ምዕራፍ 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10 11 12 13 14 15 16
ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናይ ግሪኽ ከተማ ዝነበረት ከተማ ቈረንቶስ፡ ማሕበር ክርስትያን መስሪቱ ነበረ (ግብ.18፡1-18)። ጳውሎስ በቲ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረሉ ጊዜ፡ ካብቶም ካብ ቈረንቶስ ዝመጹ ኣጋይሽ ኩነታት እታ ማሕበር ሰምዔ (1ቈረ.16፡8-9፤ 1፡10-12፤ 16፡17)። እቲ ኹነታት ከኣ ዜጉሂ ነበረ። ኣብ ማሕበር ቈረንቶስ ክርክርን ፍልልይን (1ቈረ.1፡10-12)፡ ምንዝርናን 1ቈረ.5፡!)፡ ነገርን (1ቈረ.6፡1) ኣትዩ ነበረ። ስለዚ ኸኣ እቲ ሃዋርያ ብዛዕባ እዚ ኹነታት እዚ ምኽሪ ምእንቲ ኺህብ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኺጽሕፍ ጀመረ። ቅድም ግና በብዓይነቱ ሕቶታት ዝሓዘት መልእኽቲ ኻብ ማሕበር ቈረንቶስ በጺሓቶ ስለ ዝነበረት፡ ኣብቲ ዳሕረዋይ ክፍሊ ናይዛ መልእኽቲ ነቲ ዝቐረቦ ሕቶታት መልሲ ይህበሉ (1ቈረ.7፡1፤ 8፡1፤ 12፡1፤ 16፡1)። እዛ መልእኽቲ እዚኣ ብ 55 ዓ.ም. ኣቢላ ተጻሕፈት።
ክፍልታት እታ መልእኽቲ፤
ሀ) ብዛዕባ ኹነታት ማሕበር።
ለ) ብዛዕባ እቲ ማሕበር ዘቕረብዎ ሕቶታት።