጻይ። ኣብ መ.ቅ. ከም እንርእዮ ክልተ ሰባት ምስ ተሓጻጸዩ ክሳዕ ብመርዓ ዚተኣታተው መብጽዓኦም ይሕልው ነበሩ (ዘፍ.29፡11። ማቴ.1፡18-20)። እቲ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ዝነበሮ ፍቕርን እምነትን ብምትሕጽጻይ ተመሲሉ ኣሎ (ሆሴ.2፡19-20)። ኣብ መ.ቅ. ዚበዝሕ ጊዜ ወለዲ ንወዶም ሰበይቱ እትኸውን ጓል ከም ዚመርጹሉ ንርኢ። እንሓንሳእ ከኣ፡ ከምቲ ሳምሶን ዝገበሮ፡ እቲ ወዲ ሰበይቱ እትኸውን ሕጽይቲ ባዕሉ ኺመርጽ ከሎ ንርኢ (መሳ.14፡1-2)። ብኻልእ ኣገባብ ከኣ፡ ናእሚ ንሩት ቦኤዝ ከም ዝመረጸትላ፡ ሳኦል ከኣ ንዳዊት ሚልካ ኸም ዝሃቦ ንርኢ እሞ፡ ወለዲ-ጓል ሰብኣይ ጓሎም ባዕሎም ይመርጽዎ ኸም ዝነበሩ ንዕዘብ (ሩት.3፡1-4. 1ሳሙ.18፡22)። ኣብ እዋን ሕጸ ሰለስተ ዓይነት ህያብ ወይ ኣገልግሎት ይውሃብ ከም ዝነበረ ነስተብህል፤ 1. እቲ ወዲ ንስድራ እንዳ ጓል ዚህቦ ኣገልግሎት ወይ ህያብ (ዘፍ.29፡18፤ 34፡12)። 2. እቲ ወዲ ንጓል ዚህቦ ህያብ (ዘፍ.24፡53)። 3. ወለዲ ጓል ንጓሎም ዚህብዎ ህያብ (መሳ.1፡1-15)። እዚ ኹሉ ምስ ተገብረ፡ ሕጸ ብመርዓ ይፍጸም ነበረ።
ሕጽበት፤
ከነኣን ደሮና ዝመልኣ ሃገር ስለ ዝነበረት፡ ሰባት ካብ መገሻኦም ኣብ ቤት ኪኣትው ኸለው ኣእጋሮም ምሕጻብ እተለምደ ኸም ዝነበረ ነንብብ (ዘፍ.18፡4። መሳ.19፡21። ሉቃ.7፡44)። እቶም ካህናት ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማሮም ኣእጋሮምን ኣእዳዎምን ኪሕጸቡ ዚእዝዝ ስርዓት ነበሮም (ዘጸ.30፡17-21)። ቅድሚ ምብላዕ ምግቢውን ስርዓት ምሕጻብ ኣእዳው እተለምደ ኸም ዝነበረ ንርኢ። ፈሪሳውያን ኣእዳውካን ኣቕሑ ቤትካን ኣጸቢቕካ ምሕጻብ ዚብል ቀጥ ዝበለ ስርዓት ከም ዝነበሮም ነንብብ። የሱስ ግና እቲ ቐንዲ ቁም ነገር ምሕጻብ ኣእዳው ዘይኮነስ ምሕጻብ ልቢ ከም ዝኾነ መሃረ (ማር.7፡1-8። ሉቃ.11፡38-41። ዮሃ.13፡1-5፥ 11)። ምሕጻብ፡ ብጥምቀት ካብ ሓጢኣት ምንጻህ ዜመልክት ቃል እዩ (ቲቶ.3፡5)።