![]() |
![]() |
![]() |
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት
|
ጭሕሚ፤
ኣብ ገጽ ሰብኣይ (ብፍላይ ከኣ ኣብ መንከስ) ዚበቁል ጸጉሪ። ኣብ መንጎ ሴማውያን፡ ጭሕሚ ምልክት ክብሪ ነበረ፡ ኪላጽይዎን ከለው ግና ምልክት ሓዘን ይኸውን ነበረ (እዝ.9፡3)። ﷽ጸጉሪ ﷽ላጸየ ተመልከት።
ጭቃ፤
ቀደም ዘበን ንመስርሒ ቤት ዚኸውን ጡብን ንቤት ዚኸውን ኣቕሑን ብጭቃ ይስራሕ ነበረ፡ ኣብ ገሊኤን ሃገራት ከኣ ሰባት ኣብ ሰሌዳ-ጭቃ ይጽሕፉ ኸም ዝነበሩ ነንብብ (ዘፍ.11፡3። ዘጸ.1፡14። ኤር.18፡4። ህዝ.4፡1)።
ኣብ ጭቃ ዚቕረጽ ቅርጺ ጽሕፈት
ናይ ጭቃ ሰሌዳ፤
ናይ ጡብ ሰሌዳ። ቀደም ዘበን ሰባት በብዓይነቱ ቕርጺ ዘለዎ ጭቃ ጠፍጢፎም፡ ከይነቐጸ ኸሎ ዜድልዮም ስእልን ጽሑፍን ይጽሕፉሉ እሞ ብጸሓይ ወይ ብሓዊ ይብስልዎ ነበሩ። ኣብ እስራኤልን ከባቢኣን ከምዚ ዝበሉ ናይ ጭቃ ወይ ናይ ጡብ ሰሌዳታት ኣብ መሬት ተደፊኖም ተረኺቦም ኣለው። ገለ ኻብቲ ሰሌዳታት ብ 3000 ቅ.ል.ክ. ከም እተሰርሔ ይግመት (ህዝ.4፡1)።