መልእኽታት ናብ ሰብ ተሰሎንቄ
እዘን መልእኽታት እዚኤን ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ተሰሎንቄ ምስ ወጸ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ተጻሕፋ። እቲ ዓመታቱ 50 ወይ ከኣ 51 ዓ.ም. ኣቢሉ ይኸውን። ማሕበር ተሰሎንቄ እናበርትዔት ከደት (1ተሰ.1፡2-10። 2ተሰ.1፡3-4)። ጳውሎስ ኣብ ተሰሎንቄ ብዙሕ ስለ ዘይተቐመጠ፡ መሰረታዊ ዝኾነ ትምህርቲ ክርስትና ኬስተምህሮም ስለ ዝደለየ ኣከታቲሉ ኽልተ መልእኽታት ጸሓፈሎም (1ተሰ.3፡9-10)። ኣብ ክልቲኤን መልእኽታቱ ኸኣ ብፍላይ ብዛዕባ ኻልኣይ ምምጻእ ክርስቶስ ይዛረብ (1ተሰ.4፡13-18፤ 5፡1-11። 2ተሰ.2፡1-12)። ስደት ስለ ዝወረዶም ብጽንዓት ኪቖሙ የበራትዖም (1ተሰ.2፡14-3፡5። 2ተሰ.1፡4)።
ክፍልታት እተን መልእኽታት፤
ቀዳመይቲ መልእኽቲ፤
ካልአይቲ መልእኽቲ፤