ምዕራፍ 1
እዛ መልእኽቲ እዚኣውን ከምተን ክልተ ቕድሚኣ እተጻሕፋ መልእኽታት ዮሃንስ ብ 90 ዓ.ም. ኣቢላ ኣብ ኤፌሶን እተጻሕፈት ትመስል። ዮሃንስ ኣብዛ ሳልሰይቲ መልእኽቱ ንሓደ ጋይዮስ እተባህለ ኣማኒ ብዛዕባ እቲ ዚገብሮ ዚነበረ ናይ ምቕባል ጋሻ ተግባሩ የመስግኖ። ከምኡ ኸኣ ብዛዕባ ህይወት ማሕበር፡ ነቲ ሰናይ እምበር ነቲ እኩይ ከይቃጸጾ እናኣተባብዔ ሰላምታኡ ይሰደሉ።